
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት ዜና
*ቪክቶሪያ 70 ሚእታዊ ህዝባ ተኸቲቡ ካብ ቀይዲ ክትወጽእ ኣብትዳለወሉ ካልእ ብዝሒ ዘለዎ መልከፍቲ ኮቪድ ተረኺቡ።
** ኣውስትራሊያ ኣብ ዋና ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ምፍጻሙን ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት እናገደደ ምምጽኡን ከምዘተሓሳስባ ገሊጻ ።
ሓንቲ ካብተን ክታበት ኮቪድ-19 ንህዝበን ዘይከትባ ዘለዋ ናይ መወዳእታ ሰለስተ ሃገራት ዓለም ዝኾነት ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብሩንዲ ሃገራዊ ወፍሪ ምኽታብ ፡ ብሰኑይ ጀሚራ ። ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ፡ ሰሜን ኮርያን ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነት ኤርትራን ጥራይ እየን ክታበታት ኮቪድ-19 ንህዝበን ዘይከትባ ዘለዋ ።
*** ዋንጫ ዓለም ካብ ኣኣብ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ኣብ ነፍሲወከፍ 2 ዓመት ክጎድል ንዝቐረበ እማመ ተቓዉሞ ይገጥሞ።
ኣርእስታት ጸብጻብ፥
ውድብ ሕቡራት ሃገራት: ኣብ መቐለ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ፤ ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ዝርከቡዎም ሲቪላት ግዳያት ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።
ብኤርትራዊ ዝውነን ትካል ጉጅለ Constructionንን ልምዓትን $8,000 ዶላር ዝግመት ቦንድ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዓዲጉ ተባሂሉ።
ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ዞባታት ምብራቕ ወለጋን ሆሮ ጉድሩን፡ ዘሎ መጥቃዕቲ ናብ ማሕበረሰባዊ ጎንጺ ከይላባዕ ሓይልታት ፀጥታ ክዋፈሩሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ሓቲቱ።
ሰራዊት ትግራይ ንወተሃደራዊ ስርሒታት ኣገደስቲ ዝኾና ክልተ ከተማታት ብምቁጽጻር "ንደሴን ኮምበልቻን ኣብ ትሕቲ ናይ መድፍዕ ርሕቀት ኣእትዩወን'ሎ" ክብል ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
ዶ/ር ትኳቦ ተስፋሚካኤል፡ ኣብ ኲንስላንድ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ተክኖሎጂ፡ መምህርን ተመራማሪን ኮይኑ፡ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ኣብ ፖለቲካ ናይ ኤርትራ ዝነጥፍ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተተሓሒዙ፡ ኤርትራዊያንን ስግኣቶም ትጽቢቶምን ብዘንጸባርቕ ኩነታት ሓሳቦም ከቕርቡ ኣብ ገሊኡ ክውደቡን ክዛተዩን ይስትውዓሉ’ዮም። ብዛዕባዚ ስግኣቱን ገለ ፍታሓትን ዝበሎ ሓሳብ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤል ካብ
ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊያ ንተራ ሰባት ዘደናግር ክኸውን ይኽእል እዩ ፤ ነዚ ንምፍላጥ ሞያዊ ሓገዝ የድሊ ይኸውን ። እንተዀነ ግን: ጠበቓታት ኣማእታት ዶላራት ብሰዓት እናኸፈሉ : ኵሉ ሰብ ፍትሒ ክረክብ ኣይክእልን እዩ ። ይኹን "ምበር ፡ ብሕጋዊ ሓገዝ ወይ legal aid.ኣቢልካ ናጻ ሓገዝ ክትረክብ ይከኣል እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ተተሓሒዙ፡ ኣብዝተፈላለዩ ዝርከቡ ተጋሩን ኤርትራዊያንን ስግኣቶም ትጽቢቶምን ብዘንጸባርቕ ኩነታት ሓሳቦም ከቕርቡ ኣብ ገሊኡ ክውደቡን ክዛተዩን ይስትውዓሉ’ዮም። ብዛዕባዚ ስግኣቱን ገለ ፍታሓትን ዝበሎ ሓሳብ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ትካቦ ተስፋሚካኤል ካብ ኲንስላንድ ዩኒቨርሲቲ ኦፍ ተክኖሎጂ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners