
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት ዜና
ኣብዚ ውሽጢ ክልተ ሰሙን 'ሓዱሽ ማዕበል ለበዳ ኮቪድ-19' ከም ዝተኸስተ ሚንስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ: ልዕሊ 80 ሽሕ ዜጋታቱ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ኣሚኑ።
ብዘይሕጋዊ ምዝውዋር ሰባት ተኸሲሱ ብኢንተርፖል ዝድለ ዝነበረ ኤርትራዊ- ኔዘርላንዳዊ ጆን-ሃብተ ኣብ ኬንያ ተታሒዙ።
ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፤ ድሕሪ ጽዑቕ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።
ስነስርዓት ቀብሪ ገዲም ተጋዳላይ ሮመዳን መሓመድ ኑር ኣብ ኣስመራ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ።። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና ክቐርብዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ፡ እቲ ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ድሕሪ ምቕጻሉ፡ ከምሳዕቤኑ ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ ክልተ ሰባት ድሕሪ ምሟቶምን ፡ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ኣፍሊጡ ኣሎ ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (03/01/2022)
* ኣብ ከተማታት ባርሴሎናን ማድሪድን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ጉያ እግሪ መንገዲ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብዓብላሊ ተዓዊቶም፡
* ብደረጃ ዙር ዓለም ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ውዕላት ንምንዳይ ዘካይድዎም ንጥፈታት ናብ 2022 ሰጊሮምሉ ኣብ ዘለውሉ እዋን ናትናኤል ብርሃነ ዝርከቦም ክሳብ 30 ዝኾኑ ገና ምስ ዝኾነት ጋንታ ውዕል ከምዘይረኸቡ ተጸብጺቡ፡
* ሰንበት ኣብ ካሜሩን ኣብ ዝጅምር መበል 33 ግጥማት ኩ’እግሪ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ 2021 ኢትዮጵያ ቀዳመይቲ ኣብ’ቲ ሃገር ዝበጽሐት ጋንታ ብምዃን ምድላዋታ ትቕጽል፡ ኣንጻር ሱዳን ምሕዝነታዊ ግጥም ኣካይዳ 3-2 ተዓዊታ፡
* ዝሓለፈ ሰሙን ንሃገራቶም ወኪሎም ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ካሜሩን 2021 ክሳተፉ ካብ ጋንታታቶም ነናብ ሃገሮም ክፋነው ዝግብኦም ተጻወቲ ንተወሳኺ ሓደ ሰሙን ክጸንሑ ድሕሪ ምስምምዖም ገለ ሃገራት እተን ጋንታታት ይኽልክልኦም ኣለዋ ክብላ ይኸሳ
ኣብ 2021 ካብቲ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ ብዙሕ መጻሕፍቲ ሓንቲ ንባህላዊን ያታዊ ኣነባብራ ሕብረተሰብ ኤርትራ እትገልጽ፥ መጽሓፍ “መዘክር ወዲ ሃገረሰብ” ብመንገሻ ሃብተ ዝተጻሕፈት ብልጽቲ መጽሓፍ ኔራ። ብምኽንያት ምሕታም እታ መጽሓፍ ምስ ደራሲ መንገሻ ካብዝገበርናዮ ሰፊሕ ዕላል ቀንጪብና ደጊምና ናባኹም ነብሎ።
..........እቲ ንጉስ ቅሩብ ኲዒቱ፡ ደጊሙ እተን ሰለስተ ሕቶታት ሓተቶ። እቲ ባሕታዊ ግና መልሲ ከይሃበ፡ “ኣቐብለኒ እቲ መዂዓቲ ንስኻ ሓንሳብ ኣዕርፍ” በሎ። እንተኾነ እቲ ንጉስ ምዂዓቱ ቀጸለ። ሰዓታት ሓለፉ፡ መሬት ዓሪቡ ጽልምትምት በለ። ኣብ መወዳእታ ነቲ መዂዓቲ ደርብዩ፡ “ዝኸበርካ ፈላጥ ካብ ገዛይ ናብዚ ዝመጻእኩ ሕቶታተይ ክትምልሰለይ ደልየ እየ፡ ከይመለስካለይኮ ጸሓይ ዓሪባ።” በሎ።......
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,820 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners