
Sign up to save your podcasts
Or


ብዛዕባ ኣብ ጀርመን እተኻየደ ምርጫን ዉጽ ኢቱን ዝምልከት ኣዳላዊ መስትያት ቤትናን ናይ ጀርመን ዜግነት ዘለዎ ጋዜጠኛ ዘካርያስ ክብረኣብ እተገብረ ቀዳማይ ክፋል ቃለ መሕትት።
ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ
* ፕሪምየር ኒው ሳውዝ ዌልስ መምርሒታት ኮቪድ-19 ዝፎኽሱሉ በዓል ሰለስተ ደረጃ ብመስርዕ ዳግማይ ንምኽፋት ዘኽእል መደብ ኣፍሊጣ።
* ላዕለዋይ ኣመሓዳሪ ሰልፊ 'ፍሪ ደሞክራቲክ ፓርቲ' ጀርመን ድሕሪ’ቲ ተቐራራቢ ውጽኢት ምርጫ ናይ ሰንበት ዘተተታት ንምምስራት መንግስቲ ኣዋርሕ ክወስዱ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ።
* ሰራዊት ሱዳን ብሓይልታት ኢትዮጵያ ናብ ዶብና ዝተኻየደ ፈተነ ምእታው ኣፍሺልናዮ ክብል ገሊጹ።
* ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ካይሮ ብቁጠባዊ ምኽንያታት ን3-6 ኣዋርሕ ስራሓቱ ኣብ ግብጺ ከወንዝፍ ምዃኑ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ገሊጹ
ህጻናት ተሰከምቲ ኣደራዕ ጽልዋታት ክሊማዊ ለውጢ ክኾኑ ምዃኖም ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝተፈልጠ’ዩ፡ ንሶም ወላሓንቲ ዘየበርከትሉ ቅልውላው። እንተኾነ ግን ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ካብ ትካል ህጻናት ኣድሕን (Save the Children) ክንደይ ተወሰኽቲ ክሊማ-ዘበግሶም ተፈጥሮኣዊ ዕንወታት እዞም ሎሚ ዝተወልዱ ህጻናት ከጋጥምዎም’ዮም ንዝብል ሓደ ቁጽሪ ኣቐሚጦምሉ’ለው። እቲ ጸብጻብ ብማእከላይ ገምጋም ሓደ ሓደ ዓመት ዕድመ ዘለዎ ህጻን ካብ ኣባሓጎታቱ ክሳብ 24 ግዜ ዝተዓጻጸፈ ዝያዳ ባርዕ ሓዊ፡ ምዕልቕላቓት፡ ዕንወት ኣዝርእቲ፡ ደርቅታትን ማዕበላት ሙቐትን የጋጥምዎ ክብል ደምዲሙ።
ክቡራት ሰማዕትና ኣብ መርበብ ሓበሬታ theconversation.com ‘How conflict has made COVID-19 a neglected epidemic in Ethiopia (ኣብ ኢትዮጵያ ጎነጽ ንኮቪድ-19 ከመይ ኢሉ ዝተረሰዐ ለበዳ ከምዝገበሮ)’ ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ርእይቶ ብዶክተር ፍስሃ ሃይለ ተስፋይ ኣብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ናይ ድህረ ምረቓ ተመራማርን ዶክተር ሃይላይ ኣብርሃ ገሰሰው ኣብ ሓደ ብAustralian National Health and Medical research Council (NHMRC) ዝምወል ፕሮጀክት ዋና መርማሪን ዝሓለፈ ሰሉስ ተጻሒፉ ኔሩ። ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ’ዚ እዋን እናበኣሰ’ዩ ዝኸይድ ዘሎ። እቲ ቀንዲ ደፋኢ ናይ’ዚ ለበዳ ‘ዓሌት ደልታ’ ድዩ ኣይኮነን ገና ኣብ መጽናዕቲ ይርከብ። ስለ’ዚ ንምንታይ’ዩ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝለዓለ ቀዳምነትን ህጹጽነትን ተዋሂብዎ ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ዘይኮነ ዝብሉን ምስኡ ዝተሓሓዙ እዋናዊ ጉዳያትን ዝተንከፈ ብዛዕባ’ዚ ጽሑፍ ክንዝቲ ምስ ሓደ ካብ’ቶም ጸሓፍቱ ዶክተር ፍስሃ ሃይለ ዘካየድናዮ ዕላል።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners