SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ግጭት ነቲ ናብ ደሞክራሲ ዝግበር ስግግር ኣብ ሓደጋ ኣውዲቕዎ። ጸብጻብ ኢንግሊዝኛ
    መራሕቲ ሰራዊትን ሓደ ጕጅለ ኮማንዶን ነዚ ዕልዋ መንግስቲ እዚ ንምቁጽጻር ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ: ሕጂ ግን እታ ሃገር ናብ ደሞክራሲ ኣብ እትሰጋገረሉ ዘላ እዋን: እዚ ኩነታት ቀንዲ ዕንቅፋት ክኸውን እዩ ። ክልቲኦም ወገናት ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሱዳን ከቢድ ውግእ ከም ዘኻየደ ነንሕድሕዶም ይወቓቐሱ ።
    6 min
  • ኣመንቲ ክርስትና ንምንታይ'ዮም ንበዓል ትንሳኤ ዓመታዊ ብዓቢ ክብሪ ዘብዕልዎ፧ ጻንሒት ምስ ፓስቶር ብርሃነ መርሶ
    ሎሚ ብ ኣመንቲ ክርስትና በዓል ትንሳኤ ይኽበር ኣሎ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንኣመጻጽኣን ኣከባብራን እቲ በዓል ፓስቶር ብርሃነ መርሶ ካብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ስላሴ ብርስቤን መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ።
    10 min
  • ኣገልግሎታት ጾመ ኣርብዓን በዓለ ትንሳኤን ብኣገላልጻ ድያቆናት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ብርስቤን።
    ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ንብርሃነ ትንሳኤ ኣብጽሓኩም እናበልና ብምኽንያት ሕማማትን ትንሳኤን ምስ ድያቆን ሃብቶምን ዲያቆን ሰልጠነን ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ብርስቤን ዝገበርናዮ ጻንሒት።
    13 min
  • ኣብ ኣምሓራ ዝቐነየ ናዕቢ ሃዲኡ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
    ብሚኒስተር ጥዕና ፌደራል ዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣካይዱ። ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ምስ ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክላውድ ጂቢዳር ተዘራሪቡ። ኤርትራ ናብ ኢጋድ ንምምላስ ዘቕረበቶ ሕቶ ዝርርብ ከምዝተዘረበሉ ፕረዚደንት ኬንያ ሓቢሩ። ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ንኦሮሞ ንምጥቃዕ ዝዓለመ ናይ ጽልኢ ዘረባታት ጠጠው ክብል ፀዊዑ።
    7 min
  • ቅልውላው እስራኤልን ካብ ኣምሪካ ዝለሓዂ ሰነድን
    ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ነቲ ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ከባርሮ ዝወሰኖ ውሳነ ኣልዒልዎ ኣሎ፡ እቲ ነቲ ሚኒስተር ምብራር ዝተወስደ ስጉምቲ ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት ኣብ መላእ እታ ሃገር ሓያል ተቓውሞታት ከም ዝለኦኣል ገይሩ እዩ ። ብዘይካዚ ፡ ሚስተር ናታንያሁ ፡ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እተላዕለ ዓመጻን ምስ ጐረባብቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝግበር ወተሃደራዊ ምስሕሓብን ፡ ንተቓዋሚ ሰልፊ እስራኤል ወቒሱ ኣሎ ።
    7 min
  • ኣታለልቲ መንነትኩም ተጠቒሞም ገንዘብኩም ከይወስዱን ብስምኩም ካልእ ተግባራት ከይፍጽሙን ብኸመይ ትከላኸሉ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ)
    ገበን ምስራቕ መንነት ሓደ ዓቢይ ስግኣት ኣብ ኣውስትራልያ’ዩ፣ ምኽንያቱ በብዓመቱ ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸዱ ሰባት ግዳያት ናይ’ዚ ስርቂ ወይ ገበን ምስራቕ እናኾኑ ይኸዱ ስለዘለዉ። እቶም መንነቶም ዝተሰርቀ ወይ ናይ’ዚ ንዕኦም ኣምሲሎም ወይ ተመሲሎም ዝቐርቡ ገበነኛታት ግዳያት ዝኾኑ፣ ብዙሕ ግዜ ከበድቲ በደላት ወይ ሳዕቤናት ይወርዶም። ገንዘባዊ ክሳራ፣ ማህሰይቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝተሓዘሎም ነጥቢ ለቓሕ (ክረዲት ስኮር)፣ ከም’ኡ’ውን ንሕጊ ዝምልከቱ ሳዕቤናትን የጋጥሞም። ይኹን እምበር ንስኹም ውልቃዊ ሓበሬታኹም ክስረቐሉ ወይ ኣብ ዘይመዓልኡ ክውዕለሉ ዝኽእል ስግኣት-ሓደጋ ንምቕናስ ክትወስድዎም ዝግባኣኩም ስጉምትታት ኣለዉ።
    15 min
  • "ተርጎምቲ፡ ነቲ መበቆልን ናብቲ ዝትርጎም ቋንቋን ንኽልቲኡ ቋንቋታት ብዝግባእ ከጽንዕዎ ይግባእ።" ዘካርያስ ገሪማ
    ኣብ ዝሐለፈ መዓልታት ብዛዕባ እታ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝተርጎማ ናይ ጂብራን ኸሊል "The Prophet" ዝምልከት ዕላል ኣካይድና ነይርና። ሎሚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዕላል፡ ብዛዕባ ናብ ትግርኛ ዝትርጎም ዘሎ መጻሕፍቲን ኣብ ኣተረጓጒማ ጸሓፍቲ ክኽተልዎም ዝግባእ ኣገባባት ኣዕሊሉ ኣሎ።
    17 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (10 ሚያዝያ 2023)
    ናይ ሰኑይ 10 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፥ ዘካርያስ ገሪማ፡ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ናይቲ ፍሉጥ ጸሓፊ ጂብራን ከሊል "The Prophet" ትብል መጽሓፍ ናብ ትግርኛ "እቲ ነብዪ" ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ስራሕን ኣብ ጥበብ ኣተራጉማን ኣመልኪትና ዕላል ገይርና ኣለና። ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ዝተገብረ ዕላል ክቐርብ ኣሎ።። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንምፍታሕ ዕጥቂ ንዝዕንቅፉ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ገሊፁ። ባንክ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኤርትራ ደቀምሓረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምህናፅ ገንዘብ ኣፅዲቑ። ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ናይ 3 ቢልዮን ብር ጉድኣት ከም ዝገጠሞ ተሓቢሩ። ዓለምለኻዊ ዋጋታት ቡን ብምንቁልቋሉ፡ ኢትዮጵያ 133 ሚልዮን ዶላር ከይረኸበት ከም ዝተረፈት ተገሊጹ። ጅምላዊ ቅትለት ዝፈጸሙ መራሕቲ ናዚ ናብ ፍርዲ ዘቕረበ ፍሉጥ ጠበቓ ዓሪፉ። ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ትንታነ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ’ዚ ቀዳመ ሰንበት ድሕሪ ዘካየዶም ዙርያ ግጥማት ኣብ መንጎ ኣብ መሪሕነት መሳልል ጋንታታት ዘላ ኣርሰናልን ትኽተላ ዘላ ማንቸስተር ሲቲን ዘሎ ፍልልይ ነጥቢ ናብ 6 ድሕሪ ምድያቡ ሻምፒዮና መን ትኸውን ዝብል ንሕንሕ ክሳብ መወዳእታ ከምዝኸይድ ኣመልኪቶም፣ ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት በዓል ትንሳኤ ኣብ ናይ ኣውስትራልያ መገድታት ሸሞንተ ሰባት ብሓደጋ መኪና ህይወቶም ስኢኖም: ** ኣብ የሩሳሌም ሃይማኖታዊ በዓላት ብዘይ ገለ ከቢድ ፍጻመ ሓሊፉ እዩ ። ** ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንምፍታሕ ዕጥቂ ንዝዕንቅፉ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ገሊፁ።
    57 min
  • ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንምፍታሕ ዕጥቂ ንዝዕንቅፉ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ገሊፁ።
    ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ተመዛበልቲ ብሓፂር ጊዜ ናብ ዓዶም ክምለሱ ከም ዝስራሕ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ። ባንክ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ ኤርትራ ደቀምሓረ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምህናፅ ገንዘብ ኣፅዲቑ። ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ናይ 3 ቢልዮን ብር ጉድኣት ከም ዝገጠሞ ተሓቢሩ። ዓለምለኻዊ ዋጋታት ቡን ብምንቁልቋሉ፡ ኢትዮጵያ 133 ሚልዮን ዶላር ከይረኸበት ከም ዝተረፈት ተገሊጹ።
    9 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners