SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ግንቦት 2023)
    ሓሙስ 11 ግንቦት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ብሰሉስ ፈደራል ኣውስትራሊያ ባጀቱ ንህዝቢ ኣፍሊጡ ኣሎ ነዚ ዝምልከት ምስ ማሕበረሰብና ዝተሓሓዙ ጉዳያት ናይቲ ባጀት ኣልዒልና ምስ ኣቶ ከነዲ ገብረየሱስ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣሎ። ነዚ ዝወጸ ባጀት ዝምልከት ትንታነ’ውን ኢብራሂም ዓሊ ዘዳለዎ ትሕዝቶ ኣለና። ል ኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፥ ቤት ትምህርቲ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ግላስ 166 ተሓጋገዝቲ ነርስታት ኣመሪቓ ንዓመታ ኣብ ትግራይ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ዩ። ብ 'ራዕዲ' ዝተኸሰሰ ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው፡ ኢትዮጵያ ክምለስ ምዃኑ ሓቢሩ። መንግስቲ ኣብ ክልተ ግንባራት መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከሲሱ። ኤርትራ፣ ብሰንኪ ፕሮቶኮል ፅምብል ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ቻርለስ ከምዘይተሳተፈት ገሊጻ ዝብሉን ካልእ ትሕዝቶታትን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ። ኣብ ማሕበረሰባት ስደተኛታት ስድራቤታዊ ዓመጽ ብምንታይ ክከላኸል ይከኣል ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ኣርእስቲ እዩ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ናይ ባጀት ወረቓቕቲ ከምዝሕብሮ 15 ቢልዮን ዶላር ካብ ማዕከን ሃገራዊ ጉዱኣት ኣካል መድሕን (NDIS) ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ካብ ናይ ሃገራዊ ጉዱኣት ኣካል ገንዘብ ንምጉዳል ተዳልዩ ኣሎ ።** ቤት ፍርዲ ፓኪስታን ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዒምራን ክሃን ሕቶ ከቕርበሉ ንሸሞንተ መዓልቲ ኣብ ቀይዲ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ወሲኑ። ** ኢንተር ሚላን ኣብ ዞባዊ ደርቢ ን ኤሲ ሚላን 2ብ0 ብምስዓር ን ግጥም ፍርቂ ፍጻመ ቻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ ሓሊፋ ።
    54 min
  • ንማሕበረሰባትና ዝጸልዉ ትሕዝትኦታት ፈደራል ባጀት ኣየኖት'ዮም፧ ተረባሕቲ ዲና ተጎዲእና፧ መብርሂ ካብ ኣቶ ከነዲ ገብረየሱስ
    ፈደራል መንግስቲ ባጀቱ ኣቕሪቡ ኣሎ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ፥ ኣብ ማሕበራዊ ደገፍ መንግስቲ፡ ኣብ ደገፍ ኣካለ ስንኩላንን ካልእን ብፍላይ ብቐጥታ ምስ ማሕበረሰባትና ዝራኸቡ ጉዳያት እዚ ባጀት እንታይ ጽልዋ እዩ ከምጽእ፧ ማሕበረሰባትና በዚ ባጀት ተረባሕቲ ድዮም ወይስ ክጉድኡ እዮም፧ ነዚ ዝምልከትን ምስኡ ዝተሓሓዙ ጉዳያት ኪኢላ ፋይናንስ ኣቶ ከነዲ ገብረየሱስ መሊሱልና ኣሎ።
    21 min
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልተ ግንባራት መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከሲሱ።
    ቤት ትምህርቲ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ግላስ 166 ተሓጋገዝቲ ነርስታት ኣመሪቓ ንዓመታ ኣብ ትግራይ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ክካየድ ዩ። ብ 'ራዕዲ' ዝተኸሰሰ ፖለቲከኛ ልደቱ ኣያሌው፡ ኢትዮጵያ ክምለስ ምዃኑ ሓቢሩ። መንግስቲ ኣብ ክልተ ግንባራት መጥቃዕቲ ከፊቱ ክብል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከሲሱ። ኤርትራ፣ ብሰንኪ ፕሮቶኮል ፅምብል ምድፋእ ዘውዲ ንጉስ ቻርለስ ከምዘይተሳተፈት ገሊጻ ዝብሉን ካልእ ትሕዝቶታትን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ።
    6 min
  • ኣብ ማሕበረሰባት ስደተኛታት ስድራቤታዊ ዓመጽ ብምንታይ ክከላኸል ይከኣል?
    ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ስድራቤት ፤ ዘቤታዊን ወሲባዊን መጥቃዕቲ ቀንዲ ናይ ጥዕናን ድሕንነትን ሳዕቤን ዘለዎም ጉዳያት እዮም ። ስታቲስቲክስ ከምዝሕብሮ ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ሓሙሽተ ሰባት ክልተ ዕድሚኦም ካብ 15 ዓመት ጀሚሮም ኣካላዊ ወይ ወሲባዊ መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ። ኣብ ስድራቤት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንዝኾነ ሰብ ክጸሉ ይኽእል እዩ ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ስደት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ሓገዝ ክረኽባ ኣብ ዝደልያሉ እዋን ተወሳኺ ዕንቅፋታት የጋጥመን ።
    10 min
  • ናፖሊ ድሕሪ ማራዶና ንፈለማ ግዜ ሻምፒዮን ሴረ ኣ ኮይና፣ ቅድድም ብሽግለታ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ተጀሚሩ፣ ኣብ ማራቶን ፕራግ ወርቅነሽ ኢደሳ ተዓዊታ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (08/05/2023) * ኣብ ውድድራት ጉያ እግሪ ኣልማዛዊ ሊግ ዶሓ፣ ኣብ ውድድር 3000 ሜ ደቂተባዕትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሰለስቲኡ ቦታታት ፖዲየም ብምውሳድ ተዓዊቶም፣ * ኣብ ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያዊት ወርቅነሽ ኢደሳ ተዓዊታ፣ * ቅድድም ብሽግለታ ጂሮ ድ’ኢታልያ ቀዳም ብቅድድም ቅልጣፈ ግዜ ተኸፊቱ፣ ኤርትራዊያን ኣማኑኤል ገ/ሄር፣ ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሄኖክ ምሉእብርሃን ይሳተፉ’ለው፣ * ኣብ ዜናታት ኩዕሶ እግሪ ናፖሊ ድሕሪ እዋናት ዲያጎ ማራዶና ንፈለማ ግዜ ድሕሪ 33 ዓመት ሻምፒዮን ኢጣልያ ወይ ሴረ ኣ ኮይና፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ክከኣ ኣርሰናል ንኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ስዒራ ሻምፒዮን ናይ ምዃን ጸቢብ ተስፋኣ ኣለምሊማ፣ ደገፍቲ ሊቨርፑል ኣብ ክንዲ ሃገራዊ መዝሙር ስም ጋንትኦም ኣቃሊሖም፣ ስነስርዓት ምረቓ ንጉስ ቻርለስ ኣይግድሰናን ይብሉ፣
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ግንቦት 2023)
    ናይ ሰኑይ 08 ግንቦት 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኣብ ኤርትራ መጠን ሕውየት ሕማም ቲቢ ዝድለ ዓለማዊ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ተገሊጹ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ መራሒ መንግስቲ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ዘትዩ። ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ከም ዝተኸልከሉ ገሊጾም። ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ ኣብ ማእከል ተቐርቂሮም ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ገሊጾም። ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 12 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ ። ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራሊያ ባጀት 2023-24 ሰሉስ 9 ግንቦት ከፍልጥ'ዩ። ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ/ትሬዠረር ጸቕጢ ዋጋ መነባብሮ ኣብ'ቶም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ኣውስትራልያውያን፣ ምስ ወሰኽ ደሞዝ ንሰራሕተኛታት ምእላይ ዓበይትን፣ ሕስር ዝበለ ክፍሊት ንመእለዪ ህጻናትን ኣብ'ዚ ናይ ሕጂ በጀት ክሽፈኑ'ዮም ኢሉ። እንተኾነ ግን ምስ ምውሳኽ መጠን ዝቕባበን ክስጉሙ ዘይከኣሉ ዘተታት ብዛዕባ ፍታሕ መንበሪ ኣባይትን ሓገዝ ገዛ ክራይን፣ ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ኣብ ቅድሚኡ ከቢድ ስራሕ ይጽበዮ'ሎ።። ነዚ ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣለና። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፡ ትማሊ ዕለት 6 ግንቦት 2023 ነበርቲ ኲንስላንድ ኣንጻር እቶም ካብ መምበረ ፓትርያርክ ኣስመራ ዝተላእኩ ጳጳስ ባስልዮስ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ውዒሎም። ነባሪ እታ ከተማ ግና “ሓድነትና ክትዘርጉ መጺእኩም” ብምባል ይቃወም። ነዚ ብዝምልከት ምስ ተሳተፍቲ እቲ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝተገብረ ዝርርብ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶን ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ናይ መነባብሮ ጸቕጥታት ንምቅላል ልዕሊ 14 ቢልዮን ዶላር ወጻኢታት ክገብር እዩ ። ** ካብ ተዋጋእቲ ወገናት ሱዳን ዝመጹ ልኡኻት ነቲ ንሰለስተ ሰሙን ዝቐጸለ ግጭት ከኽትም ተስፋ ተገይርሉ ዘሎ ዝርርብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም ። ** ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ከም ዝተኸልከሉ ገሊጾም።
    52 min
  • ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ከም ዝተኸልከሉ ገሊጾም።
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ መጠን ሕውየት ሕማም ቲቢ ዝድለ ዓለማዊ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ተገሊጹ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ምስ መራሒ መንግስቲ ጀርመን ቻንስለር ኦላፍ ሾልዝ ዘትዩ። ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ከም ዝተኸልከሉ ገሊጾም። ብሰንኪ ኵናት ትግራይ ናብ ሱዳን ዝተሰደዱ ተጋሩ ኣብ ማእከል ተቐርቂሮም ኣብ ሓደጋ ከም ዝርከቡ ገሊጾም። ካብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትዉ ዘለዉ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ልዕሊ 12 ሽሕ ከምዝበፅሐ ተገሊፁ ።
    7 min
  • ኣብ ምእላይ ኣረጋውያን ዝሰርሑ ሰባት ደሞዞም ክውስኽ'ዩ (ትጽቢት ካብ በጀት 2023)
    ፈደራል መንግስቲ ኣውስትራሊያ ባጀት 2023-24 ሰሉስ 9 ግንቦት ከፍልጥ'ዩ። ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ/ትሬዠረር ጸቕጢ ዋጋ መነባብሮ ኣብ'ቶም ኣብ ተኣፋፊ ኩነታት ዝርከቡ ኣውስትራልያውያን፣ ምስ ወሰኽ ደሞዝ ንሰራሕተኛታት ምእላይ ዓበይትን፣ ሕስር ዝበለ ክፍሊት ንመእለዪ ህጻናትን ኣብ'ዚ ናይ ሕጂ በጀት ክሽፈኑ'ዮም ኢሉ። እንተኾነ ግን ምስ ምውሳኽ መጠን ዝቕባበን ክስጉሙ ዘይከኣሉ ዘተታት ብዛዕባ ፍታሕ መንበሪ ኣባይትን ሓገዝ ገዛ ክራይን፣ ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ኣብ ቅድሚኡ ከቢድ ስራሕ ይጽበዮ'ሎ።
    9 min
  • "ንሓድነትና ክዘርጉ መጺኦም" ብምባል ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለዉ ማሕበረሰብ ንካብ ኤርትራ ዝተላእኩ ጳጳስ ተቓዉሞኦም ብሰልፊ ገሊጾም።
    ሎሚ ዕለት 6 ግንቦት 2023 ነበርቲ ኲንስላንድ ኣንጻር እቶም ካብ መምበረ ፓትርያርክ ኣስመራ ዝተላእኩ ጳጳስ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ክገብሩ ውዒሎም። ኣብ ከተማ ብርዝቤን ሓንቲ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ዝጸንሐት ኮይና፡ ሓደ ካልእ ካህን ብምምጻእ ምስቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሲኖዶስ ርክብ ዘለዎ ቤተ ክርስትያን ክምስርቱ ኣብ ምንቅስቓስ ይርከቡ፡ ዝበዝሐ ነባሪ እታ ከተማ ግና “ሓድነትና ክትዘርጉ መጺእኩም” ብምባል ይቃወም። ነዚ ብዝምልከት ምስ ተሳተፍቲ እቲ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ ዝተገብረ ዝርርብ።
    17 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners