
Sign up to save your podcasts
Or


ምስ ሓኪም ስኒ ምስ ዶ/ር ገነት እንድርያስ፡ ንገብሮ ዘለና ዕላል ብምቕጻል ሎሚ
መቐጸልታ ናይ ዝሓለፈን ዝመጽእን ኣብቲ ናታ ፍሉይ ክእለት ወይ ስፐሺያሊቲ ዘተኮረ ብዛዕባ ንዝተበላሸወ ስኒ ንምዕራይን ንምትካእ ዝግበር ወይ ደንቹር ከምኡውን ብዛዕባ ምእሳር ስኒ (Braces) ዝምልከት ምስ ዶ/ር ገነት ዕላልና ክቕጽል እዩ።
** ዩክሬን ብሃገር ደረጃ ዝጸንዕ ናይ ህጹጽ ድንጋገ ኣዊጃ ...
** ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራሊያ ዝዘንብ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ሓደጋ እናውረደ ይቕጽል ኣሎ ...
** ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ናይ ሰላም ዘተ ከምዘይተገብረን ንመጻኢ ግና እንተልዩ ክቕበሎ ምዃኑ ኣተንቢሁ
** ኣብ ዓለም ሳልሳይ ደረጃ ዘለዎ ተጻዋቲ ባይታ ተኒስ Alexander Zverev ብዝፈጸሞ ተግባር ካብ ጸወታ Mexico Open ተባሪሩ።
ኣርእስታት ጸብጻብ፥
ልዕሊ 120,000 ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝኾና - ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።
ንዳግመ ህንጸት ትግራይ 100 ቢልዮን ብር ወዲእና ንዝብል ዘረባ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ፤ መሪሕነት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነጺጉዎ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዳባት ዝጸንሑ ልዕሊ 14,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ካልእ ቦታ ግዒዞም።
ኣሜሪካ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ፈጺሞም ብዝተብሃለ ገበናት ከም ዝተሻቐለት ገሊጻ።
ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ቀሪቡ ኣሎ።
ኣብዚ ሰሙን ተወሳኺ ሓደ ዘሕዝን ዜና ካብ ጀርመን ተሰሚዑ ኣሎ። ሓንቲ በዓልቲ ሓዳር ብበዓል ቤታ ተቐቲላ ዝብል’ዩ። እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ብተደጋጋሚ ምፍጻሙ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታት እንታይ ይብሉ። ኣብ ኢትዮጵያዊያን ክበሃሉ ዝቐነዩ’ውን ምስ መምህር ዮሴፍ ወርቀ ተዘሪብሎም ኣሎ።
ብንእስነታ ምስ ወለዳ ናብ ኣውስትራሊያ እንተተሰደት'ኳ፡ ቋንቋ ብሌንን ትግርኛ ጽቡቕ ትመልኽ፡ ኣብ መልበር ኣብ ክልተ ክልኒካት ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ስኒ ሕክምና ተካይድ ዶ/ር ገነት እንድርያስ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሳን ስርሓን ኣላልያትና ኣላ። ኣብዝቕጽል ክፋላት ድማ ብዛዕባ ክንክን ስኒን ግርጻንን ክውሰዱ ዝግብኦም ነገራት፡ ምትካእ ስኒ፡ ካልኦት ተዛመድቲ ዛዕባታት ብተኸታታሊ ትምህርታዊ ትሕዝቶ ክቐርብ እዩ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,820 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners