SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • MiniPod: Ep11 Going To A Party | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ መበል 11 ክፋል፡ ናብ ድግስ (መደብ ምዝንጋዕ/ፓርቲ) ምኻድ | English on Repeat (Easy)
    Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Will you come to the party? | I’m looking forward to the party. | I'm going to my friend’s for a barbecue. | I'll bring some chips and dips. | What will you bring? - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ናብ'ቲ ድግስ (መደብ ምዝንጋዕ) ክትመጹ ዲኹም? | ነቲ ድግስ ብሃንቀውታ'የ ዝጽበዮ ዘለኹ። | ስጋ ክንጠብስ ናብ እንዳ ዓርከይ ክኸይድ'የ። | ኣነ ገለ ዝተጠብሰ ድንሽ (ቺፕስ)ን ዝጥማዕን ከምጽእ'የ። | ንስኹም'ከ እንታይ ከተምጽኡ ኢኹም፧?
    6 min
  • ኣብ ምእላይ ዓበይቲ ዝሰርሑ ሰባት ደሞዝ ተወሲኾም
    ሰራሕተኛታት ምእላይ ኣረጋውያን ወይ ኤጅድ ኬይር ታሪኻዊ ዝኾነ ወሰኽ ኣብ ክፍሊት ወይ ደሞዝ የብዕሉ’ለዉ። ኮሚሽን ርትዓዊ ስራሕ ወይ ዘ ፈይር ዎርክ ኮሚሽን ብዝሃቦ ውሳነ ገለ ኣለይቲ ኣረጋውያን ደሞዞም ብ28% ክውስኸሎም’ዩ - እዚ ወሰኽ ዶንጊዩ ከማን ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ’ዩ። እንተኾነ ግን ኩሎም ኣብ’ቲ ጽላት ዝተዋፈሩ ኣይኮኑን ናይ’ዚ ወሰኽ ተረጋሕቲ ዝኾኑ።
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2024)
    ንሎሚ ሓሙስ 14 ጥሪ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ግዚያዊ ኣቦወምበር ሓድሽ ሃገራዊ ሰልፊ ኤርትራ ኣቶ መርሃዊ ወልደሚካኤል ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት። ብዛዕባ ምማት ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜ/ ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካሬ ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና። ኣብ ሃይቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ዝድህስስ ትንታነ ዜና ን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታትውን ኣዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ዝለዓለ ኣካል ኣስራሕቲ ኣውስትራሊያ መንግስቲ ን ኮቪድ 19 ዝሃቦ ምላሽ ብሮያል ኮምሽን ክምረምር ጸዊዑ ። ቲክቶክ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ነቲ ዝተዋህቦ መምርሒ እንተዘይተግቢርዎ ኣብ መላእ ኣመሪካ ከይሰርሕ ዝእግድ ሕጊ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣሕሊፉ ። ሰራዊት ጅቡቲ ብሰንኪ ከባብያዊ ግጭት ካብ ማእከላይ ሶማል ወጺኡ።
    53 min
  • ምውራድ መራሒ'ታ ካሪብያናዊት ሃገር ዘኸተለ ፍኑው ናዕቢ ሀይቲ፡
    ቀዳማይ ሚኒስተር ሀይቲ ፡ ኣርየል ሄንሪ ፡ መሰጋገሪ ፕረዚደንታዊ ባይቶ ምስ ተፈጥረ ፡ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ኣፍሊጡ ። እዚ ዝመጸ ድሕሪ እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ብዕጡቓት ዓዋሉ ዝተፈጥረ ከቢድ ናዕቢን 360,000 ሰባት ድሕሪ ዘመዛበለን እዩ ፣ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ድማ ሕጽረት መግቢ የጋጥሞም ከም ዘሎ ይገልጽ ።
    7 min
  • "ፖለቲካዊ ንቕሓት ከይዓበየ፡ እታ ንደልያ ኤርትራ ኣይክትመጽእን'ያ፡ ነዚ ኢና ክንሰርሕ" መርሃዊ ወልደሚካኤል ግ/መራሒ ሃገራዊ ሰልፊ
    ሃገራዊ ሰልፊ ኤርትራ ኣብ ወጻኢ ብዝነብሩ ተመስሪቱ ዘሎ ሓድሽ ሰልፊ ፖለቲካ እዩ። ናይዚ ሰልፊ ግዚያዊ ኣቦ ወምበር መርሃዊ ወልደሚካኤል፡ ነዞም ዝስዕቡን ካልእ ሕቶታትን መሊሱ ኣሎ፧ ኣብ ወጻኢ እናሃለኻ ሰልፊ መስሪትካ ምዕዋት ይከኣልዶ፧ ቅድሚ ሕጂ ተራእዮም ካብ ዝጠፍ ኡ ተመሳሳሊ ውዳበታት እንታይ ትምህርቲ ወሲድኩም፧ ራኢን ዕላማን፧ ወዘተ።
    23 min
  • "ቀጥታ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ን ኢትዮጵያ ናይ ርግኣትን ሃገራዊ ድሕነትን ሕቶ እዩ።"ሚ/ር ታየ፡ ሓጸርቲ ዜናታት SBS (13/03/2024)
    ን ሎሚ 13 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ; ኣርእስታት ዜና፡ ኬንያ 1000 ኣባላት ፖሊስ ናብ ሀይቲ ክትሰድድ ዝመደበቶ ኣደናጒያቶ። "ቀጥታ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ን ኢትዮጵያ ናይ ርግኣትን ሃገራዊ ድሕነትን ሕቶ እዩ።" ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ታየ-ኣጽቀ ስላሴ ገሊጹ። ብብጀነራል ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ንቀንዲ መደበር ማዕከን ዜና እታ ሃገር ከምዝተቖጻጸሩ ተፈሊጡ።
    6 min
  • What are Ramadan and Eid and how are they celebrated in Australia? - ብዛዕባ ረመዳንን ዒድን እንታይ ትፈልጡ፧ ብዛዕባ ኣከባብራኦም'ከ፧
    As Muslims in Australia and around the world observe Ramadan, a month-long period of devotion and fasting, in this episode, we explore the religious significance of this holy month.  - ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ኣስላም ን ወርሒ ራመዳን ተቐቢሎም ንወርሒ ዝጸንሕ ናይ ጾምን ምስትንታንን ጸሎትን ቅንያት ጀሚሮም ኣለዉ። ሃይማኖታዊ ትርጕም እዛ ቅድስቲ ወርሒ ክንድህስስ ኢና።
    11 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 መጋቢት 2024)
    ን ሎሚ 12 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ዜና፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሓማስ ፡ ብ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ጋዛ ከም እተቐትለ ተሓቢሩ ። ካብ ሲድኒ ናብ ኦክላንድ ኣብ ትበርር ዝነበረት ነፋሪት ቴክኒካዊ ጸገም ስለዘጋጠማ እንተ ወሓደ 50 ሰባት ተጐዲኦም ። ማሌዥያ ንጸወታታት Commonwealth 2026 ንምእንጋድ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ተዋሂብዋ ከምዘሎ ተፈሊጡ ።
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 መጋቢት 2024)
    ኣብ ጉዳይ ተፈጻምነት ስምምዕ ፕሪቶርያ ዘድሃበ ልዝብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ: ኢታማዦር ሹም ኢትዮጵያ ሰራዊቱ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈጺሙ ከም ዘይፈልጥ ተዛሪቡ: ንትግራይ ህፁፅ ህይወት ኣድሕን ሓገዝ ክውስኽ ዩኒሴፍ ጸዊዑ: ኣብ ኤርትራ ብምውላ ሕብረት ኤውሮጳ ንክልተ ዓመታት ዝሰልጠና 26 ጸገም ምስማዕ ዘለወን ደቂንስትዮ ተመሪቐን ዝብሉ ንሎሚ ዝተላእኩልና ጸብጻባት ዜናዮም። ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ቀታሊ ናይ’ታ ንሓያሎ ሰሙናት ደሃያ ጠፊኡ ዝቐነየ ሰማንታ መርፊ ሕጂ መንነቱ ተገሊጹ። ስምን ስእልን ናይ’ቲ ቀታሊ ከይርቋሕ ወይ ከይግለጽ ቤት ፍርዲ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ማዕቀብ ድሕሪ ምልዓሉ እቲ መንእሰይ ፓትሪክ ስቲፈንሰን ዝተባህለ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ እዋናዊ ዛዕባ ኣለና። ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ’ዚ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን መዓልቲ ደቀንስትዮ ብዝተፈላለየ ንጥፈታትን ተግባራትን ተኸቢሩ ሓሊፉ። ነዚ በዓል ምኽንያት ጌርና ንደቀንስትዮ ኣገልግሎታት ምኽርን ኣስተምህሮን ኣብ ምሃብ ምስ ትነጥፍ ወይዘሮ ዛህራ ዓሊ ዓብዱራሕማን ዘካየድናዮ ሰፊሕ ቃለመሕትት ኣለና፣ ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርበልኩም ኢና። ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ሎሚ ዝቐርብ ኣለና። ኣብ መወዳእታ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብ ማራቶን ባርሴሎና ደጊቱ ኣዝመራውን ታደሰ ኣብርሃምን ተዓዊቶም፣ ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ማዕረ ብምፍልላየን መሪሕነት ፕሪምየር ሊግ ኣርሴናል ተረኪባ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ቲረኖ ኣድሪያቲኮ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ሳልሳይ ወጺኡ እንተነበረ'ኳ ዘይንቡር ምፍንጣስ ኣካይዱ ተባሂሉ ውጽኢቱ ተሰሪዙ፣ ግጥማት ኣፍሪቃ ኣብ ኣክራ፣ ተጀሚሩ፣ ት20 መንእሰያት ኢትዮጵያ ብጋናውያን ተሳዒረን፣ ንሓደ ጻዕዳ ‘ጻዕዳ’ ኢልካ እንተጸረፍካዮ ኣድልዎ ዓሌትነት ድዩ፧ ዝብሉ ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም።
    56 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,876 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners