
Sign up to save your podcasts
Or


ሓጸርቲ ጸብጻባት ዜና፡
* በዓል ጥምቀት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን ታቦታት ካብ ቤተክርስትያን ከይወጹ፡ ኣብ ኤርትራ መምርሒታት ኮቪድ-19 ብምኽባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኸኣ ፓትሪያርክ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ዘይብሉ ተኸቢሮም፡
* ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጕተረሽ ዝርከብዎም ዓበይቲ መራሕቲ ኲናት ትግራይ ብሰላም ክፍታሕ ተስፋ ከምዘሎ ክገልጹ’ንከለዉ መራሕቲ ኣምሓራ ግን ዝቕጽለሉ ተርእዮ ከምዘሎ ይዛረቡ፡
* ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕጽረት መድሃኒትን መግብን ልዕሊ 1 400 ህጻናት ከምዝሞቱ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና’ቲ ክልል ገሊጹ
ኦሚክሮን ቅልጡፍ ዝርጋሐኡ ኣብ ዝቐጸለሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ኣገልግሎታት ጥዕና መላእ ዓለም ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ። ክኢላታት፡ እዚ ለበዳ ዝወሰኸሉ እናገደደ ዝኸደ ኣድልዎ ቀረባትን ዕድልን ወይ ዘይማዕርነትን፡ ንሓደስቲ ዓሌታት ኮቪድ ድፍኢት ምሃቡ ክቕጽልን ዓለምለኻዊ ቅልውላው ጥዕና ከናውሖን ምዃኑ መጠንቀቕታ ምሃብ ይቕጽሉ’ለዉ።
ዓቢይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኖቫክ ጆኮቪች ኣብ ሰርቢያ ኣብ ዝዓለበሉ፣ ኣብ ብዙሓት ፖለቲካዊ ግንባራት ሳዕቤን ናይ’ቲ ገልጠምጠም ኢሚግረሽን ንመንግስቲ ቀ/ሚ ስኮት ሞሪሰን ጸገማት ምፍጣሩ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ ሽዱሽተ ዉሉድ ግዳይ ሕማም ደም ካንሰር ካብ ዓዲ ገዳ ኤርትራ ኣቶ ዮናስ ጸጋይ ዘለዎ ጸገም ብቪድዮ ምስተዘርግሐ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራዊያን ንምሕጋዝ ብምጉያይ ኣብ ሓጺር ግዜ ልዕሊ $650, 000 ተኣኪቡ። ነዚ ምኽም]ንያት ብምግባር ዝዋጻእ ዘሎ ገንዘብን ዝቐርቡ ዘለዉ ሕቶታትን ኣመልኪትና ምስ ኣብከምዚ ንጥፈት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝነጥፍ ዘሎ መምህር ዮሴፍ ወርቀ ኣስራት ዝሃበና መብርሂ።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ
* ሓካይም ኣብ ቀንዲ ሆስፒታል ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀረባት ኢንሱሊን ብነፋሪት ተጓዒዞም ናብ’ቲ ክልል ክለኣኹ ከፍቅድ ተማሕጺኖም።
* ኮኾብ ቴኒስ ኖቫክ ጆኮቪች ፈደራል ቤት ፍርዲ ኣንጻር’ቲ ቪዝኡ ከውሕሶ ዝገበሮ መጎተ ድሕሪ ምውሳኑ ካብ ኣውስትራልያ ወጺኡ፡
* ቀ/ሚ ስኮት ሞሪሰን ሓደ ኣዕናዊ ጹናሚ ንፓሲፊካዊት ደሴታዊት ሃገር ቶንጋ ድሕሪ ምህራሙ ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ደገፍ ከበርክት ምዃኑ ቃል ኣትዩ።
* ልዑል ዋጋታት መመርመሪ ኮቪድ-19 ራፒድ ኣንቲጀን ቴስት እናወሰኸ ምኻዱ ነቲ ሃልኪ ዝከታተል ኣውስትራልያዊ ኮሚሽን ስክፍታ ፈጢርሉ
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners