SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • 13 ሆስፒታላት ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ከምዝረኸባ ተሓቢሩ።
    ኣርእስታት ጸብጻብ፡ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዓድማዒ ዘተ ምስላጢም ሓቢሮም። 13 ሆስፒታላት ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ከምዝረኸባ ተሓቢሩ። ህወሓት ንውሳነ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈሉ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ። ኣብ ኣዲስ ዝተኣሰሩ ሰባት መግቢ ተሓሲሞም።።
    8 min
  • “ኣብ ሃገር’ከሎ መንፈሱ ዝወጸ ሰብ ኣሎ፡ ንሕና’ኸኣ ኣካልና ካብ ሃገር ወጺኡ መንፈስና ግና ኣብ ሃገርና’ዩ ዘሎ።” ቶፊቕ ቑስምላህ
    ካልኣይ ክፋል ዝርርብ ምስ ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ።
    15 min
  • 2022 ናይ ሞት ፍርዲ ብብዝሒ ዝተራእያ ዓመት
    ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ 2022 ኣብ መላእ ዓለም ካብ 2017 ኣትሒዙ ዝለዓለ ቁጽሪ ፍርዳዊ ቅትለት ዝተመዝገበላ ዓመት ምዃና ሓቢሩ ። ዕስራ ሃገራት ናይ ቅትለት ፍርዲ ተግባራት ከም ዝፈጸማ ዝፍለጥ ኰይኑ: እዚ ከኣ ምስ 2021 ክወዳደር ከሎ 53 ሚእታዊት ወሰኽ ከም ዝገበረ ዝሕብር እዩ ።
    9 min
  • #37 Talking about struggles (Med) - ቋንቋ እንግሊዝኛ ምስ SBS ንመሃር፡ ብዛዕባ ኣብ ጸገም ዝኣተዉ ሰባት ምስ ሓገዝቶም ብኸመይ ብቛንቋ እንግሊዝኛ ምዝርራብ
    Learn how to talk about your struggles with a trusted friend. Also, know how to ask for help if you're going through abuse in the home. - ምስ ሓደ እትኣምኖ ፈታዊኻ ብዛዕባ ዘለካ ጸገም ብኸመይ ከም እትዘራረብ ተምሃር ። ኣብ ገዛ ብዓመጽ ትሓልፍ እንተ ኣሊኻ እውን ብኸመይ ብቛንቋ እንግሊዝ ሓገዝ ከም እትሓትት ፍለጥ ።
    16 min
  • ሓልዮት ን ኣለይቲ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ን ኣለይቲ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ብኸመይ ይርከቡ፧
    ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ትሽዓተ ሰባት እቲ ሓደ ብዕድመ ዝዓበዩ ወይ ምእላይ ንዘድልዮም ንዘመዶም ወይ ንፈታዊኦም ዝኣልዩ ሰባት ወይ ምስ ናይ ጥዕና ጸገም ወይ ስንክልና ንዝነብር ሰብ ይንከባኸቡ ። ይኹን እምበር ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፡ ብዙሓት ነዚ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ግና ንርእሶም ብሓልዮት ኣይርእይዋን እዮም ፣ ወይ ከኣ እተፈላለየ ንኸምዚ ዓይነት ስራሕ ብናጻ ዝውሃብ ኣገልግሎት ከም ዘሎ ኣይፈልጡን እዮም ።
    12 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (15 ግንቦት 2023)
    ናይ ሰኑይ 15 ግንቦት 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ፈደራል መንግስቲ ባጀቱ ኣቕሪቡ ኣሎ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ፥ ኣብ ማሕበራዊ ደገፍ መንግስቲ፡ ኣብ ደገፍ ኣካለ ስንኩላንን ካልእን ብፍላይ ብቐጥታ ምስ ማሕበረሰባትና ዝራኸቡ ጉዳያት እዚ ባጀት እንታይ ጽልዋ እዩ ከምጽእ፧ ማሕበረሰባትና በዚ ባጀት ተረባሕቲ ድዮም ወይስ ክጉድኡ እዮም፧ ነዚ ዝምልከትን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ንኪኢላ ፋይናንስ ኣቶ ከነዲ ገብረየሱስ ሓቲትናዮ ዝሃበና መልሲ ቀዳማይ ክፋል ዝሓለፈ ሰሙን ኣቕሪብና ነይርና ሎሚ ዝተረፈ ትሕዝቶ ከነቕርቦ ኢና። ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት የካይድ ኣሎ። ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣንበጣ 76 ቢልዮን ኣናህብ ከም ዝኸሰረት ተገሊጹ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህወሓት ንዝርከቦም ሰለስተ ውድባት ትግራይ ከም ዘይምዝግቦም ኣፍሊጡ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዛት ፍርያት ሕርሻ ኣበርኪቱ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሱዳን ኢድ ኣለዋ ንዝብል ክሲ ነጺጋ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፡ ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ። እዚ ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶን ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** መንግስቲ ቪክቶሪያ ነቲ ናይ ናዚ ሰላምታ ዝምልከት ንምእጋድ ዝቐልጠፈ ስጕምቲ ክወስድ ምሕጽንታ ቐሪብሉ። ** ኣብ ሱዳን ብዝግበር ዘሎ ቀጻሊ ግጭት ፡ ነበርቲ ካርቱም መዓልታዊ ህይወቶም ናብ ንቡር ንምምላስ ገና ተስፋ ኣይረኽቡን ። ** ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት የካይድ ኣሎ።
    54 min
  • ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሙምላቕን ደቂጋንትኦም ብምስሓብን ኣብ ጂሮ ብቕዓቶም የመስክሩ፣ ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ ተቐዳደምቲ ብሄሊኮፕተር ምግዕዓዝ ዘይርትዓዊ'ዩ ይብል፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (15/05/2023) * ቀዳማይ ሰሙን ቅድድም ብሽግለታ ጂሮ ድ’ኢታልያ ሰንበት 9ይ መድረኽ ቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ብውልቂ ብምክያድ ተጠናቒቑ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ሞሊቖም ብምኻድን ደቂጋንትኦም ብምስሓብን ብቕዓቶም የመስክሩ፣ * ሕብረት ቅድድም ብሽግለታ/ዩሲኣይ ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ገለ ጋንታታት ካብ ኣኽራናት ንተቐዳደምተን ሄሊኮፕተር ተጠቒመን ናብ ሆቴሎም ብቐጥታ ምውሳደን ስፖርታዊ መንፈስ ዝዓሰሎ ኣይኮነን ክብል ነቒፉ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሰናል ከቢድ ስዕረት ኣብ ሜዳኣ ድሕሪ ምስካማ ማንቸስተር ሲቲ ሻምፒዮን ዓዲ እንግሊዝ ክትከውን ሓደ ግጥም ምዕዋት ጥራይ ተሪፍዋ፣ * ሳውዝሃሞተን ኣብ’ዚ ወቕቲ ናብ ታሕተዋይ ደረጃ/ሻምፒዮንሺፕ ዝወረደት ቀዳመይቲ ጋንታ ፕሪምየር ሊግ ኮይና፣ ደጋፊ’ታ ጋንታ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ኣብ’ቲ ግጥም ተረኺቡ
    12 min
  • ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ዑደት የካይድ ኣሎ።
    ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ኣንበጣ 76 ቢልዮን ኣናህብ ከም ዝኸሰረት ተገሊጹ። ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ህወሓት ንዝርከቦም ሰለስተ ውድባት ትግራይ ከም ዘይምዝግቦም ኣፍሊጡ። መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ንትግራይ ሓገዛት ፍርያት ሕርሻ ኣበርኪቱ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሱዳን ኢድ ኣለዋ ንዝብል ክሲ ነጺጋ።
    9 min
  • ዕላል ስነ ጽሑፍ ምስ ስነ ጥበበኛ ቶፊቕ ቑስሙላህ።
    ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ። እዚ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ዕላል ኮይኑ ኣብ ዝመጽእ ካልኣይ ክፋሉ ክቐርብ እዩ።
    15 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,863 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners