ትምህርትን ምህሮን ብዝምልከት ኣብ ሕብረተሰብና ብዙሓት ቢሂላት ክበሃሉ ከለዉ ንሰምዕ ፡ ከምኡውን ከም ኣድላይነትን ኩነታትን እንዳ ኣስተብሃለ ህዝብና ኣብ መዓልታዊ ዝርርብ ክጥቀመሎም ኵሎ ንዕዘብ፡፡
ትምህርቲ ከምኡውን ሙህሮ ብመሰረቱ ከም ዓወደ ምትሕልላፍ ፡ ምቅሳም ፍልጠትን እንኽኸውን : ንሎሚ ሰለስተ ኣገደስቲ ቢሂላት ወለድና ኢልና ዝሓሰብናየን ፡ ናባኹም ተከታተልቲ መደብ ነብለን።
ቀዳማይ ፡ "ዘይተማህረ ነየድሕን ዘይተወቕረ ነየጥሕን" ይብሉ ወለድና እምኒ ምስ ትምህርቲ እንከዛምዱ ።
ንምዃኑ "እምኒ" እንታይ ምስ "ትምህርቲ" ኣዛሚድዋ ኢልና ከነስተንተን ንኽእል ።
ከም እንፈልጦ ምዉቓር እምኒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጥራይ ዘይኮነስ ቀጻሊ ብልሒ መጥሓን መምስ ዝጎድል ስለ ዝትግበር ፣ ከምኡ ኸኣ ነዚ ቀጻሊ ምዉቓር እምኒ ዝተዓዘበ ለባም ኣረዳድኣ ሕብረተሰብና ትምህርቲ ትርጉም ንኽህልዎ ቀጻልነት ምስ ዝህልዎ እዩ ንምባል ዶ ይኸዉን ፧
ብኻልእ ወገን ምስ እንዕዘብ ትምህርቲ ወዲኤ እየ ፣ ተመሪቐ’የ እናተባህለ እንዛረበሉ ዘበን 'ከም`ቲ መጥሓን እምኒ ምዉቃሩ ወዲኡ ንስራሕ ቅሩብ እየ ማለትና ዶ ይኸዉን ፧
እንተዘየሎ ሲ ትምህርቲ መወዳእታ ሃልይዋ ትምህርቲ ወዲኤ ፣ ተመሪቐ እየ ዝብል ዘረባ ትርጉም ዘለዋ ኮይኑ ኣይረኣየናን።
ብጉዳይ ኣፍራይነት ምስ እንምልከት ዝተወቕረ እምኒ ኣብ ንጡፍ ስርሓት ምጥሓን እኽሊ ይስልጥን ፣ ብዝግባእ ዝተጣሕነ እኽሊ ኸኣ ብቑዕ ምግቢ ኾይኑ ኣብ ዕንጋለን ፡ ምህናጽ ሰብ ኣስዒቡ መላእ ሕብረተሰብ ይዉዕል ።
ከምኡ ከኣ እዛ ከም ዝዉቱር እንሰምዕ መጥሓን እምኒ ምስ ትምህርቲ እተዛምድ ምስላ ወለዲ እምኒ እኳ ተወቒሩ መጥሓን ክኸዉን ካብ ዝተኻእሎ ፣ ትምህርቲ ንወዲሰብ ናብ ኣፍራዪ ፣ ሃናጺ ናብ ምዃን ክቕይሮ ይካኣሎ እዪ ካብ ዝብል ሰናይ ምንዮት ኣረዳድኣ ሕብረተሰብና ዶ ይኸውን፧
ንዓና ከምዝረኣየና እዚ እንፈልጦ እምኒ "መጥሓን" ሰምዒት ሃልይዎ ምዉቓር የሕምሞ እዩ ፣ የቐንዝዋ'ዪ ኢለና ኣፍና መሊእና እንተዘይ ሞጎትና መዉቐርቲ ግና ነቲ ናይ ትማሊ ተራ እምኒ ለወጢ ከምዘምጽኣሉ ዘካትዕ ጉዳይ ኮይኑ ኣይረኣየን ።
ብምቕጻል ትምህርቲ ከም ምዉቓር ናይ መጥሓን ምስ እንርድኦ ፣ ኣብ ወዲሰብ ለዉጢ የምጽእ ።ለዉጢ ዝፈጥሮ ፣ ዘስዓቦ ኸኣ ወዲሰብ ቃንዛ ክህልዎ ናይ ግድን ይኸዉን ኢለና ንሓሰብ።
ካልኣይ ፡ "ካብ ሕማቕ ዝገብሩኻ ሕማቕ ዝምህሩኻ"
"ካብ ጽብቕ ዝገብሩኻ ጽብቕ ዝምህሩኻ" ኣይንብልን ወይ`ዉን ከምኡ ዓይነት ኣበሃህላ ሰሚዕና ኣይንፈልጥን።
ንምንታይ ኢና ግን ጽቡቕ ዘይንመሃሮ ኢልና ክንሓትት ይኽእል ፧
ንዓና ከም ዝርድኣና ጽባቐ እንመሃሮ ነገር ዘይኮነስ ተፈጥሮና ስለዝኾነ እዪ ኢልና ንሓስብ፡፡ እቲ ለባም መምህር ነቲ ሕማቕ ትምህርቲ ናብ ብርሃነን ብምምጻእ የቃልዖ ደኣ እምበር ኣብ ዉሽጥና ዘየሎ ጽብቕ ክምህር ግዚኡ አየሕልፍን።
ከብ ግዜ ቁልዕነትና ኣትሒዝና ክንደይ ሕማቅ እሞ ዘይተመሃርና ን ዘይመሃርናን፧ በዚ ኣጋጣሚ ህድእ ኢልና ከነስተንትን ዝተማሃርናዮ ሕማቅ ምህሮ ከይህልወና ርእስና ምፍታሽ ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡
ሳልሳይ ፡ '' ኣብ ሙህሮ ኣእምሮ '' መብዛሕቱኡ ግዜ እዛ ምስላ እንክሰምዕ ኣእምሮ ካብ ምህሮ ይበልጽ ብዝዓይነቱ መልእክቲ ንምትሕልላፍ ንጥቀመሉ : እንተኾነ ግን ኣእምሮ ብዘይ ምህሮ ብከመይ ንመሃሮ ስለዝኮነ ፡ ብወገና ነቲ ትምህርቲ ኣእምሮ ንወስኸሉ ፡ ነቲ ዝተማሃርናዬ ኣገናዚብና ፡ ኣዛሚድናን ኣኻእሎ ይሃልወና ዝዓይነ ርድኢት ተሕድረልና፡፡
ኣብዚ 21 ክፍለ ዘበን ማሃይም እቶም ኣንቢቦምን ጽሒፎምን ዘይክእሉ ዘይኮኑስ ፡ እቶም ዘይመሃሩ ፡ ንዝተማህርዋ ክገድፉ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ : ከምእውን ከም ብሓድሽ ክመሃሩ ዘይመረጹ'' እዮም ይብል ኣልቨን ቶፍለር፡፡
ኣዳለውቲ እዚ መደብ ብወገና ፡ ኣብዚ መጀመርታ ክፋል ዘበን ፡ ልቦና ዝመልኦ ኣጠማምታ ትምህርቲ ናይ ወለድና ኣይጋየሽና እንዳበልና ንሎሚ ንፍለየኩም፡፡
ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ