SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ሕዳር 2023)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 27 ሕዳር 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብተን ዝለዓለ መጠን ናይ ቆርበት ካንሰር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ሜላኖማ ሓዊስካ መብዛሕትኦም መንሽሮታት ቆርበት ዝፍጠሩ ፡ ዋህዮታት ቆርበት ምክልኻል ከይተገብረሎም ናብ ኣልትራቫዮለት ወይ UV, ወይ ናብ ጨረርታ ጸሓይ ምስዝቃልዑ እዩ። ነቶም ጸሊም ናይ ቆርበት ሕብሪ ዘለዎም ወሲኹ፡ ቆርበት መንሽሮ ዝስዕቡ ሓደገኛ ረቛሒታት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዘሎ ጸሓይ ሓደጋ ብኸመይ ትከላኸሎ ዝጥምት ሓደ መደብ ክቐርብ'ዩ ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ። ግዝያዊ ምምሕዳር ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ዝውዕል 50 ሚልዮን ብር ሰሊዑ ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፅ መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ብወግዒ ተኸፊቱ ቆምስ ኣብ ሰረቀብርሃን ፡ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ተባሂሎም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ሰብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ኮይኖም ከገልግሉ ተሸይሞም ብብልሽውና ዝተዘምተ 9 ቢሊየን ብርን ልዕሊ 4 ሚሊየን ካሬ ሜትር ቦታን ከም ዘምለሰ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ኢትዮጵያ ሓቢሩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ፥ ከም ኡውን ዘዛንዩ ዜማታት ክንጋብዘኩም ኢና። Newzealand ኣርእስታት ዜና፥ ** ስድራቤታት ናይቶም ብሓማስ ተታሒዞም ዝጸንሑን እሱራት እስራኤልን ሓራ ብምውጻኦም ፈተውቶም ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ ። ** ላዕለዋይ ሚኒስተር ካቢነ ሚኒስተራት ክሪስ ቦወን ፡ ናጽነት እስራኤል ኣብ ናጽነትን ውሕስነትን ፍልስጤማውያን ዝምርኰስ ምዃኑ ገሊጹ ። ** ኣሰልጣኒ ኣንጌ ፖስተኮጎሉ ዝመርሓ ጋንታ ቶተንሃም ፡ ኣብ ፕሪሜር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ናይ ሳልሳይ ደረጃኣ ናብ ሓሙሻይ ወሪዳ።
    53 min
  • ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ። (ጸብጻብ)
    ግዝያዊ ምምሕዳር ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ዝውዕል 50 ሚልዮን ብር ሰሊዑ ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፅ መፍረይ ሓፂን ሌጀንድ ብወግዒ ተኸፊቱ ቆምስ ኣብ ሰረቀብርሃን ፡ ብፁእ ኣቡነ ሰላማ ተባሂሎም ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ሰብከት ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ኮይኖም ከገልግሉ ተሸይሞም ብብልሽውና ዝተዘምተ 9 ቢሊየን ብርን ልዕሊ 4 ሚሊየን ካሬ ሜትር ቦታን ከም ዘምለሰ ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ኢትዮጵያ ሓቢሩ።
    6 min
  • ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሓውዩ ድሕሪ ምምላሱ ሽቶ ኣመዝጊቡ፣ ኣብ ማራቶን በይጂንግ ስራነሽ ይርጋ ተዓዊታ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/11/2023) * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ መጉዳእቲ ሓውዩ ናብ ግጥም ብምምላስ ሓንቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ብገፊሕ ክትዕወት ሓጊዙ፣ * ኢትዮጵያ ኣብ መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 2026 ካልኣይ ዘካየደቶ ግጥም ኣንጻር ቡርኪናፋሶ 3-0 ተሳዒራ፣ * ኢትዮጵያዊት ስራነሽ ይርጋ ንኬንያውያን ብምዕብላል ኣብ ማራቶን በይጂንግ ተዓዊታ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራልያ እቲ ነዊሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ምቛም ካልኣይ ዲቪዥን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ጋንታታት ክዉን ክኸውን ብምግባር ካብ ዝመጽእ ሚያዝያ 2025 ኣትሒዙ ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣
    11 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ
    ንሎሚ ሰንበት 26 ሕዳር 2023 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፥ * 24 ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ ሰባት ብሓማስ ዓርቢ ድሕሪ ምልቃቖም እስራኤል ዝርዝር ኣስማት ናይ’ቶም ተወሰኽቲ ቀዳም ዝልቀቑ ሰባት ተቐቢላ፣ * ኣባል ፖሊስ ከተማ ሚኒያፖሊስ ዝነበረን ብቕትለት ጂዮርጅ ፍሎይድ ዝተፈርደን ደረክ ሾውቪን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብኻራ ተወጊኡ፣ * ኣብ ሶማልያ ብምኽንያት ምዕልቕላቕ ዝመቱ ሰባት ቁጽሮም ናብ ከባቢ 100 በጺሑ፣
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ
    * ኢጋድ ዝርርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦነግን ክቕጽል ጸዊዑ፣ ኣብ ትግራይ፡ ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ሓገዝ እናሃለወ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ከም ዝወሰኹ ተገሊጹ፣ መብዛሕትኦም ስደተኛታት ትግራይ ተመሊሶምዮም ዝብል መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር ተቓውሞ ገጢሙዎ፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ነጻ ዝወጹ 54 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፣ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን ጥቅምትን ናይዚ ዓመት ልዕሊ 93 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ገሊጹ፣ * ድሒሩ ኣብ'ዚ ወርሒ መራሕቲ ዓለም፡ ክኢላታት ክሊማን ተጣበቕቲ ከባቢን ኣብ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ-28 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክራኸቡ'ዮም። ዓለም ኣብ ጫፍ ነጥቢ ዋዒ በጺሓ ከምዘላ ዝያዳ መርትዖ እንተደልዮም፡ ናብ'ቶም በረዳት ክብረወሰን ብዝኾነ ግዜ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ኣኽራናት ኣልፕስ ኢጣልያ ከቕንዑ ይኽእሉ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣቶ ዮናስ ምሕጽንቱ ወግዓዊ ምስክር ወረቐት ዘለዎ ክኢላ ጥዕና ኣእምሮን ልዕሊ 15 ዓመት ተሞክሮ ዘለዎ ኣገልግሎት ምኽሪ ዝህብን’ዩ። ጭንቀት፣ ጸገማት ኣብ ዝምድናታትን ምስግጋር ህይወትን ገለ ካብ’ቶም ብዙሓት ተገዲሱ ዝሰርሓሎም ጸገማትን ሞያዊ ኣትኩሮ ዝገብረሎምን’ዮም። ኣብ ከተማ መልበርን፣ 'ዮኔክስ ማይንድኬር' ዝተባህለ ማእከል ከፊቱ ይነጥፍ። ኣብ ዙርያ ጥዕና ኣእምሮን ጸገማቱን፣ ሓፈሻዊ ርድኢት ሕብረተስብን ተጠቃምነት ቀረብ ኣገልግሎታትን ዝምልከት መብርሂ ክህበና’ዩ። * ኣብ መወዳእታ ህጻናት ኣብ ኣውስትራልያ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር ትሮውማ ኢልና ንገልጾ ካብ ሕማቕ ተሞክሮ ዝብገስ ስንባደ/በሰላ ኣእምሮ/ የጋጥሞም፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ይኹን ነዊሕ ዝገበረ፡ ምስ ግቡእ ሓገዝ እቶም ህጻናት ክሓውዩ ይኽእሉ'ዮም። ወለዲን ኣለይቲን ነዞም ህጻናት ድሕነትን ጽቡቕ ህላወን መሊሱ ክስምዖም ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብና ወለድን ኣለይትን ሕይወት ደቆም ንምምሕያሽ ዝሕግዝዎም ገለ ሜላታት ነቕርብ።
    52 min
  • 'ዝበዝሑ ስደተኛታት ትግራይ ተመሊሶም'ዮም' መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር አቢይ አሕመድ ተቓውሞ ገጢሙዎ
    ጸብጻባት ዜና * ኢጋድ ዝርርብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኦነግን ክቕጽል ጸዊዑ፣ * ኣብ ትግራይ፡ ዝተኸዘነ ሰብኣዊ ሓገዝ እናሃለወ ብጥምየት ዝሞቱ ሰባት ከም ዝወሰኹ ተገሊጹ፣ * መብዛሕትኦም ስደተኛታት ትግራይ ተመሊሶም'ዮም ዝብል መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር ተቓውሞ ገጢሙዎ፣ * ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ነጻ ዝወጹ 54 የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፣ * ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጎ ወርሒ ጥሪን ጥቅምትን ናይዚ ዓመት ልዕሊ 93 ሽሕ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብ የመን ከምዝኣተዉ ገሊጹ፣
    9 min
  • ን30 ዓመታት ኣነ ኣብ በረድ'የ ብነፋሪት ዝዓልብ ኔረ፡ እዚ ንፈለማ ግዜ ኣብ እምኒ ዝዓለብኩሉ ዓመት'ዩ
    ድሒሩ ኣብ'ዚ ወርሒ መራሕቲ ዓለም፡ ክኢላታት ክሊማን ተጣበቕቲ ከባቢን ኣብ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ-28 ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክራኸቡ'ዮም። ዓለም ኣብ ጫፍ ነጥቢ ዋዒ በጺሓ ከምዘላ ዝያዳ መርትዖ እንተደልዮም፡ ናብ'ቶም በረዳት ክብረወሰን ብዝኾነ ግዜ ዝጠፍእሉ ዘለዉ ኣኽራናት ኣልፕስ ኢጣልያ ከቕንዑ ይኽእሉ።
    8 min
  • ወለዲ ደቆም ይጽገሙ ከምዘለዉን ሓገዝ ከምዘድልዮምን ከለልዩ ምሕጋዝ ሓደ ካብ'ቶም ከበድቲ ብድሆታት'ዩ
    ህጻናት ኣብ ኣውስትራልያ ይኹን ኣብ ካልእ ሃገር 'ትሮውማ' ኢልና ንገልጾ ካብ ሕማቕ ተሞክሮ ዝብገስ ስንባደ/በሰላ ኣእምሮ/ የጋጥሞም፡ ኣብ'ዚ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመ ይኹን ቀደም ነዊሕ ዝገበረ፡ ምስ ግቡእ ሓገዝ እቶም ህጻናት ክሓዊዩ ይኽእሉ'ዮም። ወለዲን ኣለይቲን ነዚኦም ህጻናት ድሕነትን ጽቡቕ ህላወን መሊሱ ክስምዖም ኣብ ምሕጋዝ ወሳኒ ተራ ይጻወቱ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብና ወለድን ኣለይትን ህይወት ደቆም ንምምምሕያሽን ዝሕግዝዎም ገለ ሜላታት ነቕርብ።
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ
    * ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ወረቀት ስራሕ ኣምባሳድራት 17-ሃገራት ተቐቢሉ፣ ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ዘትዩ፣ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ልዕሊ 2ሽሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ፣ ታሪኽ ኤርትራን ጉዕዞ ናጽነትን ዝገልጽ ስእላዊ ምርኢት ኣብ ሳዋ ይቐርብ፣ ኣብ ትግራይ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ክታበት ፀረ ሕማም ትራኮማ ክወሃብ’ዩ፣ ኢትዮጵያ ተጠቃምነት በሪ ባሕሪ ንምርግጋፅ ዓለም ለኸ ተሞክሮታት ዝምልከት ዋዕላ ምሁራት ከም ዘካየደት ገሊጻ፣ ኣብ ኣምሓራ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ድሮን ከምዘሻቐሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ኣለውና። * ኲናት እስራኤልን ሓማስን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ እቲ ብኩፊያ ዝፍለጥ ጸሊምን ጻዕዳን ስካርፍ፡ መሸፈኒ መንዲል ወይ መሃረም ወይ ሻርባ፣ ንፍልስጤማውያን ደጊፎም ኣብ ዝካየዱ ሰላማውያን ሰልፍታት ወይ ተቓውሞታት ጎሊሑ ዝረአ እዩ። ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት መህሪን ፋሩቒን ሊድያ ቶርፕን ኣብ ባይቶ ተኸዲነንኦ ኔረን፡ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ልዕሊ ሓወልቲ ቤንጃሚን ፍራንክሊን ከይተረፈ ብላዕሊ ተሰንዲዩ መሸፈኒ ኮይኑ’ዩ። ስለዚ እዚ ስካርፍ እንታይ እዩ? ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ኣውስትራልያ ብዛዕባ ሰባት ዝወስድዎ ወይ ዝጥቀምሉ ዘለዉ መጠን ሓሳኹ ዝቐትሉ/ጸረነፍሳት/ኣንቲባዮቲክስ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ። ሓካይም ኣድማዕነትን ቀረብን ኣንቲባዮቲክስ ደረት ዘይብሉ ከምዘይኮነን ሓደስቲ ጸገማት ጥዕና እንተተቐልቂሎም ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ከም ዝኽእል የጠንቅቑ። ዝርዝር ናይ’ዚ ትሕዝቶ’ውን ኣለና። * ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት መበል 23 ዓመታዊ ዓቢይ ጉያ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ ቢንያም መሓሪን መልክነህ ውዱን ተዓዊቶም፣ ካብ ሓፋሽ ተሳተፍቲ ምረት ናብራ ዝገልጹን ንፋኖ ዝድግፉን ፖለቲካዊ መልእኽታት ተመሓላሊፎም፣ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሮቡዕ ምሸት ኣንጻር ሲየራ ሊዮን ዘካየደቶ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ዓለም 2026 ብጽዑቕ ግመ ተሽፊኑ ስለዝተሰናኸለ ናብ ፊፋ ጥርዓን ኣቕሪባ፣ ዝቕጽል ግጥማ ኣንጻር ቡርኪና ፋሶ ዝጅመረሉ ግዜ ተቐይሩላ፣ ነዘርላንድስ፣ ስዊዘርላንድን ሮማንያን ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2024 ክሳተፋ ቦትአን ውሑስ ከምዝገበራ ተፈሊጡ፣ እንግሊዛዊት ጋንታ ኤቨርተን መምርሒታት ፋይናንስ ፕሪምየር ሊግ ጥሒሳ ተባሂላ 10 ነጥቢ ክቕነሳ ተወሲኑ ዝብሉ ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም።
    40 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners