
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት ዜና፥
*** ኣብ ቪክቶሪያ ፡ ሎሚ 11 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፉ ተፈሊጡ
*** ኣብ ሶማሌላንድ ዝተገብረ ምርጫ፦ ክልተ ናይ ተቓዋሚ ሰልፊታት ብዓብላሊ መናብር ፓርላማ ተዓዊቶም።
*** ሮጀር ፈደረር ኣብ ናይ ሳልሳይ ዙር ግጥም ድሕሪ ምዕዋቱ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ካብ ዉድድር ፈረንች ኦፐን ወጺኡ።
ኣቶ ልኡል ፍስሃ ኣውስትራሊያዊ ዜግነት ዘለዎ ትግራዋይ እዩ፡ ንሱ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ሓደ ኩባንያ ብምጥያስ፡ ኣብዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ሕርሻን ህንጻን ኣውፊሩ ክሰርሕ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ ሰሙን ናብ ከተማ መልበርን ምስተመልሰ ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምኽፋቱ ኣብ ኣውፈርቲ ትግራይ ዘጋጥሞም ዘሎ መሰናኽል ምስ ናይ ገዛእ ተሞኩሮኡ ኣካፊሉና ኣሎ፡
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥
ኤርትራ ወተሃደራታ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻንጉል ጉምዝን ተዋፊሮም ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ዓመጽ ይፍጽሙ ኣለው ንዝብል ክሲ ኣብ ትጽገሉ እዋን ፤ ሰራዊት ኤርትራ ካብቶም ቦታታት ይውጽኡ ዝብል ጎስጓስ ተወለድቲ ኦሮም ተጀሚሩ።
ባይቶ ሚኒስትራት ኢትዮጵያ 26.4 ቢልዮን ብር ወሰኽ ዘለዎ ሓዱሽ በጀት ኣጽዲቑ።
ዝብሉ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና ክቐርብዩ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (07/06/2021)
* ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ ጽጋቡ ግርማይ ተሳትፎኡ ኣብ ቅ/ብ ክራይተርዩም ዱ ዶፊን ክዛዝም እንከሎ ኤርትራዊ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ጂሮ ሲክሊስቶ ድ’ኢታልያ ናይ ፖድየም ዓወት ብምምዝጋብ ይምርሽ ኣሎ፡
* ኣብ ግጥማት ባይታ ቴኒስ ፍሬንች ኦፕን 2021 ኢትዮጵያ ዝመበቆሉ ሽወደናዊ ሚካኤል ይመር ኣብ ሳልሳይ ዙርያ ግጥም ተሳዒሩ፡
* ግጥማት ኩ’እግሪ ሃገራት ደቡብ ኣሜሪካ ካብ ጸጥታዊ ዕግር ዝሓመሳ ኮሎምቢያን ኮቪድ ዝሓመሳ ኣርጀንቲናን ናብ’ታ ክልቲኡ ዝሓመሳ ብራዚል ክካየድ ድሕሪ ምቕያሩ ክካየድ ድዩ ኣይኮነን ኣብ ምልክት ሕቶ ኣትዩ
ባይቶ ዴንማርክ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ ሕጊ ፡ ንሓተትቲ ዑቕባ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከሰጋግሮም ዘኽእል እዩ ።
እታ ሃገር ድሮ ሓንቲ ካብተን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ኣብ ጉዳይ ኢሚግሬሽን ተሪር መትከል ዝንቀፋ ዘለዋ ሃገራት ኮይና ፡ ው.ሕ.ሃ.ን ኤውሮጳዊ ኮምሽንን ነቲ ውጥን ነቒፎሞ ኣለዉ........
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (03/06/2021)
* ዓለምለኸ ግብረሰናያዊ ማሕበራት ጥሜት ዘንጸላልዎም ዘሎ ሚልዮናት ሰባት ረዲኤት ከብጽሕሎም ኣብ ትግራይ ኲናት ደው ክብል ክእውጅ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጥታት የብርትዑ’ለው፡
* ቪክቶርያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት፡ ንሓደ ትማሊ ዝተሓበረ መልከፍቲ ኣብ መእለዪ ኣረጋውያን ወሲኽካ፡ 3 ሓደስቲ መልከፍታት ኮቪድ-19 ኣብ ሕብረተሰብ መዝጊባ፡
* ቀ/ሚ ስኮት ሞሪሰን ኣብ’ቶም ዝተወሰኹ ሸውዓተ መዓልታት ዝቕጽሉ ቀይድታት ምንቅስቓስ ዝተተንከፉን ብደረጃ ኮመንዌልዝ ውዑያት ነቑጣታት ኮሮናቫይረስ ተባሂሎም ዝተመደቡ ከባቢታትን ዝነብሩ ወይ ዝሰርሑ ሰባት ናይ ደገፍ ሓገዝ ኣዊጁ፡
* ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም ፓላስ ክሳብ መወዳእታ 1960ታት ካብ ካልኦት ውሁዳን ዓሌታት ወይ ወጻእተኛታት ኣብ ዓበይቲ ቦታታት ሓላፍነት ከገልግሉ ይኽልክል ከምዝነበረ ሰነዳት ኣቃሊዖም፡
ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ከም ዘይነከየ ዩኒሴፍ ገሊጹ።
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ምብራቕ ኣፍሪቃን ኣብ ቅልውላው ኢትዮጵያን ግድብ ህዳሴን ንምፍታሕ ዑደት የካይዱ ኣለዉ።
ስነስርዓት ቀብሪ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ 6 ሰነ 2021 ኣብ ኣስመራ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ክፍጸም’ዩ።
ቀሺ ሓለፎም ካብ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ፡ መርጌታ እስጢፋኖስ ካብ ሕብረት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ብዛዕባ ክልቲኡ ጉጅለ ቤተ ክህነት ዘሎ ፍልልይን ምምስሳልን ብተወሳኺ ብዛዕባ ምምራጽ ሓዲሽ ፓትርያርክ ዘትዮም ኣለዉ።
ነቲ ኣብ ትምህርቱ ልዑል ዕቤት ክገብር ዝደሊ ውሉድካ ፡ ብትምህርቲ ኣጸጋሚ ዝዀነ ሃዋህው ክብዳህ እንተ ርኢኻ ፡ ሓደ ካብቲ ናብ ናይ ብሉጻት ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ዝመርሕ ኣማራጺታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ።
እዞም ኣማራጺታት ኣዚዮም ተወዳደርቲን ኣብ ውጽኢት ዘተኰሩ -ትምህርቲ ኮይኖም ነቶም ብትምህርቲ ልዑል ክእለት ዘለዎም ተመሃሮ ኣካዳምያዊ ብሉጽነቶም ዘዕቢ እዩ ።
ኤርትራ ኣብ መበል 30 ዓመታ ህዝባ ከመይ ኣሎ፧ - ቃለመሕትት ኤስቢኤስ ትግርኛ ምስ ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ
“ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ዘጋጥሞም ዘሎ ኩነታትን በደላትን ነቲ ው.ሕ.ሃ. ዝኣምነሉ ኣምር ናይ ዑቕባ ዝጠሓሰ ኣብ ካልኦት ዓድታት ካብ ዝተፈጸመ ዝኸፍአ እዩ።”
“መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ’ቲ ግዜ ኲናት ንኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ’ቲ ዝነበርዎ መዓስከራት ኣውጺኡ ክኣልዮም ሓላፍነት ኔርዎ።”
“ንህወሓት ካብ መቐለ ድሕሪ ምድፍኦም ቅድሚ ወተሃደራት ኤርትራ ምእታዎም መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ስደተኛታት ግድን ክኣልይዎም ሓላፍነት ኔርዎም።”
“ው.ሕ.ሃ.ን ምዕራባውያን ሃገራትን ነቶም ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ውሑስ ዝኾነ ቦታ እንተዘይተረኺብሎም ካብ’ቲ ሃገር ከውጽእዎም ሓላፍነት ኣለዎም።”
“ዶብ ተሓንጺጹ ኣብ ፍልጠትን ርጉጽነትን ዝተመስረተ ዝምድና ዝግበር ኩሉ ግዜ ነባሪ እዩ። ኣብ ሰንፈላል እንተሃልዮም ግን ዝኾነ ሰብ ክምዝምዞም ይኽእል’ዩ።”
“ኣብ ተቓውሞ’ውን እንተኾነ ጌጋ ኣሰራርሓ ይኹን ብልሽውና ኣብ መራሕትና ክንርኢ እንከለና ብኣግኡ እንከሎ ካብ መጀመርያ ክንኮልፎ ኣለና።”
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,832 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners