SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሃ/ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምድባዊ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣካይዳ ብጊኒ 2-0 ተሳዒራ።
    ኣብ ናይ ሎሚ መደብና ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ’ቲ ዓሚ ቅያ ዝሰርሓሉ ቅድድም ኣብ በልጅም ተመሊሱ ተወዳዲሩ፣ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ሳልሳይ ዙር ምድባዊ መጻረዪ ግጥማ ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2023 ኣካይዳ ብጊኒ 2-0 ተሳዒራ፣ ብምኽንያት ዶፒንግ ወይ ምጥቃም ብሕጊ ዝተኸልከሉ ኣካላዊ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረ ነገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ተላዒሉ፣ እቲ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክይረን ትፍጽሞ ዘላ ወራርን ኲናትን ዝተነበረ እገዳ ግን ኣትለቲክስ ዓለም ከምዘለዎ ክቕጽል ደጊፉ ዝብሉ ገለ ትሕዝቶታት ንምልከቶም’ዮም
    8 min
  • ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ምርመራ ገበናት ኲናት ከይካየድ ትገብሮ ዝነበረት ፃዕሪ ከም ተቋርፆ ተገሊፁ።
    ሓዱሽ ፕረዚደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ሰላምም ፀጥታን ንምስፋንን፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ንምኽባር ከም ዝሰርሑ ተዛሪቦም። ኤርትራ:ንፕሮጀክት ፀሓያዊ ፀዓት ደቀምሓረ ዝውዕል ስምምዕ $50 ሚልዮን ተፈሪሙ።
    6 min
  • ኣብ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ወልስ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ሰልፊ ለበር ተዓዊቱ።
    ኣብ ኒው ሳውዝ ወልስ ኣብ ዝተገብረ ናይ ግዝ ኣት ምርጫ ሰልፊ ለበር ኣብ መላእ እታ ብብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኣውስትራሊያ ዝዓበየት ግዝ ኣት ስዒሩ መንግስቲ ከቕውም እዩ። በዚ ውጽ ኢት ብዘይካ ታዝማኒያ ኣብ ፈደራልን ኩለን ግዝ ኣታት ኣውስትራሊያን ብሰልፊ ለበር ክምርሓ ኪኢለን ኣለዋ። ብተወሳኺ እዚ ውጽኢት እዚ ፡ ሰልፊ ለበር ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ን 12 ዓመት ከም ተቓዋሚ ኮይኑ ዝጸንሃሉ ዘበን ዘብቅዓሉ ኮይኑ ኣሎ።
    6 min
  • "ምጽሓፍ መዝገበ ቃላት ከም ልቢወለድ ኣይኮነን፡ ብውልቂ ዘይኮነ ብብዙሓት ዝጸሓፍ ነቲ ዘሎ እናማሓየሽካን እናወሰኽካን ዝቕጽል እዩ።" 2ይ ክፋል ዕላል ምስ ኣቶ ኣርኣያ ካሳ
    ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ኣቶ ኣርኣያ ካሳ። ኣቶ ኣርኣያ ንነዊሕ ዓመታት ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ገይሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሑፋት ዘቕርብ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ትማልን ሎሚን ከመይ ከምዘሎን ንኽምዕብል ዘድልዩ ነገራት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ።
    21 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (23 መጋቢት 2023)
    ሓሙስ 23 መጋቢት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ አቶ ልዑል ፍስሃ - ኣብ ሜልተን ሲቲ፡ ኣብ ደፓርትመንት መንእሰያት ኣማኻሪ ናይ ስራሕ ስልጠና እዩ። እቲ ናቶም ደፓርትመንት ዝህቦ ኣገልግሎት ብፍላይ ብዛዕባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንደለይቲ ስራሕ ኣብ ናይ መዕርፎ ነፈርቲ ስራሕ ክሰርሑ ንዝደልዩ ክፉት ናይ ስራሕ ዕድላት ስፖዝዮም ዝምልከት ሓቢሩ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸጻብ ኣርእስታቶም፥ ባጀት ትግራይ ንምልቃቕ ዝርርብ ተጀሚሩ'ሎ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ተዛሪቡ። ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ዉጉኣት ኲናት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተቓውሞ ኣካይዶም። ምርመራታት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ክቅጽል ኪኢላታት ሕቡራት ሃገራት ፀዊዖም። ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክሲ ኣሜሪካ ነጺገን ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ብዛዕባ ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ዝምልከት ምስ ኣቶ ኣር ኣያ ካሳ ዝተገብረ ቃለመሕትት ክቐርብ እዩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ሓደጋ መኪና ክትፈልጥዎ ዝግብኣኩም ነገራት፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ኣብ መንጎ ኒው ሳውዝ ዌልስ ፕሪመር ሊግ ዶሚኒክ ፐሮትን መራሒ ተቓዋሚ ክሪስ ሚንስን ናይ መወዳእታ ክትዕ ብረቡዕ (22 መጋቢት) ምሸት ቅድሚ እቲ ኣብ ቀዳም ዝካየድ ምርጫ ተኻይዱ ። ** ኣብ መብዛሕትአን ዓበይቲ ከተማታት ፈረንሳ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ይቕጽል ኣሎ ** ኣብ ትግራይ ንዝተፈጸመ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብ ኣመሪካ ዝቐረበ ክሲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነጺገን
    57 min
  • “ቋንቋ ትግርኛ ብስሩዕ ደረጃ ኣይማዕበለን፡ ነናይ ወለዶኡ እዩ ዝዝረበሉን ዝጸሓፈሉን ዘሎ” ኣርኣያ ካሳ
    ኣቶ ኣርኣያ ካሳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ መጽናዕትታት ገይሩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጽሑፋት ዘቕርብ እዩ። ቋንቋ ትግርኛ ትማልን ሎሚን ከመይ ከምዘሎን ንኽምዕብል ዘድልዩ ነገራት ብዝምልከት መብርሂ ሂቡ ኣሎ። ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ።
    14 min
  • ኤርትራን ኢትዮጵያን ንክሲ ኣሜሪካ ነጺገን። (ጸብጻብ)
    ባጀት ትግራይ ንምልቃቕ ዝርርብ ተጀሚሩ'ሎ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ተዛሪቡ። ልኡኽ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ። ዉጉኣት ኲናት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ተቓውሞ ኣካይዶም። ምርመራታት መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኢትዮጵያ ክቅጽል ኪኢላታት ሕቡራት ሃገራት ፀዊዖም።
    8 min
  • "ኣብዚ እዋን ብዙሕ ናይ ሰራሕተኛታት ሕጽረት ኣሎ። ናባና መጺኦም ሓገዝ ንዝሓቱ ስራሕ ንኽረኽቡ ንሕግዞም ኢና።" ኣቶ ልኡል ፍስሃ
    አቶ ልዑል ፍስሃ - ኣብ ሜልተን ሲቲ፡ ኣብ ደፓርትመንት መንእሰያት ኣማኻሪ ናይ ስራሕ ስልጠና እዩ። እቲ ናቶም ደፓርትመንት ዝህቦ ኣገልግሎት ብፍላይ ብዛዕባ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንደለይቲ ስራሕ ኣብ ናይ መዕርፎ ነፈርቲ ስራሕ ክሰርሑ ንዝደልዩ ክፉት ናይ ስራሕ ዕድላት ስፖዝዮም ዝምልከት ሓቢሩ ኣሎ።
    12 min
  • ኣብ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ሓደጋ መኪና ክትፈልጥዎ ዝግብኣኩም ነገራት፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ።
    ዝኾነ ሰብ ዋላ ኣይጕዳእ ኣብ ማኪና ወይ ኣብ ንብረት ዝወርድ ጕድኣት እውን ቀሊል እንተዀነ: ምግጫው ናይ ሞተር ማኪና ምስ ዘጋጥም ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ። ኣብ ኣውስትራሊያ ዓቢ ወይ ንእሽቶ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙካ እንተኾይኑ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ፤ ብኸመይ ሓገዝ ክትሓትት ከምትኽእል ፤ ከምኡ "ውን ተጋገ ኣይትጋገ መሰልካ እንታይ ከምዝኾነ ኣብዚ ትሕዝቶ ተገሊጹ ኣሎ ።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (20 መጋቢት 2023)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 20 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ብ 12 መጋቢት 2023፡ ኣብ ከተማ መልበርን ጽምብል መበል 13 ዓመታዊ ሽልማት ዓዋተ ምሩቓት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ተኻይዱ ኔሩ። ብተወሳኺ ምሽላም ኣብ ማሕበረሰብ ኤርራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ተገይሩ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ኩነታት ተመሃሮን ተራ እዚ ስነስርዓት ምሽላምን ወለዲን፡ ምስ ኣተሓባባሪ ዓዋተ ሽልማት መምህር ኣልኣሚን ዓብደላን ከምኡ’ውን ዶ/ር ሳላሕ ጅምዕን ዝገበርናዮ ዕላል ኣለና። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክኽፈታ ምዃነን ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ። ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኩናት ዝዓነወ ከባቢታት ዳግም ህንፀት ንምክያድ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ተሓቲቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዓመት ነዳዲ ንምዕዳግ ዝውዕክ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ገሊጹ። ብልጽግና ኢትዮጵያ ጸገም ስርቂ ኣጋጢምዋ ምህላዉ ኣፍሊጡ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ትሕዝቶታትን፥ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሚኒስተር ምክልኻል ኣውስትራሊያ ኣምሳያ ናይቲ ኣውስትራሊያ ዝገበረቶ ስምምዕ ምህናጽ ናይ ኑክሌር ሳብማሪን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናብ ኲናት ንምኻድ ዋላሓንቲ ቃል ኣይኣተወትን ክብል ገሊጹ፡ ** ኒዮ ናዚዝም ንምክልኻል ተወሳኺ ስጉምቲ ከምዝወስድ መንግስቲ ቪክቶሪያ ኣፍሊጡ። ** ኣርሰናል ንክሪስታል ፓላስ 4ብ1 ብምስዓር ኣብ መሳልል ፕሪመር ሊግ ቦታኣ ከተደልድል ክኢላ ኣላ።
    54 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners