SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • “ጓለይ ኣብ ልዩ ሃይል ኔራ እናበሉ ስማ ተጥፍኡ ሰባት እንተትዕገሱ ምሐሸ፡ ተዛሪቦም ዘምጽእዎ የለን ግን ይሕስዉ’ዮም ዘለዉ።”

    ነባሪት ተምቤን፡ ሞናሊዛ ኣብርሃ ኣብ 4 ታሕሳስ ከም ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ትግራይ ግዳይ ናይዚ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዘሎ ኲናት እያ። ኣብ መቐለ ተዓቑባትሉ ካብዘላ ሆስፒታል ን ኣልጀዚራ ኣብዝሃበቶ ቓል፡ “ወተሃደራት ኪዕምጹኒ ፈቲኖም ፡ ናብ ምድሪ ተደርብየ ። ሽዑ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ኬፈራርሃኒ ኢሉ ጠያይት ተኩሱ ፣ ኢደይ ሃሪሞም ካልእ ጥይት ብምትኳስ ፡ እታ ጥይት ብቕልጽመይ ሓሊፋ።” ክትብል ገሊጻ። በዚ ምኽንያት ኢዳ ተቖሪጹ፡ እግራ ተሃሪሙ ናብ መቐለ ተወሲዳ።

    ብድሕርዚ ፍጻመ ነባሪ ከተማ መልበርን ዝኾነ ኣቦኣ ኣቶ ኣብርሃ ኣሰፋ፡ ንሓደ ናይ ዩቱብ ብጌጋ ዝሃቦ  ናይ ዕለት ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባርን ዕጥቕቲ ከምዝነበረትን ኣብ ኲናት ከምዝተሃርመትን ተጌሩ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወረታት ክዝርጋሕ ጸኒሑ። እዚ ጉዳይ ከብርሃልናን ኲነታት ሞናሊሳ ንምፍላጥን ሓቲትናዮ ኣለና።

    14 min
  • ዕለታዊ ዜና 14 ሰነ 2021 SBS ትግርኛ

    ኣርእስታት ዜና

    *** ዋዕላ ናይ ሸውዓተ ሃብታማት ሃገራት ተዛዚሙ፡ ኣብቲ እዋን  ኲናት ትግራይ ተዘትይሉ።

    ***  ሓድሽ መንግስቲ እስራኤል ንናታንያሁ ኣልዩ ቃል ምሕላ ፈጺሙ።

    *** ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዴንማርክ ክርስትያን ኤሪክሰን ኣብ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዩሮ 2020 እናተጻወተ ብናይ ልቢ ሕማም ወዲቑ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።

    14 min
  • ክልተ መዓልቲ ዕድመ ዝነበሮ ክብረወሰን ዓለም ለተሰንበት ኣፍሪሳቶ፣ መርሃዊ ቅዱስ ካብ ዝለዓሉ 10 ተቐዳደምቲ ኮይኑ ወዲኡ

    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/06/2021)

    * ብኣልማዝ ኣያና ኣብ ኦሎምፒክስ ሪዮ ተመዝጊቡ ዝነበረ ክብረወሰን 10000ሜ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ብ10 ካልኢታት ድሕሪ ምሕምሻሻ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ተወሳኺ 5 ካልኢታት ደጊማ ብምቕናስ ኣመሓይሻቶ፡

    * ክልተ ኤርትራ ዝመበቆሎም ኣትሌታት ዝሓዘት 29 ዝኣባላታ ኦሎምፒካዊት ጋንታ ስደተኛታት ኣብ ቶክዮ 2020 ክትሳተፍ ምዃና ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክስ ኣፍሊጡ፡

    *ኤርትራዊያን መርሃዊ ቅዱስ መኽሰብ ደበሳይ ተሳትፎኦም ኣብ ፈረንሳዊ ቅ/ብ ላ ሮውት ዲ’ኦቺታኒ ዛዚሞም፡ መርሃዊ 8ይ ብምውጻእ ካብ’ቶም ዝለዓሉ ዓሰርተ ተቐዳደምቲ ኮይኑ

    * ጸገም ምንብርካኽ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ዝቃወሙ ደገፍቲ ብኸመይ ክተሓዙ ኣለዎም፧

    13 min
  • መንግስቲ ኤርትራ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 2018 ንብረትን ትካላትን ካቶሊካዊት ቤ/ን ምህጋርን ምዕጻውን ይቕጽሎ ኣሎ ተባሂሉ።

    ሓጸርቲ ጸብጻባት፥

    ኣብ ትግራይ ተኹሲ ደው ክብል ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጽእ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ጸዊዖም።

    መንግስቲ ኤርትራ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ 2018 ንብረትን ትካላትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝወሰዶ ናይ ምህጋርን ምዕጻውን ስጉምቲ ሕጂ እውን ይቕጽሎ ኣሎ ተባሂሉ።

    ኣባላት ሊግ ዓረብ ኣብ ምዕባለታት ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ጽባሕ ሰሉስ ክመያየጡ እዮም።

    ሓሙሽተ ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ እታ ሃገር ዝመጽእ ሰኑይ ብኽፋል እተካይዶ መረጻ መሰረታውያን መለክዒታት ቅድመ መረጻ ዘመልአ ኣይኮነን ኢሎሞ።

    8 min
  • ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ G-7 ተዛዚሙ።

    ኣብ እንግሊዝ ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ G-7 ፡ ተዛዚሙ ።

     ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ንፈለማ እዋን ብኣካል እተራኸቡ ጕጅለ መራሕቲ "ዘገርም ዉህደት" ክብል ንኢድዎ እዩ ።

    ኣብ ዋዕላ ጂ7 ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ተዘትየሉ። 

     

    8 min
  • ዕለታዊ ዜና 10 ሰነ 2021 SBS ትግርኛ

     

    ** ንቫይረስ ኮሮና ንምግታእ ተኣታትዮም ዝነበረ ቀይድታት ከምቲ ዝተመደበሎም ካብ ሎሚ ለይቲ [11.59ምፕም 10 ሰነ] ከምዘብቅዑ ኣረጋጊጾም ኣለው ፡...

     

    ** ኤርትራ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንኣመሪካ ተሓታቲት ጌራታ።....

     

    ** ራፋኤል ናዳል ንዲያጎ ሽዋርትዝማን ድሕሪ ምስዓር ኣብ ግጥማት ፈረንቺ ኦፐን ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፉ ።

    15 min
  • ግብጽን ሱዳንን ማሕበረሰብ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትገብሮ ዘላ በይነኣዊ ጉዕዞ ምምላእ ማይ ደው ከብለለን ሓቲተን። (ሓጸርቲ ጸብጻብ)

    ወተሃደራት ሶማል ኣብቲ ኣብ ኣክሱም ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተሳተፉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ

    'ገሃነም ኣብ ትግራይ ርእየያ' ቀላዒት ፎቶ ናሽናል ጅኦግራፊ

    ግብጽን ሱዳንን ማሕበረሰብ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ትገብሮ ዘላ በይነኣዊ ጉዕዞ ምምላእ ማይ ደው ከብለለን ሓቲተን።

    6 min
  • ካብ ወጻኢ ቆልዓ ኣምጺእካ ምዕባይ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)

    ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን ዘዕብይዎም ወለዲ ዘይብሎም ካብ ካልኦት ሃገራት  ቆልዑት ኣምጺኦም ከዕብዩ ይደልዩ እዮም። ኣውስትራሊያ ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራት ስምምዕ ርዕመት ኣለዋ ፤ ይኹን እምበር ካብ ወፃእ ሃገር ቆልዓ ናይ ምቕባል መስርሕ ነዊሕ ከምዝኾነን ሓያል ተወፋይነት ከምዘድልዮን ይፍለጥ ።

    11 min
  • "ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ መደብ ጌርካ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን ኢኻ።" ልኡል ፍስሃየ

    እዚ ካልኣይ ክፋል ምስ  ኣውስትራሊያዊ ዜግነት ዘለዎ ትግራዋይ ኣቶ ልኡል ፍስሃ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት እዩ። ንሱ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ሓደ ኩባንያ ብምጥያስ፡ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻን ህንጻን ኣውፊሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ ሰሙን ናብ ከተማ መልበርን ምስተመልሰ ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምኽፋቱ ኣብ ኣውፈርቲ ትግራይ ዘጋጥሞም ዘሎ መሰናኽል ምስ ናይ ገዛእ ተሞኩሮኡ ኣካፊሉና ኣሎ፡

     
    25 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,832 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

0 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

0 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners