
Sign up to save your podcasts
Or


ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/07/2021)
* ገዲም ኢትዮጵያዊ ጎያያይ ቀነኒሳ በቀለ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ ታሪኽ ካልኣይ ዝቐልጠፈ ግዜ ኣብ ጉያ እግሪ ማራቶን እንተመዝገበ’ኳ ናብ ሃገራዊት ጋንታ ኦሎምፒክስ ኢትዮጵያ ከይተመርጸ ተሪፉ፡
* ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንፈለማ ግዜ ብሓሙሽተ ደቀንስትዮ ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ቶክዮ 2020 ተወኪላ ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ፡
* ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩ’እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ ኣብ ባህር ዳር ዝሓለፈ ሰለስተ ሓምለ ክጅምር መዲብዎ ዝነበረ ግጥማት መንእሰያት ት23 ብኽልተ ሰሙን ከምዘመሓላለፎ ኣፍሊጡ፡
* ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሄኖክ ምሉእብርሃንን መትከል ኢዮብን ሰንበት ኣብ ዝተሳፉሎም ውራያት ብሉጽ ናይ ካልኣይ ደረጃ ውጺታት ኣመዝጊቦም ዝብሉ ገለ ካብ’ቶም ኣርእስታት ዝሓዘ መደብ ኣለና። ክትከታተሉና ንዕድም።
ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታትን ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ትንታነ ሂቡ ኣሎ። እዚ ቀዳማይ ክፋሉ ኮይኑ ካልኣይ ክፋሉ ኣብዝመጽእ መደባትና ክቐርብ'ዩ።
" ሰራዊት ትግራይ ናብ ትግራይ ምእታዉ ምኽኑይ'ዩ ምኽንያቱ፡ ዘይተወደአ ዉንዙፍ ጉዳይ ዶብ ስለዘሎ፡ ካልኣይ እቲ ንብዙሕ ክፋል ናይ ኤርትራ ዘጠቓልል ሕልሚ ዓባይ ሪፑብሊክ ትግራይ ምፍጣር ስለዘሎ እዞ ህላዌኣዊ ስግኣት ንቐጻልነት ሏኣላዊት ኤርትራ ስለዘሎ'ዩ።"
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዉግእን ምትሓዝ ከተማ መቐለን ብዛዕባ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኤርትራዊያን ይንጸባረቕ ኣሎ። ኣቶ ሳላሕ ዕጀል ካብ ኣውስትራሊያ፡ ኣቶ ረድኢ ኣዩብ ካብ እንግሊዝ ከምኡ'ውን ኣቶ ተስፋጋብር ገብረዮሃንስ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓሳባቶም ኣካፊሎም ኣለዉ። (ካልኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን)
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (01/07/2021)
* መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ናብ መቐለ ደጊሙ ክኣቱ ከምዝኽእል ሮቡዕ ድሕሪ ምግላጹ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዝኣወጆ በይናዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ።
* ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ 24 ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ማሕበረሰብ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ተመዝጊቦም።
* መራሕቲ ግዝኣታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ጥዕናን እቲ ዝለዓለ በዓል መዚ ክታበት ዝህቦም መምርሒታት ሸለል ክበሃሉ የብሎምን ኢሎም ድሕሪ ምጥንቃቖም ኣብ ዙርያ ክታበት ኮቪድ-19 ኣውስትራልያ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ።
* ዶናልድ ራምስፈልድ፡ ክልተ ግዜ ዋና ጸሓፊ ምክልኻል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮይኑ ዘገልገለን ቀንዲ ሓንጻጺ ወራራት ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝነበረ፡ ኣብ መበል 88 ዓመቱ ዓሪፉ።
ጸብጻባት ዜና (01/07/2021) ኤስቢኤስ ትግርኛ
ሓይልታት ትግራይ ዓበይቲ ከተማታቶም ናጻ ምውጻእ ከም ዝቐጸሉ ኣፍሊጦም፡ ቀ/ሚ ኣብዩ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ዝጸንሐ ሰራዊት ህዝባዊ ደገፍ ከም ዘይነበሮ ኣሚኑ፡ መቐለ ከኣ ማዕረ’ታ ንሱ ዝተወልደላ ከተማ በሻሻ ክትከውን ማእኸል ስሕበታ ክንኪ ከም ዝተሰርሐ ተዛሪቡ፡ ድሕሪ ደጊም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝፍጠር ነገር ተሓታቲ ከም ዘይኸውን ሚንስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡....
ጽምብላት ዓወት ኣብ መቐለ ይካየዱ ኣለው። ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኣወጀ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ውሳኔ ናይ ለውጢ ተስፋ ኣምጺኡ'ሎ፡ ኣህጉራውያን ትካላት ነቲ ኣብ ኣፈፈት ጥሜን ዝርከብ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ሕጂ ረዲኤታዊ ሓገዝ ከብጽሑሉ ክኽእሉ'ዮም። እንተኾነ ግን መራሕቲ ዓለም እቲ ሰላም ነባሪ ከይከውን ይኽእልዩ ብምባል ስግኣት እሕዲሮም ኣለዉ፡ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ፈኸራታት ይገብር ስለዘሎ።
ለበዳ ኮቪድ-19 ንምምጻእ ወይ መገሻ ወይ ምግዓዝ ናብ ኣውስትራልያ ብዓቢይ መጠን ጸልይዎ ኣብ ዝሃለወሉ፡ መደብ ዓመታዊ ማይግረሽን 2021-22 ሓያል ኣትኩሮ ኣብ ሕውየት ቁጠባ ኣለዎ። ገለ ለውጥታት ኣብ’ዚ መዳይ ድሮ ተገይሮም ኣለው፡ ገለ ካልኦት ከኣ ኣብ ዝመጹ መዓልታትን ኣዋርሕ ኣብ ተግባር ክውዕሉ’ዮም።
ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ዉግእን ምትሓዝ ከተማ መቐለን ብዛዕባ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኤርትራዊያን ይንጸባረቕ ኣሎ። ኣቶ ሳላሕ ዕጀል ካብ ኣውስትራሊያ፡ ኣቶ ረድኢ ኣዩብ ካብ እንግሊዝ ከምኡ'ውን ኣቶ ተስፋጋብር ገብረዮሃንስ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓሳባቶም ኣካፊሎም ኣለዉ።
ብወገን እቲ ንመቐለ ተቖጻጺሩ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ፡ ብዛዕባ ተዂሲ ደው ምባል ዝበሎ የለን፡ ጸብጻብ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (28/06/2021)
* ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣውስትራልያ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ብምቕልቃሎም ቀይድታት ደጊሞም ይተኣታተው
* ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎዛ ቀይድታት ኮቪድ-19 ናይ’ታ ሃገር ን14 መዓልታት ክጸንዑ ምዃኖም ኣፍሊጡ
* መደበር ዜና ሲኤንኤንን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ዘረጋገጽዎ ኣብ ማሕበረ ደጎ ዝተፈጸመ ቅትለት ዘርኢ ስፍሕ ዝበለ ቪድዮ ተዘርጊሑ
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,832 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners