SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • What actually happened on January 26? - ኣብ ጥሪ 26 ብርግጽ እንታይ'ዩ ተፈጢሩ?
    January 26 is one of the most debated dates in Australia’s history. Often described as the nation’s birthday, the day marks neither the formal founding of the colony nor the creation of the Commonwealth. Instead, it reflects a layered history shaped by colonisation, political decisions, and ongoing First Nations resistance. Understanding what actually happened on January 26 reveals why the date is experienced so differently across the country. - 26 ጥሪ ኣብ ታሪኽ ኣውስትራሊያ እታ ኣዝያ ተከራኽር ዕለት እያ ። መብዛሕትኡ ግዜ ፡ እታ ዕለተ ልደት እዛ ሃገር ተባሂላ'ያ ትግለጽ ፣ እታ መዓልቲ ብወግዒ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝኣተወትላ ወይ ኮመን ወልዝ ዝተፈጠራላ ዕለት ኣይኰነትን ። ኣብ ክንድኡ ግን ብናይ መግዛእቲ፡ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ፡ ከምኡውን ብቀጻሊ ናይ ቀዳሞት ህዝብታት ተቓውሞ ዝተቐርጸ ታሪኽ ተንጸባርቕ ። እቲ ብ26 ጥሪ ዝኾነ ነገር ምርዳእና ፡ እታ ዕለት ስለምንታይ ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ካልኦት ፍልይ ዝበለት ምዃና እዩ ዘርኢ ።
    8 min
  • “ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክዓርቕ ድሉው እየ፡” ሕብረት ኣውሮጳ። (ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ 20 ጥሪ 2026)
    ** ኣብ ዉሽጢ 24 ሰዓታት ሰለስተ ሰባት ብሻርክ ድሕሪ ምጥቃዖም 20 ገማግም ባሕሪ ናይ ሲድኒ ትዓጽዮም። ** “ኣብ መንጎ ኤርትራ ኢትዮጵያን ዘሎ ወጥሪ ክዓርቕ ድሉው እየ፡” ክብል ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ። ዶናልድ ትራምፕ ንግሪንላንድ ክወስድ ኣብዝሸባሸበሉ ነቲ መደብ ንምምካት ሕብረት ኣውሮጳ ህጹጽ ጉባኤ ጸዊዑ። ** ኖቫክ ጃኮቪች ኣብ ኣውስትራሊያ ኦፐን ንመበል 100 ሳዕ ብምስዓር ታሪኽ ሰሪሑ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026)
    ን ሎሚ 19 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ዝሃቦ መብርሂ ኣለና። ንሎሚ (19/01/2026) ኣብ ካልኣይ ክፋል ዕላልና ዶክተር ኣማኑኤል ትርጉምን ኣመጻጽኣን ትራምፕ ዝጥቀመሉ ዘሎ 'ሞንሮ ዶክትሪንን' ምላሽ ኣውስትራልያን ክትንትነልና'ዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ በዓል ጥምቀት፡ ኣስመራ፣ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኽበር ኣሎ። ኣዛዚ ኣርሚ 15 ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ብርጋደር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ተኣሲሩ። ኤርትራን ህወሓትን ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጎም። ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ተፈፂሙ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ተቓዋሚ ነቲ ሰልፊ ለበር ኣሚምዎ ዘሎ ሕጊታት ብዛዕባ ምዝራብ ጽሊኢ ኣብ ባይቶ ክሓልፍ ክቃወሞ ምዃኑ ኣየፍለጠን ። ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሴቨኒ ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ክመርሕ ተመሪጹ ተባሂሉ። ኣብ ግጥማት ኣውስትራሊያ ኦፐን ምስንምለስ ካርሎስ ኣልካርታዝን ኣሪና ሳባለንካን ናብ ካልኣይ ዙር ናይ ቲ ዉድድር ከምዝሓለፉ ተፈሊጡ ።
    50 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (19 ጥሪ 2026)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ተቓዋሚ ነቲ ሰልፊ ለበር ኣሚምዎ ዘሎ ሕጊታት ብዛዕባ ምዝራብ ጽሊኢ ኣብ ባይቶ ክሓልፍ ክቃወሞ ምዃኑ ኣየፍለጠን ። ን40 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ሙሴቨኒ ተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመት ክመርሕ ተመሪጹ ተባሂሉ። ኣብ ግጥማት ኣውስትራሊያ ኦፐን ምስንምለስ ካርሎስ ኣልካርታዝን ኣሪና ሳባለንካን ናብ ካልኣይ ዙር ናይ ቲ ዉድድር ከምዝሓለፉ ተፈሊጡ ።
    11 min
  • ኤርትራን ህወሓትን ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጎም። (ጸብጻብ)
    በዓል ጥምቀት፡ ኣስመራ፣ መቐለን ኣዲስ ኣበባን ሓዊሱ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ይኽበር ኣሎ። ኣዛዚ ኣርሚ 15 ሰራዊት ትግራይ ዝነበረ ብርጋደር ጀነራል ጉዕሽ ገብረ ተኣሲሩ። ኤርትራን ህወሓትን ንክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጎም። ስርዓተ ቀብሪ ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ተፈፂሙ።
    7 min
  • ኣብ መልበርን ዝፈርስ ዘሎ 44 ግምብታት ህዝባዊ መንበሪ ኣባይትን ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶታትን።
    ኣብዚ ክብሪ መነባብሮ ንሂርሉ ዘሎን ቅልውላው መንበሪ ኣባይቲ ኣጋጢምሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ ቪክቶሪያ 44 ዝኸውን ኣብ መልበርን ዝርከብ ግምብታት መንበሪ ኣብ ምፍራስ ይርከብ ። እዚ ምፍራስ ደው ክብል ብዙሕ ድፍኢት እኳ እንተ ተገብረ ፡ መንግስቲ ቪክቶርያ ነቲ መደብ ንምትግባር ይደፍኣሉ ኣሎ ።
    16 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026)
    ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) * ዜና ቡለቲን (ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ) * ግጥም ባይታ ቴኒስ ኣውስትራልያን ኦፕን 2026 ይጀማምር ኣሎ፣ እቶም ዝለዓለ ደረጃ ዘለዎም ተወዳደርቲ ትፈልጡዎም ዲኹም፧ መን ክዕወት ትጽበይዎ፧ * ጸብጻባት ልኡኽና [- ክሲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ኤርትራን፣ ምድላው ንመረጻ ኣብ ትግራይ፣...] * ኣሜሪካን ፖሊሲኣን ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ትራምፕ ንፈተውትን ጸላእትን ብማዕረ ዘቐይምን ዘሐጉስን ዘሎ ይመስል። ካብ ናይ ቀደም ፖሊሲታት እንታይ ፍልልያት ኣለዎም፧ ዝመጽእ ሰለስተ ዓመት ከ እንታይ ክንጽበ ኢና፧ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲከን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ምድህሳሱ ሓጊዙና`ሎ። ቀዳማይ ክፋል ቀሪቡ`ሎ። * ኣውስትራልያ ዋና ከተማ ናይ ኣለርጂ`ያ። መግብታት ክዕሸጉ`ንከለዉ ትሕዝቶታቶም ብንጹር ዝገልጽ ስምን መግለጽን ክህልዎም ኣለዎ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ!
    56 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026)
    ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (15 ጥሪ 2026) * ሓደ ኣውስትራልያዊ ጉጅለ ኒዮ-ናዚ ክንብተን ኢና ኢሉ ድሕሪ ምግላጹ ሓደ ኣባል ሰልፊ ለይበር ንኣኽረርቲ ጉጅለታት ንምእጋድ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ የድምዕ ኣሎ ይብል፣ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ኢማማት ኣውስትራልያ ግን ገለ መዳያቱ ንማሕበረሰብ ኣስላም ብዘይመጠን ጾር ክኾኖም`ዩ ይብል፣ * ክሊማ ዝከታተል ጉጅለ ኮፐርኒከስ፣ 2025 ኣብ መዝገብ እታ ሳልሰይቲ ዝወዓየት ዓመት ምንባራ ኣረጋጊጹ፣ * ቁጽሪ ሞት ካብ ምዕፋን`ቶም ንኢራን ወሪሮማ ዘለዉ ኣድማታትን ተቓውሞታትን ብውሑዱ ናብ 2571 ደይቡ፣ * ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ዋንጫ ካራባኦ ኣርሰናል ንቸልሲ 3-2 ስዒራታ፣
    10 min
  • Australian Open gets underway: what to know about this year’s tournament - ግጥማት ባይታ ቴኒስ ኣውስትራልያን ኦፕን ይጅመር ኣሎ፣ ከመይ ክኸይድ'ዩ፧ መነመን'ዮም እቶም ሓያላት፧
    One of the world's biggest tennis tournaments is back for another year as the Australian Open gets underway in Melbourne. Here's a breakdown of some of the details of the Australian Grand Slam as well as some key names to watch out for. - ሓደ ካብ'ቶም ኣብ ዓለምና ዝዓበዩ ውራያት ግጥማት ባይታ ቴኒስ ዝኾነ ኣውስትራልያን ኦፕን ንካልእ ዓመት ተመሊሱ ብምምጻእ ኣብ ከተማ መልበርን ክካየድ ጀሚሩ'ሎ። እዚ ገለ ካብ ዝርዝራት'ዚ ኣውስትራልያዊ ግራንድ ስላምን ቀንዲ ተጠመትቲ ኣስማትን ዝህብ ትሕዝቶ'ዩ።
    9 min
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከሲሱ፣ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ትግራይ ንምክያድ ምድላዋት ተገይሩ፣ (ጽብጻባት ልኡኽና)
    ጸብጻብ ልኡኽና (15 ጥሪ 2026) * መበል 7ይ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ትግራይ ንምክያድ ዘድሊ ቅድመ ምድላዋት ከም ዝተገብረ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፣ * መንግስቲ ኢትዮጵያን ንህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ከሲሱ፣ * ኣብ ስዊድን ዝመደበራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ መንግስቲ ስዊድን ምወላ ከምዘይትረክብ ተገሊጹ፣ * ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከባቢ’ታ ምስ ኢትዮጵያ ትዳወብ ግዝኣት ብሉ ናይል፡ መካይን RSF ከምዘዕነወ ሓቢሩ:
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,868 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners