SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • "ናጽነት ናይ ሓሳብ ከም ዝናብ እንተዘኒቡ ገለ ሰባት ጽላል ሒዞም ከይዛወሩ ኢኻ ትፈርሕ።" ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ
    ሰለስተ ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ፕረስ እዩ። ኣብዚ መዓልቲ ሃገራት ብመንጽር ነጻነት ፕረስ ተዓቂነን ይስርዓ እየን። ብ Reporters Without Borders (RSF) ዝወጸ ተርታ ኣብ ናይ 2023 ኤርትራ ካብ 180 ሃገራት መበል 174 ኢትዮጵያ ድማ መበል 130 ተሰሪዐን ኣለዋ። ብሓፈሻ ብዛዕባ ነጻነት ፕረስ ኣብ ኤርትራውያን ከመይ ከም ዝመስል ምስ ጋዜጠኛ ኻልድ ዓብዱ ዝተገብረ ቃለ ምልልስ።
    20 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (05 ግንቦት 2023)
    ሓሙስ 4 ግንቦት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣሜሪካ 'ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕቱብ ምክትታል ከም ዘድልዮ ገሊፃ። ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመያይጡ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣብ ምቁራጽ ምብጻሕ ሓገዝ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምላሽ ሂቡ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምኽባር ሕጊ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ። ምስ ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄኔርክ ሉንዱኬስት ዘትዩ። ዝብሉን ካልእ ትሕዝቶታትን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ። ዶ/ር ሰላም ኪዳነ፡ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ኪኢላ እያ። ኣብቲ ናታ መጽናዕቲ ምርኩስ ብምግባር ናይ ኤርትራዊያን መንእሰያት ኩነተ ኣእምሮን ዘለዎም በሰላ ዝገልጽሉ ዘለዉ ኣገባብን ገሊጻ ኣላ። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ዝቐርብ ትሕዝቶ እዩ። ምስ ጎረቤት ዘይምስምማዕ ምስ ዝፍጠር ብኸመይ ይፍታሕ፧ ናይ ሎሚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ኣርእስቲ እዩ። ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ምክትል መራሒ ሰልፊ ግሪንስ ኣውስትራልያ መህረን ፋሩኪ ፡ ኣብ ልዕሊ መራሒት ዋን ኔሽን ፖሊን ሃንሰን ክሲ መስሪታ። ** ክርምሊን ፡ ዩክረይን ንቭላድሚር ፑቲን ብድሮን ንምቕታል ከም ዝፈተነት ከሲሳ ። ** ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምጭፍላቕ ናፅነት ፕረስ ሎሚ ውን ብፕሬስ ተወቒሰን።
    55 min
  • ኣሜሪካ 'ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕቱብ ምክትታል ከም ዘድልዮ ገሊፃ።
    ኣሜሪካ 'ምሉእ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዕቱብ ምክትታል ከም ዘድልዮ ገሊፃ። ልኡኽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተመያይጡ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ ትግራይ ኣብ ምቁራጽ ምብጻሕ ሓገዝ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምላሽ ሂቡ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ምኽባር ሕጊ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ ኣሎ። ምስ ኣምባሳደር ስዊድን ኣብ ኢትዮጵያ ሃንስ ሄኔርክ ሉንዱኬስት ዘትዩ። ዝብሉን ካልእ ትሕዝቶታትን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ።
    9 min
  • #36 Buying a house (Adv) - ቋንቋ እንግሊዝ ንመሃር፡ ገዛ ኣብ ንገዝኣሉ እዋን ንገብሮ ዝርርብ
    Learn how to talk with a real estate agent before buying a house. Also, practise listening and understanding to an auction. - ቅድሚ ገዛ ምግዛእኩም ነቶም ገዛ ዘሽጡ ትካላት ( real estate ) ብኸመይ ከምትዘራረቡ፡ ገዛ ኣብ ዝሽየጠሉ ጨረታ ምስማዕን ምርዳኡን ንኽትክእሉ መላመዲ። Learn how to talk with a real estate agent before buying a house. Also, practise listening and understanding to an auction.
    14 min
  • ወጻእተኛታት ካብ ሱዳን ይሃድሙ፡ ተዋጋእቲ ንሰሙን ዝጸንሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተዂሲ ይፍርሙ።
    ናይ ኣውስትራሊያ ሓይሊ ኣየር ን ልዕሊ 190 ኣውስትራሊያዊያን ምስ ስድራቤቶም ካብ ሱዳን ንኽወጹ ሓጊዙ። እቲ ካብ ሱዳን ምውጻእ ዝግበር ዘሎ ስርሒት ሰራዊትሱዳንን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍ ንሰሙን ዝኣክል ተዅሲ ደው ከብሉ ምስ ተሰማምዑ እዩ ።
    6 min
  • ምስ ጎረቤት ዘይምስምማዕ ምስ ዝፍጠር ብኸመይ ይፍታሕ፧ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ
    ቤትና እቲ ዝበለጸ ምሹእ መንበሪናይ እዩ ። እዚ ስምዒት እዚ ግን ምስ ጐረባብትና ኣብ ዘይንስማማዓሉ እዋን እናነከየ ወይ እናጠፍአ ክኸይድ ይኽእል እዩ ። ሓደ ሓደ ግዜ ናይ ሓደ ጎረቤት ተግባር ወይከኣ ባህሪ ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድረልካ ይኽእል እዩ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብ ፡ ምስ ጎረባብትና ክለዓል ዝኽእል ዘይምስምማዕን ብዛዕባ መገዲታት ኣፈታትሕ ኡን ክንድህስስ ኢና ፣ ስለዚ ፡ ንዝፍጸም ዘይምስምማዕ ኵነታት ብኸመይ ብዝበለፀ መገዲ ክትፈትሖ ከም እትኽእል ክትውስን ዘኽእል እዩ ።
    10 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (01 ግንቦት 2023)
    ናይ ሰኑይ ሓደ ግንቦት 2023 ምሉእ ትሕዝቶ፡ ሱዳን ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወታደራዊ ሓይልታት ዝግበር ዘሎ ንሳልሳይ ሰሙን ሒዝሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ነፈርትን መዳፍዕን ቀጺሉ ኣሎ። እቲ ኲናት ደው እንተዘይኢሉ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ክሃድሙን ዝሰፍሐ ህውከት ከስዕብ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ይወሃብ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ትንታነ ዜና ኣለና። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና’ውን ምስዚ ዝተሓሓዝ ምስ ጋዜጠኛ ብርሃን እስማዒል ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ካልኣይ ክፋል እዩ። ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ኣውስትራልያ ላይኮፖድየም ምስ ኢትዮጵያ ትካል ዕደና ወርቂ ስምምዕ ተፈራሪሙ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብገበን ራዕዲ ካብ ዝጠርጠሮም ሰባት ነቶም 47 ከም ዝኣሰረን ንካልኦት ይሃድን ከም ዘሎን ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ኣዋጅ ከም ዘፅደቐት ተገሊጹ። ኣብ ትግራይ ተቛሪፀንሐ ኣገልግሎት ጉምሩክ ዳግማይ ጀሚሩ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ካብዝድህስሶም ዜናታት ስፖርት፥ ኣብ ከተማ በልፋስት፣ ሰሜን ኣየርላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኢትዮጵያዊት ሽዋየ ወልደመስቀል ተዓዊታ፣ * ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ እግሪ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓብላሊ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ ኣርእስታት ዜና፥ ** ብዙሓት ኣውስትራሊያውያን ናይ መጀመርያ መንበሪ ገዛ ንምግዛእ ሓገዝ ይረኽቡ ** ማሕበራት ሰራሕተኛ ፈረንሳ ሎሚ [1 ግንቦት] ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰራሕተኛታት ምኽንያት ብምግባር ኣብ መላእ እታ ሃገር ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት የካየድ ኣሎ ። ** ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ 10 ሰሙናት ንፈለማ ግዜ መሪሕነት መሳልል ተርታ ጋንታታት ተረኪባ፣ ሊቨርፑል ንቶተንሃም ስዒራ ናብ ሓምሻይ ተርታ ደይባ፣
    52 min
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ብገበን ራዕዲ ካብ ዝጠርጠሮም ሰባት ነቶም 47 ከም ዝኣሰረን ንካልኦት ይሃድን ከም ዘሎን ኣፍሊጡ።
    ልኡኽና ካብ ዝለኣኸልና ጸብጻብ ኣርእስታት፦ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ኣውስትራልያ ላይኮፖድየም ምስ ኢትዮጵያ ትካል ዕደና ወርቂ ስምምዕ ተፈራሪሙ። ሰብመዚ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ግዳማውያን ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወፁ ሓቲቶም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብገበን ራዕዲ ካብ ዝጠርጠሮም ሰባት ነቶም 47 ከም ዝኣሰረን ንካልኦት ይሃድን ከም ዘሎን ኣፍሊጡ። ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ኣዋጅ ከም ዘፅደቐት ተገሊጹ።
    8 min
  • መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ጂሮ ክሳተፉ'ዮም፣ ሽዋየ ኣብ ቤልፋስት ማራቶን ተዓዊታ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ኣፍኮን2027 ብሓባር ከአንግዳ ሓቲተን፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/04/2023) * ኣብ ከተማ በልፋስት፣ ሰሜን ኣየርላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ ማራቶን ኢትዮጵያዊት ሽዋየ ወልደመስቀል ተዓዊታ፣ * ኣብ ጀርመን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ እግሪ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓብላሊ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ኣብ ፖላንድ ቅድድም ብሽግለታ ካርፓቲያን ኮሪየርስ ረይስ ኤርትራዊያን ናሆም ዘርኣይን ኤፍሬም ገብረህይወትን ይሳተፉ’ለዉ፣ * መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ኣብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ክሳተፉ ምዃኖም ተረጋጊጹ፣ * ኬንያ፣ ታንዛንያን ኡጋንዳን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2027 ብሓባር ከአንግዳ ድሌት ከምዘለወን ብምግላጽ መመልከቲአን ናብ ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ኣቕሪበን፣ * ኣብ ናይ’ዚ ሰሙን ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ድሕሪ 10 ሰሙናት ንፈለማ ግዜ መሪሕነት መሳልል ተርታ ጋንታታት ተረኪባ፣ ሊቨርፑል ንቶተንሃም ስዒራ ናብ ሓምሻይ ተርታ ደይባ፣
    12 min
  • ህዝቢ ካብ ሱዳን ምውጻእ ቀጺሉ፡ እቲ ግጭት ነቲ ዞባ ከረኻኽበሉ’ዩ ተባሂሉ።
    ሱዳን ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወታደራዊ ሓይልታት ዝግበር ዘሎ ንሳልሳይ ሰሙን ሒዝሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ነፈርትን መዳፍዕን ቀጺሉ ኣሎ። እቲ ኲናት ደው እንተዘይኢሉ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ክሃድሙን ዝሰፍሐ ህውከት ከስዕብ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ይወሃብ ኣሎ። መንግስታት ወጻኢ ንዜጋታቶምን ካልኦትን ካብታ ሃገር ምውጻእ ዝቐጸሉ ኮይኖም፡ ኣውስትራሊያን ኣመሪካን ትርከበን ብ ፖርት ሱዳን ገይረን ዜጋታተን ብመራኽብ የውጽኣ ኣለዋ።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners