
Sign up to save your podcasts
Or


ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ክካየድ ዊዑሉ ኣሎ፡ ናይዚ ዉዕሎ ጸብጻብ ኣብዚ ብድምጺ ቀሪቡ ኣሎ።
"ኣብ ሰለስተ ክልላት ብፍሉይ ከኣ ኣብ ክልላት ደቡብን ኣምሓራን ኣዝዩ ስግኣት ተዓዚብና። ወኪላት ሰልፊ ፖለቲካ ከም ዝተቐጥቀጡ፣ ካብ ቦታ ናብ ምንቅስቓስ ከም ዘይከኣሉ፣ መለለዪኦም ከም ዝተመንዝዑን ናብ ናቑጣታት መረጻ ክጽግዑ ከም ዘይከኣሉ ብጀካ ገዛኢ ሰልፊ ( ብልጽግና) ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ጥርዓን ካብ ኩሎም ሰልፍታት ተቐቢልና ኢና።" ኣካቢት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ወ/ት ብርቱኳን ማደቅሳ
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
***በርናቢ ጆይስ መራሒ ናይ ሰልፊ ናሺናል መራሕን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራሊያ ኰይኑ ዳግም ስልጣኑ መሊሱ።
****ተጣበቕቲ ኣብቲ ኣብ ሪዮ ዲ ጃኔሮ ዝርከብ ናይ ኮፓካባና ገማግም ባሕሪ 500,000 ብራዚላውያን ብሰንኪ ኮቪድ-19 ዝሞቱሉ ዘኪሮም።
***** ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ ፓርላመንታዊ ምርጫ ይግበር ኣሎ።
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥
ኢትዮጵያ ሰለስተ ክልላት ዘይተሳተፋሉ ሻድሻይ ዙርያ መረጻ ሎምዓንቲ ተሳልጥ ኣላ።
ሓይልታት ትግራይ ኣሉላ ኢሎም ብዝሰመዩዎ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክልተ ክፍለሰራዊት ኢትዮጵያን ሓገዝቱን ከም ዝደምሰሱ ይገልጹ ኣለዉ።
ዓሰርተ ሰርሓተኛታት በዓል መዚ መገድታት ኢትዮጵያ ብመኪና ክጎዓዙ እንከለዉ ብዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ተሰሚዑ። ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሓይሊ ዝግበር ምምላስ ስደተይናታትን መቕተልትን ተቓዊሙ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ደቡባዊ ክፍሊ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ከግዕዞም ይዳሎ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (21/06/2021)
* ዝመጽእ ሓምለ ኣብ ባህር ዳር ክካየድ ተመዲቡ ኣብ ዘሎ ግጥማት ኩ’እግሪ ት23 መንእሰያት ዋንጫ ብድሆ ሴካፋ ወይ ሴካፋ ቻለንጅ ካፕ ሃገራት ሰለስተ ልዕሊ ዕድመ ተጻወቲ ከሰልፋ ክፍቀደለን ምዃኑ እቲ ማሕበር ኣፍሊጡ፡
* ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ መርሃዊ ቅዱስ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ቅ/ብ ኣድሪያቲካ ኢዮኒካ ዝድነቕ ውጽኢት ብምምዝጋብ ካልኣይ ወጺኡ፡
* ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዩሮ2020 ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ዘርእዮ ዘሎ ልዑልን መሳጢን ብቕዓት ቀልቢ መራኸቢ ብዙሃን ዓለም ስሒቡ፡ ዓበይቲ ጋንታታት ኤውሮጳ’ውን ይመናጠላሉ ኣለዋ ተባሂሉ
ቍጽሪ እቶም ኣብ ዓለም ዝርከቡ ብግዲ እተመዛበሉ ሰባት ፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ከኣ ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ ።
እዚ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ዝለዓለ ኣካል ስደተኛታት ኣብቲ ዓመታዊ ጸብጻቡ ዝረኸቦ እዩ ።
ጸብጻባት ናይ ረድኤት ትካላት ከምዝሕብርዎ ፡ ኮቪድ ንኣህጉራዊ ዶባት እንተዘይዓጽይዎ እቲ ቁጽሪ ኣዝዩ ዝለዓለ ምኾነ ይብሉ ።
20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዝዝከረሉ ቅነ፡ ሳሙኤል ቢዘን ብዘበገሶ ናይ ጉያ ብድሆ ብዙሓት ስዒቦሞ፡ መዓልታዊ ጎኒ ንጎኒ እቲ ጉያ ብዛዕባ ዝፈልጦም ታሪኽ ስዉኣት ብቪድዮ መልእኽቲ እናሕለፈ ጸኒሑ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ትርጉም መስዋእቲን ገለ ካብቶም ዝጥቀሱ ታሪኽ ኣዕሊሉና ኣሎ።
ኣርእስታት ዜና፥
** ኣብ ቪክቶሪያ ዝጸንሐ ናይ ኮቪድ ቀይድታት ሎሚ ምሸት ዳግም ክፈኲስ እዩ ፡...
ዕድሚኦም ትሕቲ 60 ዝኾኑ ኣውስትራሊያዊያን ክታበት Pfizer ክኽተቡ ተወሲኑ።
** ኢትዮጵያ ነቲ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ዝምልከት ናይ ዓረብ ሊግ መትከል ተቓዊማ።
ዓለምለኻዊ መሐበሪ ሰላም ናይ ሃገራት ጸብጻብ ወጺኡ ኣሎ ።
ኣውስትራሊያ ኣብቲ ሰላም ዝዓዘዘን ሃገራት ዝርዝር ወሪዳ ክትርከብከላ ካብተን 10 ቀዳሞት ሰላም ዘለወን ሃገራት ተሰሪዐን ካብዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ ኮይነን ኣለዋ ብሓፈሻ ገምጋም ናይ ዓለም ሰላም እናጎደለ ይኸይድ ኣሎ ።
ዕላማ ናይዚ ፡ ነቲ ዓለም ናብ ሰላም እትገብሮ ኣተኩሮ ፡ ኣወንታዊ ፡ ክብጻሕ ከምዝኽእልን ዝተጨበጠን መዐቀኒ ሰብኣዊ ድሕነትን ዕቤትን ንምጉላሕ እዩ ።
ፌስቡክ ምስ ትካል ድሕነት ኢትዮጵያ ርክብ ዘለዎ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ዜናታትን ፍጻመታት ገዛኢ ፓርቲ ብልጽግናን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድን ዝጽብጸብ ዝነበረ መርበብ ሓበሬታ ዓጽዩ።
ሱፐራኑሽን (ናይ ጥሮታ ገንዘብ) ዝበሃል ኣውስትራሊያውያን ኣብ ጥሮታ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ገንዘብ ንኽቑጥቡ ዝሕግዝ ናይ ኣስገዳድ ምውህላል ገንዘብ እዩ ።ሱፐር ኣዝዩ ግብሪ እተኽፍለሉ መገዲ ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተ ኰነ ፡ ካብ ሱፐር ዝለዓለ ጥቕሚ ምእንቲ ክትረክብ ግና ፡ ሒደት ነገራት ኣብ ግምት ኣእቲኻ ከተተኵር ፡ ክኢላታት ይምዕዱ ።
ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዘተኩሮሉ ዛዕባ’ዩ፡
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,832 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners