SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 ሚያዝያ 2023)
    ሓሙስ 20 ሚያዝያ 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣብ ከተማ መልበርን ፈደራላዊን ግዝኣታውን ሚኒስተራት ዝተረኽብሉ ናይ ሓባር (ብዝሐ ባህላዊ) መደብ ኢፍጣር ረመዳን ቀዳም (15/04/2023) ተኻይዱ ነይሩ። ልኡኽና ዝሰደልና ጸብጻብ፥ ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዘንበረቶ እገዳ፣ ኣህጉራዊ ንግዲ ዕንቅፋት ፈጢሩ። ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ዝተቛረጸ መኣዲ ትምህርቲ ትግራይ ዝመጽእ ሰሙን ክጅመር ዩ። መንግስቲ ፌደራል ከመሓድረን ዝፀንሐ ክልተ ዞባታት ትግራይ ንግዝያዊ መንግስቲ ኣረኪቡ። ሳልሳይ ዙርያ ምርካብ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጕጅለ 7 ንከይዲ ሰላም ኢትዮጵያ ንኢዶም። ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ10 ዓመታት ተኣሲሩ ዝፀንሐ ፓስተር ዓሪፉ ውን መቓብር ስኢኑ ተባሂሉ። ን ኩነታት ሱዳን ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ንጾታዊ ርክብ ፍቓደኛ ምዃን ብኸመይ ይረጋገጽ? ፡ ዝሓዘ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ። ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ትማሊ ዝዓረፈ ብገዛእ ርእሱ 'ህቡብ' ፡ ፋዘር ቦብ [muh-G'WIRE 'ናይ ማሕበራዊ ፍትሒ ተዋጋኢ' ን 'ናይ ህዝቢ ቀሺ' ን ይዝከር ኣሎ ። ** ፖለቲካውያን መራሕቲ: ካብ ጃምላዊ ቅትለት ዝደሓኑ ሰባትን ዘርኦምን መበል 80 ዓመት ንምዝካር ኣብ ዋርሶ ጌቶ ኡፕዚንግ ተኣኪቦም ። ** ጃፓን ድማ ዜጋታታ ካብ ሱዳን ከተውጽኦም ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።
    1 hr
  • ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ10 ዓመታት ተኣሲሩ ዝፀንሐ ፓስተር ዓሪፉ ውን መቓብር ስኢኑ ተባሂሉ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደልና ጸብጻብ:- ኣመሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብዘንበረቶ እገዳ፣ ኣህጉራዊ ንግዲ ዕንቅፋት ፈጢሩ። ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመት ዝተቛረጸ መኣዲ ትምህርቲ ትግራይ ዝመጽእ ሰሙን ክጅመር ዩ። መንግስቲ ፌደራል ከመሓድረን ዝፀንሐ ክልተ ዞባታት ትግራይ ንግዝያዊ መንግስቲ ኣረኪቡ። ሳልሳይ ዙርያ ምርካብ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ጕጅለ 7 ንከይዲ ሰላም ኢትዮጵያ ንኢዶም። ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ10 ዓመታት ተኣሲሩ ዝፀንሐ ፓስተር ዓሪፉ ውን መቓብር ስኢኑ ተባሂሉ።
    8 min
  • ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣብ ኩሉ እቲ ዞባ ቅልውላው ከይፈጥር ተሰጊኡ፡ ሱዳን ሎሚ ከመይ ውዒላ?
    ኣብ ሱዳን ካልእ ፈተነ ምቁራጽ ተዅሲ ምስ ፈሸለ ፡ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ ፣ በዚ ከኣ ሰላማውያን ሰባት ብዘይ ዝኾነ ቀረብ ክተርፉ ገይርዎም ይርከብ ። ክኢላታት ፡ ኣብ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘጋጥም ዘሎ ፡ ናይ ማይን ኤለክትሪክን ምቁራጽ ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ ፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ብዙሓት ሆስፒታላት ክዕጸዋ ተገዲደን ኣለዋ ። ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ግጭት ካብ ዝውላዕ ንደሓር ፡ ብውሕዱ 270 ሰባት ከም ዝሞቱን 2,600 ከም ዝቘሰሉን ጸብጻብ ኣገልግሎት ጥዕና ሱዳን የመልክት ።
    12 min
  • "ህዝብና ኣብ መንጎ ጥይትን ጥምየትን'ዩ ተቐርቂሩ ዘሎ።" ኣማኑኤል ካብ ኻርቱም
    ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ን 24 ሰዓታት ደው ኢሉ፡ ህዝቢ ትንፋስ ረኺቡ ዘድልዮ ክገብር ዕድል ንምሃብ ስምምዕ እንተ ተገብረ'ኳ እቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ነቲ ዉዕል ኣፍሪሶም ኣብ ከቢድ ኲናት ተሸሚሞም ኣለዉ። ኣብዚ ኩነታት ተቐርቂሮም ዘለዉ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ። እቲ ዘለዉዎ ኩነታት ከብርሃልና ንነባሪ ኻርቱም ን ኣቶ ኣማኒኤል ሓቲትናዮ ነቲ ኩነታት ገሊጹልና ኣሎ።
    12 min
  • ንጾታዊ ርክብ ፍቓደኛ ምዃን ብኸመይ ይረጋገጽ? (Settlement Guide)
    ኣብ ኣውስትራሊያ ፍቓድ ከይረኸብካ ዝግበር ንጥፈታት ወሲብ ብናይ ሓቂ ህይወት ድዩስ ብኢንተርነት ዝፍጸም ገበን እዩ ። ኣብ ገለ ገለ ናይ ክፍለ ግዝኣታት ምምሕዳራት፣ እቶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኽሰሱ ቅድሚ ኣብ ጾታዊ ንጥፈት ምስታፎም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነቲ ተግባር ክፍጽሙ ፍቓድ ሓቲቶም ምዃኖም ከረጋግጹ ኣለዎም ። እሞ ደኣ ከመይ ጌርካ ኢኻ ናይ ብፍቓድ ጾታዊ ርክብ ከም እትገብር ከተረጋግጽ እትኽእል ?
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2023)
    ናይ ሰኑይ 17 ሚያዝያ 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ንኹሎም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሳኤ ኣብጽሓኩም እናበልና፡ ኣብ ናይ ሎሚ ምአደብና ነዚ ዘንጸባርቕ ምስ ድያቆናት ኦርቶዶክሳዊት በተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ከምኡውን ምስ ፓስቶር ብርሃነ መርሶ ካብ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ብርስበን ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከም ዝፈረሰ ኣፍሊጡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እሱራት ክፍትሑ ወሲኑ። ልቓሕ ኢትዮጵያ ከይቃለል እቲ ካብ ቻይና ዝወሰደቶ ልቓሕ ዕንቅፋት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። ኮሚቴ ምክልኻል ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ እትርከበን 6 ሃገራት ኣተሓሕዛ ሰባት ክግምገም እዩ ተባሂሉ። ሲፒጄይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ፀቕጥን ማእሰርትን ደው ክብል ፀዊዑ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ኣትለቲክስ ዓለም ብደረጃ ወርቂ ዝስራዕ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ሮተርዳም ኤርትራዊት ዶልሺ ተስፉ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዉበቱ ኣባተ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ዜናታት ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ኣብ ዙር ዶብስ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ከኣ ኣብ ዙር ሲሲሊያ ዝነኣዱ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም፣ ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰራዊት ሱዳን ምስ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ደማዊ ቃልሲ ላዕለዋይ ኢድ ከም ዝረኸበ ይግለጽ ኣሎ ** ፈደራላዊ ተሓዝ ገንዘብ ዶክተር ጂም ቻለምስ ፡ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ግንቦት ዝቐርብ ፈደራላዊ ባጀት ንስድራ ቤታት ፡ ግቡእ ቊጠባዊ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ ። ** ኣርሰናል ኣብ ለንደን ስታድዩም ምስ ዌስት ሃም ድሕሪ ዝገበረቶ ግጥም 2ብ2 ጸወታኣ ብምድምዳሙ ኣብ ውድድር ፕሪመር ሊግ እንግሊዝ ክልተ ወሳኒ ነጥቢ ሲኢና ኣላ ።
    57 min
  • ልቓሕ ኢትዮጵያ ከይቃለል እቲ ካብ ቻይና ዝወሰደቶ ልቓሕ ዕንቅፋት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።
    ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ሓይሊ ክልላት ከም ዝፈረሰ ኣፍሊጡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እሱራት ክፍትሑ ወሲኑ። ልቓሕ ኢትዮጵያ ከይቃለል እቲ ካብ ቻይና ዝወሰደቶ ልቓሕ ዕንቅፋት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ። ኮሚቴ ምክልኻል ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ሕቡራት ሃገራት ኢትዮጵያ እትርከበን 6 ሃገራት ኣተሓሕዛ ሰባት ክግምገም እዩ ተባሂሉ። ሲፒጄይ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝወርድ ዘሎ ፀቕጥን ማእሰርትን ደው ክብል ፀዊዑ
    8 min
  • “ሓንቲ ጓለንስተይቲ ሓላፍነት ስድራ ዘለዋን ዓበይቲ ውሳነታት ትወስድን ስለዝኾነት ንዕኣ ምምሃር ማለት ሕብረተሰብ ምምሃር ማለት’ዩ” ወይዘሮ ዛህራ
    ኣብ ከተማ መልበርን ፈደራላዊን ግዝኣታውን ሚኒስተራት ዝተረኽብሉ ናይ ሓባር (ብዝሐ ባህላዊ) መደብ ኢፍጣር ረመዳን ቀዳም (15/04/2023) ተኻይዱ። ኤስቢኤስ ትግርኛ ኣብ'ቲ መደብ ተረኺቡ ምስ ክልተ ካብ ኣዳለውቲ፣ ወይዘሮ ዛህራ ዓሊ ዓብዱራሕማንን ኡስታዝ ኸሊል ዓሊ ኸሊልን ዘካየዶ ዕላል ኣብ'ዚ ይቐርብ።
    18 min
  • ኣርሴናል ደጊማ ተዓንቂፋ፣ ሃላንድን ሲቲን ግን ይምርሹ፣ ኣሰልጣኒ ውበቱ ተሰናቢቱ፣ ዶልሺ ተስፉ ኣብ ማራቶን ሮተርዳም ካልኣይቲ ወጺኣ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (17/04/2023) * ኣብ ነዘርላንድስ ኣብ ኣትለቲክስ ዓለም ብደረጃ ወርቂ ዝስራዕ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ሮተርዳም ኤርትራዊት ዶልሺ ተስፉ ካልኣይቲ ወጺኣ፣ * ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ዉበቱ ኣባተ ካብ መዝነቱ ከምዝተሰናበተ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ዜናታት ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ዳዊት የማነ ኣብ ዙር ዶብስ ኢትዮጵያዊ ጽጋቡ ግርማይ ከኣ ኣብ ዙር ሲሲሊያ ዝነኣዱ ውጽኢታት ኣመዝጊቦም፣ * ኣብ መበል 30ን 31ን ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ መሪሕነት መሳልል ጋንታታት ትርከብ ኣርሴናል ደጊማ ድሕሪ ምዕንቃፋ ረብሓ ሻምፒዮን’ቲ ሊግ ናብ ማንቸስተር ሲቲ ተቐይሩ፣
    11 min
  • ሰራዊት ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰራዊት RSF ይዕወት ከዘሎ ይሕበር፡ እቲ ግጭት ግና ቀጺሉ ሰላማዊያን ሰባት ይቕተሉ።
    ኣብ ሱዳን ፡ ዋላ እኳ ተዅሲ ደው ንምባል ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻዕሪ እንተተገብረ ፡ እቲ ቐታሊ ግጭት ገና ይቕጽል ኣሎ ። እብቲ ዝግበር ዘሎ ኲናት ዛጊት ሰለስተ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም 59 ሰላማውያን ሰባት ሞይቶም ፡ ተቓወምቲ ሓይልታት ናብ ስምምዕ ክመጹ ዝሕብር ምልክታት ኣየርኣዩን ። ኣብ ሱዳን ዘሎ ናይ መን ስልያን ዓብለለ ቃልሲ ነቲ ኣብ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ናብ ደሞክራሲን ሲቪላዊ መንግስትን ዝግበር ጉዕዞ ከሰናኽሎ ይኽእል እዩ ተባሂሉ ። መራሕቲ ሰራዊትን ሓደ ጕጅለ ኮማንዶን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣልበሺር ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ንምምጻእ ብሓባር ይሰርሑ ነበሩ: ሕጂ ግን እታ ሃገር ናብ ደሞክራሲ ኣብ እትሰጋገረሉ ዘላ እዋን: ነንሕድሕዶም ኣብ ከቢድ ግጭት ተሸሚሞም ይርከቡ ። ክልቲኦም ወገናት ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሱዳን ከቢድ ውግእ ከም ዘኻየደ ነንሕድሕዶ ይወቕሱ ።
    10 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners