
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት ጸብጻብ፥
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብቲ ምስ ትግራይ ዘሎ ውግእ ንሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣጽዋር ብምጉዓዝ ክዋሳእ ከም ዝጸንሐ ሲኤንኤን ኣቃሊዑ።
ዝቕባበ ዋጋ መግቢ ኣብ ኢትዮጵያ ካብቲ ነቲ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን ብልዕሊ 40% ከም ዝወሰኸ ኤጀንሲ ስታትስቲክስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ካቢኔ ኢትዮጵያ መራሒ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቖመ ህወሓት ንመቐለ ምስተቖጻጸረ ዝፈረሰ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ዝርከቡዎም 22 ሰባት ተሾይሞም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝበዝሑ መንእሰያት ዝርከብዎም ን ማሕበረሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ቪክቶሪያ ክመርሑ ዝተመርጹ፡ ዘለዎም ራኢን መዲቦሞ ዘለዉ ስራሓትን ኣካፊሎሙና ኣለዉ። ኣብዚ ዘተ ዝተሳተፉ፡ ኣቦመበር እቲ ኮሙኒቲ ባሪ በርህ፡ ተሓዝ ገንዘብ ሳዓድ ጃብር፡ ሓላፊት ህዝባዊ ርክባት ኣላ ዑስማን፡ ከምኡ'ውን ሰሚር ኢማምን ብርሃን ጃብርን እዮም።
Medicare ናይ ኣውስትራሊያ ኣድማሳዊ ናይ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ስርዓት እዩ ፤ በዚ መሰረት ኩሎም ኣውስትራሊያውያን ናይ ሓለዋ ጥዕና ኣገልግሎታት ንክረኽቡ ውሕስነት ይኸውን ።
ልዕሊ ፍርቂ ካብ ኣውስትራሊያውያን ናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ኣለዎም ። ብዙሓት ሰባት ኣብ ናይ መንግስቲ ሆስፒታላት ነዊሕ ትጽቢት ንኸይገብሩ ወይ ከም ናይ ስኒ ሕክምና ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ይዕድግዎ እኳ እንተዀኑ: ካልኦት ግን ናይ ካብ ግብሪ ረብሓታት ንምርካብ ኢሎም እዮም ናይ ጥዕና ኢንሹራንስ ዝኣትዉ።
ናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ንዓኹም ይጠቅም ድዩ? ኣብዚ ትሕዝቶ ክግለጽ'ዩ።
ቀንዲ ነጥቢታት ዜና፡
** ምክትል ፕሪሜር ኒው ሳውዝ ወልስ ካብ ስልጣኑ ይወርድ..
** መልበርን ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ መዓልታት ናይ ኮቪድ-19 ዕጽዋ ዝገበረት ምዃና ተፈሊጡ\
** ጋንታ ፐንሪዝ ፓንተርስ ን ሳውዝ ሲድኒ ብምስዓር ናይ ሎሚ ዓመት NRL ሻምፕዮን ኮይና.
ሓጸርቲ ጸብጻባት፥
መንግስቲ ኢትዮጵያ 7 ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጽኡ ዘውጽኦ ትእዛዝ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ውዱቕ ኮይኑ።
በዓል ኢሬቻ ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ክፍትሑ፣ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ብዝጠልቡ ተቓውሞታት ተዓጂቡ ተኸቢሩ።
ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ረድኤት ከም መሳርሒ ፖለቲካ ምጥቃም ደው ክተብል ኬንያ ሓቲታ።
ህጻናትን ደቂኣንስትዮን ዝርከብኦም ልዕሊ 500 ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከም ዝተኣስሩ ተገሊጹ።
ኣቦ መንበር ዓረናን ኣባል ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ኣብርሃ ደስታ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ግፍዒ ደው ከብል ድሕሪ ምሕታቱ ተኣሲሩ ዕግርግር ብምልዓል ተኸሲሱ።
ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ሓጸርቲ ጸብጻባት ልኡኽና።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners