
Sign up to save your podcasts
Or


ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ተመሃሮ ናብ ክፍሊታት ከይዶም ክመሃሩ ጀሚሮም ።
** ወታሃደራዊ ሓይልታት ሰኑይ ወጋሕታ ንሓያሎ አባላት ሲቪላዊ መሪሕነት ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ኣል ሃዳድ ቲቪ ጸብጺቡ ፡ ሓደ ፍሉጥ ጉጅለ ደሞክራሲ ፡ ሱዳናውያን ዝኾነ ወታሃደራዊ ዕልዋ ንክፍጽሙ ናብ ጎደናታት ክወስዱ ጸዊዑ ።
ምንጭታት ስድራቤት ንሮይተርስ ከም ዝሓበርዎ: ወተሃደራውያን ሓይልታት ኣብ ቤት ናይቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣማኻሪ ብማዕበል ብምእታው ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞ ።
** ዘይተኸትቡ ተጻወትቲ ኣብቲ ናይ ዝመጽእ ዓመት ኣውስትራሊያ ኦፐን ዉድድራት ባይታ ተኒስ ክሳተፉ ክፍቀደሎም እዩ።
ኣርእስታት ጸብጻብ፡
ሓይልታት ትግራይ ንደሴን ኮምበልቻን ኣብ ናይ ቀረባ ርሕቐት ንዝርከባ ከተማታት ኩታበርን ተንታን ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጾም ፤ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ንፋብሪካ ጨርቀመርቂ ኣልመዳን ኣብ ማይጸብርን ደብዲበ ኢሉ።
ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ናብ ኤርትራ ዘቕንዓ መራኽብ ክዓጹ ኣባል ኮንግረስ ብራድሊ ጄምስ ሸርማን ንኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓቲቱ።
ኮምሽነር ዓለምለኻዊ ምሕዝነት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ሩዋንዳን መገሻ ክህልወን ዩ ተባሂሉ።ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና።
ቻይና ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናይ 2022 ኦሎምፒክ ሓጋይ ንምትእንጋድ ኣብትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ፡ ናይ ኮቪድ-19 ለበዳ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። ፣ ምብራቕ ኤውሮጳ ምስዚ ለበዳ ዝተኣሳሰር ኣብ ሓደ ጸሊም ምዕራፍ እያ ክትርከብከላ ፣ ደቡብ ኮርያ ከኣ ኣብ ጕዕዞ ክታበት ኣገዳሲ ዓውት ከምዝበጽሀት ይግለጽ።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/10/2021)
* ኢትዮጵያዊት ለተሰንበት ግደይ ኣብ ቫለንስያ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ደቀንስትዮ ሓድሽ ክብረወሰን ዓለም ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡
* ኤርትራዊ ዓወት ሃብተ ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ እግሪ መሮር ዓወት ኣመዝጊቡ፡
* ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ስታድየም ባህር ዳር ንመጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብቑዕ ኣይኮነን ተባሂሉ ብካፍ ድሕሪ ምውሳኑ ኢትዮጵያ ኣንጻር ጋና ዘለዋ ግጥም ኣብ ጆሃንስበርግ ከተካይዶ መሪጹ፡
* ቀዳማይ እግሪ መጻረዪ ግጥም ንዋንጫ ሃገራት ኣፍሪቃ ደቀንስትዮ 2022 ኢትዮጵያ ብኡጋንዳ 2-0 ተሳዒራ፡
* ቻይና ብሰንኪ ኣተሓሕዝኣ ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ማሕበረሰባት ነቐፌታ ክቐርበላ እንከሎ ትወስዶም ቅጽበታዊ ስጉምትታት ንኩዕሶ ሰኪዐት ኣሜሪካ ኤንቢኤይን ጋንታታቱን ኩሉ ግዜ ኣብ ፍርሒ ከምዝነብሩ ጌርዎም ክብሉ ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ስግኣቶም ይገልጹ
መንግስቲ ዑመር ኣልበሺር ብህዝባዊ ምልዕዓላት ምስተዓልወ፡ ብወተሃደራዊን ሲቪልን ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ነታ ሃገር ከመሓድራ ጸንሑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መንጎ ክልቲኡ ክንፊ ናይቲ መንግስቲ ዘሎ ምውጣጥ ነታ ሃገር ናይ ሓደጋ ኩነታት ኣንጸላልይዋ ኣሎ። እዚ ኣብ ሱዳንን ኣብቲ ከባቢን ከምጽ ኦ ዝኽእል ቅልውላው እንታይ ክመስል ከምዝኽእል፡ ኣብ ራድዮ 3CR ጋዜጠኛን፡ ንፖለቲካ ሱዳን ብቐረባ ዝከታተልን ብርሃን እስማዒል ጃብር ኣዘራሪብናዮ ኣሎና ቀዳማይ ክፋሉ ቀሪቡ ኣሎ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners