SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ጀማል ይመር ኣብ ማራቶን ሎስ ኣንጀለስ ተዓዊቱ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኒው ካስትል ዩናይትድ ናብ ሻምፒዮንስ ሊግ ትሓልፈሉ ዕድላት ኣለምሊሙ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (20/03/2023) * ኣብ ክላሲካዊ ቅድድማት ብሽግለታ ሚላኖ ቢንያም ግርማይ ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቡ፣ * ዳዊት የማነ ንጉስ ዓቐበት ቅድድም ብሽግለታ ኣልጀርያ ብምዃን ተሳትፎኡ ዛዚሙ፣ ንጽባሒቱ ኣብ ዝተኻየደ ቅ/ብ ግራንድ ፕሪ ደል ኣቪል ድ’ኣልጀር ከኣ ሜሮን ተሾመ ካልኣይ ብምውጻእ ዝድነቕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ፣ * ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ንእተካይዶም ድርብ መጻረዪ ግጥማት ኣፍኮን ምድላዋታ ተጻፍፍ፣ ቀንዲ ኣጥቃዓያ ኣቡቡከር ናስር ግን ኣብ እግሩ መጉዳእቲ ኣጋጢምዎ ካብ ካምፕ ተሰናቢቱ፣ * ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ግጥም ፕሪምየር ሊግ ጋንትኡ ክልተ ሽቶታት ኣመዝጊቡ ምረሽኣ ናብ ምሕላፍ ንሻምፒዮንስ ሊግ ድፍኢት ይውስኸሉ፣
    9 min
  • “ብዝተፈላለየ ሞያ ዝተመረቑ መንእሰያት ኤርትራዊያን መርበብ (ኔት ዎርክ) ፈጢሮም ክትሓጋገዝሉ ዝኽእሉ ባይታ ንምፍጣር ንሰርሕ ኣለና።”
    ብ 12 መጋቢት 2023፡ ኣብ ከተማ መልበርን ጽምብል መበል 13 ዓመታዊ ሽልማት ዓዋተ ምሩቓት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃን ዩኒቨርሲቲን ተኻይዱ ኔሩ። ብተወሳኺ ምሽላም ኣብ ማሕበረሰብ ኤርራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ኣበርክቶ ዝገበሩ ሰባት ተገይሩ። ነዚ ኣመልኪትና ብዛዕባ ኩነታት ተመሃሮን ተራ እዚ ስነስርዓት ምሽላምን ወለዲን፡ ምስ ኣተሓባባሪ ዓዋተ ሽልማት መምህር ኣልኣሚን ዓብደላን ከምኡ’ውን ዶ/ር ሳላሕ ጅምዕን ዝገበርናዮ ዕላል።
    15 min
  • ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክኽፈታ ምዃነን ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ።
    ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ዝተዓጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክኽፈታ ምዃነን ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ። ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ትግራይ ሃይለሚካኤል ገሰሰ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ። ኩናት ዝዓነወ ከባቢታት ዳግም ህንፀት ንምክያድ ልዕሊ 20 ቢልዮን ዶላር ዓለም ለኻዊ ሓገዝ ተሓቲቱ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዓመት ነዳዲ ንምዕዳግ ዝውዕክ ኣርባዕተ ቢልዮን ዶላር ከምዘድልዮ ገሊጹ። ብልጽግና ኢትዮጵያ ጸገም ስርቂ ኣጋጢምዋ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
    7 min
  • ፑቲን ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበናት ኣዚዙ፡ ክዉን ዶ ይኸውን?
    ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት (I-C-C.)፡ ኣብ ዩክረይን ገበናት ኲናት ፈጺሙ ብዝብል ክሲ ንናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተታሒዙ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ ። እቲ ናይ ምትሓዝ ትእዛዝ ፡ ሚስተር ፑቲን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ዩክረይን ናብ ሩስያ ሰባት ምግዓዝን ቘልዑ ብሓይሊ ወሲድካ ኣብ መዕበዪ ማእከላት ምእታውን ይኸስስ ። መንግስቲ ክርምሊን ብቐጻሊ ንዅሉ እቲ ገበናት ውግእ ከም ዝኽሕዶን ፡ ንኣሰራርሓ ኣይ-ሲ-ሲ ከም ዘየኽብር እውን ገሊጹ።
    8 min
  • ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መጋቢት 2023)
    ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 16 መጋቢት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣቶ ኣርኣያ ካሳ፡ ን “ምምዕባል ትግርኛ” ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት እናቕረበ ዘስተምህር እዩ። ነዚ ኣመልኪትና፡ ብዛዕባ ኣብዚ እዋን ቋንቋ ትግርኛ በጺሕዎ ዘሎ ምዕባለን፡ እቲ ቋንቋ ዝለዎ ጸገማትን ሓሳቡ ኣካፊሉና ኣሎ፡ ቀዳማይ ክፋሉ ከነቕርቦ ኢና። ብዘይካዚ፡ ንጾመ ኣርብዓ ኣመልኪትና ምስ ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ግፍዕታት ኲናት ትግራይ ተሓታትነት ክህልዎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቲቱ መንግስቲ ንምዕላው ምንቅስቓስ ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪባ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሰብ መዚ ሱዳንን ሶማልን ተራኺቡ። ጋዜጠኛታት ድምጺ ወያነ ብብዝሒ ስርሖም ይገድፉ ኣለዉ ተባሂሉ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ናብ ቤት ፍርዲ ከይከድካ ብኸመይ ፍትሕ ይካየድ ዝብል ክኸውን እዩ ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ሚኒስተር ምክልኻል ሪቻርድ ማርለስ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ፖል ኬቲንግ ብዛዕባ እቲ ኣውስትራልያ ዝገበረቶ ስምምዕ AUKUS ሳብማሪን ዝሃቦ ነቐፌታ ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ጸጥታ ዘለዎ ምትእምማን ኣየነቓነቖን’ዩ ኢሉ። ** ወናኒ ፈይስቡክን ኢንስታግራም ሜታን ኣብዚ ዓመት እዚ ተወሳኺ 10,000 ሰርኣሕተኛታት ከም ዘባርር ገሊጹ። ** ኣብ ማላዊ ፡ ብሰንኪ ህቦብላ ንፋስ ትሮፒካዊ ህቦብላ 190 ሰባት ሞይቶም።
    57 min
  • ግፍዕታት ኲናት ትግራይ ተሓታትነት ክህልዎ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቲቱ። (ጸብጻብ)
    መንግስቲ ንምዕላው ምንቅስቓስ ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ተዛሪባ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ሰብ መዚ ሱዳንን ሶማልን ተራኺቡ። ጋዜጠኛታት ድምጺ ወያነ ብብዝሒ ስርሖም ይገድፉ ኣለዉ ተባሂሉ።
    9 min
  • ፍትሕ ካብ ብቤት ፍርዲ ብሽምግልና ክካየድ ይምረጽ።
    ፍትሕ ሓደ ካብቲ ሰባት ኣብ ህይወቶም ኽወስድዎ ዝኽእሉ ውጥረት ዝመልኦ ምስግጋር ናይ ህይወት እዩ ። ናብ ቤት-ፍርዲ ንኽትከዱ ልዑል ናይ ገንዘብን ስምዒታውን ወጻኢታት ስለዘስዕብ ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ሕጋዊ ስርዓት ቅድሚ ናብ ሕጋዊ መስርሕ ምእታው ፡ብስድራቤታዊ ዕርቂን ሽምግልናን ንዘይምርድዳእ ክፈትሑ ክፍትኑ የተባብዕ።
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 መጋቢት 2023)
    ናይ ሎሚ ሰኑይ 13 መጋቢት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ እዚ ወርሒ ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ ናይ ኦርቶዶክስ ኣመንቲ ኣብ ጾመ ኣርብዓ ዘለዉሉ ግዜ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ዝግበር ዘሎ ጾምን ምእመናን ዝምልከት: ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ሃመረ ኖህ ኪዳነ ምህረት ኣደልይድ ቆሞስ ኣባ ዪሃንስ ከበደ መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ "ገዚፍ ሃብቲ ኤርትራ ኣብ ኢድ ጓሶት'ዩ።" ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዛሪቡ። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እዩ። ልዕሊ 300 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ተሃድሶን ምጥያስን ከም ዝሳተፉ ተገሊጹ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካልእ ትሕዝቶታትንውን ኣለዉ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ለበር ኒው ሳውዝ ዌልስ ኣብቲ ዝግበር ምርጫ እንተተዓዊቱ ካብቲ ኣብ ክፍሊታት ኤለክትሪክ ንንኣሽቱ ትካላትን ስድራ-ቤታትን ሓገዝ ንምግባር መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ ። ** ዓርሞሸሽ ኩባንያ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ኣራምኮ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 244.9 ቢልዮን ዶላር መኽሰብ ከም ዝረኸበ ጸብጻባት ሓቢሮም ። ** ፕረሲደንት ናይ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብ ኣርባዕተ ክፋላት ዝተዘርግሐ ዝሃቦ ሰፊሕ ናይ ወጻኢን ዉሽጢ ሃገርን ትንታነ፡ ሓይልታት ምክልኻል ከም ቀንዲ ሕመረት ህዝቢ ካብ ዓዲ ብዞባን ንኡስ ዞባን ተወዲቡ ኣብቲ ዝግበር ስራሓት ህዝቢ ክሳተፍ ጸዊዑ።
    57 min
  • “ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናተቐራረብና ፍቕርን ሓድነትን ኣቐዲምና ክንጸውም ኣለና።” ቆሞስ ኣባ ዮሃንስ ከበደ፡ ኣመሓዳሪ ቤ/ክ ሃመረ ኖህ ኪዳነ ምህረት ኣደላይድ
    ኣብዚ ወርሒ ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ ናይ ኦርቶዶክስ ኣመንቲ ኣብ ጾመ ኣርብዓ ዘለዉሉ ግዜ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ዝግበር ዘሎ ጾምን ምእመናን ዝምልከት: ኣመሓዳሪ ቤተ ክርስትያን ሃመረ ኖህ ኪዳነ ምህረት ኣደልይድ ቆሞስ ኣባ ዪሃንስ ከበደ መብርሂ ሂቦሙና ኣለዉ።
    23 min
  • ምፍጣጥ ቢቢሲን ጋሪ ሊነከርን፣ ዓወት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ስፐይንን ውዕሎ ኤርትራውያን ተቕዳደምቲ ኣብ ኣልጀርያን
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (12/03/2023) * ኢትዮጵያዊ ኣትሌት በሪሁ ኣረጋዊ ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ 10 ኪሜ ‘ቪላ ደ ላሬዶ’ ተዓዊቱ፣ * ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዉበቱ ኣባተ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ወይ ኣፍኮን 2023 ንምሕላፍ ኣንጻር ጊኒ ኣብ ዝካየዱ ድርብ መጻረዪ ግጥማት ዘድልይዎ ናይ መወዳእታ 23 ተጻወቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጡ፣ * ዓለምለኻዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኣልጀርያ ዝሓለፈ ሰሉስ ተጀሚሩ፣ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲን ጋንታ ኤርትራን ዘዕግብ ምንቅስቓስ የርእዩ፣ * ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝን ፈነወታት ግጥማቱ ናብ መላእ ዓለምን ሓደ ካብ’ቶም ኣብ መደበር ቴሌቪዥን ቢቢሲን ኩዕሶ እግሪ ዓለምን ፍሉጣትን ጸለውትን ዝኾነ ጋሪ ሊነከር ንኣተሓሕዛን ፖሊሲን መንግስቲ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ’ቶም ባሕሪ ሰጊሮም ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ዝኣትዉ ሓተትቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ብዝምልከት ዝነቅፍ ርእይቶ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ቅልውላው ኣትዮም ይርከቡ፣
    14 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners