SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣቤል ተኸስተ፡ ንስዋ ናብ ምዕቡል ቢራ ንእንጀራ ጣፍ ናብ ፓስታ ዝቐየረ ተመራማሪ።
    ነባሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኾነ ናይ ሕርሻ ተመራማሪ ኣቤል ተኸስተ፡ ንብዙሕ ዓመታት ተመራሚሩ፡ ንባህላዊ ስዋ ናብ ምዕቡል ቢራ፡ ንጣፍ ድማ ብመልክዕ ፓስታ ቐይሩ እንጀራን ስዋን ንመዓልታት ጥራይ ዘይኮነ ን ኣዋርሕን ዓመታትን ከይተበላሸወን ሳይንሳዊ ኣሰራርሓ ተኸቲሉ ከምዝስራሕ ኣብ ምግባር ይርከብ። ነዚ ንምግባር ብኸመይ ተበጊሱ፧ ኣገባብ ኣሰራርሓኡ ከመይ ይመስል፧ ተቐባልነቱኸ፧ ነዚን ካልእን ብዛዕባ ስርሑ ኣዕሊሉና ኣሎ።
    29 min
  • ናይ'ዚ ዓመት በዓላት ነጻነት ካብ ናይ ቀደም ተፈልዮም ድዮም፧ ዝያዳ ዝተሳተፍዎም ወይ ደሚቖም ኮይኖም ዝተራእይሉ ኸ ምኽንያት ኣለዎም ድዩ፧
    ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ሒደት ቅንያታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን፣ መበል 32 ዓመት በዓል ነጻነት ኤርትራ ኣኽቢሮም። ካብ ውሽጢ ሃገር ጀሚሩ ክሳብ ርሑቕ፣ ውዱብ ብዝመስል ኣገባብ ብዝተፈላለዩ ባህላዊ ምርኢታት ከምዝተባዕሉ ዘርእዩ ቪድዮታት ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ካልኦትን መድረኻት ተዘርጊሖም። ኣብ ገሊኡ ብዕቤቶም፣ ብድምቀቶምን በቶም ዝተሳተፍዎም ስነጥበባውያንን መዘራረቢ ኣርእስቲ ክፈጥሩ እንከለዉ ኣብ ገሊኡ ኸኣ ኣብ ማሕበራዊ መድረኻት ኣዝዮም ንጡፋት ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ምናልባት ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝነበሩ፣ ነቲ በዓል ከብዕሉ ኢሎም ይኹን መርገጺኦም ብምቕያሮም፣ ኣብ’ቶም በዓላት ክሳተፉ ዝመረጹ ከዛርቡ ቀንዮም። እሞ ኸ ደኣ እዚ ናይ ሕጂ በዓላትን ኣበዓዕለኦምን ምስ’ቶም ናይ ቀደም ፍልልይ ኣለዎም ድዩ፧ ዝያዳ ብዝሒ ተሳተፍቲ ዝነበርዎም ወይ ደሚቖም መሲሎም ዝተራእይሉ ኩነታት ከ ገለ ምኽንያት ኣለዎ ድዩ፧
    15 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 20223)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 29 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሉኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መራሕቲ ኤርትራ ዝኣረገ ስርዓት ከብቅዕ ቃልሲ ከም ዘድሊ ገሊጾም። ኣምባሳደራት ዓባይ ብሪጣንያን ጣልያንን ኣብ ትግራይ ዑደት ኣካይዶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተልዓለ ናዕቢ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ፖሊሳት ዝርከቡዎም ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 3500 መምህራንን ተምሃሮን ብኲናት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ። ኣገልግሎት ምምካን ነተጉቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይን ዶባዊ ከባቢታትን ክዋፈር ተፈቒዱሉ። ኤርትራ፡ ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፡ ዘመናዊ ጊላነት ብሰፊሕ ዝረኣየላ ሃገር ተባሂላ። ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲክን ተመራማሪ ኦኣሌታዊ ኣድልዎን “Racism in Australia Today” ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈን እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉጥ ኣቦርጂናዊ ጋዜጠኛ ስታን ግራን ብዝወረዶ ናይ ዓሌታዊ ዉርደት ካብ ስርሑ ከም ዝወጸ ብወግዒ ምስ ኣፍለጠ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ኣድልዎ ብፖሊሲ ደረጃን ብውልቀን እንታይ ከምዝመስልን ምስኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት መብርሂ ሂቡና ኣሎ ። ቀዳማይ ክፋል ሎሚ ከነቕርብ ኢና። ትንታነ ዜና ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን’ውን ኣካል ናይዚ ምሸት ትህዝቶና እዩ። ቀዳማይ ክፋሉ እዚ ክትሰምዕዎ ዝጸንሕኩም እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣውስትራሊያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ንዘሎ ጥሜት ንምቅላስ ተወሳኺ 29 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ክትገብር እያ ። ** ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን [[ኢ-መይል]] ፕረዚደንት ቱርኪ ኰይኑ ንሓሙሽተ ዓመት ከገልግል እንደገና ተመሪጹ ። ** መራሕቲ ኤርትራ ዝኣረገ ስርዓት ከብቅዕ ቃልሲ ከም ዘድሊ ገሊጾም።
    53 min
  • ፕሪምየር ሊግ ተጠናቒቑ፣ ለስተር፣ ሊድስን ሳውዝሃምተንን ንታሕቲ ወሪደን፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብ10 ሽቶታት ወቕቱ ዛዚሙ፣ በኣምላክ ተሰማ ግጥም ዋይዳድን ኣልሃልን ክዳንይ'ዩ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/05/2023) * ኮንፈደረሽ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንበኣምላክ ተሰማ ካልኣይ እግሪ ግጥም ፍጸመ ኣብ መንጎ ዋይዳድ ካዛብላንካን ኣልኣህሊን ክዳኒ ከምዝሰመዮ ኣፍሊጡ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኣሜሪካ ንፈለማ ግዜ ምሕዝነታዊ ግጥም ከተካይድ ምዃና ዋና ጸሓፊ ፈደረሽን ኣፍሊጡ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ብዓወት ስሎቨንያዊ ፕሪምሮዝ ሮግሊች ተዛዚሙ፣ ሄኖክ ምሉእብርሃን ምሉእ ውድድሩ ኣጠናቒቑ ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቡ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሰንበት ናይ መወዳእታ ግጥማቱ ብምክያድ ተጠናቒቑ፣ ለስተር ሲቲን ሊድስ ዩናይትድን ንሳውዝሃምተን ተኸቲለን ናብ ታሕተዋይ ደረጃ ተመሊሰን፣ * ኣሌክሳንደር ኢሳቕ 10 ሽቶታት ብድምር ኣመዝጊቡ ቦኽሪ ተሳትፎኡ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዛዚሙ፣ * ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 10ኪሜ ታዱ ማረን ሰላም ገብረን ቀዳመይትን ካልኣይትን ኮይነን ተዓዊተን፣
    12 min
  • መራሕቲ ኤርትራ ዝኣረገ ስርዓት ከብቅዕ ቃልሲ ከም ዘድሊ ገሊጾም። (ጸብጻብ)
    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተልዓለ ናዕቢ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ፖሊሳት ዝርከቡዎም ብዙሓት ከም ዝቖሰሉን ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ልዕሊ 3500 መምህራንን ተምሃሮን ብኲናት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ። ኣገልግሎት ምምካን ነተጉቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይን ዶባዊ ከባቢታትን ክዋፈር ተፈቒዱሉ። ኤርትራ፡ ንሰሜን ኮርያ ስዒባ፡ ዘመናዊ ጊላነት ብሰፊሕ ዝረኣየላ ሃገር ተባሂላ።
    9 min
  • ፕረዚደንት ረሲፕ ጠይብ ኤርዶጋን ዝመርሖ ሰልፊ ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንቱርኪ ክመርሕ ተመሪጹ ።
    ደገፍቲ ኤርዶጋን ኣብ ጐደናታት ሓጎሶም ኣብዝገልጽሉ ዘለዉ እዋን ተቓዋሚኡ ከማል ኪሊክዳሮግሉ ፡ እቲ መስርሕ ምርጫ ዘይፍትሓዊ ከም ዝዀነ ገይሩ ነቒፍዎ እዩ ። ተጣበቕቲ ድማ ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዛዕባ ቝጠባዊ መጻኢ እታ ሃገርን ይስከፉ ።
    5 min
  • ካብቲ ዝመጻእናሉ ሃገር ዝሓሸ ስለዝረኸብና ንዝበጽሓና ኣድልዎ ንምንታይ ብጸጋ ንቕበሎ፧ ዝርርብ ምስ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ
    ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲክን ተመራማሪ ኦኣሌታዊ ኣድልዎን “Racism in Australia Today” ዘርእስታ መጽሓፍ ዝጸሓፈን እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን ፍሉጥ ኣቦርጂናዊ ጋዜጠኛ ስታን ግራን ብዝወረዶ ናይ ዓሌታዊ ዉርደት ካብ ስርሑ ከም ዝወጸ ብወግዒ ምስ ኣፍለጠ ኣብ ኣውስትራሊያ ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ቀንዩ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ኣውስትራሊያ ዘሎ ኣድልዎ ብፖሊሲ ደረጃን ብውልቀን እንታይ ከምዝመስልን ምስ ኡ ዝተሓሓዝ ሕቶታት መብርሂ ሂቡና። ቀዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ዝጸንሕኩም እዩ።
    16 min
  • ኣብ ኢንዶኖዥያ ጥራሕ ነፍሱ ንሓደ ገፋፊ ዓሳ ዝጎየየ ኣውስትራሊያዊ መንእሰይ፡ 25 ሽሕ ዶላር ከፊሉ ዕርቂ ፈጺሙ። (ዕለታዊ ዜና)
    ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣመንቲ እስልምና ተቓውሞ ተኻይዱ፡ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ሓቢሩ። ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎ ርክብን ወሲባዊ መልእኽትን ትሕዝቶ ዘለዎ ዝተሸለመ መጽሓፍ ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ከይሽየጥ እግድ ክንበረሉ እዩ። ካናዳዊት ናይ ፖፕ ደራፊት ሰሊን ድዮን ፡ ብስእነት ጥዕና ክትገብሮ መዲባቶ ዝነበረት ናይ ዓለም ዑደታ ከምዝሰረዘቶ ኣፍሊጣ።
    7 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ግንቦት 2023)
    ሓሙስ 25 ግንቦት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ጸብጻብ ልኡኽና፥ 24 ግንቦት መበል 32 ዓመት ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ተጸምቢሉ። ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕነቶም ንክሕሎ ዝሓትት ደብዳበ ናብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ልኢኾም። ውድብ ሕቡራት 7 ቢልዮን ዳለር ንሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝፅውዕ ሰልፊ ተኻይዱ። መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ፣ ካብ 85-90% ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ ላዕለዋይ ቤተክህነት ትግራይ 10 ኤጵስ ቆጶሳት ከም ዝሸውም ኣፍሊጡ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ዝሓለፈ ዝጀመርናዮ ጸሓፍን ተንታኒ ፖሎቲካን ሳልሕ ቓዲ። ቴክኖሎጂ ብሉቱዝ፡ እግሩ ዝለመሰ ሰብ ደው ክብል ክኸይድን ዓቐብ ክድይብን ኣኽኢሉ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶን ገዛ ኽራይ ምርካብ; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ብዝብል ኣርእስት ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ናረንድራ ሞዲ ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ስዒቡ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣውስትራልያን ህንድን ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ቊጠባዊ ሽርክነት ዘጉልሕ ምዃኑ ተገሊጹ። ** ንግስቲ ሮክን ሮልን ኮኾብ ደራፊት ቲና ተርነር ፡ ድሕሪ ነዊሕ ሕማም ኣብ 83 ዓመታ ዓሪፋ ። ** መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራን ኣብ ካልእ ሃገራት ብዝነብሩ ኤርትራዊያንን ተኸቢሩ።
    53 min
  • 24 ግንቦት መበል 32 ዓመት ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ተጸምቢሉ።
    ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ስደተኛታት ድሕነቶም ንክሕሎ ዝሓትት ደብዳበ ናብ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ልኢኾም። ውድብ ሕቡራት 7 ቢልዮን ዳለር ንሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ገሊጹ። ኣብ ትግራይ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝፅውዕ ሰልፊ ተኻይዱ። መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ፣ ካብ 85-90% ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ ላዕለዋይ ቤተክህነት ትግራይ 10 ኤጵስ ቆጶሳት ከም ዝሸውም ኣፍሊጡ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners