ሰላም ኣዳለውቲ መደብ ንገለ ክፋላት “ቍርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት” ክሰምዕ ምኽኣለይ ንተበግሶኹምን ዘለዎ ኣበርክቶን ከመጕስ ደስ እብለኒ። እቲ ዓቢ ነገር ዝብሎ፡ ነቲ ዘሎና ዓቢ ሰረትን ሃብትን ብኸምዚ ዓይነት ጠመተ ምቕራብኩም ጥራይ ናቱ ብልጫ ኣለዎ። ካብዚ ቀጺለ ገለ ሓሳባተይ ከካፍል ፍቐዱለይ። 1. ሉጡርግያ ግዕዝ (Ghe’ez Liturgy) ዚብል ኣምር ኣብቲ መበቆላዊ ትርጉማ ጥራይ ብምምርኳስ “ዕዮ ሕዝቢ” ንምባል ተጠቒምኩምላ ኣለኹም። ግደ ሓቂ ግና እዛ ቃል ንኣሽሓት ዓመታት ዝኸደ ኣብ ምሥራቓውን ምዕራባውን ዓለም ትርጉም ኣለዋ። ሉጡርግያ ግዕዝ እንተ ኢልካ ኣብ ኣእምሮኻ ዚመጽእ ጸሎተ ሰዓታት፡ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ መዛሙር,,,, ወዘተ እዮም። ባህልን እምነትን ጎጃጂልካ ምርኣይ ( Dualism) ማለተይ ኣይኮንኩን። ዝተሰረት ትርጉም እሞ ከኣ ምስ መለኮታዊ ሥራሕ (Divine Office) ስለዘለዋ ሰማዒት እዝኒ እንታይ እያ ክትብል፧ ገለ ዓበይቲ ኣያታትና እውን ብሉጡርግያ ልቅነቶም (PHD) ዘመስከሩ ኣለዉና፡ ምስ ባህልን ልማዳትን ዝተዛመደ ዓበይቲ መጽናዕትታት ዝገበሩ ስለዝኾኑ ኣድላዩ እንተኾነ ምውካሶም ይከኣል ይኸውን። ካብ ኵሉ ከኣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትርጉም ቃላት ኮነ ኢልካ ናይ ምብላል (profanation) ተኻይዱ ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ቦታ ደጊምካ ምርካብ ኣሰካፊ ኮይኑ ረኺበዮ። ካብ ሉጡርግያ ዚብል ናይ ባዕዲ ቋንቋ ምልቃሕ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ መግለጺኹም ዘሎ፡ ሥራሕ ሕዝቢ ወይ ዕዮ ሕዝቢ እንተ ትብልዎ እንታይ ጸገም ኣለዎ፧ 2. ኣብ ሃገርና፡ ዓድና ዚብሉ ኣገላልጻ ንመን ብርግጽ ይውክሉ፧ ምድንጋር ንምውጋድ ዓቢ ዕዮ እውን ስለዘሎና። 3. “ሰብኣውነት ዘለዎ ኣተሓሳስባ” ተዘውቲራ ሰሚዐያ። ከም ርድኢተይ rationality (ለባውነት) ንምባል እዩ እመስለኒ። ሰብ ለባዊ ፍጡር ምባል ዝያዳ ገላጺትን ንብዙሕ ኣምራት ኣብ ምትንታን ዕዙዝ ኣበርክቶ ዘለዋን እያ። 4. ኣብ ገለ ወገናት ምሳና ዚፍጠር (ንኣብነት ብዛዕባ ርኅራኄ ክትዛረቡ ከለኹም)፡ ገለ ድማ ንመሃሮ ዚብሉ ሓሳባትን ካልኦት ዚመሳሰሉን ዕቱብ ኣተሓሕዛ የድልዮም በሃላይ እየ። እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ምስ ዝማዕበሉ ፍልስፍናታትን ታሪኻዊ ፍልቀትን ኣነጻጺርካ ብሱልን እዋናውን መልእኽቲ ምሕላፍ ኣገዳሲ ነገር እዩ። 5. “ሩሕሩሕ” ኣብ ትብል መደብኩም ኣብ “ሩሕ” መሰረት ብምግባር ደስ ዘብል እማመ ኣቕሪብኩም ኣለኹም፡ ብርግጽ ክትፍተን ዘለዋ ከኣ እያ። ኣብ ግዕዝ ርኅሩኅ ማለት ብሳድስ እያ ትጸሓፍ፡ ኣብዚ ናትኩም ግና ምስ ሩሕ ብምትእስ ሳር ብካልእ (2 ይ) ጌርኩም ኣቕርብክምዋ ኣለኹም። ሰረትን ጭቡጥ በመቆላዊ ሓቅነትን እንተ ዘይብላ ወይ ብኣንጻሩ እንተ ተረጋጊጻ ደስ ዜብል ሓሳብ ጥራይ እኹል ኮይኑ ኣይስምዓንን። ወይ ድማ ሓድሽ ትርጉም ምፍጣር ኪኸውን እዩ፡ ግና ንሓደ ናቱ ትርጉም ዘለዎ ቃል ሓድሽ ትርጉም ምጥማቕ ንምንታይ የድሊ ዚብል ምላሽ የድልዮ። 6. ሕልፍ ክብል “ክፋእ” ትብል ቃል ሰሚዐ፥ ብዙሕ ግዜ እውን ልምድቲ ኮይና ንረኽባ ኣብ ብዙሕ ዘረባትታት። ክፍኣት ዚብል መጸውዒ ስም (Noun) ኣሎና። ክፉእ፡ ክፍእቲ,,, እናበለ ድማ ቅጽላት ይቕጽሉ። ሰዋስዋዊ ቦታ ኣለዋ እንተ ኾይኑ ክሓተኩም ኢለ እየ። ምስለ ብዙኅ ፍቅር ዚኣክሙ መድኃኔ ኣስመላሽ ፖድካስት ብድምጺ ንምስማ፡ ኣብዚ ጠዉቑ