
Sign up to save your podcasts
Or


“ክሳብ እዛ ዝነበርናላ መዓልቲ ብዝሒ ዝመቱ 20 ይበጽሑ እዮም።” ነበርቲ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ሓሩሽ።
ኣብዚ ቀረባ ሳምንታት ናይ ሓድሽ ዓመት፤ ከቢድ ናይ መዓልታት ጉዕዞ ፈጺሞም፤ ንህይወቶም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዮም ብሰላም፤ ኣብ ግዜያዊ መዕቆቢ ስደተኛታት ዳባት ካብ ዝበጽሑ፤ 4 ኤርትራውያን ካብ መዓስከር ዓዲ ሓሩሽ፤ ንመምህር ዮሴፍ ወርቀ ዝሃብዎ ጽሟቕ ሓበሬታ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ሓጸርቲ ዜናታት:
ው.ሕ.ሃ. ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጐነጽ ዝሃደሙ ስደተኛታትን ተፈናቐልቲን ንምሕጋዝ ሕጹጽ ምላሽ ይህብ
ሕብረት ኣውሮጳ ንቅልውላው ስደተኛታት ንምፍታሕ ሓደ ኣካል የቕውም
ሱዳን ናይ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያ ዘለዎም ናይ ተቓዉሞን ደገፍን ሰልፊታት ተተኣናግድ
ኣብ ሞሮኮ ካብ ሓደ ዔላ ንወዲ ሓሙሽተ ዓመት ራያን ንምውጻእ ክግበር ዝቐነየ ስርሒት ብሞት ናይቲ ቖልዓ ተዛዚሙ።
ኣብ ሓደ መዓልቲ ሰብኣይን ሰበይቲን ናይ ፒኤች ዲ ትምህርቶም ዛዚሞም ምስዝተመረቑ ምስ ዶ/ር ካሕሱ ገብረክርስቶስን ዶ/ር ኣጸደ ፋንታሁንን ዝተገብረ ዕላል’ዩ። ቐዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ዕድሚኦም 16 ን 17 ን ዝኾኑ መንእሰያት ናይ ኮቪድ-19 መደንፍዒ ክታበት ክኽተቡ ጀሚሮም...
** ሚኒስተር ኣገልግሎት ክንክን ኣረጋዊያን ካብ ስልጣኑ ክወርድ መራሒ ሰልፊ ለበር ጸዊዑ።
** ኣብ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይሊታት ኲናት ደው ኣቢሎም ዘተ ክጅምሩ ዋና ጸሓፊ ዉሕሃ ጸዊዑ።
መበል 40 ኣኼባ ባይቶ ፈጻሚት ስራሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብታ ብኩናት ሕድሕድ ትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ ክሳለጥ ዝጀመረ ኮይኑ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራቱን ሓለፍቲ ትካላት ናይቲ ኣህጉርን ተረኺቦምሉ ኣለዉ።
ኣብ መእተዊ እቲ ኣኼባ መደረ ዘስምዑ ሊቀመንበር ናይቲ ሕብረት ሙሳ ፋቂ መሃማት
- ኣፍሪቃ ብኮቪድ 19 ዝተሃስየ ቁጠባኣ ንምህናጽ 154 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድልያ
-ዓውዲ ሕርሻ ንምዝማን ይስራሕ ከም ዘሎ
- ንጥበብ፣ ባህልን ሓድግን ቆላሕታ ክወሃብ ከም ዝጀመረ፣
- ስርዓት ፋይናንስ እቲ ሕብረት ንምምሕያሽ ይጸዓር ከም ዘሎ
-ካብ ካልእ ዓለም ዝረኽቦ ረድኤት ንምትካእ ኣባል ሃገራት ክፍሊተን ከሐይላ ይስራሕ ከም ዘሎ ብምግላጽ
ኣብ ኣባል ናይቲ ሕብረት ዝኾና ሃገራት ዝተኻየዱ ዕልዋታት መንግስቲ ህድኣት ናይቲ ኣህጉር ይዘርግ ከም ዘሎ ተዛሪም።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners