
Sign up to save your podcasts
Or


** ኣብ U-K ቅድሚ ሕጂ ዘይተመዝገበ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮቪድ ተራእዩ
** ሓላፊ ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ብዛዕባ ዕሌት ኦመክሮንንን ደልታን ኮቪድ-19 ከም ዘሻቐሎ ፡ "ሱናሚ መልከፍቲታት" ከምዝፈጥር እኳ እንተ ገለጸ ፡ ኣብ 2022 ግና ዓለም ነቲ ለበዳ ንድሕሪት እትገድፎ ዓመት ክትከውን ተስፋ ጌሩ።
**ኣብ ስፖርት፡ ዝመጽእ ግጥማት ባይታ ተኒስ ኣውስትራልያ ኦፐን ን ሳማንታ ስቶሱር ናይ መወዳእታ ኣብ ንጽል ጸወታኣ ክኸውን እዩ ።
ኣርእስታት ጸብጻብ፥ *ሚንስትሪ ጥዕና ኤርትራ: መልከፍቲ ክቪድ-19 ድሕሪ ሓደ ወርሒ ብሸሞንተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ብምግላጽ ሓደስቲ መምርሒታት ከም ዘውጸአ ኣፍሊጡ። *ተጋሩ ሰዓብቲ እምነት እስልምና ፣ መበገሲ ኩናት ትግራይ ዓሌታዊ እምበር ሃይማኖታዊ ከምዘይኮነ ንዓረባዊ ማሕበረሰብ ብቋንቋ ዓረብ የገንዝቡ ኣለዉ ተባሂሉ። *ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንተኒ ብሊንከንን ፕረዚደንት ኬንያ ኤሁሩ ኬንያታን ኩናት ትግራይ ክሃድአሉ ብዛዕባ ዝኽእል መፍትሒ ከም ዝተዘራረበሉ ገሊጾም።
ኣብ 2021 ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነብሩ ገለ ኤርትራዊያን፡ ኣብ ወጻኢ ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ላዕሊ ታሕቲ ክብሉ ተራእዮም ኔሮም። ፈለማ ካብቶም ኣበገስቲ ናይዚ ሓሳብ ዝኾኑ ኣቶ ሳልሕ ጆሃር ቓዲ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ሓቲትናዮ ኔርና። ብድሕርዚ ነቲ ሓሳብ ካብ ዝተቓወሙ ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ኣቦ መንበሩ ዝኾነ ኣቶ በየነ ገረዝግሄር ርእይቶኡ ሂቡና ኔሩ። ነቲ ኣብዝተፈላለዩ እዋን ዘቕረብናዮ ገለ ካብ ትሕዝቶታቱ ኣካል ኣብዚ ዓመት ብብዝሒ ካብዝተሰምዑ መደባትና ጸሙኢቕና ኣቕሪብናዮ ኣለና። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ምሉእ እቲ ቃለ መሕትት ዘይምዃኑን ኣብዝተፈላለየ እዋናት ዝቐረበ ምዃኑን ደጊምና ክንሕብር ንፈቱ።
ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ዘሎ ውጥረት ምውሳኹ- ከምኡ 'ውን ናይ ሩስያ ወራር ከይፍጸም ስግኣት ኣሎ ፡ ድሕሪ ናይ ሸውዓተ ዓመታት እቲ ኣብ መንጎ ግጭት ሓይልታት ዩክረይንን ብሩስያ ዝድገፉ ተነጸልቲ ሓይልታት ዩክረይንን ዘሎ ኩነታት ምግዳዱ ፡ እቲ ናይ ሓዋሩ ሰላም ስምምዕ ዘይምስማሩ ዘጉልሕ እዩ ።
ስለምንታይ እዩ ግን ፡ እቲ ኣብቲ ዶንባስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዞባ ዘሎ ውግእ ንምፍትሑ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ?
*ቁጠባ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዕዳ ወጻኢ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ተባሂሉ።
*ኣብ ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ክፍጽሙሉ ዝኽእሉ ወርቃዊ ዕድል ሕጂ ከም ዝኾነ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ተዛሪቡ።
*ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከቡ ልዕሊ 71 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 92% ኤርትራውያን እዮም ተባሂሉ።። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና ክቐርብ’ዩ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,820 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners