SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ገምጋም መወዳእታ ዓመት (2022)፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝዘረጎ ቁጠባ ዓለም
    ኣብ ግዜ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተዋህለለ ቢልዮናት ዶላራት ተቐማጢ ገንዘብ፡ ኣብ መላእ ዓለም ተነቢሮም ዝነበሩ ቀይድታት ምስ ተላዕሉን ዓለምለኻውያን ዶባት ምስ ተኸፍቱን፡ ሸመትቲ ኣብ 2022 ናብ መጠነ ሰፊሕ ምሕሻሽ ኣትዮም። እንተኾነ ግን ቀረብ ምስ ጠለብ ክመጣጠን ኣይከኣለን፡ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ከኣ ንዝቕባበ ካብ ተኽእሎ ናብ ክውን ክገሃድ ብምግባር ቃልዕ ኣውጺእዎ። እዚ ንዛዝሞ ዘለና ዓመት ብፋይናንሳዊ መዳይ ከመይ ኔሩን እንታይ ከ ይጽበየና'ሎ ኣብ'ዚ ክንምልከቶ ኢና።
    10 min
  • ኣምቡላንስ ብኸመይ ክንጽውዕ ንኽእል፧ ይኽፈሎ ድዩ ኸ፧
    ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ግዜ ሕክምናዊ ሓደጋ ወይ ጸገም እቲ ዝቐልዕጠፈ ኣገባብ ኣምቡላንስ ዝርከበሉ 000 ወይ ትሪፕል ዜሮ ብምድዋል’ዩ። ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ኩሎም ግዝኣታትን ምምሕዳራዊ ዶባትን ኣምቡላንስ ብኸመይን መዓስን ንጽውዕ ከምኡ’ውን መን’ዩ ነቲ ወጻኢታት ዝሽፍኖ ክንምልከት ኢና።
    14 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ታሕሳስ 2022)
    * መንግስቲ ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግቡእ ክትግበር ፀዊዑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ መቐለ ውዱብ ዝምታ ይፍጸም’ሎ ክብል ከሲሱ፣ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ውግእ ናብ ዝኸፍአ የምርሕ ምህላዉ ተገሊጹ፣ ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ተሓቢሩ ዝብሉ ጸብጻባት ንሎሚ ዘለውና’ዮም። * ከባቢያዊ ምምሕዳራት ድሕሪ ደጊም ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ ስነስርዓት ምረቓ ዜግነት ከካይዳ ኣይክግደዳን’የን፣ ሰልፊ ለይበር ዝመርሖ እዚ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ከም’ኡ ክገብሩ ዘገድዶም ዝነበረ ውሳነ ናይ ቀደም መንግስቲ ሰልፊ ጥምረት ኣልይዎ’ሎ። ገለ ከባብያዊ ምምሕዳራት ከተማ መልበርን ካብ ክብሪ ንማሕበረሰባት ደቀባት ተላዒለን ነዞም ስነስርዓታት ከየካድኦም ወሲነን። ሕጂ እተን ምምሕዳራት ነዚ ስነስርዓት ኣብ ከባቢ ዕለት 26 ጥሪ ዝርከቡ ናይ 6 መዓልታት መስኮት ከካይድኦ ይኽእላ’የን፣ መንግስቲ ግን እቶም ስነስርዓታት ኣብ’ቲ ህዝባዊ መዓልቲ ክካየዱ ትጽቢት ኣለኒ ይብል። ነዚ ዝገልጽትሕዝቶ * ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ባይቶ ዌስትሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ብፔን ኤርትራ፣ ኤርትራ ፎከስን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝተዳለወ ቅድሚ 21 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ካልኦት እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ንምዝካርን ኩነታቶም ንምቅላሕን ሓደ መደብ ምርኢት/ኤግዚቢሽን ቀሪቡ ኔሩ። ነቲ መደብ ብዝምልከት ምስ ጸሓፊን ጋዜጠኛን ሳሙኤል ገብረህይወት ዓካዓካን ጸሓፊን ኣቦወንበር ፔን ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋንን ኣቶ ዓወት ፍስሃየን ዘካየድናዮ ዕላል ቀዳማይ ክፋሉ * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ኣቡዳቢ ብኩሉ ጾታታት ሳልሳይ ውጺኦም፣ ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ዓመቱ ኣከታቲሉ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሰይሙ፣ መሲን ኣርጀንቲናን ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምውሳዶም እንታይ ይበሃል ኣሎን ዝብሉን ካልኦትን ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም።
    56 min
  • መሲን ዋንጫ ዓለምን ክራኸቡ ትንቢታዊ ድዩ ኔሩ፧ ዕድል ዘይገበረ ኪልያን ምባፐ፣ ሞድሪች፣ ሞሮኮ፣ ቢንያም ግርማይ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ * ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ኣቡዳቢ ብኩሉ ጾታታት ሳልሳይ ውጺኦም፣ * ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ንሳልሳይ ዓመቱ ኣከታቲሉ ብሉጽ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ ተሰይሙ፣ * መሲን ኣርጀንቲናን ዋንጫ ዓለም ድሕሪ ምውሳዶም እንታይ ይበሃል ኣሎ ዝብሉን ካልኦትን ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም።
    15 min
  • 'መንግስቲ ኤርትራ ብዝከኣሎ ንጋዜጠኛታትን ካልኦትን ብስሞም፣ ብስእሎምን ብታሪኾምን ከይዝከሩ'ዩ ዝጽዕር፣ ንሕና ኸኣ ኣንጻራ ንቃለስ' ዓካ ዓካ
    ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ባይቶ ዌስትሚኒስተር፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ብፔን ኤርትራ፣ ኤርትራ ፎከስን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዝተዳለወ ቅድሚ 21 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታትን ካልኦት እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ንምዝካርን ኩነታቶም ንምቅላሕን ሓደ መደብ ምርኢት/ኤግዚቢሽን ቀሪቡ ኔሩ። ነቲ መደብ ብዝምልከት ምስ ጸሓፊን ጋዜጠኛን ሳሙኤል ገብረህይወት ዓካዓካን ጸሓፊን ኣቦወንበር ፔን ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋንን ኣቶ ዓወት ፍስሃየን ዘካየድናዮ ዕላል ኣለና፣
    28 min
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ውዱብ ዝምታ ይፍጸም ኣሎ ኢሉ ክኸስስ እንከሎ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግቡእ ክትግበር ይጽውዕ
    * መንግስቲ ትግራይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብግቡእ ክትግበር ፀዊዑ፣ * መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ መቐለ ውዱብ ዝምታ ይፍጸም’ሎ ክብል ከሲሱ፣ * ኣብ ክልል ኦሮምያ ዘሎ ውግእ ናብ ዝኸፍአ የምርሕ ምህላዉ ተገሊጹ፣ * ልዕሊ 30 ሽሕ ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዳጒኖም ይሳቐዩ ምህላዎም ተሓቢሩ፣
    8 min
  • እዚ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ካብ ኩሉ እዋን ዝበለጸ ኔሩ - ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒን ኢንፋንቲኖ
    ኣብ ድሮ ፍጻመ ግጥም ዋንጫ ዓለም 2022 ኣብ መንጎ ፈረንሳን ኣርጀንቲናን፣ ፕረዚደንት ፊፋ ናይ’ዚ ዓመት ውራይ ኣብ ቐጠር ካብ ኩሉ እዋን ዝበለጸ ክብል ኣዊጁ። ጂያኒ ኢንፋንቲኖ መዝገብ ፊፋ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ተኸላኺሉ፣ እቲ ፖለቲካ ካብ ኩዕሶ እግሪ ክርሕቕ ዝተወስደ ውሳነ ‘ነቶም ደገፍቲ’ ተባሂሉ’ዩ ኢሉ።
    9 min
  • በዓላት ዜግነት ግድን ዕለት 26 ጥሪ ዘይኮነ ቅድሚኡን ድሕሪኡን ዘለዋ መዓልታት'ውን ክካየዱ ይኽእሉ
    ከባቢያዊ ምምሕዳራት ድሕሪ ደጊም ኣብ መዓልቲ ኣውስትራልያ ስነስርዓት ምሃብ ዜግነት ክህባ ኣይክግደዳን’የን፣ ሰልፊ ለይበር ዝመርሖ እዚ ፈደራል መንግስቲ ነቲ ከም’ኡ ክገብሩ ዘገድዶም ዝነበረ ውሳነ ናይ ቀደም መንግስቲ ሰልፊ ጥምረት ኣልይዎ’ሎ። ገለ ከባብያዊ ምምሕዳራት ከተማ መልበርን ካብ ክብሪ ንማሕበረሰባት ደቀባት ተላዒለን ነዞም ስነስርዓታት ከየካድኦም ወሲነን። ኣብ ትሕቲ’ዞም ለውጥታት፣ እተን ምምሕዳራት ነዚ ስነስርዓት ኣብ ከባቢ ዕለት 26 ጥሪ፣ መዓልቲ ኣውስትራልያ፣ ዝርከቡ ሽዱሽተ መዓልታት መስኮት ከካይድኦ ይኽእላ’የን፣ እንተኾነ ግን መንግስቲ እቶም ስነስርዓታት ኣብ’ቲ ህዝባዊ መዓልቲ ክካየዱ ትጽቢት ኣለኒ ይብል።
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ታሕሳስ 2022)
    ጸብጻባት፥ * ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፕለቲከኛታት፣ ተመሃሮን መምህራንን ዝርከብዎም 72 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጦም፣ ሰለስተ ተጣባቕቲ መሰላት ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ዝምልከት ናብ ኮሚሽን ሰባዊን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ጥርዓን ኣቕሪቦም፣ ወናኒ ፌስቡክ ዝኾነ ኩባንያ ሜታ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክሕተት ክሲ ቀሪብሉ፣ ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጸገም ወዲቖም * ምምሕያሽ ኣብ መንጎ ጾታታት ዘሎ ጋግ ደሞዝ ለውጢ ከየርኣየ ደው ኢሉ ዘሎ ይመስል። ወኪል ማዕርነት ጾታታት ኣብ ቦታ ስራሕ ዝኾነ The Workplace Gender Equality Agency ፍልልያት ክፍሊት ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሓለፈ ፋይናንሳዊ ዓመት ኣብ 22.8% ጸኒሖም ኢሉ። እዚ ማለት ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ጓለንስተይቲ ካብ ሓደ ወዲተባዕታይ $26,596 ዝተሓተ የእትያ/ኣታዊ ኔርዋ ማለት'ዩ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ * ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ተኻይዶም ንፍጻመ ዝገጥማ ጋንታታት መነመነን ምዃነን ተፈሊጠን ኣለዋ። ጽሟቕ ትሕዝቶ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመን ዝፈጠርዎ ስምዒታትን ዝትንትን ትሕዝቶ * ኣብ ኣውስትራልያ መዓልታዊ ሓደ ኣብ ጫካታትን ጣሻታትን ክናፈሱ፣ ክዛወሩ ዝኸዱ ወይ ጉዕዞ እግሪ ዝፍጽሙ ሰባት (ቡሽዋከር) መስርሕ ምድሓን ይግበረሎም። ግቡእ ምድላው ምግባር ኣብ ከም’ዚ ንጥፈታት እንከለኹም ክትጠፍእሉ ትኽእሉ ዕድል ይቕንሶን ክትርከብሉ ትኽእሉ ዕድል ከኣ ይውስኾን። ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ መደብና ሓያሎ ምኽርታት ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ
    52 min
  • ተኣምራዊ ጉዕዞ ሞሮኮ ኣብቂዑ፣ ሓዘን ብሓበን ተተኪኡ
    ኣብ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ተኻይዶም ፈረንሳን ኣርጀንቲናን ንፍጻመ ሓሊፈን ኣለዋ። ኤስቢኤስ ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ነዚ ውራይ ብቐጥታ ንህዝቢ ዘመሓላልፍ ዘሎ መደበር ቴሌቪዥን’ዩ። ጽሟቕ ትሕዝቶ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመን ዝፈጠርዎ ስምዒታትን ዝትንትን ትሕዝቶ ተዳልይልኩም ኣሎ።
    12 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,863 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners