SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሜታ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዘ ቢልዮናት ክኽሕስ ክሲ ቀሪብሉ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጅቡቲ ኣብ መከራ ወዲቖም
    ጸብጻባት ዜና: * ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፕለቲከኛታት፣ ተመሃሮን መምህራንን ዝርከብዎም 72 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ኣፍሊጦም፣ * ሰለስተ ተጣባቕቲ መሰላት ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ ጥርዓን ኣቕሪቦም፣ * ወናኒ ፌስቡክ ዝኾነ ኩባንያ ሜታ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ናይ 2 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክሕተት ክሲ ቀሪብሉ፣ * ኣብ ጅቡቲ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጸገም ወዲቖም
    6 min
  • ደቀንስትዮ ሕጂ'ውን እንተኾነ ማዕረ ደቂተባዕትዮ ኣይኮናን ዝኽፈላ ዘለዋ
    ምምሕያሽ ኣብ መንጎ ጾታታት ዘሎ ጋግ ክፍሊት/ደሞዝ ለውጢ ከየርኣየ ደው ኢሉ ዘሎ ይመስል። ወኪል ማዕርነት ጾታታት ኣብ ቦታ ስራሕ ዝኾነ The Workplace Gender Equality Agency ፍልልያት ክፍሊት ኣብ መንጎ ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሓለፈ ፋይናንሳዊ ዓመት ኣብ 22.8% ደው ኢሎም ኢሉ። እዚ ማለት ብማእከላይ ገምጋም ሓንቲ ጓለንስተይቲ ካብ ሓደ ወዲተባዕታይ ብ$26,596 ዝተሓተ ኣታዊ ኔርዋ ማለት'ዩ።
    6 min
  • ኣብ በረኻታት ወይ ጫካታት ክትናፈሱ ወይ ጉዕዞ እግሪ እናገበርኩም እንተጠፊእኩም እንታይ ትገብሩ፧
    ኣብ ኣውስትራልያ መዓልታዊ ሓደ ኣብ ጫካታትን ጣሻታትን ክናፈሱ፣ ክዛወሩ ዝኸዱ ወይ ጉዕዞ እግሪ ዝፍጽሙ ሰባት (ቡሽዎከር) መስርሕ ምድሓን ይግበረሎም። ግቡእ ምድላው ምግባር ኣብ ከም’ዚ ንጥፈታት ክትጠፍእሉ ትኽእሉ ዕድላት ይቕንሶ፣ መንገድኹም እንተጠፊእኩም’ውን ክትርከብሉ ትኽእሉ ዕድልይ ውስኾ።
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ታሕሳስ 2022)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 12 ታሕሳስ 2022 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፥ ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋን ጥንቃቐን፡ ኣስራሕቲ፡ ካብ ሓደጋ ንምክልካል ንሰራሕተኛታት ዝህብዎ ዋሕስን ኣሰራርሓን ምስኡ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ምስ በዓል ሞያ ኣቶ መኮንን ተስፋይ ዝገበርናዮ ካል ኣይ ክፋሉ ክቐርብ እዩ ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኣሜሪካዊት ዲፕማት ንፖሊሲ ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ነቒፈን። ኤርትራን ኬንያን ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ተፈራሪመን። ናይ 27 ኢትዮጵያውያን ኣስከሬን ኣብ ወሰን መገዲ ዛምብያ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ተሰሚዑ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ትሕዝቶታትንውን ኣለዉ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ፈደራላዊ መንግስቲ ንዝምልከቶም ህጻናት ናይ ክንክን ስኒ ኣገልግሎት ንክረኽቡ ዝግበር ደገፍ ኣናዊሕዎ ** ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቪክቶሪያ ፡ ናይ አታር * ወይ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዘሕልፍ ውጽኢት ሎሚ ንግሆ ሰሚዖም ፡ ** ዴቪድ ቤክሃም ንናይ ጋንታ እንግሊዝ ሓለቓ ፡ ንሀሪ ኬን ፡ "ናይ ሓቂ መራሒ" ብምባል ሞጉስዎ ።
    55 min
  • ግብጺ ብጉዳይ ግድብ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ዘብፅሕ ዝርርብ ክካየድ ሓቲታ።
    ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኤርትራን ኬንያን ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ተፈራሪመን። ኣሜሪካዊት ዲፕማት ንፖሊሲ ባይደን ኣብ ኢትዮጵያ ነቒፈን። ግብጺ ብጉዳይ ግድብ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ዘብፅሕ ዝርርብ ክካየድ ሓቲታ። ናይ 27 ኢትዮጵያውያን ኣስከሬን ኣብ ወሰን መገዲ ዛምብያ ተደርብዩ ከም ዝተረኽበ ተሰሚዑ።
    6 min
  • ቅያታት ሞሮኮ ይቕጽሉ፣ መጻኢ ዕድል ሮናልዶ እንታይ'ዩ፣ ባእሲ ዲ ማሪያን ቫን ጋልን እንታይ መበገሲኡ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/12/2022) * ኣብ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ፈረንሳን ሞሮኮን ክገጥማ ምዃነን ተረጋጊጹ፣ * ሻምፒዮናኣ ትከላኸል ዘላ ፈረንሳ ኣብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ንእንግሊዝ 2-1 ብምስዓር ገሊፋታ፣ * ሞሮኮ ንፖርቱጋል 1-0 ድሕሪ ምስዓራ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ፊፋ ዝሓለፈት ቀዳመይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኮይና፣ * መጻኢ ዕድል ሮናልዶ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣብ ዝኣተወሉ ኣሰልጣኒ ፈርናንዶ ሳንቶስ ንሮናልዶ ተቐያሪ ገይሩ ምእታዉ ከምዘየጣዓሶ ሓቢሩ፣ * ግብረመልሲ ንምስሓት ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ብሓለቓ ጋንታ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ሃሪ ከይን መተዓዛዘቢ ኮይኑ፣
    12 min
  • ኣባላት ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ብብላዕ ይኽሰሱ።
    ሓደ ቤልጁማዊ ዳኛ ፡ ኣብ ፓርላማ ኤውሮጳ እተገብረ ውሳነታት ንምጽላው ፡ ካብ ሓንቲ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ሃገር ገንዘብን ህያብን ከም እተቐበሉ ንዝገለጾም ኣርባዕተ ሰባት ከሲሱ ። ሓንቲ ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ [ኤም-ኢ-ፒ] - ምክትል ፕረዚደንትን ግሪኻዊት ሶሺያሊስት ኢቫ ኬሊ ፡ ዝዀነ ይኹን ገበን ከም ዝፈጸመት ወይ ዘይፈጸመት ብኡንብኡ እኳ እንተ ዘይተነጸረ ፡ ምስቲ ጕዳይ ብእተተሓሓዘ ካብ ስልጣናን ተግባራታን ተኣጊዳ ኣላ ።
    6 min
  • "ምሕላው ድሕነት ካብቲ ዝዓበየ ኢንዳስትሪ ክሳብ መንበሪ ገዛ ዘድሊ ሰፊሕ ዓውዲ ስራሕ እዩ።" መኮንን ተስፋይ
    ኣቶ መኮንን ተስፋይ፡ ኣብ ትካላት ንድሕነት ሰራሕተኛታት ዝከታተልን ዝምህርን በዓል ሞያ ኮይኑ፡ ኣስራሕቲ ሕጊ ተኸቲሎም ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛታቶም ክሕልው ዝከታተል ወይ ዝመክር ሞያ እዩ። ብተወሳኺ እዚ ሞያ፡ ጥዕና ኣከባቢ ንምሕላው ዝተፈላለየ ንኣከባቢ ዝብክሉ ቀመማት ካብ ፋብሪካታትን መዐደኒ ትካላትን ዝምንጭዉ ኣብ ህይወታውያን ሓደጋን ሕማምን ከየስዕቡ ንኣስራሕቲ ዝከታተልን ዝሕግዝን ሞያ ኢዩ። ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋን ጥንቃቐን፡ ኣስራሕቲ፡ ካብ ሓደጋ ንምክልካል ንሰራሕተኛታት ዝህብዎ ዋሕስን ኣሰራርሓን ምስኡ ዝተሓሓዙን ሕቶታት መሊሱ ኣሎ፡ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
    18 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ታሕሳስ 2022)
    ናይ ሎሚ ሓሙስ 08 ታሕሳስ 2022 ምሉእ ትሕዝቶ እዞም ምዝስዕቡ ትሕዝቶታት ሒዙ ቀሪቩ ኣሎ፡ ካብ ጸብጻብ ልኡኽና፥ ዕጡቓት ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ዝዋግኡሉ ዘለዉ ከባቢታት ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። መስመር ኤሌክትሪክ ከተማ መቐለ ምስ ናይ ፌደራል ተራኺቡ። መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ 21 ዓመታት ዓመታት ኣሲሩ ዝሰወሮም ጋዜጠኛታት ተዘኪሮም። ቃለ መሕትት፥ ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋን ጥንቃቐን፡ ኣስራሕቲ፡ ካብ ሓደጋ ንምክልካል ንሰራሕተኛታት ዝህብዎ ዋሕስን ኣሰራርሓን ምስኡ ዝተሓሓዙን ሕቶታት ምስ በዓል ሞያ ኣቶ መኮንን ተስፋይ ኣለና፡ ቀዳማይ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ እዩ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ከይተቐጻዕካ: ምጉሓፍ ደረቕ ጓሓፍ” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ጽሟቕ ጸወታታት ፊፋ ዋንጫ ዓለም ኢብራሂም ዓሊ ከቕርበልና እዩ።
    58 min
  • ዕጡቓት ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ዝዋግኡሉ ዘለዉ ከባቢታት ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)
    ካብ ጸብጻብ ልኡኽና፥ ዕጡቓት ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ዝዋግኡሉ ዘለዉ ከባቢታት ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። መስመር ኤሌክትሪክ ከተማ መቐለ ምስ ናይ ፌደራል ተራኺቡ። መንግስቲ ኤርትራ ቅድሚ 21 ዓመታት ዓመታት ኣሲሩ ዝሰወሮም ጋዜጠኛታት ተዘኪሮም።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,863 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners