
Sign up to save your podcasts
Or


ናይ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሬዝዳንት ብኮቪድ-19 ተለኺፉ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ መንግስቲ እንግሊዝ ኣንጻር እቲ ኦሚክሮን ዝበሃል ዓይነት ኮቪድ-19 ንምክልኻል ናይ ህጹጽ ስጉምቲ ይወስድ፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ኣንጻር ናይ ክታበት ግዴታታት ዝጻረር ተቓውሞታት ይቕጽል ።
ኣርእስታት ጸብጻብ
ሕግን ህንጸት ሃገርን ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ክሳለጥ ዝቐነየ ቅነ-ሕጊ ኣብ ኤርትራ ተዛዚሙ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣዲስ ኣበባ መቐለ ዘራኽብ ቀንዲ መስመር ወልድያ ኣላማጣ ከም ዝቖረጸ ኣቐዲሙ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።
ኣሜሪካ፣ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዓፋርን ኣምሓራን ፈጺሞምዎም ዝተብሃሉ ዘይተረጋገጹ መጥቃዕት፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን፣ ምዕናው መሰረተ ልምዓትን ከም ዘሻቐሉዋ ገሊጻ።
ጉባኤ ትካል ሃይማኖት ዳያስፖራ ትግራይ ኣብ ትግራይ ዘቕንዑ መጥቃዕትታት ደው ንክብሉ እጃሞም ክጽዕሩ ዝጠልብ ደብዳበ ናብ መራሕቲ ዓለም ከም ዝለኣኹ ተሓቢሩ።
ብ ዓርቢ 10 ታሕሳስ 2021 ብማሕበረሰብ ተጋሩን ኦሮሞን በቲ ካልእ ወገን ድማ ብማሕበረሰብ ኢትዮጵያዊያንን ገለ ኤርትራዊያንን ብሰንበት 12 ታሕሳስ 2021 ኣብ ከተማ መልበርን ፊት ፓርላማ ቪክቶሪያ ሰላማዊ ሰልፊ ጌሮም ኔሮም። ብዛዕባቲ ሰልፊ ምስ ኣተሓባባሪ ተጋሩ ዶ/ር ሰሎሞን ገብረስላሴ ከምኡ'ውን ምስ ኣተሓባባሪ ናይ ኢትዮጵያ ኣቶ ወንድም ኣገኘሁ ሲሳያ ብዛዕባቲ ሰልፊ ዝሃብዎ ሓበሬታ።
ኣብዚ ወቕቲ ሳመር ኣውስትራሊያውያን ንተመንን ሳሬት መንከስቲ ዝኾኑ መሰረታዊ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ስጉምቲታት ንኽመሃሩ መጠንቀቕታ ይወሃቦም ኣሎ ፡ ምኽንያቱ ብሰንኪ ኩነታት ኣየር ብዙሕ ለመምታን ሓሳኹን ክፍጠሩ'ዮም።
ክኢላታት ፡ እንታይ ክትገብሩ ከም ዘሎኩምን እንታይ ክትገብሩ ከም ዘይብልኩምን ፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ወርሒ እውን ካብ ሓደገኛ መርዚ ዘለዎም ኣትማንን ሸሞንተ እግሪ ዘለዎም ፍጡራትን ኣብ ምጥንቃቕ ከም ዘሎካ ይመኽሩ እዮም ።
** ኦሚክሮን ኣብ ኣውስትራሊያ እቲ ዓብላሊ ዓይነት ኮቪድ-19 ከምዝኸውን ኪኢላታት ይዛረቡ ...
** ቀዳማይ ሚኒስተ ኣብይ ኣሕመድ ካብ ግምባር ኲናት ናብ ቤ/ጽሕፈትኡ ተመሊሰ ኢሉ።
** ካናዳ ንኣውስትራልያን ብሪጣንያን ብምስዓብ ነቲ ኣብ በይጂንግ ዝካየድ ኦሎምፒክ ዊንተር ፡ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝምራሕ ዲፕሎማስያዊ ኣብያ ተጸምቢራ ኣላ ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners