SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026)
    ን ሎሚ 26 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ወቕትታት ሓጋይ ኣውስትራልያ ተመራመርቲ 'ምሉእ መስርሕ ምቕያር' ወይ 'ቶታል ትራንስፎርሜሽን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይሓልፉ'ለዉ፣ ካብ ትካል ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ እዛ ሃገርና ድሕሪ ደጊም ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ማዕበላት ሙቐት ክትጽበ ኣለዋ ክፍል ደምዲሙ። ተመራመርቲ'ዚ መጽናዕቲ ይብሉ ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ዝልብልብ ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ክኽሰት ዘነበሮ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ርጉጽ ክኸውን ገይርዎ፣ ናብ'ዞም ዝተለወጡ ኩነታት ድማ እዛ ሃገር ብህጹጽ ምቅይያራት ክትገብር የድልያ'ሎ። ብምኽንያት መዓልቲ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር፡ ብዛዕባ ኣልኮልን ድራግን ኪኢላ ዝኾነ ኣቶ ኣል ኣዛር ዝገበርናዮ ዕላልልን ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዩኒቨርስቲ መቐለ ከምህሮም ዝጸንሐ ቻይናውያን ዝርከቡዎም ተምሃሮ ኣመሪቑ። ሓዳሽ ሚንስተር ትምህርቲ ኤርትራ ወግዓዊት ኮይና። ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ከካይድ ዩ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኤርትራ ንደገፍቲ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ከሲሱ። ጥምረት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዘይንጹር ንዝበሎ ዲጂታላዊ ስርዓት ምርጫ ነጺጉ። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።
    52 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026)
    ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሎሚ ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ኮይኖም ዜግነት ዝወሰድ ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።
    10 min
  • ዘይዝረበሉ ዘሎ ከቢድ ሳዕቤን መስተ፡ ኣውስትራሊያዊ ምዃን ብድሆን ዕድላትን ፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ
    ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ።
    33 min
  • Australia’s summers being transformed as climate change drives heatwaves - ለውጢ ክሊማ ንሙቐት ሓጋይ ኣውስትራልያ እናጋደዶ ይኸይድ ኣሎ፣ እንታይ ክንገብር ኣለና፧
    Australian summers are undergoing what scientists call a "total transformation," with a new study from World Weather Attribution revealing the country can now expect heatwaves every five years on average. The study's researchers say climate change made Australia's blistering heatwave in early January five times more likely, and there's an urgent need for the country to adapt to changed conditions. The warning comes as the country's south-eastern states prepare for what's forecast to be a prolonged, severe heatwave starting this weekend. - ወቕትታት ሓጋይ ኣውስትራልያ ተመራመርቲ 'ምሉእ መስርሕ ምቕያር' ወይ 'ቶታል ትራንስፎርሜሽን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይሓልፉ'ለዉ፣ ካብ ትካል ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ እዛ ሃገርና ድሕሪ ደጊም ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ማዕበላት ሙቐት ክትጽበ ኣለዋ ክፍል ደምዲሙ። ተመራመርቲ'ዚ መጽናዕቲ ይብሉ ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ዝልብልብ ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ክኽሰት ዘነበሮ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ርጉጽ ክኸውን ገይርዎ፣ ናብ'ዞም ዝተለወጡ ኩነታት ድማ እዛ ሃገር ብህጹጽ ምቅይያራት ክትገብር የድልያ'ሎ። እዚ መጠንቀቕታ ዝመጽእ ዘሎ ደቡባዊ ምብራቕ ግዝኣታት ናይ'ዛ ሃገር ናብ'ቲ ኣብ'ዚ ቀዳመ ሰንበት ዝጀመረ ዝተናወሐን ዝበኣሰን ማዕበል ሙቐት ክኸውን ትንበያ ተገይርሉ ዘሎ እዋን ኣብ ዝኣትዋሉ ዘለዋ እዋን'ዩ።
    10 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026)
    ኣርእስታት ዜና፥ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጹ ተጣበቕቲ ፡ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕግታት ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዚወርድ ነቐፌታ ንምዕፋን ከም ዘገልግል ይማጐቱ ። ኣብ ሱዳን ለበዳ ሕማም ዴንጊ ፌቨርን ብልዑል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ከቢድ ጸወታ ንሰርብያዊ መወዳድርቱ ሃማድ መድጀዶቪች ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙር ኣመሪሑ ።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2026)
    ን ሎሚ 22 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ብዛዕባ መበል 600 ዓመት ፅምብል ምስረታ ከተማ ዓዲግራት ካብ ኣቶ የማነ ተኽለማርያም ኣተሓባባሪ ቱሪዝም ናይታ ከተማ መብርሂ ክህብ ል ኡኽና ጸጋይ ክንፈ ኣዘራሪብዎ ኣሎ። ኣብቲ ዝርርብ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት ርክባት ህዝቢ ንዘላቒ ሰላም ከውዕሉዎ እቲ ሓላፊ ጸዊዑ። መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዘተኣታተዎ ብደረጃ ዓለም ቀዳማይ ዝኾነ ሕጊ እገዳ ንቖልዑ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቚጸረ ኮይኑ ፡ ምስ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣውስትራሊያ ተሳንዩ እዩ ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፡ ክኢላታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መንእሰያት ተገራጫዊ ርእይቶታት ኣሎ ። ይኹን እምበር ፡ መንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ክጥቀሙ ብዙሕ ዕድል ስለ ዘይብሎም ፡ ትርፊ ግዜኦም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣልዉ ? ነዚ ዝጥምት ትሕቶውን ከነቕርብ ኢና። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ጥሪ 26 ብርግጽ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ? ንዝብል ሕቶ ክንምልስ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ምስ ፍልስጤማውያን ዝደናገጹ ተጣበቕቲ ፡ ብመንግስቲ ወጺኡ ዘሎ ሓድሽ ሕግታት ናይ ጽልኢ ዘረባ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዚወርድ ነቐፌታ ንምዕፋን ከም ዘገልግል ይማጐቱ ። ኣብ ሱዳን ለበዳ ሕማም ዴንጊ ፌቨርን ብልዑል ፍጥነት ይላባዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣሌክስ ደ ሚኖር ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰዓት ከቢድ ጸወታ ንሰርብያዊ መወዳድርቱ ሃማድ መድጀዶቪች ስዒሩ ናብ ሳልሳይ ዙር ኣመሪሑ ።
    48 min
  • "ኣብ ኩሉ ዶባት ምስ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ፍቓድ ካብ ምምሕዳር ከይሓተተ ባዕሉ ጥሒሱ ርክብ የካይድ’ዩ ዘሎ፡ እዚ ተጠናኺሩ ክቕጽል ኣለዎ።”ኣቶ የማነ ኣ/ ቱሪዝም ዓዲ ግራት
    መብርሂ ብዛዕባ መበል 600 ዓመት ፅምብል ምስረታ ከተማ ዓዲግራት ካብ ኣቶ የማነ ተኽለማርያም ኣተሓባባሪ ቱሪዝም ናይታ ከተማ። መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዶባት ርክባት ህዝቢ ንዘላቒ ሰላም ከውዕሉዎ እቲ ሓላፊ ጸዊዑ።
    13 min
  • ማሕበራዊ መራኸቢ ከይጥቀሙ ዝተኣገዱ መንእሰያት ዕረፍቶም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣለዉ፧
    መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዘተኣታተዎ ብደረጃ ቀዳማይ ዝኾነ ሕጊ እገዳ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ዘቚጸረ ኮይኑ ፡ ምስ ዓመታዊ ዕረፍቲ ተመሃሮ ኣውስትራሊያ ተሳንዩ እዩ ። እቲ እገዳ ክሳብ ሕጂ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ይውዕል ከምዘሎ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፡ ክኢላታት ማሕበራዊ መራኸቢታትን መንእሰያት ተገራጫዊ ርእይቶታት ኣሎ ። ይኹን እምበር ፡ መንእሰያት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ክጥቀሙ ብዙሕ ዕድል ስለ ዘይብሎም ፡ ትርፊ ግዜኦም ብኸመይ የሕልፍዎ ኣልዉ ?
    10 min
  • #102 Getting organised (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ ኤስ ቢ ኤስ፡ #102 ድሉው ምዃን ፡ #102 Getting organised (Med)
    Learn practical English phrases for getting organised and managing daily tasks, including planning ahead, meeting deadlines, and staying on top of responsibilities. - ኣቐዲምካ መደብ ምግባር፡ ንዝተዋህበካ ዕማም ብ ኣጋ ኡ ንምፍጽምን ሓላፍነትካ ምውሳድን ዝምልከቱ ኣበሃህላታት ዝሕግዙ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ክንጥቀመሎም ንኽእል ሓረጋት እንግሊዝኛ ብቕልል ዝበለ ክንጥቀመሎም ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። Learn practical English phrases for getting organised and managing daily tasks, including planning ahead, meeting deadlines, and staying on top of responsibilities.
    10 min
  • ወጥሪ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ሃገራት ኣውሮጳን ይውስኽ፡ ሓጺርቲ ዚናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (21 ጥሪ 2026)
    ** ኣባላት ሰልፊ ናሽናልስ ኣብ ሰነት ዝቐርብ እማመ ሕጊ ዘረባ ጽልእን ጠበናጁን ኣንጻሩ ከምዘድምጹ ኣፍሊጦም … ** እስራኤል ኣብ የሩሳለም ዝርከብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ‘ኣንርዋ’ (UNrwa) ተፍርሶ... ** ሃገራት ኣውሮጳ ኣንጻር እቲ ትራምፕ ወጢንዎ ዘሎ ወረራ ግሪንላንድ ድምጸን የስምዓ።
    5 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,868 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners