SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ናብ ጥልያን ክትሰግር ካብ ዝጠሓለት መርከብ 59 ስደተኛታት ሞይቶም
    ካብ ሓንቲ ዝጠሓለት መርከብ ብዙሓት ስደተኛታት ድሕሪ ምሟቶም: ፖሊስ ኢጣልያ ነቲ ሰባት ናብዚ ኩነታት ዘእቱ ዘሎ ናይ መሰጋገሪ መርበብ ዝሳተፉ ጥርጡራት ይምርምርዎም ኣለዉ ። እታ ብዕንጨይቲ እተሰርሐት ጃልባ ኣብ ኣኻውሕ ዝበዝሖ ባሕሪ ወዲቓ ብምሕምሻሻ ፡ ኣብ ደቡባዊ ገማግም ኢጣልያ ኣብኣ ተጻዒኖም ዝነበሩ እንተ ወሓደ 59 ሰባት ሞይቶም ።
    6 min
  • ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዓዋቲ ዙር ሩዋንዳ ኮይኑ፡ ጉዳፍ ጸጋይ ክብረወሰን ገንዘበ ዲባባ ንቕሩብ ኣምሊጣታ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት * ዙር ሩዋንዳ 2023 ብዓወት ሄኖክ ምሉእብርሃን ተዛዚሙ፡ * ጉዳፍ ጸጋይ ገንዘበ ዲባባ ትውንና ክብረወሰን ክትሰብራ ፈቲና ብቑሩብ ኣምሊጣታ፡ * ኣብ ኦሎምፒክስ መልበርን 1956 ሰንደቕ ዕላማ ሃገሩ ብኽብሪ ተሰኪሙ ዝኣተወ ተቐዳዳማይ ገረመው ደንቦባ ዓሪፉ፡
    13 min
  • ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን
    ሩስያ ንዩክረይን ዝወርረትላ ቀዳመይቲ ዓመት ኣብዝዝከረሉ፡ ህዝቢ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ምስ ዩክረይን ኣጋርነቱ ብምርኣይ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዘኪሩ ። ነቲ ኲናት ዝቃወሙ ንሰላም ዝሓትት ሰልፊታት ኣብ ሓያሎ ከተማታት ክውሕዙ ተራእዮም ፣ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣብ ዝርከባ ከተማታት ዝርከብ ታሪኻዊ ቦታታት ድማ ብጫን ሰማያውን ሕብሪ ኣንጸባሪቖም ።
    11 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ለካቲት 2023)
    ሓሙስ 23 ለካቲት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ዩጋንዳ ‘ማሕበር ስነ ጥበባውያን ኤርትራውያን ስደተኛታት’ ተመስሪታ። ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ፋብሪካ ስሚንቶ ተጣይሹ። ብካልእ ዜና ፋብሪካ ልስሉስ መስተ ሞሃ ጨንፈር መቐለ ናብ ስራሕ ተመሊሱ። ምምሕዳር ኣሜሪካ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝዕንቅፅ ፅኑዕ እማመ ኣቕሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ማይጽምኢ ዘበገሶ ኣድማ ቀፂሉ። ኣብ ሶማሊላንድ ብዝተወልዐ ጐንጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርናዮ “ግብረ ሰዶምነት፡ ናይዚ ዘመንዚ ሞራላዊ ትንግርቲ” ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ዳዊት ዘወልዲ ዝገበርናዮን ምስ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝወሃብ ክቡር ስልማት "James Beard Award" ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ዘላ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣልጋነሽ ዘካፈለትና ተሞክሮኣ መቐጸልታ ክቐርብ እዩ። ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ስልጠና ቀዳማይ ረዲኤት ኣበይ ትረክብ? ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ላዕለዋይ ዲፕሎማት ቻይና ዋንግ ዪ [ዎንግ ዩ] ኣብ ሞስኮ ምስ ናይ ሩስያ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ተራኺቡ ። ** እቲ ናይ 'እወ ጎስጓስ' ን ድምጺ ደቀባት ናብ ፓርላማ ፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ምድንጓይን ክትዕን ሎሚ ሓሙስ 23) ጀሚሩ ። ** ግዝያዊ ምምሕዳር ሉአላዊ ግዝአት ትግራይ ዘኽብርን ዝምልስን ክኸውን ይስራሕ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
    57 min
  • ግዝያዊ ምምሕዳር ሉአላዊ ግዝአት ትግራይ ዘኽብርን ዝምልስን ክኸውን ይስራሕ ከም ዘሎ ተገሊጹ።
    ኣብ ዩጋንዳ ‘ማሕበር ስነ ጥበባውያን ኤርትራውያን ስደተኛታት’ ተመስሪታ። ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ፋብሪካ ስሚንቶ ተጣይሹ። ብካልእ ዜና ፋብሪካ ልስሉስ መስተ ሞሃ ጨንፈር መቐለ ናብ ስራሕ ተመሊሱ። ምምሕዳር ኣሜሪካ ንሓተትቲ ዑቕባ ዝዕንቅፅ ፅኑዕ እማመ ኣቕሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ ማይፅምኢ ዘበገሶ ኣድማ ቀፂሉ። ኣብ ሶማሊላንድ ብዝተወልዐ ጐንጺ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም።
    10 min
  • ፍጥጥ ኣመሪካን ራሻን ክሳብ ምውጣጥ ዉዕል ኣጽዋር ኑክሌስ።
    ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ዝወረረትሉ ቀዳመይቲ ዓመት ቅድሚ ምዝካሩ ፡ ክልተ መዓልቲ ኣቐዲሙ ኣብ ዋርሶ ፡ ፖላንድ ተረኺቡ ። ኣብኡ ድማ ምስ ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንደርዘጅ ዱዳ ተራኺቡ ፣ ክልቲኦም መራሕቲ ከኣ ነታ ኣብ ኲናት ትርከብ ሃገር ቀጻሊ ደገፎም ገለጹ ። እዚ ዝመጸ ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ፡ ሞስኮ ኣብቲ New START treaty ዝበሃል እቲ ናይ መወዳእታ ተሪፉ ዘሎ ዉዕል ምቍጽጻር ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዘደስከሎ ኣብዘፍለጠሉ እዩ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ለካቲት 2023)
    ናይ ሰኑይ 20 ለካቲት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና፥ ወ/ሮ ኣልጋነሽ ሚካኤል ነቲ ናይ መግቢ ምቕራብ ስራሕ (catering) ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እያ ጀሚራቶ ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ፡ እታ ቤት መግቢ ዘይብላ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣልጋነሽ ፡ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝወሃብ ክቡር ስልማት "James Beard Award" ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ኣላ። ተሞክሮኣ ኣካፊላትና ኣላ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ሕብረት ኣፍሪካ ንልእኽቲ እስራኤል ኣባሪሩ። ኤርትራ ካብ ኣኼባ ነጻ ንግዲ ኣፍሪቃ ቦኺራ። "ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን 200 ኪ.ሜ ኣትዮምና" ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወፍሪ ጀኖሳይድ ተኻይዱ እዩ።" ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ትግራይ ሰሜን ኮርያ ብ ቀዳም ናብ ገማግም ባሕሪ ጃፓን ዘወንጨፈቶ ነዊሕ ርሕቀት ዝጐዓዝ ሚሳይል ስዒቡ፡ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ውግእ ንስርዓት ፕዮንግያን ናብ ካልእ ቅዝፈት ዘምርሕ ስጉምቲ ከምርሕ ከየተባብዖ ስግኣት ፈጢሩ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ዝመጸ ፡ካብ ደቡብ ኮርያ ኮይኑ፡ መንግስቲ ጃፓን ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን ንማሕበረ ሰብ ዓለም ኣስጋኢ ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ ኣሎ ። ነዚ ዝምልከት ዜናዊ ትንታነ ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ዜናታት ስፖርት፥ * ሻምፒዮናታት ጉያ እግሪ መሮር ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ'ዚ ኣብ ባተርስት፡ ኣውስትራልያ፡ ተኻይዶም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብኽልቲኡ ጾታታት ብሩር መዳልያ ተዓዊቶም፣ ለተሰንበት ግደይ ግን ምሉእ መዓልቲ ክትመርሕ ውዒላ ኣብ ጥቓ መዛዘሚ መስመር ወዲቓ ክትስእ እንከላ ሰብ ስለዝሓገዛ ውጽኢት ከየመዝገበት * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ'ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጋና ዝተዛዘመ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽግለታ መንገዲ ኣፍሪቃ 2023 ተዓዊቱ ፣ ኣርእስታት ዜና፥ ** ናይ ኒው ሳውዝ ዌልስ ሰልፊ ለበር ኣብታ ግዝኣት ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ መመንጨዊ ጸዓት ምጥቃም ከተባብዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ። ** ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ በይጂንግ ናብ ሞስኮ ኣጽዋር ክትልእኽ ምምዳባ ከምዘተሓሳስቦ ገሊጹ ። ** ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ደቡብ ኣውስትራሊያ ንዝርከባ ክፋላት ንኣደላይድ ሓዊስካ ናይ ብርቱዕ ማዕበል ሙቐት መጠንቀቕታ ኣሎ ።
    54 min
  • ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዞባዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ዕውት ክኸውን ንምድጋፍ ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ።
    ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዞባዊ ናፃ ንግዲ ኣፍሪካ ዕውት ክኸውን ንምድጋፍ ድልዊ ምዃኑ ገሊጹ። ኤርትራ ካብዚ ኣኼባ ነጻ ዞባዊ ንግዲ ኣፍሪቃ ከም ዝቦኸረት ተሓቢሩ ኣሎ። "ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወፍሪ ጀኖሳይድ ተኻይዱ እዩ።" ክብል ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ትግራይ ገሊጹ። ተቓወምቲ ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ኣብ ውክልና ጊዝያዊ መንግስቲ ተቓውሞ ኣስሚዖም። "ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን 200 ኪ.ሜ ኣትዮምና" ክብሉ ኣባላት ፓርላማ ኢትዮጵያ ከሲሶም። ሕብረት ኣፍሪካ ንልእኽቲ እስራኤል ኣኼብኡ ኣባሪሩ
    10 min
  • ብደረጃ ኣመሪካ ንኽትሽለም ተሓጽያ ዘላ ከሻኒት ኣልጋነሽ ሚካኤልን ትሰርሖ ስራሕን።
    ወ/ሮ ኣልጋነሽ ሚካኤል ነቲ ናይ መግቢ ምቕራብ ስራሕ (catering) ፡ ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 እያ ጀሚራቶ ። ንሳ ናይ ሓበሻ መግቢ ብመልክዕ pop-up ን ናይ ምኽሻን ትምህርቲ ንሓያሎ ዓመታት ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ፡ እታ ቤት መግቢ ዘይብላ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ኣልጋነሽ ፡ ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝወሃብ ክቡር ስልማት "James Beard Award" ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣመሪካ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ ኣላ። ተሞክሮኣ ኣካፊላትና ኣላ።
    19 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,863 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners