SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ዝተቐትለ፡ ኣብ ተለግራም ልዕሊ 500ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዉዎ ሰብ ዩክሬንን ቀታሊት ኣይኮንኩን ትብል።
    ደገፍቲ ሓይልታት ሩስያ ፡ ንህይወት እቲ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ካፈ ነታጒ ብምፍንጃሩ እተቐትለ ሩስያዊ ወተሃደራዊ ኣወዓዋዒ ብሎገር ፡ ቭላርለን ታታርስኪ ክብሪ ሂቦም ። ጉጅለ ተዓሲቡ ዝሰርሕ ዋግነር ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ባክሙት ፡ ስም ሚስተር ታታርስኪ ዘለዋ ባንዴራ ሩስያ ልዕል ኣቢሉ ኣምበልቢሉ ኣሎ ። እቲ ምስ ሩስያ ዝውግን ጕጅለ ፡ ኣብ ምዕራብ እታ ከተማ ቀጻሊ ውግእ እኳ እንተ ኣጋጠሞ ፡ ባክሙት ናይ ሩስያ ግዝኣት ኢሉ እዩ ዝምጉት ።
    6 min
  • ኣሰልጠንቲ ጋንታታት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ በብሓደ ይስጎጉ፣ ዝቕጽል መን ይኸውን፧
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ኢትዮጵያዊ ኣበጀ ኣያና ኣብ ማራቶን ፓሪስ ክዕወት’ንከሎ መሰረት ኣለማየሁ ኣብ ማራቶን ሺያመን ትዕወት፣ * ሚልከሳ መንገሻ ኣብ ዝተዓወተሉ ማራቶን ደይጉ ኤርትራዊ ብርሃነ ጸጋይ ሳልሳይ ወጺኡ፣ * ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ግራን ፕሬሚዮ ሚጒል ኢንዱሪያን ናትናኤል ተስፋጽዮን፣ ጽጋቡ ግርማይን መርሃዊ ቅዱስን ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፣ * ቅድድም ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣብ ኮትዲቯር ቅርጹ እናሓዘ ይመጽእ፣ ሽዱሽተ ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልታት ድሕሪ ዝተኻየዱ መጻረዪ ግጥማት ናብ’ቲ ውራይ ምሕላፈን ኣረጋጊጸን፣ * ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መወዳእትኡ ራብዓይ ተርታ ከተውሕስ ምዃና ከተረጋግጽ ኣይከኣለትን፣ * ኣብ’ዚ ሰሙን ክልተ ኣሰልጠንቲ ምስጓጎም ወሲኽካ ኣብ’ዚ ወቕቲ 12 ዝኾኑ ኣሰልጠንቲ ጋንታታት ፒምየርሊግ ተሶጒጎም፣
    11 min
  • ናይ ሓባር ረመዳን ኢፍጣር ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ
    ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ናይ ሓባር ኢፍጣር ኣብ ኖርዝ መልበርን መአከቢ ኣዳራሽ ማሕበረሰባት ብዕለት 01 ሚያዝያ 2023 ጌሮም ነይሮም፡ ኣብቲ ቦታ ተረኺብና ተሳተፍቲን ኣወሃድቲ ኣቲ መደብን ብዛዕባ’ቲ ምት እኽኻብ ናይ ሓባር ኢፍጣር ዝሃቡና ጦብላሕታ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።
    10 min
  • ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ ባጀት ምስ መንግስቲ ተዘራሪቡ፣ 'ኣብ 2022 ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ገዲዶምን ቀጺሎምን' ኣምነስቲ
    ሓጸርቲ ጸብጻባት * ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምስ ሰብመዚ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ ባጀትን ካለኦት ጉዳያትን ይዘራረብ ከም ዘሎ ገሊፁ፣ * ኣብ ዓመተ 2022 ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን፤ ከበድቲ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ገዲዶም ከም ዝቐፀሉ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ፣ * ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ መንግስቱ ምስ ኩሎም ዕጡቓት ሓይልታት ክዘራረብ ቅሩብ ምዃኑ ተዛሪቡ፣ * ወተሃደራት ጎረባብቲ ሃገራት ካብታ ሃገር ክወፁ ከኣ ኣባላት ፓርላማ ሓቲቶም፣ * ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚልዮናት ሰባት ካብ ደርቂ ንምድሓን 2.6 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክቐርብ ኢጋድ ፀዊዑ
    10 min
  • ካብ ስደት ወይ ምፍንቓል ዝነቅል ሓዘን እንታይ'ዩ? ከም ሓደ ዓዱ ገዲፉ ዝኸደ/ዝተሰደ ሰብ መጠን ካብ ምምንጣልን ምስኣንን ዝተላዕለ ዝስመዓኩም ሓዘን ክወጸልኩም ይኽእል ዶ፧
    ካብ ዓድኻን መረበትካን ናብ ካልእ ሃገር ንሓዋሩ ጠቕሊልካ ምኻድ ወይ ምግዓዝ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ዝተደራረበ ስሞዒታዊ ፈተነታት ሒዙ'ዩ ዝመጽእ። ስደተኛታትን ፈለስትን ክብን ለጠቕን ዝብል ስንባደ ባህልን ምልማድ ጓና ዝኾነ ከባቢ ወይ ሃዋህውን ተጻዊሮም ኣብ ዝሓልፍሉ፣ ብዙሓት ብዙሕ ግዜ ዝተሓላለኸ ስምዒት ምፍንቓልን ምጥፋእ መንነትን ይስምዖም። ስለ'ዚ ስደተኛታትን ፈለስትን ነዚ ክጻወርዎን ደጊሞም ምሉኣት ኮይኑ ክስምዖምን እንታይ ክገብሩ ኣለዎም፧
    16 min
  • ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ደቡባዊ ዉቅያኖሳት ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘውረደ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።
    ደቂ ሰብ ንምንባር ኣብዛ ፕላኔት ኣብ ዘለዉ ውቅያኖሳት ኣብ ዝፈርዩ ህይወት እዮም ዝምርኮሱ። እንተዀነ ግን: ሓድሽ ስነ-ፍልጠት ከምዘመልክቶ ነዞም ጸጋታት ባሕሪ ህይወታውያን ናይ ምዕቃብ ዓቕሚ ኣዝዩ ሓጺር ዕድመ እዩ ዘለዎ ። ኣብ ኣውስትራልያ እተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ኣንታርክቲካ ዘሎ ኣብ ውቅያኖስ ዘሎ ጥልቀት ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ናብ ውድቀት እዩ ከምርሕ ፣ እዚ ኣብ ውቅያኖሳት ፡ ኣብ ስርዓተ ኢኮ ባሕርን ኣብ ክሊማን ንዘመናት ጽልዋ ክገብር እዩ ።
    9 min
  • ካብ ርኹባትንንጉሳውያን ስድራቤት ተወሊዳ ናብ ምምናን ዓለም ክሳብ ደራሲት ህይወት ዝዘርእ ሙዚቃ፡ ሓጺር ታሪኽ እማሆይ ጽገማርያም ገብሩ
    ሰዋስው ብርሃኑ ደስታ "ናይ ክልተ ዓለም ሰብ" ብዝብል ዝጸሓፈቶ መጽሓፍ ብዛዕባ ታሪኽ ፒያኖ ብምጽዋት ዝፍለጣ ዝነበራ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ፈላሲት እማሆይ ጽጌ ማርያም ገብሩ ጽሟቑ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ። እማሆይ ጽጌ ማርያም ካብ ርኹባትን ሰብ መዚ ንጉሳዊያን ቤተ ሰብ ተወሊዳ፡ ንወጻኢ ከይዳ ክትመሃር ዝኸኣለት ናይ ፈለማ ኢትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ተባሂሉ ይፍለጥ። እንተኾነ ብንእስነታ ንዓለም መኒና ኣብ ገዳም ክትነብር እንተመረጸት'ኳ ዝደረሰቶ ሙዚቃ ኣብ ዓለም ተፈላጢት ክገብራ ክኢሉ ኣሎ። ብምኽንያት ዕረፍቲ እማሆይ ጽጌ ማርያም፡ ቅድሚ ሕጂ ብ ጋዜጠኛ ኤስ ቢ ኤስ ዝነበረት ላየን ጽጋብ ዝቐረበ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ኣብዚ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ። እማሆይ ጽጌ ማርያም ኣብ 1923 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወለዳ ትማሊ 27 መጋቢት 2023 ከምዝዓረፋን ተፈሊጡ ኣሎ። ዝንገረለን እተን ፈላሲት፡ ብዕድመ ምስ ደፍኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ይነብራ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (27 መጋቢት 2023)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 27 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣቶ ኣርኣያ ንነዊሕ ዓመታት ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ገይሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሑፋት ዘቕርብ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ትማልን ሎሚን ከመይ ከምዘሎን ንኽምዕብል ዘድልዩ ነገራት ብዝምልከት መብርሂ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ።። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ምርመራ ገበናት ኲናት ከይካየድ ትገብሮ ዝነበረት ፃዕሪ ከም ተቋርፆ ተገሊፁ። ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሰላምም ፀጥታን ንምስፋንን፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ንምኽባር ከም ዝሰርሑ ተዛሪቦም። ኤርትራ:ንፕሮጀክት ፀሓያዊ ፀዓት ደቀምሓረ ዝውዕል ስምምዕ $50 ሚልዮን ተፈሪሙ። ሕቶ ዑቓባኦም ዝተነጽጉ ኤርትራዊያን ነበርቲ ስዌርላንድ ብዘይድልየቶም ናብ ሳልሳይ ሃገር ክፋነዉ እማመ ከምዝቐረበሎም ተፈሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ፥ ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ’ቲ ዓሚ ቅያ ዝሰርሓሉ ቅድድም ኣብ በልጅም ተመሊሱ ተወዳዲሩ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምድባዊ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣካይዳ ብጊኒ 2-0 ተሳዒራ፣ ካልእ ትሕዝቶታትን፥ ኣርእስታት ዜና፥ ** ፕረዚደንት ታይዋን ጻይ ኢንግ ወን ፡ ታይዋን ኣብቲ ምስ ቻይና "ትርጉም ኣልቦ" ኢላ እትጽውዖ ዲፕሎማሲ ዶላር ከም ዘይትሳተፍ ገሊጻ ። ** ክኢላታት ከም ዝገልጽዎ ፡ ኣብ ምርጫ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ሰልፊ ጥምረት ክሰዓር ዝገበሮ ዝተፈላለዩ ማሕበራውን ቊጠባውን ጕዳያት ምዃኖም ይገሊጹ ። ** ብምኽንያት ዶፒንግ ወይ ምጥቃም ብሕጊ ዝተኸልከሉ ኣካላዊ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረ ነገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ተላዒሉ።
    55 min
  • ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ብዛዕባ አለክትሮኒካዊ ምትካኽ ወይ ቨፒንግ
    ኣብ ኣውስትራልያ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ናይ ሕክምና ኣካል: ብዛዕባ አለክትሮኒካዊ ምትካኽ ወይ ቨፒንግ ሓያል ስርዓታት ንኽውሰን ይጽውዕ ኣሎ ። እዚ ሓድሽ ጸብጻብ እዚ ነቲ ብኢ-ሽጋራ ዝስዕብ ናይ ጥዕና ሓደጋታት ዘጕልሕ እዩ ። እቲ ምርምር ከም ዝሕብሮ ፡ ን ኣሽቱ መንእሰያት ፡ ነዚ ዘትክኹ ኣብ መወዳእታ ሽጋራ ናይ ምትካኽ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብሰለስተ ዕጽፊ ይዛይድ ።
    5 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners