SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣዳለውቲ ኢፍጣር ትርጉምን ጥቕምን ናይቲ ምትእኽኻብ ይዛረቡ።
    ብ ካውንስል ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያዊያን ጀበርቲ ዝተዳለወ ናይ ኢፍጣር ስነስርዓት፡ ማሕበረሰብ ኣመንቲ እስልምና፡ ወከልቲ መንግስቲ ቪክቶሪያን ፖሊስን ኣብዝተረኽብሉ ብዕለት 23 መጋቢት 2022 ኣብ ኣዳራሽ ኮሊንግዉድ ታውን ተኻይዱ ኔሩ። ኣብቲ እዋን ካብ ኣዳለውቲ እቲ ስነስርዓት ዝኾኑ ኣቶ ዓብዱሰላም ጣሃን ኢንጂኔር ኣማንን ገሊጾሙልና ኔሮም። ሎሚ ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 21 ግንቦት ዝካየድ ምርጫ ፈደራል ዝዳለውሉ እዋን እዩ፡ ኣብቲ ማሕበረሰብ ካብ ፈደራል መንግስቲ ክግበር ዝግብ ኦም ሕቶታት እንታይ ምዃኖም ሓቲትና ኔርና፡
    13 min
  • ኣብ ምርጫ ኣውስትራሊያ ህዝቢ ብኸመይ ድምጹ ይህብ: ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ
    ዓሰርተ ሸውዓተ ሚልዮን ኣውስትራሊያውያን ኣብቲ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ፌደራል ምርጫ ድምጾም ክህቡ ተመዝጊቦም ኣለው ። ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ምርጫ ስርዓት ዘመሓድር ነጻ ኣካል ኣለና ። ኮምሽን ምርጫ ኣውስትራሊያ ኩሎም ክመርጹ ዝግብኦም ዜጋታት ፌደራላዊ መንግስትና ኣብ ምቕራፅ ናይ ምሕጋዝ ተራ ኣለዎ ። ናይዚ ሰሙን ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እምበኣር ብኸመይ ከም እትመርጽ ዝገልጽ እዩ ።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (25 ሚያዚያ 2022)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያውያን ንመዓልቲ ANZAC ንምዝካር ብንግሆኡ ተኣካኺቦም ኣርፊዶም ። ** ኢማኑዌል ማክሮን እንደገና ፕረዚደንት ፈረንሳ ኰይኑ ተመሪጹ ኣሎ ። ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ **ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስ ቴሌኮም ካብ ኢትዮጵያ ተመንጢሉ ንሩዋንዳ ተዋሂቡ። **65% ኣብ መረበቱ ዝነብር ህዝቢ ኢሮብ ንሕሱም ጥሜት ከም ዝተቓለዐ ተገሊጹ። ** ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ሓጺር መልእኽን፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት
    48 min
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (25 ሚያዚያ 2022)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያውያን ንመዓልቲ ANZAC ንምዝካር ብንግሆኡ ተኣካኺቦም ኣርፊዶም ። ** ኢማኑዌል ማክሮን እንደገና ፕረዚደንት ፈረንሳ ኰይኑ ተመሪጹ ኣሎ ። ** ኣብ ናይ ሱዳን ዳርፉር ብዝተፈጥረ ጎንጺ ብውሕዱ 168 ሰባት ተቐቲሎም: ክብሉ ጉጅለ ረድኤት ኣፍሊጦም።
    15 min
  • ኢትዮጵያ፣ ካብ ሃገራ ከይወጹ ንምትዕንቓፍ ብዝገጠሞም ኤርትራውያን ዝምልከት በደቂቕ ትምርምሮ ከም ዘላ ሓቢራ። (ካብ ጸብጻብ)
    ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ኮንፈረንስ ቴሌኮም ካብ ኢትዮጵያ ተመንጢሉ ንሩዋንዳ ተዋሂቡ። 65% ኣብ መረበቱ ዝነብር ህዝቢ ኢሮብ ንሕሱም ጥሜት ከም ዝተቓለዐ ተገሊጹ። ኢብ ኢትዮጵያ ስግግር መንግስቲ ክግበር ሕብር ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ሰልፊ ፖለቲካ ፀዊዑ። ኢትዮጵያ፣ ካብ ሃገራ ከይወጹ ንምትዕንቓፍ ብዝገጠሞም ኤርትራውያን ዝምልከት በደቂቕ ትምርምሮ ከም ዘላ ሓቢራ። ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕን ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭን ድሕሪ ጽባሕ ክራኸቡ መደብ ከም ዘለዎም ተገሊጹ።
    8 min
  • ትርጉም በዓል ትንሳኤ ምስ ኣባ ተኽለማርያም ተወልደ
    ነቶም በዓለ ትንሳኤን ተብዕሉ ሰማዕትና ኣቐዲምና ርሑስ በዓል እንቋዕ ኣብቅዓኩም ንብል። ኣባ ተኽለማርያም ተወልደ ካብ ማሕበር ልኡካን ላዛሪስ ኣብ ከባቢ ሶሎሞን ኣይላንድስ መምህርን ሓላፊ ዘርኣ ክህነትን ኮይኖም ዘገልግሉ ንትንሳኤን ስቕለትን ዝምልከት ካብ ዝሃቡና ዕላል ዝተወስደ
    9 min
  • 'ቃል ዝተኣትወትለይ መኪና ገና ኣይተረከብኩዋን' ሰሎሞን ባሬጋ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ምስ ኢጣልያዊት ጋንታ ብምጽንባር ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ኮይኑ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/04/2022) * ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ኦሎምፒክስ ቶክዮ ድሕሪ ምዕዋቱ መብጽዓ ዝተኣትወትትሉ መኪና ክሳብ ሕጂ ኣይተቐበልኩዋን ኢሉ፣ * ኣብ ቅ/ብ ዙር ኣልፕስ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ቅልስ ዝበለጸ ተባሂሉ ፍልይቲ ተዘክሮ ዘለዋ ማልያ ተሰሊሙ፣ * ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ፕሮፌሽናል ተቐዳማማይ ኮይኑ፣ ጋንታ ባርዲያኒ ሲኤስኤፍ ፋይዛን ምስኣ ክጽንበር ውዕል ከምዘፈረመቶ ኣፍሊጣ፣ * መጻረዪ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣይቮሪኮስት 2023 ምድልዳል ዕጫ ተኻይድሎም፣ ኢትዮጵያን ግብጽን ኣብ ሓደ ምድብ በጺሕወን፣ * ኣዳለውቲ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ዊምብልደን ሩስያውያንን ቤላሩስያውያንን ተጻወቲ ከይሳተፉ ዝኽልክል ዝወሰዶ ውሳነ ተቓውሞታት ገጢምዎ
    11 min
  • ኣብ ፈደራል ምርጫ ኣውስትራሊያ ናይ ፈለማ ኣድመጽቲ መንእሰያት እንታይ ይብሉ፧
    ፈደራላዊ ምርጫ እናቐረበ ይመጽእ ኣሎ ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ኣውስትራሊያዊያን ንመጀመርታ ግዜ ድምጺ ክህቡ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ ይግመት። ነቶም ካብ 18 ክሳብ 20 ዝዕድሚኦም ፡ ኣብ መስርሕ ምርጫ ፡ ብሃገር ደረጃ ፡ ናይ መጀመርታ ናይ ምምራጽ ዕድሎም ክኸውን እዩ ።
    8 min
  • ቀጥታ ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (21 መጋ 2022)
    ካብ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰራዊት ሩስያ ፡ ነቲ ሳማት ኢ-ሲ-ቢ-ኤም ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃገራት ዝጠሓሕስ ሓድሽ ባለስቲክ ሚሳይል ዕዉት ፈተነ ከምዘካየደ ይገልጽ ካብ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ **ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ምስ ናይ ኤርትራ መዘናኡ ክዘራረብ መደብ ከምዘለዎም ተገሊጹ። **ኣብ ትግራይ ብውሑዱ 1900 ትሕቲ 5 ዓመት ዝዕድምኦሞ ህጻናት ብሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱ ተገሊጹ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ** “ሰበባ ወይ ምዕሳው ዘስዕቦ ጥዕናዊ ጸገም” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘዩ ክከውን። ኣብ ቃለ መሕትት፥ ኣብ ሰማንያታት ኣብ ሱዳን ንዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝኸፈተት ቤት ትምህርቲ ዩኔስኮ ካብ ኣ ዝፈረዩ ብዙሓት ምሁራትን ሰብ ሞያን ኣብ መላእ ዓለም ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ መልበርን ዝቕመጥ መምህር ገብረመድህን ጸጋይን ኣብ ከተማ ፐርዝ ዝነብር መምህር መሓመድ ዑመር ኣሕመድ ገለ ካብ መራሕቲን መምህራንን እታ ቤት ትምህርቲ ኔሮም። ብዛዕባ’ታ ቤት ትምህርቲን ፍርያታን ኣዕሊሎሙና ኣለዉ።
    48 min
  • ዕለታዊ ዜና SBS ትግርኛ (21 መጋቢት 2022)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብቲ ናይ መጀመርያ መራሕቲ ናይ ፈደራል ምርጫ ጎስጓስ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ሓለዋ ዶባት ፖሊሲታት ቀንዲ ኣርእስቲ ኮይኑ ኣምስዩ። ። ** ሰራዊት ሩስያ ፡ ነቲ ሳማት ኢ-ሲ-ቢ-ኤም ብዝብል ስም ዝፍለጥ ሃገራት ዝጠሓሕስ ሓድሽ ባለስቲክ ሚሳይል ዕዉት ፈተነ ከምዘካየደ ይገልጽ ** ኣዳለውቲ ዉድድራት ባይታ ቴኒስ ዊምበልደን ፡ ኣብዚ ዓመት እዚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝግበር ዘሎ ውግእ ፡ ተጻወትቲ ተኒስ ሩስያን ቤላሩስን ኣብቲ ፍጻመ ከይወዳደሩ ኺእግዱ እዮም ።
    14 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,829 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners