
Sign up to save your podcasts
Or


ኣርእስታት ጸብጻብ፥
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገብሮ ዕጽዋ መገዲ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ኦሮምያን ትግራይን ቁጽሪ ብጥሜት ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ ተባሂሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ናብ ትግራይ ዝወስድ መገዲ ክፉት ክኸውን ጸዊዑ።
ቻይና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝግበር ማዕቀብ ኮነ እገዳ ተቓዊማ።
6 ኣባላት ድሕነት ሱዳን ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣይኤስ ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉ ተጠርጠርቲ ኣብ ዝነበረ ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝተቐትሉ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኬንያ ልዕሊ 2 ሚልዮን ዜጋታት ሓደጋ ጥሜት ከም ዘንጸላልዎም ተሓቢሩ።
ቅድሚ 11 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ኲናት ካብዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ኣብ ኤርትራዊያን ደለይቶ ለውጢ ምስቲ ዝማዕበለ ኩነታት ገለ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ተራእዩ'ዩ። ነዚ ሓሳብ ኣልዒልና ኣብ ክልተ ዝተፈላለዩ ናይ ለውጢ ደምበ ዝዋስ ኡ ኣቶ ሰሎሞን ገብረየሱስን ኣቶ በረኸት ካሕሳይን ኣዘራሪብናዮም ኣለና። ቀዳማይ ክፋሉ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ
ሓድሽ ናይ ገዛ ልቓሕ ክትወስድ ወይ'ውን ነቲ ልቓሕ ዳግም ከተገምግሞ እንከለኻ ፤ ኣብ መንጎ ወለዱ ዘይለዋወጥ ወይ ፊክስድ ሬትን መጠን ወለዱ ዝቀያየር ወይ ቫሪያብል ሬት ናይ ልቓሕ ኣገባብ ክትመርጽ ትሕተት ። ክልቲኦም ከከም ቊጠባዊ ኵነታትካን ብሕታዊ ምርጫኻን ናይ ገዛእ ርእሶም ፍሉይ ጥቕምታትን ብድሆታትን ኣለዎም ።
ኣብዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ መደብና ናይ ገዛ ልቓሕ ኣብዝሕተተሉ እዋን ብዛዕባ ዘይለዋወጥን ዝለዋወጥን መጠን ወለድ ክገልጽ እዩ።
ብዛዕባ ኣብ ጀርመን እተኻየደ ምርጫን ዉጽኢቱን ዝምልከት፡ ተሳትፎ ኤርትራዊያን ኣብ ፖለቲካ ጀርመን ከመይ ከምዝመስል ምስ ኣዳላዊ መስትያት ቤትናን ናይ ጀርመን ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዘካርያስ ክብረኣብ እተገብረ ካልኣይ ክፋል ቃለ መሕትት።
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/09/2021)
* ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ሃይሉ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ሻምፒዮና ዓለም ካልኣይ ወጺኡ ንኤርትራ ኣፍሪቃን ናይ ፈለማ ብሩር መዳልያ ብምዕታር ታሪኽ ሰሪሑ፡
* ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ጎትይቶም ገብረስላሰን ጉያ ኣዶላን ብክልቲኡ ጾታታት ተዓዊቶም፡ ቀነኒሳ በቀለ ሳልሳይ ወጺኡ፡
* ኢትዮጵያ ዝመጽእ ወርሒ ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ ተካይዶም መጻረዪ ግጥማት ንዋንጫ ዓለም 25 ተጻወታ መሪጻ፡
* ብፊፋ ዝቐረበ ዋንጫ ዓለም ኩዕሶ እግሪ ኣብ ክንዲ ኣርባዕተ ዓመት ጸቒጡ ዝካየድ ክልተ ዓመት ሰጊሩ ክካየድ ዝጠልብ እማመ ተቓውሞታት የጋጥምዎ፡
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners