
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት ጸብጻብ፥
ኣብ ኤርትራ ማእከል ምክልኻል ኮቪድ 19 ንምድንፋዕ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝተወፈየ ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ንሱዳን ከይሓወሱ ምስ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ስልኪ ምይይጥ ከም ዘካየደ ይገልጹ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍሪ ፌልትማን ናብ ሃገራት ቱርኪ፣ ግብጽን ዓረብ ኢመሬትስን ኣብ ጉዳይ ኩናት ኢትዮጵያ ወድሃበ ምይይጥ ንምስላጥ ይውጥን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ክልተ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ኢትዮጵያ ( )ኢቢሲ) ዝርከቡዎም ሰብሞያ ማዕከናት ዜና ከም ዝኣሰረ ኣብዚ ሰሙን ተገሊጹ።
ኣብ ዝመጽእ ዓመት 38 ሚልዮን ዝኸውን ህዝቢ ዞባ ሳሕልን ምዕራብ ኣፍሪቃን ሕጽረት መግቢ ከጋጥሞ ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ዝብሉ ጸብጻብ ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ክቐርብ እዩ።
ፋይዘር እቲ ናይ ኮቪድ-19 ክታበቱ ኣንጻር ኦሚክሮን ውን ብቑዕ ምዃኑ ኣፍሊጥሉ ኣብዘሎ እዋን ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ኣብ ሆስፒታላት ዝኣትዉ ሕሙማት ወሲኹ ፡ ንሰበ-ስልጣን ጥዕና ኣሻቒሉ ኣሎ ።
እዚ ዝመጽእ ዘሎ ፡ ኣብሪጣንያ፡ ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ ከየስፋሕፍሕ ቀይድታት ዳግም ኣተኣታትያ።
ኣቶ ኸሊል ዓሊ ኸሊል ካብ መራሕቲ ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ቪክቶሪያ እዩ። ንሱ ኣብዝተፈላለዩ እዋናት ብፍላይ ምስ ምኽሳት ኮቪድ-19 ንህዝቢ ኣብ ምሕጋዝ ብዝገበሮ ኣበርክቶ ናይዚ ዓመት ተሸላሚ Refugee Advocasy 2021 Award ኮይኑ ኣሎ። ብዛዕባ ዝተዋህቦ ሽልማትን ዝሰርሖም ንጥፈታትን ኣዕሊሉ ኣሎ።
ክሪፕቶካረንሲ ዲጂታላዊ ዓይነት ገንዘብ ኰይኑ ፡ ብሎክቸይን ብዝበሃል ቴክኖሎጂ ኣቢሉ ናብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክልኣኽ ይኽእል እዩ ።
ነዚ ዲጂታላዊ ገንዘብ ኣብ ቦርሳኻ ክትሕዞ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብ ማእከል ዝ ኣቱ መንጎኛ ዘይብሉ ፡ ነቲ ናትካ ሰናቲም ወይ ኮይን ከም ድላይካ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ ።
ኣውስትራሊያዊያን ነዚ ናይ ክርይፕቶክራሲ ብብዝሒ ይጥቀምሉ እንተኾነ ብዛዕባ ኣብዚ ኤለክትሮኒካዊ ገንዘብን ዲጂታዊ ሰረቕቲን ዘስዕቦ ሓደጋ ብዘይምግንዛብ እዩ ፡ ስካመራት ወይ ናይ ሓሶት ንሰባት ክሪፕቶ ንምግዛእ ኣታሊሎም ኣብ ናይ ሓሶት ከውፍሩ ከጋግይዎም ይከኣልዩ ።
** ኲንስላንድ ሓድሽ መልከፍቲ ኮቪድ ስለዘይተራእየ ዶባ ኣቐዲማ ክትከፍቶ ኣብግምት ከተእትዎ ምዃና ኣፍሊጣ
** ኣውስትራሊያ ንገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ዶባ ምዕጻዋ ኣድልዎ ምግባር ምዃኑ ተገሊጹ
** መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ ከተማታት ካብ ሓይሊታት ትግራይ ሓራ ኣውጺእና ኢሉ፡ ደብዳብ ድሮን ኣብ መቐለ ከምተገብረ ኣፈኛ ትግራይ ገሊጹ
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners