SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣሜሪካ፣ ንኤርትራ ሓዊስካ ንኹሎም ነቶም ስምምዕ ሰላም ዘዐንቅፉ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ። (ጸብጻብ)
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቴሌኮም ናይታ ሃገር ንምሻጥ ጨረታ ከፊቱ። ኣሜሪካ፣ ንኤርትራ ሓዊስካ ንኹሎም ነታ ስምምዕ ሰላም ዘዐንቅፉ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ። ሚንስተር ኮሚኒኬሽንን ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጻእ ዘለዉ ሓይልታት ኣብ ትግራይ ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮም። ናብ ትግራይ ውሱን ሰብኣዊ ረድኤት ምእታው ከም ዝጀመረ ትካላት ረድኤት ሓቢረን።
    8 min
  • ብደምን ረሃጽን ስደተኛታት ዝተሃንጸ ትሕተ ቕርጺ ዋንጫ ዓለም ቐጠር
    ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ምጅማር ግጥም ዋንጫ ዓለም ፊፋ ሰንበት [20 ሕዳ] ክዕዘቡ'ዮም ፡ እዚ ኣብ ሓደ ብዓየይቲ ስደተኛታት ዝተሃንጸ ስታድዩም እዮም ክዕዘብዎ። ቐጠር ነቲ ውድድር ናይ ምእንጋድ መሰል ካብ እትሽለም ንነጀው ፡ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ሓያል ምጽብጻብ በጺሑ ኣሎ ።ኣብታ ናይ ወሽመጥ ዓረብ ሃገር ምስ ዘሎ ናይ ሰራሕተኛ ድሕንነት ብዝተሓሓዝ ፡ ብ ግብረ ሰናያዊ ጉጅለታት ዕቤት ከም ዝገብረ ይግንዘቡ እኳ እንተ ኰኑ ፡ ብዛዕባ መጻኢ ግን ስክፍታታት ኣሎ ።
    7 min
  • ኣብ እዋን ሓደጋ ምዕልቕላቕን ህቦቡላን ብኸመይ ሓገዝ ይርከብ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
    ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ኣውስትራሊያ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ከቢድ ናይ ምዕልቕላቕ ፍጻመታት ርእያ እያ። ኣብ መንጎ 2020-2022, ዓቢ ክፋል መሬት ክልተ ክሳዕ ሰለስተ ሳዕ ብማይ ተደብዩ እዩ። ከቢድ ዝናብ ብተደጋጋሚ መስመራት ወሓይዝ ልዕሊ ዓቐን ክፈሱ ገይርዎም እዩ። ኣብ ገለ ንምዕልቕላቕ ማይ ዝተቓልዑ ማሕበረሰባት ትሕተ ቕርጺ፡ ገዛውቶምን ህይወቶም ከይተረፈውን ንሓደጋ ወዲቑ እዩ። ስለዚ፡ ከቢድ ኩነታት ኣየር ከምዝመጽእ ርጉጽ ምዃን ከመይ ጌርካ ይፍለጥ፡ ንምድላውከ እንታይ ክግበር ይከኣል? መንዩ ንሓገዝ ክሕተት ዘለዎ? ኣብዘለኻዮ ክትጸንሕ ወይስ ክትወጽእ’ዩ ዘለካ?
    11 min
  • ገምጋም ተሳተፍቲ ሃገራት ቅድሚ ምጅማር ዋንጫ ዓለም 2022 (ምድባት D-F)
    ክቡራት ሰማዕትና ኤስቢኤስ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራልያ ዋንጫ ዓለም ፊፋ 2022 ቐጠር ብቐጥታ ዘመሓላልፍ መደበር ቴሌቪዥንዩ። ስለዚ ኣብ ብዙሓት መድረኻቱ ነዚ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ዝኾነ ውራይ ኩዕሶ እግሪ ሰፊሕ ሸፈነ ክህብዩ። ንሕና ከኣ ካብዚኦም ሸፈነታት ኣገደስቲ ዝበልናዮም ምስ ህሞት ዋንጫ ዓለምን ኩዕሶ እግርን ዝኸዱ እናመረጽና ከነቕርበልኩም ኢና፡ ንሎሚ ኣብ ምድባት D፣ E፣ ከምኡ'ውን F ዘለዋ ሃገራት ዝድህስስ ትሕዝቶዩ ዘለና፡ እነሆ።
    13 min
  • ብ ኢንትርነት ዝመጽእ ሓደጋን ከመይ ንከላኸሎን፡ ምስ ኪኢላ ሳይበር ሰኲሪቲ ካሌብ ዘወንጌል
    ኣቶ ካሌብ ዘወንጌል ኪኢላ ሳይበር ሰኲሪቲ እዩ። ነዚ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ኢንተርነት ዘጋጥም ሓደጋ ስርቅን ድሕነትን ዝምልከት መብርህን ፍታሓትን ገሊጹ ኣሎ። እዚ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ቃለ መሕትት እዩ።
    17 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሕዳር 2022)
    ናይ ሰኑይ 14 ሕዳር 2022 ናይ ሓደ ሰዓት መደብ፥ ጸብጻብ ልኡኽና፥ እቲ ስምምዕ ከይትግበር ዝዕንቅፉ ኣለዉ ክብሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ተዛሪቦም። መንግስቲ ትግራይ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጉዳያት ክእረሙ ዝግብኦም ጉዳያት ብምሕባር ተግባራዊ ክኸውን ፀዊዑ። ህወሓት እውን ምስ ሰራዊት ትግራይ ርክብ ከም ዘይብሉ ኣነጺሩ። ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ ዝጠልቡ ሰልፍታት ኣብ ኣውስትራልያን ጣልያንን ተኻይዶም። ኣብ ደሞም ኤች ኣይቪ ንዘለዎም ተጋሩ መድሓኒት ተኸልኪሉ ክብል ቢሮ ጥዕና ትግራይ ከሲሱ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም ብዛዕባ ሳይቨር ሰኲሪቲ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ኦፕተስን መዲባንክን ናይ ሰባት ዝርዝር ሓበሬታ ተሰሪቑ ኣብዝበሃል ዘሎ እዋን፡ ሓደጋኡን ክግበር ዝግብ ኦ ነገራትን ከብርሃልና ንሓደ ኪኢላ ዓዲምና ኣለና። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ትሕዝቶን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ** ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ኣብ ዋዕላ G-20 ናብ ባሊ ኣምሪሑ ፣ ኣብ መገሻኡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ [ሺ ጂንፒንግ] ኽእከብ ተኽእሎ ከምዘሎ ትጽቢት ይግበር ። ** ኣብ እተፈላለየ ክፋላት ቪክቶርያን ኒው ሳውዝ ዌልስን ዝሃረመ ብርቱዕ ዝናም ፡ ሓደገኛ ምዕልቕላቕ ማይ ኣስዒቡ ፣ ብዙሓት ሰባት ካብቲ ከባቢ ኺግዕዙ ተነጊርዎም ። ** ኣብ ኢስታንቡል ፡ ቱርኪ ብዝተጻወደ ቦምብ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ተቐቲሎም ፡ 81 ድማ ቈሲሎም ።
    56 min
  • እቲ ስምምዕ ከይትግበር ዝዕንቅፉ ኣለዉ ክብሉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትግራይን ኢትዮጵያን ተዛሪቦም።
    ኣርእስታት ጸብጻብ፥ መንግስቲ ክ/ትግራይ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ጉዳያት ክእረሙ ዝግብኦም ጉዳያት ብምሕባር ተግባራዊ ክኸውን ፀዊዑ። ህወሓት እውን ምስ ሰራዊት ትግራይ ርክብ ከም ዘይብሉ ኣነጺሩ። ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ ዝጠልቡ ሰልፍታት ኣብ ኣውስትራልያን ጣልያንን ተኻይዶም። ኣብ ደሞም ኤች ኣይቪ ንዘለዎም ተጋሩ መድሓኒት ተኸልኪሉ ክብል ቢሮ ጥዕና ትግራይ ከሲሱ
    10 min
  • ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ደቡብ ሱዳን
    ኣብ ደቡብ ሱዳን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ምዕልቕላቕ ማይ ፡ ሓደ ሚልዮን ሰባትከም እተጸልዉ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ ። እቲ ምዕልቕላቕ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2013ን 2016ን ኣብ ኲናት ሓድሕድ ካብ ዝነበሮ ጥፍኣት ዝገደደ እዩ ዝብሎ ነቲ ዘሎ ሕጽረት መግቢ ዘጋድድ እዩ ።
    4 min
  • ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ጋንታ ትሬክ ሴጋ ፍሬዶ ንወቕቲ 2023 ምስኣ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጣ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (14/11/2022) * ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ቦስቶን 2022 ብኽልቲኡ ጾታታት ካልኣይ ወጺኦም፣ * ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር ጋንትኡ ጋንታ ትሬክ ሴጋ ፍሬዶ ዝመጽእ ወቕቲ 2023 ምስኣ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጣ፣ * ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ መጻረዪ ንምሕላፍ ናብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ መንእሰያት ት20 ኣፍኮን 2023 ት20 ዝተሳተፈት ኢትዮጵያ ብደቡብ ሱዳን ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ተሳዒራ ከይሓለፈት ተሪፋ፣ * ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ወይ ካፍ መጸዋዕታ ፊፋ ንሓድነትን ሓቛፍነትን ቀቅድሚ'ቲ ዝመጽእ ዘሎ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ፣ * ኣፍሪቃ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዋንጫ ዓለም ብደቂ ሃገር ኣሰልጠንቲ እናተኣልየት ክትሳተፍ’ያ
    10 min
  • ብሰንኪ ስደተኛታት ኢጣልያን ፈረንሳን ይሰሓሓባ
    እቲ ሓድሽ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ መንግስቲ ጥልያን፡ ኢጣልያ ቀንዲ ወደብ ናይ’ቶም ካብ ሊብያ ተበጊሶም ብ ናይ ኣስገርቲ ጀላቡ ዝመጹ ስደተኛታት መዕረፊ ኣይክትከውንን እያ ፡ ኤውሮጳ ድማ ነቲ ጾር ንምስካም ዝያዳ ጻዕሪ ክትገብር እያ ክብል ሓቲቱ ። እዚ ከምዚ 'ሉ እንከሎ ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ጽኑዕ ናይ ፓስፖርት መቆጻጸሪ ንምትእትታው ፣ ኣብቲ ምስ ኢጣልያ ዘዳውብ ዶባቱ ሓለዋ ጸጥታ ወሲኹ ኣሎ ።
    6 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,863 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners