SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • "ገዚፍ ሃብቲ ኤርትራ ኣብ ኢድ ጓሶት'ዩ።" ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተዛሪቡ።
    ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ኢትዮጵያ ክገይሽ እዩ። ልዕሊ 300 ሽሕ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ተሃድሶን ምጥያስን ከም ዝሳተፉ ተገሊጹ። ክፍሊ ሓበሬታ ሕብረት ኣፍሪቃ መጥቃዕቲ ሳይበር ከም ዝገጠሞ ተሰሚዑ።
    7 min
  • “ኩሉ ሰብ ኣፍራዛን ባዴላን ብሓደ ኢድ፡ ጠበንጃኡ’ኸኣ ተሓንጊጡ ክኸይድ ኣለዎ።” ፕ/ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
    ፕረሲደንት ናይ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ብ ኣርባዕተ ክፋላት ዝተዘርግሐ ዝሃቦ ሰፊሕ ናይ ወጻኢን ዉሽጢ ሃገርን ትንታነ፡ ሓይልታት ምክልኻል ከም ቀንዲ ሕመረት ህዝቢ ካብ ዓዲ ብዞባን ንኡስ ዞባን ተወዲቡ ኣብቲ ዝግበር ስራሓት ህዝቢ ክሳተፍ ጸዊዑ። ኩሉ ኣብ ወጻኢን ኣብ ዉሽጢን ዝነብር ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሓልታት ምክልኻል ክስለፍ ጸዊዑ።
    3 min
  • ብዝሒ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንመንግስታት ሕብረት ኣውሮጳ የሻቕል
    ሃገራት ኅብረት ኤውሮጳ ፡ ነቲ ቅድሚ'ዚ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ብዝሒ ስደተኛታትን ፡ ብዛዕባ መፍትሒኡን ይመያየጠሉ ኣሎ። ቤልጅየም ፡ እታ ሃገር ነቲ "ቅልውላው ፍልሰት" ኢላ ዝሰመየቶ ኣጋጢምዋ ንዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ፡ መደብ ናይ ሓታቲ ዑቕባ ዓቕማ ከም ተስፍሖ ኣፍሊጣ ኣላ ። ... ጸብጻብ
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 መጋቢት 2023)
    ኣብ ናይ ሎሚ ሓሙስ 9 መጋቢት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣቶ ግርማይ ገብረመድህን ኣብ ኲንስላንድ ምስ ማልቲካልቹራል ኣውስትራሊያ ንሓደስቲ መጻእቲ ኣብ መስርሕ ምጥያስ ሓገዝ ዝገብር እዩ። ብፍላይ ንመንእሰያት ኣብ ትምህርትን ስራሕን ዘጋጥም ብድሆን ዘሎ ዕድላትን ዝምልከት ምሳና ጻኒሒት ጌሩ ኣሎ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ዝሓዘ እዩ። ክሳብ 2022 ልዕሊ 290 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከም ዘምርሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ። ኢትዮጵያ 500 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሃገራት ዓረብ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ። ቤት ምኽሪ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገበሮ ዕፅዋ ክእለ ሓቲቱ። ኣብ መዓልቲ ደቀንስትዮ ትግራይ: ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር ናብ ምሻጥ ኣትክልቲ ዝኣተወት ጓልኣንስተይቲ ፀላዊት ኰይና። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፥ ጣዕሳን ጓህን ከይመጸ ድሕነትካ ሓሉ፡ ባርዕ ኣብ ገዛ ከመይ ትከላኸሎ ዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነሰ ኣብ ሕንዲ ገይሹ። ** ኣብ ፐርዝ ዝነብሩ ስድራቤት ወዶም ዳውን ሲንድሮም ሒዙ ስለ ዝተወልደ ፡ ናይ ምጥራዝ ሓደጋ ዘጋጠሞም ፡ ብውልቃዊ ዉሳነ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ናይ ቀዋሚ ነባርነት ቪሳ ተዋሂብዎም ኣሎ ። ** "ኣብ ኤርትራ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ትሕቲ ምሉእ ብምሉእ ጥሕሰት ሕጊ ኣጸጋሚ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።" ክብል ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
    55 min
  • ክሳብ 2022 ልዕሊ 290 ሽሕ ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከም ዘምርሑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
    ተወሳኺ ጸብጻብ፥ ቤት ምኽሪ መራኸቢ ሓፋሽ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝገበሮ ዕፅዋ ክእለ ሓቲቱ። ኣብ መዓልቲ ደቀንስትዮ ትግራይ: ካብ ናይ ዩኒቨርሲቲ መምህር ናብ ምሻጥ ኣትክልቲ ዝኣተወት ጓልኣንስተይቲ ፀላዊት ኰይና። ኢትዮጵያ 500 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሃገራት ዓረብ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጣ።
    8 min
  • ዕድላት ትምህርቲን ስራሕን ንመንእሰያት፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ግርማይ ገብረመድህን
    ኣቶ ግርማይ ገብረመድህን ኣብ ኲንስላንድ ምስ ማልቲካልቹራል ኣውስትራሊያ ንሓደስቲ መጻእቲ ኣብ መስርሕ ምጥያስ ሓገዝ ዝገብር እዩ። ብፍላይ ንመንእሰያት ኣብ ትምህርትን ስራሕን ዘጋጥም ብድሆን ዘሎ ዕድላትን ገሊጹ ኣሎ።
    16 min
  • እንግሊዝ: ብጃላቡ ንዝኣትዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ወይ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክትጥርዝ ምዃና ኣፍሊጣ።
    ካብ ቀንዲ መሬት ኤውሮጳ ተበጊሶም ብ ጀላቡ ኣቢሎም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ዓዶም ወይ ናብ ካልእ ሃገር ክምለሱ ምዃኖም መንግስቱ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሪሺ ሱናክ ኣፍሊጡ ። እቲ ስጉምቲ - ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓዲ-እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታት ናይ ሓሙሽተ ሚእቲሚእታዊ ምውሳኽ ቁጽሪ ስደተኛታት - ንጹር ዝኾነ ነቲ ናይ ኣህጉራዊ ዉዕል ስደተኛታት ዝጠሓሰ ምዃኑ ምስተፈልጠ እዩ ።
    6 min
  • ጣዕሳን ጓህን ከይመጸ ድሕነትካ ሓሉ፡ ባርዕ ኣብ ገዛ ከመይ ትከላኸሎ
    ናይ ገዛ ሓዊ ድሕንነት ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓደጋ እንተዘይተፈጺሙ ብዙሕ ግዜ እንዛረበሉ ጉዳይ ኣይኮነን ። ንስድራ ቤትካ ካብ ሓደጋ ምእንቲ ኸተምልጦም ፡ ውሑሳት ምዃንን ኣብ ቤትካ ንዚልዓል ሓዊ ንምውጋድ ዘድሊ ጥንቃቐ ምግባርን ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ።
    11 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 መጋቢት 2023)
    ናይ ሰኑይ 06 መጋቢት 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ኣርእስታት ጸብጻብ፥ "ዕደና ዝበሃል : ብዙሕ ዝተጠቐምናሉ የሎን” ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ገሊጹ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 28 ኣባላት ካቢነ ዝሓዘ ክኽዉን ተወሲኑ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድን ኣብ 5ይ ጉባኤ ትካል ዉድብ ሕቡራት መንግስታት ንምስታፍ ኳታር ዶሃ ኣትዩ። ሓይልታት ሩስያ ነታ ኣብ ዩክረይን እትርከብ ምብራቓዊት ከተማ ባክሙት ብምኽባብ፡ ነታ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ዞባ ዶንባስ ንምሓዝ ከም ቀንዲ ዕላማ ገይሮም ይደፍኡ ኣለዉ ። እቲ ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ነቲ ቻይና ምስ ሩስያ ዘለዋ ርክብ ከም ዘተሓሳሰበን ብምግላጽ ፡ በይጂንግ ናብ ሞስኮ ኣጽዋር ከይትልእኽ ተማሕጺነን ኣለዋ ። ነዚ ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣለና። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፡ ምስ ጸሓፊ ታሪኽ ግርማይ ገብረጻድቕ ብዛዕባ ዓወት ዓድዋ ዝጀመርናዮ ካላኣይ ክፋልን ናይ መወዳእታን ከነቕርብ ኢና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊን ካልእ ትሕዝቶን ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብ ኣውስትራልያ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተወሳኺ ልዕሊ 20,000 ዝሞቱ ሰባት ተመዝጊቡ ኣሎ ፣ ዝዓብየ ጠንቂ ናይዚ ሞት ድማ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 እዩ ተባሂሉ። ** ንባክሙት ዝከላኸሉ ዘለዉ ሓይልታት ዩክረይን ፡ ካብ ሓይልታት ሩስያ ሓያል ጸቕጢ ይወርዶም ከምዘሎ ተፈሊጡ ። ** ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ዝተኻየዱ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሴናል መሪሕነታ ክትዕቅብ እንከላ ሊቨርፑል ከኣ ንማንቸስተር ዩናይትድ 7-0 ስዒራታ፣
    57 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,863 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners