SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • "ዘየዳግም ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።" ፊ/ማ/ብርሃኑ ጁላ። "ብሓይሊ ኮነ ብሰላም ኣገዳሲ ምድላው ንገብር ኣለና" ጀ/ ታደሰ ወረደ
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኮሌጅ ንግድን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን፡ ዓዲቀይሕ ልዕሊ 650 ተመሃሮ ኣመሪቑ። ኢትዮጵያ ካብ ዓርቢ ጀሚራ እተቋርጾ ሓገዝ ዋጋ ነዳዲ ፤ ነቲ ከቢዱ ዘሎ ዓጸቦ መነባብሮ ከየጋድድ ተሰጊኡ። ኣብ ጁቡቲ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ዓጸቦ ከም ዘለዉ ተዛሪቦም።
    10 min
  • ክትዕ፣ ቆይቂ፣ ጸርፊን ነገርን ዘብዝሕ ኣውስትራልያዊ ኮኾብ ቴኒስ ኒክ ኪርዮስ ርእይቶ ሰባት ይመቓቕል
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (04/01/2022) * ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ተሰለምቲ ሜዳልያታት ዝነበሩ ኢትዮጵያዊ ሰሎሞን ባሬጋን ኡጋንዳውያን ጆሹዋ ቸፕተገይን ጃኮብ ኪፕሊሞን ኣብ ዓቢይ ጉያ እግሪ ሰሜን/ዘ ግሬት ኖርዝ ራን ክሳተፉ’ዮም፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ጂሮ ደል ሜድዮ ብረንታ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ዝለዓሉ 10 ተርታታት ክውድእ እንክሎ ነጋሲ ሃይሉ ዝነኣድ መበል 15 ወዲኡ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ/ካፍ ንኢትዮጵያዊት ሊድያ ታፈሰ ኣብ ግጥማት ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ 2022 ዳኛ ጌሩ ከምዝሰመያ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ብዘርእዮ ባህርያት፣ ዝፈጥሮም ክትዓት፣ ዝፍንዎም ጸርፍታትን ምፍርራሓትን ኣብ ልዕሊ ተጻወቲ፣ ደያኑን ተዓዘብትን ንኣውስትራልያዊ ኮኾብ ኒክ ኪርዮስ ነቐፌታታትን ጸላእቲን የብዝሕሉ፣
    12 min
  • "ኣፍሪቃዊያን መንእሰያት ፖሊስ ኮይኖም ክሰርሑ ኢና ንሕግዞም ዘለና።" ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ ኣካያዲ Africause
    መንእሰያት ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ሱዳንን ንዝመጹ መንእሰያት ኣብ ፖሊስ ኣካዳሚ ኣትዮም ብብቕዓት ንኽሓልፉ መባእታዊ ትምህርቲ ሂቡ ክዳለዉ ብዛዕባ ዝገብር ዘሎ Africause ምስዘካይድ ዘሎ ዶ/ር ብርሃን ብዛዕባ ንጥፈታት ናይቲ ትካልን መንእሰያት ክረኽብዎ ብዛዕባ ዝኽእሉ ዕድላት ኣዘራሪብናዮ ኣለና።
    15 min
  • ሆንግኮንግ ናብ ቻይና ዝተረከበትሉ መበል 25 ዓመት ኣብተኽብረሉ፡ ምስ ቻይና ምጽንሓ ረቢሓዶ ተጎዲኣ፧
    ብሪጣንያ ንሆንግ ኮንግ ናብ ቻይና ካብ ተረክባ 25 ዓመት (1 ሓምለ) ኰይኑ። እዚ ፍርቂ ጉዕዞ ናይቲ 50 ዓመት ክጸንሕ ዝተገብረ ስምምዕ ኮይኑ ፡ መንግስቲ ቻይና ኣብ ትሕቲ "ሓንቲ ሃገር ፡ ክልተ ስርዓታት" ሰፊሕ ነጻነት ዝህብ ናይ ምሕደራ ፖሊሲ ከምዝህብ ቃል ኣትዩ ኔሩ ። ይኹን እምበር ፡ ብዙሓት ሃያስያን ፡ እንተላይ ምዕራባውያን መንግስታት ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ንመሰል ሆንግ ኮንግውያን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናጠፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ይዛረቡ ። ሰበ-ስልጣን ሆንግ ኮንግን ቻይናን ነዚ ጠለባት ግና ይነጽግዎ እዮም እዚ ዝስዕብ ትንታነ ነዚ ክጥምት'ዩ ።
    5 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (30 ሰነ 2022) ፖድካስት
    ናይ ሎሚ ሓሙስ 30 ሰነ 2022 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና ፡ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ንኣብ ናይ ግዚያውን ነባርን ቪዛታት መመልከቲታት ዝርዝር ብዛዕባ ክኢላዊ ስራሕ ክትቅይሮ ጻዊዒት ቀሪቡ ። ** ኣመሪካዊ ደራፋይ R Kelly ብናይ ንግዲ ወሲብ ተኸሲሱ ን30 ዓመት ክእሰር ተፈሪድዎ ። ** ሰራዊት ሱዳን ነቲ ኣከራኻሪ ጥቓ ዶብ ኢትዮ-ሱዳን ዝርከብ ጀበል ካላ አል-ለበን ምቁጽጻሩ ኣፍሊጡ። ልኡኽና ካብ ዝስደደልና ኣርእስታት ጸብጻባት። ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ሃዲኡ ብልዝብ ክፍታሕ ጸዊዖም። መሪሕነት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዝፈጸሞ ገበናት ተሓታቲ'ዩ ክብል ናይ ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ናይታ ሃገር ጽቡቕ ዝናብ ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብ ቃለ መሕትት መደብና፥ ዝርርብ ምስ መምህር ጀማል እኩድ፡ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ “ናብ ሃገር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም" እንታይ እዩ፧ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ እዩ።
    56 min
  • ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ሃዲኡ ብልዝብ ክፍታሕ ጸዊዖም።
    ልኡኽና እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻባት። ኮሚሽነር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ሃዲኡ ብልዝብ ክፍታሕ ጸዊዖም። ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ፡ ኣብ ዝበዝሕ ክፋል ናይታ ሃገር ጽቡቕ ዝናብ ጀሚሩ ከምዘሎ ሓቢሩ። መሪሕነት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዝፈጸሞ ገበናት ተሓታቲ'ዩ ክብል ጀነራል ታደሰ ወረደ ተዛሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰል ሰላማዊ ሰልፊ ዜጋታቱ ከኽብር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ናይታ ሃገር ጸዊዑ። ሰልፈኛታት ተምሃሮ ከም ዝተቐጥቀጡ ውን ሓቢሩ።
    8 min
  • ኔቶ ንዩክሬን ቀታሊን ዘይቀታሊን ሓገዝ ክህብ ቃል ይኣቱ። ቱርኪ ንሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ከተስምዖ ዝጸንሐት ተቓውሞኣ ተልዕል
    ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ፡ ሓይልታቱ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝፍኖ ሚሳይል ኣብ ዘሐይለሉ ዘሎ እዋን ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ መሻርኽትን ጸጥታን ኣገዳሲ ቀጥታዊ ስግኣት ከም ዝኾነት ኣፍሊጡ ። ከንቲባ ናይ ሚኮላቭ ፡ ሚሳይል ንሓደ ህንጻ እናወቕዖ ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ክገልጽከሎ ፡ ኣመሓዳሪ ሉሃንስክ ሰፊሕ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
    6 min
  • "ምምህርና ፍልጠትካን ትምህርትኻን ንኽትውስኽ ዝሕግዝ ሞያ እዩ።" ዝርርብ ምስ መም/ ጀማል እኩድ
    መምህር ጀማል እኩድ፡ ተቐማጢ ቪክቶሪያ ኮይኑ ኣብ ዞባ ናይ ቪክቶሪያ ኣብ በንዲጎ ከይዱ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ብምኽንያት ቅነ ስደተኛታት ብዛዕባ ተሞኩሮኡ ዘካፈለና ካል ኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
    13 min
  • “ናብ ሃገር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም" እንታይ እዩ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ኣብ ምጅማር ዝኾነ ይኹን ዝግበር ዉራያት ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ብኣቦርጂናል ባህላዊ ዓቀብቲ ዓበይቲ ዓዲ ኣረጋውያን ብቐጻሊ ይግበር'ዩ ። እዚ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ጽምብል ‘Welcome to Country’. ይበሃል ። ኣብዚ ናዲ NAIDOC ሰሙን ዝኽበረሉ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትርጉም "ናብ ሃገር እንቋዕ ደሓን መጻእኩም" ወይ "‘Welcome to Country’" እንታይ ማለት ምዃኑን ኵላትና ነቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ዓቀብቲ ናይዛ ንነብረላ ዘለና መሬት ብኸመይ ኣፍልጦም ክንህብ ከም እንኽእልን ይርኢ ።
    10 min
  • ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ ፖድካስት (27 ሰነ 2022)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 27 ሰነ 2022 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና እዞም ዝስዕቡ ትሕዝቶታት ተቐሪቦም ኣለዉ፡ ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ** መራሕቲ ናይተን ኣብ ዓለም ዘለዋ ዝዓበያ ቊጠባ ሃገራት ዝዀኑ ጉጅለ G-7 ፡ ንኣብ ምምዕባል ዘለዋ ሃገራት ኣብ ኣገዳሲ ትሕተ ቕርጺ ዝውዕል፡ ልዕሊ 850 ቢልዮን ዶላር ከምዝወፍር ኣፍሊጦም። ** ኢትዮጵያ ብቕትለት ወተሃደራት ሱዳን ተኸሲሳ። ልኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ሒዙ ኣሎ፥ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ 170 ኪ.ሜ ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሶም መደበር ዕደና ወርቂ ከምዝተቘጻጸሩ ተገሊጹ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንዝኽሪ ሰማእታት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ብር ኣወፍዮም። ቤት-ትምህርቲ ተሓጋገዝቲ ነርስ መንደፈራ፡ 147 ተመሃሮ ብሰርትፍኬት ኣመሪቓ። ኣብ ቃለ መሕትት፥- መምህር ጀማል እኩድ፡ ተቐማጢ ቪክቶሪያ ኮይኑ ኣብ ዞባ ናይ ቪክቶሪያ ኣብ በንዲጎ ከይዱ ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ብምኽንያት ቅነ ስደተኛታት ብዛዕባ ተሞኩሮኡ ኣካፊሉና ኣሎ። ። ቀዳማይ ክፋሉ ሎሚ ክቐርብ’ዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ክቐርብዩ፥
    56 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,814 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners