
Sign up to save your podcasts
Or


ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/09/2021)
* ግዝኣታት ኒውሳውዝ ዌልስን ቪክቶርያን ዝለዓሉ ቁጽርታት መልከፍቲ ኮቪድ-19 ከምዝረኸባ ሓቢረን፡
* ኣውስትራልያን ኣሜሪካን ምስ ፈረንሳ ዘለውን ዝምድና ከዐርያ ይጓየያ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ግን ተሪር ኣካይዳ መሪጻ፡
* ቻይና ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተነብረ ሓድሽ ዙርያ እገዳታት ከምዘይትቕበሎ ኣፈኛ ወጻኢ ጉዳያታ ኣፍሊጡ
ካልኦት ኣርእስታት ጸብጻብ፥
መራሕቲ ትግራይን መራሕቲ ኢትዮጵያን ቅርሕንቶም ብዝርርብ ንምፍታሕ ወከልቲ እንተመዲቦም እቲ ተፈሪሙ ዘሎ ማዕቀብ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ኣሜሪካ ኣፍሊጣ።
ልዕሊ ሰላሳ ዓለምለኻውያን ትካል ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብስራሕ ረሃብ ክፍታሕ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክሕይል ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ተማሕጺኖም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ 2021 ዓ.ም መረጻ ዘይተኻየደለን ክልላት ሶማልን ቤንሻንጉል ጉሙዝን ቀጻሊ ሰሙን መረጻ ከካይዳ ኣብ ዝዳለዋሉ እዋን ኣብ ሶማል ዝናሓንሑ ልዕሊ ሰለስተ ሰልፍታት ፖለቲካ ካብቲ ውድድር ከም ዝወጹ ከፍልጡ እንከለዉ ኣብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ከኣ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ሓቲቶም።
መራሕቲ ፖለቲካን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሱዳን ኣብ ጉዳይ መስርሕ ስግግርን እታ ሃገር ንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።
ሓደስቲ ቀዋሚ መንበሪ ፈቓድ ዝረኸቡ ሰባት ዝበዝሑ ክፍሊታት መንግስቲ ክረኽቡ ቅድሚ ምኽኣሎም ኣርባዕተ ዓመት ምጽባይ ከድልዮም እዩ። ኣብ ሕግታት ክፍሊት ማሕበራዊ ድሕነት/ሶሻል ሰኲሪቲ ኣውስትራልያ ዝተገብሩ ምቅይያራት ኣብ 2022 ኣብ ተግባር ክውዕሉ ክጅምሩ’ዮም። እዚ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ ነዞም ሓደስቲ ንውሓት ትጽበይሎም ግዜታት፡ እቶም ክፍሊታት ንመን ይግብእዎን ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኸኣ እንታይ ሕድገታት ይህልውን ክገልጽ’ዩ።
ክቡራት ሰማዕትና ኩነታት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ኣብ ልዕሊ’ቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸቕጥታት እናወሰኹ ይኸዱ’ለው። ብፍላይ ከኣ እቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ብፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ዝወጸ ሓድሽ ትእዛዝ ነቶም ነዚ ኲናት ዘጋድድዎ ዘለው ወገናት፡ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ነቲ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ ኣብ ጠረጴዛ ዘተ ኮፍ ንኽብሉ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ ሓይልታቱ ከውጽእ ጸቕጢ ዘሐይል ስርዓተእገዳ/ሳንክሽንስ ረጂም የቕውም። ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ሰለስተ ገጻት ዝሓዘ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ባይደን ብምልኣኽን ቅሉዕ ደብዳበ ብምጽሓፍን ተቓውሞኡ ገሊጹ። መንግስቲ ኤርትራ ጸኒሑ ነቲ መጠንቀቕታ እገዳ ዝነጽግ መግለጺ ኣውጺኡ። ህወሓት ብመንገዲ ኣፈኛ ጌታቸው ረዳ ንሰላማዊ ዘተ ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣሜሪካ ነዞም ግብረመልስታት ምስ ተዓዘበት ትዕግስታ ከምዝወድአት ዘመልክት መሊሳ ሶኑይ ነቲ መልእኽቲ ደጊማቶ። ነቲ ኣማኻሪ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝኾነ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ዘስምዖ ጽልኢ ዝተሓወሶን ንህልቂት ዝጽውዕ መደረ ብትሪ ኮኒናቶ። ስለ’ዚ ክሳብ ክንደይ’ዩ እዚ ናይ ኣሜሪካ ተበግሶ ተሰማዕነት ዘለዎን ኣብ ባይታ ለውጢ ዘምጽእን፧ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታትን ሚዛን ሓይልን ከይተቐየረ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ዘተ ዝሕሰብ ድዩ፧ ነዚኦምን ካልኦትን ምስ’ዚ ጉዳይ ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ንምንጻር ንኣባል ቦርድ ኤሪፕስ ወይ ትካል መጽናዕቲ ኤርትራውያን ንፖሊሲን ስትራተጂን ኣቶ ኣምሃ ሃብተማርያም ደረስ ሓቲትናዮ ኔርና።
ምርጫ ጀርመን፡ ንምትካእ ኣንገላ መርከል ከም ቻንስለር፡ ዝመጽእ ሰንበት 26 መስከረም ክካየድ’ዩ። እንተኾነ ግን ወይዘሪት መርከል ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ከም ዓርሞሸሽ ትረአ እንተነበረት’ኳ ብዙሓት ጀርመናውያን ሃገሮም ኣብ ዓለምለኻዊ ፖለቲካ መሪሕ ተራ ክትሕዝ ቃልዓለም የርእዩ።
From the publisher's feed

4 Listeners

10 Listeners

9 Listeners

111,821 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

3 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners

0 Listeners