SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቴክኖሎጂ ብሉቱዝ፡ እግሩ ዝለመሰ ሰብ ደው ክብል ክኸይድን ዓቐብ ክድይብን ኣኽኢሉ።
    ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ተመራመርቲ ስነ-ኣእምሮን ሓካይም መጥባሕትን ፡ ሓደጋ ብሽክለታ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ሰብኣይ ፡ ድሕሪ ዘካየድዎ ፈተነ ፡ እንደገና ብእግሩ ክኸይድ ኣኽኢሎሞ ። ኣብ መንጎ እቲ እተጎድአ ዓንዲ ሕቘን ሓንጎልን ዘሎ ዝተበአትከ ናይ ርክብ መትኒ ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ እዝኒ መስምዒ - ብሉቱትዝ ዝበሃል ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ንጥቀመሉ ብ ገመድ ኣልቦ ዝዀነ ቴክኖሎጂ ንምርኻብ ኣኽኢሎሞ ኣለዉ ።
    6 min
  • “ጃንዳ ዋሽንግተን ንመንግስቲ ኤርትራ ንምንጻል ቅሉዕ ኲናት ከፊቱ ከምዘሎ ሓድሽ ሰነድ ኣመሪካ ነፍሰ ገላጺ እዩ።” ፕረ/ኢሳያስ ኣፈወርቂ
    "እቲ ን ኤርትራ ዝምልከት “ጥሙር ሃገራዊ ስትራተጂ” ናይ ኣመሪካ እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ከምዘለዎ እዩ እቲ ፕረሲደንት ገሊጹ ሓይልታት ምክልኻል ብግህሰት ምጥቃን ብዛዕባ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝለዎ ራዕዲ. ቻይና ንምድራትን ኣብ ቁጠባ ኤርትራ ከይተውፍርን ከይትሰርሕን ጽልዋኣ ከጥፍእ ምዃኑ; ንመንግስቲ ኤርትራ ምንጻልን ብቑጠባዊ ኩነታት ምድኻምን ዞባዊ ተራኡ ንምድራትን መጻኢ ወለዶ ንምስዳዕ ምብልሓትን እዩ እቲ ሰነድ ቅሉዕ ኲናት ይእውጅ ከምዘሎ ነፍሰ ገላጺ እዩ።"
    4 min
  • ገዛ ኽራይ ምርካብ; ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ
    ኣብዚ እዋን ኣብ መላእ ሃገር ካብ 50,000 ዘይበዝሑ ናይ ክራይ ኣባይቲ ኣለዉ ። ቅድሚ ክልተ ዓመት ፡ እዚ ቝጽሪ እዚ ዳርጋ ዕጽፊ እዩ ነይሩ ። ኣብ ታሪኽ ካብ ዝተራእየ ዝወሓደ ዝካረ ገዛውቲ ምስ ከደ ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዋጋ ክራይ ገዛ እናበዝሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ፡ ክራይ ገዛ ናይ ምኽራይ ዕድልካ ንምምሕያሽ ዘሎ መስርሕ ንኽትርዳእ ዝሕግዝ እዩ ።
    10 min
  • ናትናኤል ተስፋጽዮን ብምኽንያት ጉንፋዕ ካብ ዙር ኢጣልያ ኣቋሪጹ፣ ማንቸስተር ሲቲ ኩዕሶ ከይቀልዐት ሻምፒዮን ኮይና፣ ጸሃይ ገመቹ ኣብ ህንዲ ተዓዊታ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/05/2023) * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ካልኣይ ሰሙኑ ሰንበት ኣብ ዘጠናቐቐሉ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ብምኽንያት ጉንፋዕ ኣቋሪጹ፣ * ሓደ መዓልቲ ውድድር ከኣ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ተቐዳደምቲ ስለዝኣደሙ ርሕቀቱ ከምዝሓጽር ተገይሩ፣ * ኢትዮጵያዊያን ጸሃይ ገመቹ ኣብ 10ኪሜ ኣብ ቤንጋሉሩ፣ ህንዲ፣ ክትዕወት እንከላ ሚዛን ኣለም ኣዳነ ኸኣ ኣብ ተመሳሳሊ ርሕቀት ኣብ ለንደን ተዓዊታ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሰናል ብኖቲንግሃም ፎረስት ድሕሪ ምስዓራ ማንቸስተር ሲቲ ኩዕሶ ከይቀልዐት ሻምፒዮን ኮይና፣ ንጽባሒቱ ግን ንቸልሲ ብምስዓር ነዚ ብምብዓል ጽዋዓ ተቐቢላ፣ * ዓበይቲ ስፖርታት ኣውስትራልያ ህዝባዊ ደገፍ ነቲ ‘እወ’ ዝብል ድምጺ ኣብ ግዜ ረፈረንደም ክህቡ ምዃኖም ድሕሪ ምፍላጦም ጎስጓስ ንደቀባታዊ ድምጺ ኣብ ባይቶ ዝያዳ ደገፍ ረኺቡ፣
    14 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ግንቦት 2023)
    ናይ ሰኑይ 22 ግንቦት 2023 ዝተቐረቡ ናይ ሓደ ሰዓት ትሕዝቶ፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ 1.5 ትሪልዮን ብር (28 ቢልዮን ዶላር) ከም ዝገጠማ ገሊጻ። ዓመታዊ እቶታት ጅቡቲ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ ። መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ 24 ግንቦት፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ መልክዕ ይጽንበል ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኣምባሳደር ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ሮላንድ ኮቢያ ኣብ ሽረ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዑድት ኣሳሊጡ። ኣብ ሱዳን ኣብ ማእከል ክልተ ቅልውላው ዝተቐርቀሩ ተጋሩን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓጸቦ ዘለዉ ተገሊጹ። ምስ ተንታኒ ፖለቲካ ሳልሕ ጋዲ ጆሃር ካብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋል ክቐርብ እዩ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ምስ ምብጻሕ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናብ ቻይና ተተሓሒዙ፡ ዝምድናታት ወጻኢ ፖሊሲን ርክባት ቻይናን ኤርትራን፡ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝህልዎ ጽልዋን ዝተተሓሓዙ ሕቶታትን መልሲታትን ቀሪቦም ኣለዉ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን ንዩክረይን ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናትን ንፓይሎታታ ንምስልጣንን ኣመሪካ ን ዩክሬን ዝግበር ናይ ደገፍ መደባት ከምዘለዋ ብምግላጽ ነቲ ሓገዝ ንምሃብ ክታሙ ኣንቢሩ ኣሎ ። ሚስተር ባይደን ነቲ ኣብ ጃፓን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝተሳተፈሉ ዋዕላ መራሕቲ G-7 እዩ ገሊጹ ። ነዚ ዝምልከት ትንተና ዜና ኣብ መወዳእታ ድማ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ናይ ኢብራሂም ዓሊ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናረንድራ ሞዲ ናብ ኣውስትራልያ ወግዓዊ ምብጻሕ ንምግባር ጽባሕ ክመጽእ እዩ ። ** ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ፡ ሩስያ ንከተማ ባክሙት ከም እተቖጻጸረት ንዘቕረበቶ ዜና ነጺግዎ ። ** ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሰናል ብኖትርግሃምፎረስት ድሕሪ ምስ ዓራ ማቸስተር ሲቲ ኩዕሶ ከይቀልዐት ሻምፕዮን ኮይና።
    54 min
  • መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ይጽንበል ኣሎ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ኣርእስታት ጸብጻብ፥ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኲናት ትግራይ 1.5 ትሪልዮን ብር (28 ቢልዮን ዶላር) ከም ዝገጠማ ገሊጻ። ዓመታዊ እቶታት ጅቡቲ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ ። መበል 32 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፣ 24 ግንቦት፣ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝተፈላለየ መልክዕ ይጽንበል ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዑደት ዘካይድ ዘሎ ኣምባሳደር ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ሮላንድ ኮቢያ ኣብ ሽረ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ዑድት ኣሳሊጡ። ኣብ ሱዳን ኣብ ማእከል ክልተ ቅልውላው ዝተቐርቀሩ ተጋሩን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓጸቦ ዘለዉ ተገሊጹ።
    9 min
  • ንራሻ ዘግለለ ዋዕላ ሓያላት ሃገራት ኣብ ሀሮሺማ ጃፓን፡ "ንጫይና ከይረሓቕካ፡ ሓደጋታታ ምክልኻል"
    ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደን ንዩክረይን ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናትን ንፓይሎታታ ንምስልጣንን ኣመሪካ ናይ ደገፍ መደባት ከምዘለዋ ብምግላጽ ነቲ ሓገዝ ንምሃብ ክታሙ ኣንቢሩ ኣሎ ። ሚስተር ባይደን ነቲ ኣብ ጃፓን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝተሳተፈሉ ዋዕላ መራሕቲ G-7 እዩ ገሊጹ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ ድማ ኣብቲ ዋዕላ ምስ ጆ ባይደን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ፡ ጽሩይ ጸዓት ንምድንፋዕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣፍለጡ ።
    8 min
  • “ኤርትራ፡ ቀዋሚ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ሃልይዋ ኣይፈልጥን፡ እዚ ምስ ቻይና ዝግበር ዘሎ’ውን ከምኡ እዩ።” ሳልሕ ጋዲ ጆሃር
    እዚ ምስ ተንታኒ ፖለቲካ ሳልሕ ጋዲ ጆሃር ካብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ምስ ምብጻሕ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናብ ቻይና ተተሓሒዙ፡ ዝምድናታት ወጻኢ ፖሊሲን ርክባት ቻይናን ኤርትራን፡ ኣብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝህልዎ ጽልዋን ዝተተሓሓዙ ሕቶታትን መልሲታትን ቀሪቦም ኣለዉ።
    13 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (18 ግንቦት 2023)
    ሓሙስ 18 ግንቦት 2023 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያ ምስ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ዓድማዒ ዘተ ምስላጢም ሓቢሮም። 13 ሆስፒታላት ትግራይ ሓገዝ ናውቲ ሕክምናን ኣፋውስን ከምዝረኸባ ተሓቢሩ። ህወሓት ንውሳነ ምርጫ ቦርድ ኢትዮጵያ ከምዘይቕበል ኣፍሊጡ ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ብወገኑ ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ። ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈሉ ገሊጹ። ኣብ ኤርትራ 4.7 ሬክተር ስኬል ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከምዘጋጠመ ተገሊጹ። ኣብ ኣዲስ ዝተኣሰሩ ሰባት መግቢ ተሓሲሞም።። ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ዝሓለፈ ዝጀመርናዮ ዝርርብ ምስ ነባሪ ኣውስትራሊያ ቶፊቕ ቑስሙላህ፡ ብቋንቋ ዓረብ ግጥምታት ዝጽሕፍ ሓንቲ መጽሓፍ'ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ጽሒፉ ኣሕቲሙ ኣሎ። ብትግርኛ ዝጸሓፎ ሓጸርቲ ዛንታታት'ውን ኣለዎ። ብዛዕባ ዝሰርሖም ስራሓትን ብፍላይ ድማ ኣገባብን ስርዓትን ተኸቲሎም ዝጸሓፉ ናይ ትግርኛ ጽሑፋት ምስትምቓሩ ኣካፊሉ ኣሎ። ካልኣይ ክፋል ክቐርብ እዩ። ሓልዮት ን ኣለይቲ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ን ኣለይቲ ዝወሃቡ ኣገልግሎታት ብኸመይ ይርከቡ፧ ብዝብል ኣርእስትን ካልእ ትሕዝቶታትውን ቀሪብና ኣለና ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡ ** ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ኣብ ፓሲፊክ ፡ ቻይና ኣብ ሰላማዊ ውቅያኖስ ብዛዕባ እተርእዮ ዘላ ኣድማዕነት ምስ መሻርኽቲ ንምምኽኻር ናብ ጃፓን የምርሕ ኣሎ ። ** ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ 3.9 ቢልዮን ዶላር ($2.6) ሓቲቱ ። ** ኤርትራ ልኡላውነታን ጸጥታኣን ከተውሕስ ቻይና ከምእትድግፍ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒን ገሊጹ።
    56 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,873 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners