
Sign up to save your podcasts
Or


ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/06/2021)
* ኣብ ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኤርትራ ንፕሮፌሽናል ተቐዳደምቲ መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ቀዲሙ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ጋንታ ኣስቤኮ ዝስለፍ ዳዊት የማነ ሻምፒዮን ኤርትራ ብምዃን ተዓዊቱ፡
* ኣብ ቅ/ብ ጂሮ ደል ኣፐኒኖ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ቲም ኩቤካ ሄኖክ ምሉእብርሃን 6ይ ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ፡
* ቤት ምኽሪ ማሕበራት ኩ’እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ወይ ሴካፋ ፌዴረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ቀቅድሚ’ቲ ኢትዮጵያ ተአንግዶ ግጥማት ሴካፋ ዋንጫ ብድሆ/ሴካፋ ቻለንጅ ካፕ መሳተፊ ዕስራ ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ከምዝኸፈለ ኣረጋጊጹ
ጸብጻብ ዜናታት
ንማሕበረሰብ ዓለም ዘሰምበደ ቅትለት ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ ትግራይ፣ ሚንስትሪ ጉዳይ ወጺኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ንጉዳይ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ምስ ትካል መግቢ ዓለምን ካልኦትን ምይይጥ ኣሳሊጡ ዝብሉን ካልኦትን
ውድብ ጥዕና ዓለም ዓሌት 'ደልታ' ካብ'ቶም ክሳብ ሕጂ ተለልዮም ዘለው 'እቲ ኣዝዩ ተመሓላላፊ' እዩ ክብል የጠንቅቕ፡ ክኢላታት ሕክምና ኸኣ ካብ'ቶም ዝቐደሙ መልከፍትታት ዝተፈጥረ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (ኢምዩኒቲ) ክጥሕሶ ይኽእል'ዩ ይብሉ።
ቀይድታት ለበዳ ኮቪድ-19 መልበርን ይፋኾሱ’ለው፡ ሓደ ጸብጻብ ግን ጽልዋ ናይ’ዞም ተደጋገምቲ ዕጽዋታት ነቶም ካብ መጻእትን ስደተኛታትን ድሕረባይታ ዘለዎም መንእሰያት፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ዝመጹ፡ ኣብ ሓደ ናይ ቅልውላው ነጥቢ በጺሖም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። ሓደ ዓቢይ ማሕበር መንእሰያት ጽልዋታት ሽቕለተኣልቦነትን ፋይናንሳዊ ጸቕጥን ንብዙሓት ዓመታት ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ንምስጢራት ንኣሽቱ ዋኒናት ስሞል ቢዝነስ ሰክረትስ ሓቢሮም።
ኣርእስታት ዜና፡
ሚኒስተር ሕርሻ ኒው ሳውዝ ወልድ ኣዳም ማርሻል ናይ ኮቪድ-19 ብኮቪድ ተለኺፉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ኣብ እትርከብ ከተማ ቶጎጋ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ተኻይዱ ብውሑዱ 43 ሰባት ተቐቲሎም:
ኖቫክ ደጆኮቪች ፡ ነቲ ራፋኤል ናዳልን ሮጀር ፈደረርን ዝሓዝዎ 20 ናይ ግራንድ ስላም መዓርጋት ክብረ ወሰን ንኽመዓራረዮም ፡ ናይ ዊምብልደን ምድላዋቱ ይቕጽል ከም ዘሎ ገሊጹ።
ኣርእስታት፥
ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዶግዓ ተምቤን ፍሉይ ስሙ ተጎጋ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ሰባት ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲን ዝቖሰሉ ከይሕከሙ ወተሃደራት ዝፈጸሙዎ ዕጽዋ መገዲን ኮኒኖም።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ኣብ ጽባሕ እቲ ደብዳብ ነፋሪት ከም ዝሓምሸሹ ጊጾም።
ሱዳን፣ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ግድብ ኢትዮጵያ ኢዱ ክሓውስ ሓቲታ።
ኮንግረስ ፌደራሊስት ኦሮሞ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መረጻ ነጺጉ ናይ ሓባር መንግስቲ ክምስረት ጸዊዑ።
ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ቀሪቡ ኣሎ።
ብመንግስቲ ኣውስትራሊያ ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ካብ ዝተዋህቦም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝኽሰተሉ እዋን ናብ ኣውስትራሊያ ናይ ምኻድ ፍቓድ ከምዝተኸልከሉ SBS ኒውስ ብዝረኸቦ ኣሃዛት ሓቢሩ ።
ተጣበቕቲ ከምዝብልዎ ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኣብ ዝርከብ ሓደገኛ ወጺእና ኢሎም ናብ ኣውስትራላኢያ ክ ኣትዉ ቪዛ ተዋሂብዎም ከብቅዑ ኣብ ኣውስትራሊያ ናብ ደሓን ዝኾነ ቦታ ንምእታው ግና ብነፋሪት ከይመጹ ተኸርዲኖም ይርከቡ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ፡ ተጣበቕቲ ፡ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕላዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ከምኡ 'ውን ስድራቤት ናይቶም ኣብ ወጻኢ ኣብ ሰንፈላል ዝርከቡ ስደተኛታት ፡ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ነቶም ቪዛ ዝሓዙ ሰባትብፍሉይ ክ ኣትዉ ክገብር ኣለዎ ይብሉ ።
ጸብጻብ
ጋዜጠኛ ሰናይ ገብረመድህን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝግበር ዘሎ ምርጫን ምስኡ ክመጽእ ዝኽእል ኩነታትን ዝምልከት ዝተገብረ ዘተ።
ሰሙን ናይዶክ ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ዓውደ ኣዋርሕ ጎሊሑ ዝርአ ፍጻመ እዩ ። እዚ ንታሪኽ ፡ ባህልን ዓወታትን ህዝቢ ኣቦርጂንን ቶረስ ስትርን ኣፍልጦ ንምሃብ ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓምለ ዝጽምበል ቅነ እዩ።
ናይ 2021 ቴማ Heal Country! ዝብልዩ.
ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ (ሰትልመንት ጋይድ) ፡ ነቲ ኣብ ከተማታትና ብቐሊሉ እንረኽቦ ንኣርጂናውያን ኣገዳስነት ዘለዎም ቦታታት ብኸመይ ክትበጽሖምን ኣኽብሮት ኸተርእን ከም እትኽእል ክድህስስ እዩ ።
ናብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ ሪፖርት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ግጭት ኣብ ክልል ትግራይ ተሳቲፉ ፡ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተፈጺሙ ክብል ይኸስስ ።
ሓዲሽ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ተሸይሙ ዘሎ ፡ መሓመድ ዓብደልሳላም ባቢከር ፡ ኣብ 2017 ኣባል ናይታ ናይ ዉሕሃ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ማዕቀብ ንኽግበር እትከታተል ጕጅለ ዝነበረ'ዩ፡ ነቲ ጸብጻብ ኣቕሪብዎ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,832 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners