
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት ጸብጻብ፥
ኣብ ኢትዮጵያ ቁጽሪ ብሰብ ስራሕን ብተፈጥሮኣዊ ሓደጋን ተጸበይቲ ረድኤት ዝኾኑ ሰባት ኣስታት 22 ሚልዮን ከም ዝበጸሐ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ውግእ ምስ ትግራይ ከም ዝቕጽል ገሊጹ።
ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ ማዕቀብ መሸጣ ኣጽዋር ብመሸጣ ድሮናት ቱርኪ ይጠሓስ ኣሎ ክትብል ከሲሳ።
ብካልእ ወገን: "ቅድመ መጠንቀቕታ ዘይብሉ ምንቁልቋል ውሕስነት ፀጥታ" ብምስጋእ ዜጋታቱ ካብ ኢትዮጵያ ብህጹጽ ክወጹ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዳግማይ ጸዊዑ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣላማጣ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ድሮንን ነፈርትን ብውሑዱ 42 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ልዕሊ 150 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ተሓቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ቀሪቡ ኣሎ።
እቲ ናይ ኮቪድ-19 ዓለት ዝኾነ ኦሚክሮን ብዝሒ መልከፍቲ ምውሳኹ ፡ ኣድላይነት ናይ መደንፍዒ ክታበታት ዝያዳ ኣትኵሮ ምግባር እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ።
ዋላ'ውን ቅድሚ ሕጂ ክታበት እንተተኸትቡ፡ ሰባት ንምንታይ መደንፍዒ ክታበት ከምዘድልዩ ኣብዚ ትሕዝቶ ተገሊጹ ኣሎ።
እዚ ቀጺሉ ዝቐርብ ትሕዝቶ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ እዩ፡ ኣብ ናይሎሚ መደብና ንኩነታት ኣየር ኣውስትራሊያ ዝጸልዉ ክሊማዊ ረቛሒታት እንታይ እዮም ዝብል ኣርእስቲዩ፡
ኵነታት ኣየር ኣውስትራሊያ ብብዙሓት ረቛሒታት ክሊማ ይጽሎ እዩ ።
ኣብ ኣውስትራልያ ካብ ዘለዉ ን ክሊማ ካብ ዝጸልዉ ነገራት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ኤል ኒኖ ን ላ ኒናን ፡ እቲ ንመብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ዘጋጥም ክሊማ በብዓመቱ ኣዝዩ ሓያል ጽልዋ ኣለዎም።
ኣርእስታት ዜና
** መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከይላባዕ መደንፍዒ ክታበት ብህጹጽ ክወሃብ ንመንግስቲ ኣውስትራሊያ ጸቕጢ ይግበረሉ ኣሎ።
**ቺለ ሓድሽ ፕረሲደንት መሪጻ።
** ቻይናዊት ኮኾብ ተጻዋቲት ባይታ ቴኒስ Peng Shuai ጾታዊ ዓመጽ ኣይተፈጸመንን ኢላ።
ኣርእስታት ዜና
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ልዕሊ 3.4 ሚልዮን ህዝቢ ብሰንኪ ድርቂ ተጸባዪ ረድኤት ከም ዝኾነ ተሓቢሩ። በቲ ድርቂ ልዕሊ 146 ሽሕ እንስሳታት ከም ዝሞታን ውን ተገሊጹ።
ብሰንኪ ኩናት ትግራይ ምስ ኣሜሪካ ርክባ ዝሕርፍፍ ዘሎ ኢትዮጵያ ኣብ 2021 ካብ ኣሜሪካ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ብምርካብ ካብ ቀዳሞት ኣሜሪካ ትሕግዘን ሃገራት ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ከም ዘላ ተሰሚዑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ሰራዊቱ ካብ ገለ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ዝሰሓበሉ ምኽንያት ንዘሓሸ ምድላው፣ ንሰላም ዕድል ንምሃብን ምትእትታው ግዳማውያን ሃገራትን ዝርከቡዎም ነጥብታት ዘርዚሩ።
መገዲ ኣየር ኬንያ ፤ ብመገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዝጸንሐ ደረጃ ብሉጽ መገዲ ኣየር ኣፍሪቃ ተረኺቡ።ሓጸርቲ ጸብጻባት ል ኡኽና ክቐርብዩ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners