እዚ ደሃይ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ቐጠር ዝቐርበሉ ትሕዝቶ'ዩ። ዋንጫ ዓለም ቐጠር መበል 17 መዓልቲ ግጥማት ኣብ ዘካየደሉ እቲ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ዝበጽሓ ሃገራት መነመን ምዃነን ተረጋጊጹ'ሎ። ኣቐዲመን ነዘርላንድስ ንዩኤስኤይ 3-1, ኣርጀንቲና ንኣውስትራልያ 2-1, ፈረንሳ ንፖላንድ 3-1, እንግሊዝ ንሰነጋል 3-0, ብራዚል ንደቡብ ኮርያ 4-1, ክሮኤሽያ ከኣ ንጃፓን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ 3-1 ስዒረን ምሕላፈን ከምዘረጋገጻ ይዝከር። ስለ'ዚ ክሳብ'ዚ መዓልቲ ክሮኤሽያ ኣንጻር ብራዚል፣ ነዘርላንድስ ኣንጻር ኣርጀንቲና ከም'ኡ'ውን ኢንግላንድ ኣንጻር ፈረንሳ ክገጥማ ምዃነን ተረጋጊጹ ኣሎ። ሶኑይ ምሸት (ኣብ'ዚ ኣብ ኣውስትራልያ ኸኣ ሓሙስ ወጋሕታ) ፖርቱጋል ንሮናልዶ ኣብ ሰደቓ ተቐየርቲ ኣቐሚጣ ኣንጻር ስዊዘርላንድ ብምግጣም ሓደ ካብ ዝዓበዩ ውጽኢታት ኣብ ግጥማት ርብዒ ፍጻመ ዝኾነ 6-1 ተዓዊታ። ኣብ ተመሳሳሊ ምሸት ኣቐዲማ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሞሮኮ ንሓንቲ ካብ'ተን ክዕወታ ተባሂለን ዝተገመታ ስፐይን ብፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ስዒራ ንፈለማ ግዜ ናብ ርብዒ ፍጻመ ሓሊፋ'ላ። ክልቲኤን እታ ናይ መወዳእታ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ከካይድኣ'የን ማለት'ዩ።