SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፕኦድካስት (27 ሚያዚያ 2023)
    ሓሙስ 27 ሚያዝያ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ሱዳን ብዝግበር ዘሎ ኲናት ብዙሓት ስደተኛታት ዓቕሎም ጸቢብዎም ናብ ምብራቕ ሱዳን ይግዕዙ ኣለዉ። ጋዜጤኛ 3CR ብርሃን ጃብር እስማዒል ብዛዕባ'ዚን ህልሉው ኩነታት ሱዳንን ኣብሪሁልና ኣሎ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ኣትዮም። ፊንላንድ ኣብ ዳግመህንጻ ትግራይ እጃማ ከም ትዓምም ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ተመያይጡ። ኣፈፃፅማ ተሓታትነት ገበን ኲናት ትግራይ ተደናጕዩ ክብል ሕብረት ኣውሮፓ ገሊጹ። ኣብ ጥዕና ነበርቲ 'ሓደገኛ' ጉድኣት ኣስዒቡ ዝተበሃለ ስፍራ ዕደና ወርቂ ሚድሮክ ብቕልጡፍ ክዕጾ ተሓቲቱ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ብዘይፍታው ወሲባዊ ዓመጽ ወይ ሬፕ ኣጋጢሙ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ምስ ቀረበ እንታይ’ዩ ዝጋጥም፧ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣውስትራሊያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ቪዛ ምድብ ለውጢታት ከም እትገብር ኣፍሊጣ ። ** ኣብ ገማግም ጥቓ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ብሰሉስ [25 ሚያዝያ] ንግሆ ሓንቲ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ጥሒላ: ናይ ሓደ ህጻን ዝርከብዎም ዓሰርተ ሓደ ሬሳታት ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ካብቲ ባሕሪ ወጺኡ ። ** ማንቸስተር ሲቲ ን ኣርሰናል 4 ብ 1 ብምስዓር ኣብ ግጥማት ፕሪሜር ዓዲ እንግሊዝ ሻምፕዮን ናይ ምዃን ዕድላ ኣቕሪባቶ።
    56 min
  • ኣፈፃፅማ ተሓታትነት ገበን ኲናት ትግራይ ተደናጕዩ ክብል ሕብረት ኣውሮፓ ገሊጹ።
    ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት ኢትዮጵያ ናብ መቐለ ኣትዮም። ፊንላንድ ኣብ ዳግመህንጻ ትግራይ እጃማ ከም ትዓምም ኣፍሊጣ። ፕረዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ልኡኻት ሕብረት ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ተመያይጡ። ኣፈፃፅማ ተሓታትነት ገበን ኲናት ትግራይ ተደናጕዩ ክብል ሕብረት ኣውሮፓ ገሊጹ። ኣብ ጥዕና ነበርቲ 'ሓደገኛ' ጉድኣት ኣስዒቡ ዝተበሃለ ስፍራ ዕደና ወርቂ ሚድሮክ ብቕልጡፍ ክዕጾ ተሓቲቱ።
    7 min
  • ኣብ ኬንያ ልዕሊ 80 ኣመንቲ ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ ኣምልኾ ንኽጸድቁ ብጥምየት ሞይቶም።
    ሰዓብቲ ሓደ ኬንያዊ ኣምልኾ እንተ ጠሚዮም ናብ መንግስቲ ሰማይ ክኸዱ እዮም ኢሎም ዝኣመኑ ብዝሒ ምውታት ናብ 89 ደዪቡ ። ኣብቲ እታ Good News International Church ተባሂሉ ዝፍለጥ ቤተ-ክርስትያን እተመስረተትሉ ከባቢ ፡ ኣብ ጫካ ሻካሆላ ፡ እቲ ምድላይ ሬሳታት ይቕጽል ኣሎ ።
    6 min
  • "ዓበይቲ ሓይልታት ሱዳን ምስ ተዳኸሙ ን ኣሽቱ ዕጡቓት ጉጅለ ከይቀላቐሉ'ዩ ዘስግእ ዘሎ።" ጋዜጠኛ ብርሃን ጃብር እስማዒል
    ኣብ ሱዳን ብዝግበር ዘሎ ኲናት ብዙሓት ስደተኛታት ዓቕሎም ጸቢብዎም ናብ ምብራቕ ሱዳን ይግዕዙ ኣለዉ። ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን'ውን ናብ ዓዶም ክምለሱ ንዝደልዩ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ክምለሱ ከምዝሓበረ ጋዜጤኛ 3CR ብርሃን ጃብር እስማዒል ብዛዕባ'ዚን ህልሉው ኩነታት ሱዳንን ኣብሪሁ ኣሎ።
    20 min
  • ብዘይፍታው ወሲባዊ ዓመጽ ወይ ሬፕ ኣጋጢሙ ናብ ፖሊስ ጥርዓን ምስ ቀረበ እንታይ’ዩ ዝጋጥም፧
    ኣብ ኣውስትራሊያ ወሲባዊ መጥቃዕቲ ገበን እዩ ። ብምግዳድ ፣ ብምፍርራ ፣ጸቕጢ ብምግባር ወይከኣ ኣታሊልካ ወሲብ እንድሕር ጌርካ ፣ ነቲ ነዚ ዝፈጸመ ገበነኛ ክሲ ንኽምስረተሉ ንፖሊስ ክትሕብር ትኽእል ኢኻ ። ይኹን እምበር ፡ እዚ መስርሕ እዚ ብሕጊ ኰነ ብስምዒታዊ ዋጋ ዘኽፍል ክኸውን ይኽእል እዩ ። ምስዚ ዝተሓሓዝ ክንጽበዮ ዘሎና ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ ።
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2023)
    ናይ ሰኑይ 24 ሚያዝያ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፥ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ዝእሰሩን ዝሳቐዩን ዝጣበቕ ኣቶ ሃኒባል ዳንኤል ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ንዓሰርተ ዓመት ተኣሲሩ ምስተፈትሐ ዝዓረፈ እሞ ብዛዕባ ቀብሩ ከሰሓሕብ ዝቐነየ ፓስቶርን ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ “ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘለና ርክብ ዝያዳ ክነጠናኽር ኢና" ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ። “መንግስቲ ምስ ኦነግ ኣብ ታንዛኒያ ከምጅመር’ዩ” ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቡ። ስድራቤትን ኣማኻሪ ሕግን ኣቶ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሲ ከምዝመስረቱ ኣፍሊጦም። ጽባሕ 25 ሚያዝያ መዓልቲ ኣንዛክ እያ ። ኣብ ሃገራዊ ህይወት ናይ ኣውስትራሊያ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣዚዩ ኣድላይን ኣገዳስን መዓልቲ እዩ ። እዛ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለየ መገዲ እትብዓል መዓልቲ እያ ፣ እዚ መዓልቲ እዚ ፡ ካብታ ታሪኻዊት ዕለት ጀሚርካ ኽሳዕ ረዛን መዓልቲ ከምኡ'ውን ብ ከቢድ ሓዘን'ውን ትዝከር እያ ። ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ትንታነ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ዜናታት ስፖርት፥ ማራቶን ለንደን ሰንበት ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ዜናታት ቅድድም ብሽግለታ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ሊየዥ-ባስቶን-ሊየይዥ ኤርትራዊያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን መርሃዊ ቅዱስን ከኣ ኣብ ዙር ኣልፕስ ዝነኣዱ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም፣ * ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ጽዑቕ መርመራታቱን ሕክምናዊ ምክታትልን ድሕሪ ምውድኡ ሕውየቱ ክቕጽልን ልምምድ ክጅምርን ናብ ኤርትራ ክኸይድ ፈቓድ ተዋሂቡ፣ * ኣርእስታት ዜና፥ ** ሓያሎ ናይ ወጻኢ ሃገራት፡ ዜጋታተን ብመገድታት: ብኣየርን ባሕርን ኣቢሎም ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ናይ ምውጻእ መስርሕ ወዲአን። ** ፍሉጥ ተዋዛያይ፣ ተዋሳኣይን ደራሲን ባሪ ሃምፍሬስ ዓሪፉ ** ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘለና ርክብ ዝያዳ ክነጠናኽር ኢና" ክብል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ።
    57 min
  • 25 ሚያዝያ፡ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ኣንዛክ
    መበል 25 ሚያዝያ መዓልቲ ኣንዛክ እያ ። ምናልባት ኣብ ሃገራዊ ህይወት ናይ ኣውስትራሊያ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣዚያ ኣድላይን ኣገዳስሲትን መዓልቲ እያ ። እዚ ዝስዕብ ጸብጻብ ከም ዝገልጾ ፡እዛ መዓልቲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዝተፈላለየ መገዲ እትብዓል መዓልቲ እያ ፣ እዛ መዓልቲ ፡ ካብታ ታሪኻዊት ዕለት ጀሚርካ ኽሳዕ ረዛን መዓልቲ ከምኡ'ውን ብ ከቢድ ሓዘን'ውን ትዝከር እያ ።
    9 min
  • ኒውካስትል ዩናይትድ ንቶተንሃም 6-1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/04/2023) * ማራቶን ለንደን ሰንበት ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ነዘርላንዳዊት ሲፋን ሓሰን ተዛዚሙ፣ * ኣብ ዜናታት ቅድድም ብሽግለታ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ኣብ ሊየዥ-ባስቶን-ሊየይዥ ኤርትራዊያን ሄኖክ ምሉእብርሃንን መርሃዊ ቅዱስን ከኣ ኣብ ዙር ኣልፕስ ዝነኣዱ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም፣ * ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ጽዑቕ መርመራታቱን ሕክምናዊ ምክታትልን ድሕሪ ምውድኡ ሕውየቱ ክቕጽልን ልምምድ ክጅምርን ናብ ኤርትራ ክኸይድ ፈቓድ ተዋሂቡ፣ * ኣብ ናይ’ዚ ሰሙን ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ኒውካስትል ዩናይትድ ንቶተንሃም 6-1 ዘሕፍር ስዕረት ኣሰኪማ ናይ ሳልሳይ ተርታ ቦትኣ ከተደልድል እንከላ ንፕሪምየር ሊግ ትመርሖ ዘላ ኣርሴናል ግን ንሳልሳይ ግዜኣ ኣከታቲላ ማዕረ ድሕሪ ምውጽኣ ማንቸስተር ሲቲ ክልተ ግጥማት ውሑዳት ተጻዊታ ክንሳ ፍልልያ ጸቢቡ ዝያዳ ረብሓ ረኺባ፣ ሮቡዕ ዝካየድ ግጥም ኣብ መንጎ ክልቲኤን ጋንታታት ከኣ ኣዝዩ ወሳኒ ክኸውን’ዩ፣
    12 min
  • "ፓስቶር ተስፋይ ጥራይ ኣይኮነን ምስ ሞተ መቕበሪ ቦታ ዝተኸልአ።" ሃኒባል ዳኒኤል
    ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብእምነቶም ዝእሰሩን ዝሳቐዩን ዝጣበቕ ኣቶ ሃኒባል ዳንኤል ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ንዓሰርተ ዓመት ተኣሲሩ ምስተፈትሐ ዝዓረፈ እሞ ብዛዕባ ቀብሩ ከሰሓሕብ ዝቐነየ ፓስቶርን ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ካብ ከረን ዝተኣስሩ 30 ኣመንቲን መዝሙር ክሰርሑ ዝተኣስሩ ልዕሊ 100 መንእሰያትን ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ።
    11 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners