SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • "ዘለዉ ስርዓታት ምስሓለፉ'ውን ናይ ኤርትራን ሶማልን ፍቕሪ ረቂቕን ቀጻሊን እዩ።" ሳልሕ ቓዲ ጆሃር
    ሓድሽ ፕረሲደንት ሶማልያ ናብ ኤርትራ ምብጻሑን ንክልቲኤን ሃገራት ዘለዎ ትርጉምን እንታይ እዩ፧ ድሕሪ ናብ ሃገሩ ምምላሱ ህዝቢ ሶማል ብፍላይ ድማ ስድራ እቶም ደቀን ክዕስከሩ ናብ ኤርትራ ዝኸዳ እንታይ መልሲ ሒዙሎም’ዩ ዝኸይድ ዘሎ፧ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፥ ኤርትራን ሶማልን ዝተገብረ ስሉሳዊ ስምምዕ ድሕሪ ምውራድ ፕረሲደንት ፎርማጆ እዚ ሓድሽ መራሒ ሶማሊያ ከበራብሮ ይኽእልዶ፧ ንህዝቢ ክልቲኡ ረብሓኡ እንታይ እዩ፧ ዝብሉን ካልእ ዞባዊ ጽልዋታትን ዝምልከት ምስ ሳልሕ ቓዲ ጆሃር ዝተገብረ ቃለ መሕትት። ኣቶ ሳልሕ ጸሓፊን ተንታኒን ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን እዩ።
    22 min
  • ኣብ ኣሜሪካ ዋዕላ ወፍሪ ሰላም ኤርትራዊያንን ተጋሩን ተካይዱ (ካብ ጸብጻባት)
    ጸብጻብ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኲናት ትግራይ ብሰላም ንምፍታሕ ዝቐመ ኮሚቴ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ፡ * ካብ ኣሜሪካ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገሹ ኢትዮጵያውያን 27 ሽሕ ዶላር ተወሪሶም፡ * ኮሚሽነር ኮምሽን ምሕደራ ስግኣት ሓደጋታት ኢትዮጵያ ብገበን ብልሽውና ተኣሲሩ፡ * ዋዕላ ወፍሪ ሰላም ኤርትራዊያንን ተጋሩን ኣብ ኣሜሪካ ተካይዱ፡
    7 min
  • ሱፐር እንታይ እዩ፧ ብድሌትና ክንምልኣሉ ንኽእል ዲና፧ ተወሰኽቲ ሰዓታት እንተሰሪሕና ዝያዳ ድዩ ናብኡ ዝኸይድ?
    ባሕቲ ሓምለ ድሕሪ ምእታዉ ኣብ ተግባር ዝውዕሉ ሓደስቲ ንቀረጽ ወይ ግብሪ ዝምልከቱ ሕግታት ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፉ መደባትና ንምድቃስ/ምትሕስሳብ ግብርን ጽልዋ’ቶም ለውጥታትን ብዝምልከት ዶክተር ሳላሕ ጅምዕ መብርሂ ሂቡና ኔሩ። ሎሚ ንሱፐር ኣኑወሽን ዝምልከት መብርሂ ክህበና’ዩ።
    11 min
  • ፕረዚደንት ስሪላንካ ሃዲሙ ማለት ቃልሲ ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን
    ቁጠባዊ ቅልውላው ስሪላንካ ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ኣብ መወዳእትኡ ካብ ስልጣኑ ዝዓለዎ ይመስል፣ ንዘመነ ፖለቲካዊ ግዝኣት’ቶም ሓያላት ስድራ እንዳ ራጃፓክሳ ከኣ ከምዘብቅዕ ጌርዎ። ጎታባያ ራጃፓክሳ ድሕሪ’ቶም መጠነ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት ኣብ ልዕሊ መሪሕነቱ ካብ ስሪላንካ ሃዲሙ’ሎ፣ ዋላ’ኳ ወግዓዊ ስንብታ ካብ ስልጣኑ ክሳብ ሕጂ እንተዘየቕረበ።
    9 min
  • ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ኤርትራውያን ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝተትሓዙ ይግለጽ ኣሎ። (ጸብጻብ)
    ብካልእ ዜና ኣብ ጎንደር ሰለስተ ኤርትራውያን ኣሳፊሩ ከምልጥ ፈቲኑ ዝተብሃለ ገናሒ መኪና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ተባሂሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ዝርከቡ ዜጋታት ወጻኢ ኩነታቶም ብህጹጽ ከመዝገቡ መምርሒ ኣውሪዱ። እቲ ምዝገባ ቀዳምን ሰንበትን ሓዊስካ ከም ዝካየድ ብምሕባር ንዘይተመዝገቡ ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ኣፍሊጡ። ብሰኑይ 11 ሓምለ፡ ካብ ሰንዳፋ ዝተባህለ ቦታ ጸበል ክሕጸቡ ወጺኦም ካብ ዝነበሩ ልዕሊ ሚኢቲ ኤርትራውያን ብሓይልታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ከም ዝተትሓዙ ተገሊጹ።
    5 min
  • ኣቑሑ ዳግማይ ንኽምስርሑ ኣብ ግቡእ ቦታዶ ነቐምጦ፧ ኣብዛ ፕላኔት ብኸመይ ነበርክት? ( ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ኣውስትራሊያውያን በብዓመቱ 74 ሚልዮን ቶን ጐሓፍ ይጉሕፉ፡ ካብዚ እቲ 60% ጥራይ ዳግማይ ይምስራሕ ወይ ሪሳይክል ይግበር ፡ እቲ ዝተረፈ ናብ መሬት ይጓሓፍ ። ብዛዕባ ዳግመ-ምምስራሕን ትምህርቲ ብምቕሳም ገለ ካብቲ ዝቐለለ ሕግታት ምስዓብን ብዙሕ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል እዩ ።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ፈነወ SBS ትግርኛ ፖድካስት (11 ሓምለ 2022)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 11 ሓምለ 2022 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶ ኣለዎ፡ ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ኣብ ምረቓ ወተሃደራት ሶማልያን ተረኺቡ ፤ ዝተሃንጹ ትሕተ ቅርጺን ተዓዚቡ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ማዕበል ማእሰርቲ ዜጋታት ጀሚሩ። ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ፖለቲከኛ ክብሮም በርሀ ስብሃትለኣብ ዝርከቦም ሰባት ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ። ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ሳላሕ ጂሚዕ ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ን ብዛዕባ ኩነታት ህዝባዊ ናዕቢ ስሪላንካ ዝገልጽ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** እስራኤል ንገዛእ ርእሳ ካብ ኑክልየሳዊ መደባት ኢራን ንምክልኻል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰል ከም ዘለዋ ገሊጻ ። ** ኖቫክ ደጀኮቪች ንኒክ ኪርጊዮስ ብምስዓር ንራብዓይ ተኸታታሊ ዓወት ዊምበልደን 4-6 6-3 6-4 7-6 (3) ነጥቢ ተዓዊቱ።
    57 min
  • ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ የካይድ; ኣብ ምረቓ ወተሃደራት ሶማልያን ተረኺቡ ፤ ዝተሃንጹ ትሕተ ቅርጺን ተዓዚቡ። (ጸብጻብ)
    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ማዕበል ማእሰርቲ ዜጋታት ጀሚሩ። ሓላፊ ርክባት ወጻኢ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ፖለቲከኛ ክብሮም በርሀ ስብሃትለኣብ ዝርከቦም ሰባት ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ። "ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም መንነት መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ጠጠው ክብል እኹል ጻዕሪ ኣይገበረትን" ዘ ዌስት ኣውስትራልያን ። ኣብ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 2.9 ሚልዮን ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ከም ዝቦኸሩ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ርእሰ ከተማ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ኣብ ዝኾነት ኣሶሳ፡ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጃ።ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ኣለና፣
    8 min
  • "መራሕቲ ሲሪላንካ ካብ ስልጣኖም ክሳብ ዝገድፉ ካብ መንበሪ'ቲ ፕረሲደንትን ቀ/ሚኒስተርን ኣይንወጽእን።" ህዝቢ
    ኣብ ሲሪላንካ ብደረጃ ሃገር ህዝባዊ ተቓውሞ ምስ ተላዕለ ፡ ናይ ፕረዚደንት ስሪላንካን ቀዳማይ ሚኒስተሩን ፡ እቲ ናይ ውልቂ መንበሪኦምን በቶም ተቓወምቲ ተወሪሩ ናይቲ ኣብቲ ፕረዚደንታዊ ዝነበረ መሐንበሲ ኣትዮም ሓምቢሶም ። እዚ ቁጥዓ ህዝቢ ዘበገሶ ኣብዚ ሰሙን እዚ ክልቲኦም ስልጣኖም ከረክቡ ተገዲዶም ኣለዉ። ኣብታ ብቕልውላው እትሕመስ ዘላ ሃገር ድሕሪ ናይ ሓደ መዓልቲ ህዝባዊ ናዕቢ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን ስሪላንካ ካብ ስልጣኖም ዓልይዎም ኣሎ። እቶም ሰልፈኛታትን ፕረዚደንት ጎታባያ ራጃፓክሳ ዝነበሮ ወግዓዊ መንበሪ ቤት ብሓይሊ ድሕሪ ምዕናው ፡ ነቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ራኒል ዊክረምሚንግሀ ብሓዊ ኣንዲዶሞ። ስሪላንካ ልዕሊ 51 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ግዳማዊ ዕዳ ተሸሚማ ንህጂ ዘድልዩ መሰረታዊ ቀረባት ክትዕድግ ኣይከኣለትን። ሕጽረት መግቢን ነዳዲን ዝፈጠሮ ቅልውላው መራሕቲ እታ ሃገር ህዝቢ ከጓይዮምን ቤተ መንግስቶም ክውረርን ኪኢሉ ኣሎ። ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ፓርትታት ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ኣኼባ ይገብሩ ኣለው ተቓወምቲ ግን ክልቲኦም ሰባት ብወግዒ ካብ መንግስቲ ብፍቓዶም ክሳብ ዝወጹ ኣይንሓድጎምን ይብሉ ኣለዉ።
    8 min
  • ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣትሌታተን ንውድድራት ሻምፒዮና ኦሎምፒክስ ዓለም፣ ዩጂን 2022፣ ኣዳልየን
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (11/07/2022) * ምስግጋር ኮኾብ ኢትዮጵያዊ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣቡበከር ናስር ካብ ኢትዮጵያ ቡና ናብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ጋንታ ማሜሎዲ ሳንዳውንስ ብጸገማት ፈቓድ ስራሕ ተደናጉዩ፣ * ፕረዚደንት ፊፋ ነበር ሴፕ ብላተርን ፕረዚደንት ዩኤፋ ዝነበረ ሚሸል ፕላቲኒን ካብ’ቲ ተኸሲሶሞ ዝነበሩ ምጥፍፋእ ክፍሊት ገንዘብ ነጻ ተባሂሎም፣ * ንኤርትራ ወኪሎም ኣብ ሻምፒዮናታት ኣትለቲክስ ዓለም 2022 ዩጂን ዝሳተፉ ኣትሌታት ስሞም ተዘርጊሑ፣ * ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኢትዮጵያ ከኣ ተሳተፍቲ ኣትሌታት መነመን ምዃኖም ኣፍሊጡ፣ እንተኾነ ግን ንጹርነት ኣሰራርሓ ብዘይምህላዉ ነቐፌታታት ይቐርብሉ፣
    10 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,791 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners