
Sign up to save your podcasts
Or


ሓጸርቲ ጸብጻባት ዜና፡
* ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ እቲ ንሰላም ዝተዋህበ ዕድል ‘ናብ ሰላማዊ ድርድር’ ከምርሕ እንተዘይኮይኑ ኲናት ክቕጽል ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ፡
* ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ሸውዓተ ከተማታ ትግራይ ብደብዳብ ነፈርቲ ንዝተቐትሉ ሰላማውያን ሰባት ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዘን ክግበር ኣዊጁ፡
* ብመንግስቲ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ዝቕጽል ዘሎ ዕጽዋ ኣብ ትግራይ ‘ገሃነም’ ዝመስል ‘ጸርፊ ንሰብኣውነት’ ከምዝፈጠረ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ፡
* መጠን ሓደጋታት ኣብ ኤርትራ ኣብ 2021 ብኣስታት 28.8 %፡ መጠን ገበናትን በደላትን ድማ ብ14.5% ካብ’ቲ ብ2020 ዝነበረ ከምዝወሰኸ ፖሊስ ሓቢሩ፡
* መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስሙያት ፖለቲከኛታት ኣቦይ ስብሓት ነጋን ጃዋር መሓመድን ብምፍትሑ ናብ’ታ ሃገር ተዓዲሞም ዝኣተዉ ዳያስፖራ ከም ዝተቖጥዑን ገለ ከኣ ቲኬት ነፋሪት ቀይሮም ዝተመልሱ ከም ዘለው ተሰሚዑ፡
* ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ ምስ ብጻዩ ኣቶ በቀለ ገርባ ብወገኖም መቕተልቲ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ክጻረ፣ ሓድሕዳዊ ኲናት ደው ኢሉ ምይይጥ ክጅመር ጸዊዖም
ኣብ ከተማ መልበርን ዝተፈላለያ ኣብ ትሕቲ ንግዳዊ ስም/ፍራንቻይዝ ኮፊ-ክለብ (COFFEE CLUB) ዝካየዳ ሓያሎ ቤት መሸጣ ቡናት/ካፈተርያታት ምስ መጻምድቱ ኮይኑ ዝውንን ኣቶ ሰመረ ተዓረ ንግዳዊ ዋኒኑ በዚ ሓድሽ ኩነታት ለበዳ ከመይ ከምዝተተንከፈ ክገልጸልና ዓዲምናዮ።
መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ማይ ጸብሪ ዝበዝሓ ደቀንስትዮ ዝርከብኦም ብውሑዱ 19 ሰባት ቀቲሉ ደርዘናት ከኣ ኣቚሲሉ ክብሉ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ሓቢሮም።
ኣብ’ቲ ብምኽንያት ዋጋታት ነዳዲ ዝተበገሰ ቁጥዐ ፈለማ ዝተላዕለ ዕግርግር ደርዘናት ዝኾኑ ሰባት ተቐቲሎም። ብሩስያ ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጉጅለ ቀንዲ ተልእኾ ምትህድዳእ’ዛ ማእከላይ ኤስያዊት ሃገር ፈጺሞም ኣብ ናይ ክልተ መዓልታት ግዜ ሰራዊቶም ካብ ካዛክስታን ከውጽኡ ክጅምሩ’ዮም። ወዲ 68 ዓመት ፕረዚደንት ቃሲም-ጆማርት ቶካየቭ፡ ንፍርቂ ዶባት ናይ’ታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሃገር ናብ ዕግርግር ዝሸመመ 'ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ' ኢሉ ዝሰመዮ ተግባራት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኣብ ዝነበረሉ ነቲ ሞስኮ ትመርሖ ውድብ ዋዕላ ናይ ሓባር ጸጥታ ወተሃደራት ክልእኩ ዝሓለፈ ሰሙን ሓቲትዎም።
* ቁጽሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 እንተወሰኸ’ኳ ቁጽሪ’ቶም ሆስፒታል ዝኣትውን ጽዑቕ ክንክን ዘድልዮምን ግን ብተዛማዲ ኣይወሰኸን ክብል ቀ/ሚ ኣውስትራልያ ገሊጹ፡
* ግዝኣት ኒውሳውዝዌልስ ዝለዓለ ቁጽሪ ሞት ብሰንኪ ኮቪድ ኣመዝጊባ፡
* ካብ 5-11 ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ መወዳእትኡ ሎሚ ቀዳማይ እብረ ክታበት ኮቪድ ፋይዘር ክወስዱ’ዮም:
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,820 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners