
Sign up to save your podcasts
Or


ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (28/10/2021)
* ኣውስትራልያ መደንፍዒ ክታበታት ኮቪድ-19 ክትህብ ክትጅምር እያ
* ቪክቶርያ 25 ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም ድሕሪ ምማቶም ዝለዓለ ቁጽሪ መወቲ ኣብ መዓልቲ መዝጊባ
* ኣብ ኲንስላንድ ዝነብሩ ኤርትራውያንን ኤርትራዊያን ኣውስትራልያውያንን ኩነታት ኣብ ሊብያ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዓለም ንምቅላሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም
ጸብጻባት ዜና:
* ሓይልታት ትግራይ: ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኢዶም ክህቡ፤ ህዝቢ ከተማታት ደሴን ኮምበልቻን ካብ ዓዱ ከይሃደመ ከተማታቱ ክሕሉ ፀዊዖም:
* መንግስቲ ኢትዮጵያ: "ከተማ ሓይቅ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ህወሓት ኣትያ" ዝብል ዜና ንዘቕረቡ ክልተ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ ብራዕዳዊ ገበን ከሲሱዎም ተባሂሉ:
* ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት 6800 ከምዝበጸሐ ሚንስትሪ ጥዕና ኣፍሊጡ:
24 መራሕቲ ናዚ ጀርመን ኣብ ዓለምለኻዊ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ኑረምበርግ ፍርዲ ካብ ዝወቦም 75 ዓመታት ኮይንዎ'ሎ። 19 ካብኦም ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ገበናት ኲናትን ምእዋጅ ዘይሕጋዊ ኲናትን ገበነኛታት ተባሂሎም። እቲ መስርሕ ፍርዲ ክሳብ ሎሚ ንዓለማዊ ፍትሒ መሰረታውያን ዝኾኑ ኣምራት ብምቛም ታሪኽ ሰሪሑ'ዩ።
ብሰኑይ ፡ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ሱዳን፡ ዕጡቓት ሓይልታት ንሲቪላዊያን ኣባላት ሏኣላዊ ባይቶ፡ ሚኒስተራትን ንቐዳማይ ሚኒስተር ሓምዶክ ከምዝኣሰሩ ኣፍለጠ።
ኣብዚ እዋን ናይ ሱዳን ላዕለዋይ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ናይ ህጹጽ እዋን ድንጋገ ኣዊጁ ፡ ነቶም ነቲ ምስግጋር ዝመርሑ ሰበስልጣን ብምብታን ሓድሽ መንግስቲ ከምዝመስረተ ኣዊጁ ። ነዚ ምዕባለ ብቐረባ ዝከታተሎ ብርሃን እስማዒል ጃብር ካብ ከተማ መልበርን ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ዕልዋን ድሕሪኡ ዘሎ ኩነታትን ተንቲኑልና ኣሎ።
ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም ካብተን ዝለዓለ መጠን ናይ ቆርበት ካንሰር ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ። ሜላኖማ ሓዊስካ መብዛሕትኦም መንሽሮታት ቆርበት ዝፍጠሩ ፡ ዋህዮታት ቆርበት ምክልኻል ከይተገብረሎም ናብ ኣልትራቫዮለት ወይ UV, ወይ ናብ ጨረርታ ጸሓይ ምስዝቃልዑ እዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ መደብና ነቶም ጸሊም ናይ ቆርበት ሕብሪ ዘለዎም ወሲኹ፡ ቆርበት መንሽሮ ዝስዕቡ ሓደገኛ ረቛሒታት ኣብ ኣውስትራሊያ ካብ ዘሎ ጸሓይ ሓደጋ ብኸመይ ትከላኸሎ ክጥምት'ዩ ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners