ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

By Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.Society & CulturePhilosophyPersonal Journals
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት episodes

  • 15 - መንነት | Identity |
     ታሪኽ ዓለምና  ከም ዝዝንቶ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ንሃብትን ትሕዝቶን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመንነት’ወን ንሕመስን ኣብ ኲናት ንዋዳእን ኢና። እዚስ መን ምዃና ካብ ዘይምፍላጥና ድዩ ዝላዓል፣  ዋላስ እቲ እናሓደረ ዝስስን መንነትና፣ ጾር ሰለዝኾነና እዩ? ብቐንዱ መንነት እንዕደሎ ዲዩ፡ ዋላስ ብቐጻሊ ባዕላትና እንሃንጾ’ዩ፧ መቸም እዚ ትንግርታዊ ዝኾነ ወዲ-ሰብ፣ ብቑሩብ መንነታት ክግለጽ  ኣይካልን እዩ። ዓውዲ ሰነ-ፍልጠት’ውን ገና ይምኮር እዩ ዘሎ። ተወሊድና ክሳብ እንዓርፍ፡ ኣብ ቀጻሊ ምህንዳስ ዝምድናታትን ምንዳይ ትርጉምን ተልእኾን ሂወትና  ክሳብ ዘለና፡ መን እትብል ሕቶ ምሳና እትነብር  እንምበር ክንደየናይ መልሲ ረኺባ ከተዕርፍ። ንሎሚ ኣብዚ "መንነት" ዝብል ኣምር፡ ካብ ቀልብን ልብን ሕብረሰብና ብምብጋስ ገለ ክንብል ኢና። ንምሓዙ ክቐለልና ንመንነት ብሰለስተ ሸነኽ ክንትንትኖ ክንፍትን ኢና። ቀዳማይ - መንነት ከም ሕቶኣዊ ፡ መበገሲ ቃል ናይ መንነት "መን'' ዝብል ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ ፣ ብምስዓብ "መን" ዝብል ቃል ዝኸፈቶ ሕቶ ፣ ዝርርብ እዩ ዝጽውዕ ፣ እሂን ምሂን እዩ ዘድሂ፡፡ ካብዚ ብምብጋሳ እምበኣር፡ ጉዳይ መንነት ብመሰረቱ ናብቲ ደቂ ሰብ ንመዋእል ሓቲትና ኣዕጋቢ መልሲ ዘይረኸብናሉ "ኣነ መን እየ ፧" ፣ "ንስኺ መን ኢኺ" ፣ "ንስኻ መን ኢኻ" ፣ "ንሕና መን ኢና" ናብ ዝብል ዓሚቁ ፍልስፍናዊ ወይውን ክስተታዊ ዝዓይነቱ ዝርርብ እዩ ዝዕድም ንብል። ካልኣይ - መንነት ከም ዝምድና ፡ ከም ኩሎም ኣምራት ዝምድናታት፡ መንነት ፡ ብመጀመርታ መለለዪ ከነነጽር ይጽውዕ ወይ ይሓትት፡፡ ንኣብነት ኣብ ቋንቋ ግእዝ ምስ እንውከስ፡ "መኑ"' ማለት መን ፡ ኣየናይ ፣ ኣየነይቲ ፣ ኣየኖት ብምሕታት መለለይ ነጥቢ የነጽር። እዚ መለለዪ ንምንጻር ዝግበር መስርሕ፡ ውጽኢቱ ኣብ ዝምድና ዝተሞርኮሰ መንነታዊ ትርጉም ይፈጥር። እዚ ምስቲ "መን ምዃንካ ክፈልጠካ፡ ምስ መን ከምእትኸይድ ንገረኒ” ዝብል ምስላ፡ ባህርን እንታይነት ሰባት ኣብ ዘለዎም ዝምድናታት ወይ ምሕዝነትታ ምርኩስ ብምግባር ክልለ ከምዝኽእል የተንብህ።  ሳልሳይ - መንነት ከም መልሲ ፡ እዚ ዓይነት ኣጠማምታ መንነት፡ ነዛ ብብዙሕ መንነታት እኳ ተገሊጻ ዘይኣኽላ ገና’ውን ንኻልኦት መንነታት እትድህስስ ገዛእ-ርእስና ወይ ሕብረተ-ሰብና፡ ብዝተደረት መንነት ብምግላጽ፡ ዓረፍት ነገር ክንገብረላ ምስ እንፍትን እዩ። እዚ ኣብ ዝበሐ እዋን፡  "ኣንነታዊ" መልክዕ ይሕዝ’ሞ፡ ከም እኒ ''ኣነ እኳ እየ'' ፣ " ንሕና እኳ ኢና" ናብ ዝብል ትምክሕይተኛ ፡ መጉባዕብዒ ዓይነት ኣበሃህላታት ግዳያት ይገብረና ። እዚ መልሰኣዊ ዓይነት መንነት፡ ንመንነት ከም መልሲ ሰሪዑ ናይ ሰብኣዊ ተኽእሎታትና የዳኽምን ምስ ካልኦት ብሕታወያን ይኹኑ ሕብረተ-ሰባት ብምውድዳር፡ ኣነ ካብዚ ይበልጽ ወይ ናትና መንነት ካብናቶም ይበልጽ ብዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ፡ ዝምድናታትና ናብ ጐንጺ ብምምራሕ ንረጽሚ ይዕድም። ሰለዚ፡ እቶም ዝውቱራት ዝኾኑ ርዲኢታት መንነት፡ ኣብዞም ሰለስተ መግለጺታት ኣጠቓሊልናዮም ኣለና ንብል። ኣየናይ ኢዩ እቲ ቁኑዕ ርዲኢት መንነት ንዝብል ሕቶ ግን፡ ሰማዒ ናቱ ጦብላሕታ ክገብር ንዕድ። የግዳስ መንነት ከም መልሲ ምስ እንርድኦ፡ ንዝያዳ ተኽእሎታት ሰብኣውነት ደራቲ ምዃኑ ከንእምት ንፈቱ።  ብምቅጻል ዝያዳ መንነት ከም ሕቶን መንነት ከም መልስን ዝብሉ መግልጺታት ንብምራህ። ሕቶኣዊ መንነት :  ብ ኣንቶኒ ዲ ሜሎ እተዘንተወት "ንስኺ መን ኢኺ" እትብል ዛንታ፡ ነዛ ሕቶኣዊ መንነት ብዕሙቕ ዝበለ ትገልጽ ዛንታ እያ ካብ ዝብል ርድኢት፡ ምስ ሕብረተሰብና ብዝጥዕም ተርጒምና እነሃ ናባኹም ነብላ፡፡ ብሕማም ኣብ ጻዕረ ሞት ዝነበረት ሰበይቲ፡ ብሃንደበት ኣብ መንግስተ ሰማይ ኣብ ቅደሚ ፍርዲ ቀረበት እሞ፡ «ንስኺ መን ኢኺ፧» ዝብል ድምጺ ሰምዐት።«ኣነ፡ በዓለቲ ቤቱ ን ከንቲባ ናይ ከተማና’የ» ኢላ መለሰት።እቲ ሕቶ «ሰይቲ መን ኢኺ ዘይኮነስ፤ ንስኺ መን ኢኺ፧» ዝብል ድምጺ ከም እንደገነ ሰምዐት ።«ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ።» ክትብል ከኣ መለሰት«ኣደ ክንደይ ቆልዑ ኢኺ ዘይኮነስ፤ ንስኺ መን ኢኺ፧» ዝብል ነሳልሳይ ግዜ ድምጺ ሰምዐት።ሕጂ እዉን «መምህር» ክትብል መለሰት«ስራሕኪ እንታይ እዩ ዘይኮነስ፤ ንስኺ መን ኢኺ፧» ዝብል ንራብዓይ ግዜ ድምጺ ሰምዐት ። ዝበለት እንተበለት፡ ነታ «ንስኺ መን ኢኺ፧» እትብል ሕቶ፣  ብዝርርብ ቀጸለ እንተኾነ ግን ሰበይቲ ኣዕጋቢ መልሲ ኣይረኸበትን። ኣብ መጨረሽታ:በቲ መርመራ ተሪፋ፤ ዳግማይ ናብ መሬት ክትምለስ ተነግራ’ሞ፡ ካብ ሕማማ ሓዉያ "መን ምዃና" ክትምልስ ወሲና ተላዕለት ይብሃል። ከምቲ ወለድና ዝምስልዎ "ኣነ ሓጺራትኒ እብል ንሳኻ’ኣ ተደቢራ ትስዕስዕ" ከይከዉን መልስና ሲ ብዛዕባ መንነትና እንታይ ኮን ንብል ንኸዉን፧ ነዛ “ኣነ መን እየ፧” ወይ “ንሕና መን ኢና፧” እትብል ፍልስፍናዊት ወይውን ክስተታዊት ሕቶ ፣ ንሕና’ውን ብሕቶኣ  ከም ዘላታ ንሰማዕትና፡ ኣብ ብሕታዊ ሂወቶም ኣትዮም ከስተንትውዋ በዚ ኣጋጣሚ ንዕድም ፡፡ መንነት ከም መልሲ : ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን፡ ኣረዳድኣ መንነት፡ ኣንነታዊ  ሸነኽ ይዕብልሎ ኣሎ ኢልና ንሓስብ።  ሓሓሊፉ ብኸም እኒ “ኣነ ብዅሉንትናይ እቲ ዝዓዪ ሞያይ እየ”፡  ወይ’ውን “ኣነ ስርሐይ እየ” ፣ እናበለ ንሓንቲ  መንነት ወሲዱ፡ ከም ኣርባዕተ ነጥቢ ብዝመስል መዕጸዊ መልስኣዊ መንነት ዝዕድል ንርኢ ፣ “ኣነ ቛንቛይ እየ”፡ “ኣነ ብሄረይ ኢየ” ዝብሉ እውን ውሑዳት ኣይኮኑን ። ንሎሚ ዝያዳ ኣቶኩሮና ክንጥምቶ እንደሊ፡ እቲ ምስ ዓዲ ወይ ሃገር ተኣሳሲሩ እንሰምዖ መንነት እዩ። እዚ ሓደ ካብ መንነታት ወይ መለለዪ ምዃኑ ተሪፍዎ፡ ከም መልስኣዊ መንነት ምስ ዘገልግል እንታይ ዓይነት ስሚዒት ከምዝህበና ኣይንዝንጎዖን ኢና።፡ ኣብ መጀመርታ 90ታት እዪ ፣ ናይ ኤርትራ ናይ ዜግነት ወረቐት ኣብ ዝወጽኣሉ ዝነበረ ግዜ ፣ ነቲ መቦቆላዊ ዓዲ ዝብል ሕቶ መልሲ ንኽህብ ዝተሓተተ ሓደ ጸወታን ዳእላን ዝፈቱ ሓዉ ፡ " ንቧልዶንጋ ዓድና ደኣ መኣስ ቦቚሉ ፧ ኣበይ ቦቑሉ ኢልካ ትሓትት እምበር ን ወድ-ሰብ ኣበይ መበቖል ዓድኻ ኢልካ ሕቶ ኣሎ"፧ ኢሉ ይበሃል። እዛ ዓሚቕ ትርጉም ዘለዋ ከም ሓውሲ ዳእላ ዝወጸት ዘረባ፡ ምስቲ ኣብ’ዚ እዋን ናይ ሃገራዊ መንነት ንምግላጽ ህርግዲም ኢልና ንቃለሶን፡ ንሃገራዊ መንነት ከም መልሲ ክንጥቀመሉን እንገበሮ ሃልኪ ትመሳሰል።  ቀጺሉ ካብ ኣሽሓት ዓመታት ብሊቃውንትን ፈላስፋታትን ዓለምና መልሲ ዘይረኸበ "ኣነ መን እየ" ዝብል ሕቶ፡ ብስም ብሄር ፣ ሃገር ፣ ሃይማኖት ፣ ኣውራጃ ክምለስ ምስ እተርኢ ዘገርም’ዩ ። ሃገር ፣ ኣዉራጃ ፣ ሃይማኖት ፣ ብሄር ንሕና ደቂ ሰባት ኣብ ኣእምሮና እንስንዖም ውጺኢት ስርሓትና እዮም ኢልና ንሓስብ። ከምኡ ድማ፡ ሕብረተ-ሰባት ሓባራዊ መንነት ክሰርሑ ወይ ክስንዑ ከምዝኽእሉ ነስተዉዕል። ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣብ ዝሓልፈ መዋእል ዝሰገሮ ጉዕዞ መግዛእትን ታሪኽን፡ ሓባራዊ  መንነት ሃኒጹ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን፡ እንተስ ናይ ጥንቲ እንተስ ናይ ሓጺር እዋን፡ ኩሎም መንነታት ተሰናዕቲ  (ኣብ ማሕበራዊ ሰነ-ፍልጥት constru
    0 min
  • 14 - ዜጋ | Citizen |
    ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም  እኳ እንተነበሩ፡ ምስ ምምስራት ሃገረ መንግስታት፡ ዜጋን ዜግነት ዝብሉ ኣምራት ጉኑናት ኮይኖም። ዜግነት መሰረታዊ ሮቓሒ፡ ንናይ መሰልን ግቡእን ሕቶ ህዝብታት ካብ መንግስታቶም ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ብሓጺሩ ህዝብታት ምስ ሃገሮም ዘልዎም ዝምድና፡ ኣብ ዜግነት ንረኽቦ። ዜግነት ናይ ሓንቲ ሃገር ዘለዎ ሰብ፡ እኹል መሰላት ናይ ሕጊ፡ ፖለቲካን መሕበራዊ ጸጋታትን ኣለዎ፡ ዜግነታዊ ግቡኡ ንኸማልእ ከኣ ይሕተት፣ ንኣብነት ምስ ካልኦት ዜጋታት ሃገሩ ብሕግን ምክብባር ንኽነብር። ኣብ ዓለምና ክልተ ዝውትራት ዝኾኑ ናይ ዜግነት መስርሕ ኣለዉ፡ ኣብ ዝተወለድካሉ ዓዲ ዜጋ ትኸወን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ሕቶ ዜግነት ኣቕሪብካ ምስ እትርዕሞ’ዩ (naturalisation)። እንበኣር ንሎሚ ሕቶ ዜጋን ዜግነትን፡ ከም ዕዩ ህዝቢ ኣብ ሕብረት-ሰብና ካበይን ብኸመይን ማዕቢሉ ኢልና ገለ ሕቶታትን ጦብላሕታታትን ናባኹም ነብሎ። ዜግነት ብመንጽር መኣዲ፡ ማለት ዝምድናታት "ሰብ" ምስ ሃገሩ ወይውን ሃገርና ምስ እንርድኦ፡ ኣብ ህዝብና ከም እኒ "ወዲ ዓዲ..."፡ ጓል ዓዲ..."፡ "ደቂ ዓዲ..." ዝብል ኣሰያይማ ምርኩስ ብምግባር ክንትንትኖ ይከኣል። ከም’ቲ ሰበ-ኪዳን ብዓልቲ ቤተይ ፣ በዓል ቤተይ ተበሃሂሎም ዝከባበሩ፣ ንምክብባሮም ከኣ በቲ ኣብ ሞንጎ እዝጊን ህዝብን ኪዳን ብምትእትታው ዘውሕስዎ፣ ኣብ ጉዳይ ዝምድና ሰብን ሃገርናን ከኣ፡ ዜግነት ኢልና ንጸዋዓዮ፣ በዓል ሃገር ወይ ደቂ ሃገር ኢልና ንስመዮ፡ ብዓይኒ  ምውሓስ ኪዳን ምጥማቱ ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ። ካብዚ ነቒልና፡ ዜግነት ሃገርና ኪዳናዊ ዶ ወይስ ናይ ትኳቦ ኣትዕደሎ ወይ እትዋሃቦ’ዩ ኢልና ክንሓት ይከኣል። ካብ ሃገርና ውጽእ ኢልና’ዉን ኣብ ኤውሮፓን ኣመሪካን፡ እንተስ ደንጊጾምልና ወይስ ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ቅጥዕታት ሃገሮም ሰለ ዘማለእናን፡ ንዕቤቶምን ዕቤትናን ብምርዳእ ዝወሃበና ናይ ዜግነት መሰላት ኣሎ። ኣብቲ ቀደም ናይ ወለድና ዘመን፡ ዓድታት ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሑ ኣጉባዝ ጤሳ መሬት ብመሃብ ድዩ፣ ብወፈራ ቤት ብምስራሕ ድዩ፣ ንበጽሒ ሙሉእ ሰብ ኣኺሉ ብምባል፡ መንእሰይ ወይ ንኡስ ኢሎም ብኣፍ ከይጠባበሩ፡ ኣብ ሕብረተሰብ የእትዮም ''ኣቶ" ኢሎም ይሰምይዎ ኔሮም፡፡ እዚ ኣነባብራ ሕብረተሰብና ከኣ ኣሳታፊን ኪዳንውን ኮይኑ ንረኽቦ። እዚ ደማ፡ ኣብ ዋኒን ዓዲ ከም ሓላፍነታዊያን ዝሳተፉ ደቂ ዓዲ ይፈጥር፡፡ እዚ ምስ ዜግነት ዝብል ኣምር ምስ እነነጻጽሮ እምበኣር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ዜጋታት ካብ ሃገሮምን ህዝቦምን ክረኽብዎ ዝግቦኦም ክብረትን መሰልን ይረኽቡ ኣለዉዶ ኢልና ክንሓትት ንግደድ።  ኣብ ሃገርና፡ ኣረዳድኣ ዜግነት ናይ ትካቦ ካብ ዝኸውን ሓያለ እዋን ኣሕሊፉ ኣሎ፡ ከም ዜጋ ግቡእካ ንኽትረክብ ብዛዕባ’ቲ ኪዳን ዘይብሉ ኣገልግሎት፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ዶ ጣዕሳዶ ትሕተት። ህዝብና በዚ ዘይንቡር ኣገባብ ካብ ዝቆስል ሓያለ ጌሩ ኣሎ፡ በዚ ዶ ከይሓለፈለይ ዲዩ ዝባህል፡ ሕጂ ኸኣ ገለ ሰባት እንተስ ካብ ዘይምርዳእ እንተስ ንሕማቅ ዕላማ፡ ትርጉም ዜግነት ካብ መሰልን ግቡእን ጎስዮም፡ ምስ’ቲ መንነት ዝብል ኣምር ሓዋዊሶም ንገለ ክዕድሉን፡ ንካልኦት ድማ ከናጥሩን ንሰምዕ ኣለና። አረ እቲ ዝገርምሲ፡ ኣብ ዓዲ ስደት ተመሻኺኖምን ተመሳሲሎምን መሰል ዜግነት ከምዝረኸቡ ዘንዒዖም፡ ብሓሳብ ይኹን ብማሕበራዊ ቅርጺ ዘይቃደውዎም ወዲ ዓዶም፡ መሰል ውልድነቶም ኣሕዲጎም፡ መንነትን ዜግነትን ክዕድሉ ይራኣዩ ኣለዉ። አረ ገሊኦም ሲ ብስም ፍትሒ ይገብርዎ ምህላዎም ከየስደመመና ኣይተረፈን፧  እቲ ኣብ ሞንጎ ቀደምን ሎሚን ንርእዮ ዘለና አረዳድኣ ዜግነት ዘሎ ፍልልይ እምበኣር፡ ወለድና ውልዶም ስለዝኾንካ የምስሉኻን ግቡእካ ይገብሩልካን፡ መሰልካ ዉን የማሉእልካ ምንባሮም’ዩ። "መሰል'' ክንብል እንከሎና እታ ሉኣላዊት ሰብ፣ እቲ ሉኣላዊ ሰብ ኣብ ሃገሩ እንታይ ይመስል፡ ከመይ ትመስል፧ ከምቲ ዓዲ ንዝኣኸሉ ጎበዝን ጎርዞን ብርኪ ኣውጺኣ ተምስሎም፡ እዛ ናይ ሎሚ ሃገርና ተምስለናዶ ኣላ፧ ኢልና ምስ እንሓትት፡ እቲ መልሲ ኣይፋሉን’ዩ። ብኣንጻሩ፡ ናብ ሰላም ንረኽበሉ ዝመስለና ቦታ ሃጽ ኢልና ክንጠፍእ ትቅስብና ኣላ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኮይኑ ኣይስመዓናን። ነዚ ምስቁል (prodox) ኩነታት ሃገርና ክንሓስብ እንኮሎና፡ "ዘመን" እትብል ዜማ ነፍስሄር ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ) ኣብ ኣእምሮና ይመጽእ። ምንም ክንኳ ሓዉ የማነ ነታ ይርፊ ከዚማ እንከሎ ነቲ ካብ ሃገርካ ተሰዲድካ እትነብሮ ሂወት ስደት ተመልክት እንተነበረት፡ ካብቲ እዋን ኣትሒዙ መሰል ዜጋታት ዘየኽበረ እዋን ከምኡ ኢሉ ከምዘሎ ንርዳእ።  የማነ ባርያ ኣብ ዜሙኡ፡"ዘመን ተቐይርካኒ፡ ስደተኛ ኮይነ /ብስክፍታ ዝነብር፡ ክሳደይ ኣድኒነ /ሓሳብ ልቡ ዘይፍጽም፡ ሰነፍ መስተማሰሊ /‘ናተጎድአ ዝነብር፡ ኣሰኪምካኒ ቊስሊ … መሬት ከም ዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ /ርእይቶ ዘይብሉ፡ ኣይመርጽ ኣይምረጽ /ስደተኛ ጌርካኒ፡ ኣይመርጽ ኣይምረጽ" እዚ እክትሰምዕ ርእስኻ ተድንን፣ ልብኻ’ውን  ይስበር። ኣብ ገዛእ ዓድኻ፡ መሬት ኣትሪርካ ዘይርገጸሉ ግዜ ከምዘይተወደአ’ዉን ትዝክር። እዚ ኣብ ገዛእ ሃገርካ እትነብሮ ናይ ዓመጽ ናብራ፡ ምስቲ ቀጥታዊ ትርጉም ናይ "ዜጋ" ዝብል ቃል ምምሳሉ’ዉን ከይደንጸወና ኣይተረፈን። ዜጋ ዝብል ቃል፡ ኣብ መዝገበ ቃላት ግእዝ  ብ  ምስኪን ፣ ጽግዕተኛ ፣ ተገዛኢ፡ ነዳይ ዝብል ትርጉም ተገሊጹ ንረኽቦ። እዝስ ስነ-ሓሳብ ዜግነት ካብ ስነ-ሓስብ “በዓል ዓዲ”፡  “ብዓልቲ ዓዲ”፡ “ወዲ ዓዲ”፡ “ጓል ዓዲ” ፈሊኻ ንምርድኡ ዝተቐመጠ ቃል ዶ ይኸውን ኢልና ዉን ነስተንትን። ኣብ መወዳእታ እዚ ጽሑፍና ፡ ኣብ`ዚ 21 ክፍለ ዘመን፡ ህዝብና ምስ ሃገሩ እንታይ ዓይነት ዝምድና ይሃልዎ፣ መሰል ዜጋታት ብኸመይ ይንገስ ዝብሉ ኣገደስቲ ሕቶታት ከንልዕል ንፈቱ፡፡ ኣነባብራን አረዳድኣን ዜግነት፡ ኪዳናዊ ዝኾነሉ፡ መሰልን ጉቡእን ደቂ ዓዲ ዝንጽረሉ፡ ሓደን ዝዕብልለሉ፡ ሓደን ዝጽቀጠሉን ዘይኮነ፡ ንኹሉ ዘሳትፍን መማሞቒ ሕብረተሰብ ዝኾነሉን ንምግባሩ፡ እዋኑ ዝጠልቦ ግዴታ ነፍሲወከፍና ኮይኑ ይረኣየና። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 13 - መውስቦ | Arranged Marriage |
    ጉዳይ መርዓን ደርዓን ክልዓል ከሎ፡ “መውስቦ ቀሊል ከይመስለካ ወይ ከይመስልኪ” ዝብሉ ለበዋ ወለድና ዘየስተብሃለ ኣሎ ኣይንብልን። እዚ  ክምስረት እተደልየ ዝምድና፡ ካብ ብርኪ ሰብ ኪዳን ዝውለዱ ፍረ፡ ምሰፋሕ ስድራ ቤታትን ዘካትት ብምኻኑ  ዓቢ ግምትን ክብርን ይዋሃቦ። ብተወሳኺ ኣብ ባህልና፡ መርዓ እቲ ዝዓበየ ጽንብል ብምኻኑ፡ ክብሪ መውስቦ ንምርድኡ ኣይንጽገምን።  ወግዒ መውስቦ፡ ቀንዲ ዕማሙ ንክልተ ብሕታውያን ሰባት ብኪዳን ምቁራን እኮ እንተኾነ፡ ከምቲ እምባ ክትኮኑና መጸግዒ፡ ጎልጎል ክትኮኑና መሳፍሒ እንዳተባህለ ዝዕጀብ፡ ሓድሕድ ምድግጋፍን ዕረፍትን ናይ ስድራቤታትን ቤተሰብን እውን እዩ። ብካልእ ሸነካ፡ ከምቲ ጽብቅ ዝተዋሰበ ተክሊ ወይ ንብረት ፍርያምን ኣድማዒ ስራሕ ዝስራሕ፡  እንኣትዎም ይኮኑ ተጻሜድናሎም ዘለና ዝተፈላለዩ ዝምዳናታ ወይ መውስባትታ፡ ኣድማዕትን ጽቡቅ ፍረ ንረክበሎም ኣለና ዶ፧ ኤልና እንናሻዕ ከንምርምር ኣገዳሲ እዩ።  ናይ እዋና መውስባታት ከመይ ዝበሉ እዮም ኢልና ቅድሚ ምሕታትና፡ እቶም ብምሉእ ድላይን ስርርዕን ወለዲ ዝምርሑ ዝነበሩ ናይ ወለድና መወስባ ከመይ ይከዋወኑ ኒሮም ኢልና ብምሕታት፡ ጦብላሕታትና ብምዝርዛር ጽቡቅ መወከሲ ባይታ ከምዝኮነና ንኣምን። በዚ መስረት መውስቦ ከም ዕዪ ህዝቢ ኣስዒቡ እዉን ከም ሓደ ካብቶም መኣዲ ዝምድናታት፡ ኪዳነ ተዋሰብቲ ብከመይ ይፍተን፡ ንሕውየት ተዋሰብተን ዝመስርትዎ ስድራን ዝጽንብረዎ ስድራ ቤታትን የገልግል ዶ፧  ተሳታፍነት ብዙሓት የረጋግጽ ዶ፡ ሕድሕድ ዕንጋሎት፡ ፍታሓወነት ን ዕብየት ናይ ተዋሰብትን ቤትሰብን ከ ብከመይ ይንጻርቅን፡ ባይታ ከኣ ኣለዎ ዶ ኢልና ብምሕታት ክንግምጎሞ ንደሊ። ንዞም መልኪዒታት ናይ ዝምደናታ ኢልና ዘቀመጥናዮ ነጥብታት፡ ኣብ መውስቦ ንምፍታሽ፡ ገለ ውግዕታት መስቦ ክንዝርዝር። ብመጀመርያ መውስባ ተሳትፎ ናይ ቡዙሓት ዝረጋገጸሉ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ማሕበራዊ ዕዮታት ህዝብና እዩ።  ከምቲ "ዉራይ ኣትዪና" እንዳተባህለ ዝንገር፡ ብዓቢ ይኩን ንእሽቶ ፈታውን ቤተ ሰብን  ንምምዕራግ እቲ ውራይ ኣብ ምሽብሻባት  ይጽመድ።  ቤት ሰብ ግርም ዝኮነ ናይ ሓጎስን ኣበባን ግዜ ይሕልፉ። እዚ ካብ ሩሕቅን ቅረባን ቤተ-ሰብ ዝኣካክብ ጽንብል፡ ኣብ ምትራር ን ሕውየት ዝምድናታት ዓቢ ተራ ይጻወት።  "ፈረይትን ጸገይትን" ይግበርኩም እንዳ በሉ ዝመርቁ ወለዲ ድማ፡ ፍረ ብርኪ ሰብ ኪዳን ክርእዩ ድላዮምን ሃረርትኦም ይገልጽ። እዚ ሰብውነት ዝማከሉ ባህሊ ድማ፡ ሰብ ከማካ ምፍራይን ወለዶካ ምቅጻልን ኣብዛ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዕዩኡን ባህቱኡን ምኮኑ የረድእ። ስለዚ መዉስቦ ብዛዕባ ዕብየት ፣ ምስሳን ከምዝኾነ ብቐሊሉ የነጽር። ታሪኽ ሳራይን ኣብርሃም ፣ ብቆልዓ ምስኣን ዝተፈተነ ኪዳን ከም ኣብነት ተወሲዱ "ከም ሳራይን ኣብርሃምን መባልይቲ ይግበርኩም’ ብምባል’፡ መዉስቦ በቲ ዝገጥሞ ጸገማትን ዘይኮነ ዝዕቀን ፣ ብኣንጻሩ ሕዉየት ዝርከበሉ ከም ዝኮነ ነስተብህል። ኪዳኖም ኣጽኒዖም ብሓባር ኣብ ሓዶሮም ክበልዩ’ውን ይጽውዕ።  "ወዪ ተሃርማና ፣ ወዪ ትድስቃና ፣ ካብ ሎሚ ምሸት’የ ትግፋሕ መሬተየ" ዝብል ደርፊ ክንዝክር ድማ ፣ ይንኣስ ይዕበ መስርሕ መዉስቦ ገለ ስጉሚ ፍትሒ ከምዘሎዎ የመልክተልና። እቶም ንኡሳን ኣጏብዝን ጎራዙን ድማ ናብ ሓላፍነታውያን ሰብ ሓዳር ዝስጋገርሉ እዋን እዩ።፡ መግናሕቲ ወልዲ ኣብቂዑ እኩላት ሰባት ምኮኑም ይረድእ። ብተወሳኪ መኣዲ መውስቦ ከም ሓደ ዕዩ ህዝቢ ዝፈጥሮ ወይ ዘምጽኦም ሓደጋታት ምስ እንፍትሽ፣  ተራ ተጻመድትን ብሕታዊ ገጻቶምን ብከመይ ይንጸባረቅ፡ ማለት ደላይን ፍቅርን ተጻመድቲ ብከመይ ይግለጹ ወይ ባይታ ኒርዎም ዶ ፧  ዓብላልነት ናይ ሓደ ወግን ይረኣየሉ ዶ ኢልና ንሓትት ፧ ኣብዞም ሕቶታት ሰማዒ ነናቱ መልስን ርእይቶን ከምዘልዎ  ርዱእ እዩ፡ ነዞም ሕቶታት ንህቦ መልሲ ግርም ዝኮነ ስእሊ ኣብ መውስባ ውለድና ብምሓዝ፡ ምስ ናይ ሕጂ እዋን “ፍቅሪ ኣምጾኦ” መውስቦ ክነነጻጽር ክሕጉዝና እዩ።  ኣብ መዛዘሚ፡ እንተስ ብፍታው ወልዲ ወይ ብፍቅሪ ተጻመድቲ ተሳስዩ፡ መውስቦ ሰሚሩ ናብ  "ሓዳረይ ሓዳርና"  ምስ ተሳጋገርና ስጡም ሕብረተሰብ ንክተሃንጽ ፣  ሰረት ትካላዊ ጸጋታት ከም ዘለዋ ከይገለጽናዪ ክንሓልፍ ኣይንደልን። እንበኣር መውስቦ ዘይተርፍ ዕዮ ሰባት ካብ ኮነ፡  እንብሕተሉ ማለት ብሕታዊ ገጻት፡ ኣመላትን ክእለታትን ተጻመቲ ዝጥጥዐሉ፡ እነፍቅረሉ ንፍቀረሉን፡ ኣጎልጉሎት ንብጻይትና ወይ ንብጻይን ክንውፊ ንጽዕተሉ፡ ንዝያዳ ተክእሎታት ሰብኣውነት ዝዕደመን፡ ናይ መጻምድትና ዕብየት ዘግህድ ክከውን ኣበይ ከንዳይ ምማሓረ ንብል። ብተወሳኪ መውስባ ክንዮ እቲ ዘጋጥሞ ግድላት ናይ ናብራ ተሳጊሩ፡ ሕውየት ሓድሕድ ምድግጋፍን ዝተረሉ ከክውን ክንዳይ ምጣዓመ። ዘመኑ ኣምጸኦ  ሓዮሎ ጽልዋታት ካብ ኢድና ወጻኢ  ሰለ ዘለዉ፡ ክብረት ኪዳን ሓልዩ፡ ምስ እዋን ዝከይዳ ምትዕርርያት ከም እኒ ተራ ናይ ጸወታ ከምዘድልዮ እዋን ዘይምዝንጋዕ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 12 - መኣዲ | Human Relationships |
    ሰባት ማሕበራውያን ኢና፡ ኣብ ብፍቅሪ ዝተዛመደት ስድራ ንውለድ፡ ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ዝምድናታትን ትካላትን ኴይና’ውን ንዓቢ። ገና ብናትና ውሳነን ምርጫን ኣብ ዝመስለና ዝምድና ከይተቛረና፡ ነብስና ኣብ ዝተፈላለዩ ዝምድናታት ተራ ክትጻወት ንረኽባ። ንኣብነት፡ ዝምድናና ምስ ስድራ ይጅምር፡ ቤተ-ሰብ፣ ጎሮቤት፡ ዓዲ፡ ቤት-ትምህርቲ፡ ዓርከ ማሓዛ . . .ወዘተን እንዳበለ ማሕበራውያን ምዃና የረጋግጽ። ዓቕሚ ኣዳም በጺሕና፡ ብናትና ውሳነን ድላይን ከምኡ’ውን ብእንጻወቶ ተራን እንስከሞ ሓላፍነትን ዝምድናታትና ይስስን፡ ይዓሙቕ ወይ ይተርርን ይድልድልን፡ ገለ ገለ ዝምድናታት እባ’ውን ይፍኮስን ይሽሕክርን። ደቂ-ሰባት ሕጊ ተፈጥሮ ኮይኑና፡ መንፈሳውን፡ ማሕበራውን፡ ኣካላውን፡ ኣእምራውን ከምኡ’ውን ቁጦባውን ድሌታትና ንምምላእ ኣብ ዝተፈላለየ ዝምድናታት ንርከብን ንምስርትን።እዚ መናብርትናን፡ ኣብዛ ዓለም ክሳብ ዘለና ዘይተርፈና ብንቃሓትን ብዘይንቅሓትን (consciously and unconsciously)፡ እንኣትዎን እንነብረሉን ዝምድናታት ንምፍታሽ፡ ኣብ ዝቅጽል መደባትና ኣስፍሕ ኣቢልና ሓደ ብሓደ ኣብ ዝተፈላለየ ዝምድናታት ከነስተንትን ኢና። ንዝመጽእ ሳምንታት፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዘለዉን ዝምስረቱን ዝምድናታት ከመይ እዮም፧ ከመይ ዝበለ ክብርታት ይሓቅፉ፧ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኸ ብኸመይ ክንግልገለሎም ንኽእል ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ከነስተንትን ኣንቂልና’ለና፡ ከም ኩሉ ግዜ ድማ ኣብ ናይ ወለዶታት ፍልጠት ምርኩስ ጌርና ጦብላሕታና ከንካፍል ኢና። ንሎሚ ንእሽቶ ስእልን መእሰርን ዝኸውን መኽፈቲ ሓሳባትና ናባኹም ነብሎ።   ድሮ ኣተምቢህናዮም ከምዘለና፡ ነዞም ዝተፈላልዩ ሰብኣዊ ዝምድናታት ብተምሳል ማኣዲ ከንስተንትኖም ኢና። ጣዕምን መቐረትን “መኣዲ ቤትና”፡ “መኣዲ ወለድና” ዘይናፍቕን ዘይፈልጥን ኣሎና ኣይንብልን፡፡ ማኣዲ፡ ኣብ ርእስ’ቲ ንተሳተፍታን ኣባላታን ዕንጋለ (nurture) እትህቦ፡ ናይ ቡዙሕነት ተሳትፎ ተረጋግጽ፡ ሓልዮትን ፍትሓውነትን ትምህር፡ንዕብየት ተዓንግልቲ ትድርኽን ኪዳኖም ተጽንዕን፡ ከምኡ’ውን መስርሕ ሕውየት ተሳልጥ።በዚ ኣቢልና፡ ናይ ብሕታውን ማሕበራውን ዝምዳናታትና ኸ ነዚ ዝተጠቕሰ ክብሪታት ይህቡና ዶ ኢልና ክንሓትት ንደሊ፡፡ ብወገንና፡ ማኣዲ ንኹሉ ዝምድናታት ሕብረተሰብና ኣብነታዊት፡ መዐቀኒትን መወከሲትን ጌርና ንርድኣ። ከም ውጺኢቱ ኸኣ፡ ዝምድናታት ሰብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሒዞሞ ዝመጹ ረብሓታትን ሓደጋታትን ስለዘለዋም፡ ከም ናይ መጽናዕቲ  ባይታ ጌርና ንወስዳ።ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዝውቱራት ዝኾኑ ዝምድናታት ድሕሪ ምፍታሽን ብዕምቖት ምስትብሃልን፡ ነዞም ዝስዕቡ ዝምድናታት ከምእኒ መውስቦ፣ ሓዳር፡ ሰበ-ኪዳን፡ መባልይቲ፡ ሃገረ-ሰብ፣ ጎረቤት፡ ሕብረተሰብ፡ ሃገር፡ ዜግነትን ሃይማኖትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ሰሪዕና፡ ብስነ-ልቦና መኣዲ ከንስተንትኖም ክንፍትን ኢና። እዚ ማለት፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘውካእናዮ፡ እዞም ዝምድናታት - ዕንጋለ፡ ተሳታፍነት፡ ፍትሒ፡ ዕብየት ተዛመድቲ የረጋግጹ ዶ? ኣብ ኪዳን እተሰረቱ፡ ኪዳን ዘጽንዑን፡ ንሕዌት ዝገለግሉን ዲዮም ኢልና ንሓትትን ነስተንትንን።ተራ ተሳተፍቲ መኣዲ ኣብ ህዝብና ንጹር እኳ እንተኾነ፡ ኩሎም መኣዲታት ማለት ዝምድናታት ሕብረተሰብና ግን፡ ከምቲ ኣብ መኣዲ እንረኽቦ ምልኣት ሕውየት-ሰብ ይርከቦምን የረጋግጹን እዮም ኢልና ኣይንሓስብን፡፡ ካብ ትዕዝብትና ብዝተረዳእናዮ መሰረት፡ ተራ ተሳተፍቲ ብፍቁራን፣ ጊላነት፣ ዓብላልነት፣ ብዓል ቤት ዝብሉ ክንበርን ክግለጽን ይከኣል።መኣድታት ማለት ዝምድናታት ሰብ፡ ኣብ ህዝብና ብብዙሕ መዳያት ክግምገሙ ይኽእሉ’ዮም። ገለ ግምገማ ንምግባርን፡ ትዕዝብትታትና ንምቕማጥን፡ ዝምድናታት ብመንጽር ዘለዎም ዕላማ፡ ትጽቢታት፡ ሕልኽላኻት፡ ዘለና ስእልታት፡ ንጹርነት፡ ቅንዕና፡ ትካላዊነትን ክንሪኦም ክንፍትን ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ዝምድናታትና ኣድማዕትን ንሕውየት ሰባት ዘገልግሉን ንክኾኑ፡ እንብሕተሎም፣ እነፍቀረሎምን እንፍቀረሎምን፣ ሓድሕዳዊ ኣገልግሎት እንወሃሃበሎም፡ ተኽእሎታት ምሉእነት ሰብ ዝረጋገጸሎምን ፣ ክንየውነት (transcendence) ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም ንብል። ሕራይ ን መኣዲ ወለድና! ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ 
    0 min
  • 11 - ኪዳን | Interdependence |
    ኪዳን ዝብል ቃል እንክንሓስብ ሓያሎ ኣስማት፡ ብሂላትን ምስላታትን ከምእንዝክር ኣይንስሕቶን።ንኣብነት- ኣብ ህዝብና "ኪዳነ" ፣ "ኪዳን'' ወይውን ኪዳን ዝመሰረቶም ኣስማት ኣዝዮም ዝውቱራት እዮም።- ኪዳኑ ዘይጠልም/ዘይትጠልም፡ ኪዳን ዘለዋ/ዘለዎ ሰብ እንዳተባህሉ’ውን ብዙሓት ይምጎሱ’ዮም። ሓዳር ዝጅምሩ መርዑት ድማ ብቃል-ኪዳን ይእሰሩ፡ ሰብ ሓዳር ስድራና’ውን ክጸዋውዑ እንከለዉ ኪዳነይ ይባሃሃሉ። እዚስ እዞም ወለድና ከመይ ፍቅሪ ኪዳን ሃልይዎም እዩ ክንድ’ዚ ኣስማትን ወግዒን ናይ ኪዳን ዘብዙሑ ኢልካ ንኽትሓስብ ይዕድመካ። ነቶም ወግዕትታ ኣዕሚዩቕካ ምስ እትምልከቶም ድማ፡ ኪዳን ኣገዳስን ጠቓምን መሰረት ዝምድናታትናን መነባብሮንና ምዃኑ ንምዝኽኻር ዝግበርዎም ይመስሉ። ካብ’ቲ ፈጣሪ ምስ ደቂ-ሰባት ዝገብሮ ኪዳን’ውን ዝተማህሩ  ይመስሉ። ነዚ ናይ ሎሚ ትሕዝቶና እምበኣር፡ ስነ-ሓሳብ ኪዳን ምፍታሹን፡ ኣዕሚዩቕካ ምራኣዩን፡ ገለ ንልቦና ወለድና የብረሃልና ይኸዉን’ዩ ኢልና ስለ ዝሓሰብና’ዩ ናባኹም ነብሎ ዘሎና።ስነ-ልቦና ኪዳን፡ ምስቲ ክንማሙቕን ክንምዕርግን እንኽደኖ ክዳውንቲ፡ ከምኡ ድማ  ምስቲ ምስ ብጸይትና ወይ ብጻይና፡ ብፍቕርን ምክብባርን እንማምቆሉ ኪዳን ብምትእስሳር ዋሕስ ናይ ናብራ’ዩ ንብሎ። ካብ ጥንቲ ዉን ሰባት ብቓሎም ኪዳን ይታኣታተው ኒሮም እዮም። ካብኡ ዝነቀለ እዩ ዝኸውን ‘ቃል’-‘ኪዳን’ ዝብል ሓረግ ዝውቱር ዝኾነ። እዚ ድማ ልባዊ መብጻዓን፡ ውሽጣዊ እምነትን ኣብቲ እትነብሮ ዘለኻ ወይ እትደሊ ሓዳር፡ ዕርክነት ወይ ሕብረተሰብ፡ የመልክት። እዚ ጽምዶ ኪዳን፡ ንኸይትቖርር ድርዒ፡ ከይትጠሚ መግቢ፡ ከይትብደል ፍትሒ፡ ከይጽምወካ ድማ ኣሕዋት ኣለዉኒ ኢልካ ብእምነት እትነብሮ ናብራ እዩ። እዚ ናብራ’ ዚ ድማ ኣብ ቀልብን ሕልናን ናይ ወለዶታት ዝነበረ ኣምር ናይ መነባብሮ እዩ ኢልና ንኣምን። ኣብ ኪዳን ዝሰረቱ ሰብ-ሓዳር ወይ ሕብረተ-ሰባት፡ ዕንቅፋት እንተጋጠሞም ይረዳድኡ፡ ጎዶሎታቶም ይመላልኡ፡ መጉዳእቲ ሓድሕዶም የሕውዩ፡ ክሳዕ ብሂወት ዘለዉ ድማ ኣብ ግዜ ሕማምን ጥዕናን ኣለኹልኪ ኣለኹልካ እንዳ ተበሃሃሉ ይነብሩ፡፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ፡ ኪዳን ፡ ነቲ ብሕጊ ክእሰር ዘይክእል ውሽጣዊ ሓይልና ብምርታዕ፡ ናይ ሕልናን ማሕበራዊ ክብርን ወይ ደረትን ምኡዙዛት ይግብረና። ከምቲ ክዳን ዘለዎ ልኡል፡ ክዳን ዘይብሉ ድዑል ተባሂሉ ዝተመሰለ ፡ ኪዳን ምስ ዝህልወና፡ ኪዳና ምስ እንሕሉ ንኸብርን  ከም ሉኡላን ንቑጸርን፣ ብኣንጻሩ ከምቲ ክባኣስን ክጓነጽን ዝውዕል ዱዑል፡ ኪዳነ ዘይቡሉን ኪዳኑ ዘየኽብርን ሰብ’ውን እምነት ዘይብሉን ሓሓሊፉ ምጉናጽን ምዕማጽን ዘይገድፍን’ዩ።ኣብ’ዚ ምዕቡል ዝበሃል ዘመን: ሰባት ውሕስነቶም ኣብ ኪዳን ዘይኮነ ኣብ ሕጊ ዘንብሩ ዘለዉ ይመስሉ። ማሕበራዊ ጉዳያት ህዝብናን፡ ሃገርናን፡ ዋላ’ዉን እቲ ኣብ ሞንጎ ሰብ-ሓዳር ዝግበር ቃል-ኪዳን፡ ብኣምር ሕጊ ዝትካእ ዘሎ ይመስል። ሕጊ ግን ከም ኪዳን፡ ዋሕስ ናይ ናብራን ዝምድናታት ወገናትን ኮይኑ ከገልግል ኣይክእልን እዩ። እዚ ምባልና፡ ሕጊ ኣየድልን እዩ ንምባል ኣይኮንናን። የግዳስ፡ ኪዳን ዘይብሎም ሰባትን መንግስታትን፡ ብሕጊ ጥራይ ጠጠው ኣይብሉን፡ እኳ ደኣ ከም’ዚ እንዕዘቦም ዘለና ከም ድዑል ይጓነጹን ሰብኣውነት ይረግጹን ኣለዉ። ስለዚ ሕጊ’ውን እንተኾነ፡ ብዘይ ኣዳህቦ ኪዳን ወይ’ውን ምእክልና ኪዳን ምስ ዝንደፍን ዝቐውምን፡ መሳሪሒ ዓመጽን በደልን ንክኸውን ኢዩ ዝቃላዕ። ኣብዚ እንነብሮ ዓለም፡ ኪዳን ተባሂሎም ዝጸደቑ ማእለያ ዘይብሎም ኣብ ዓመጽ ዘተሞርኮሱ ሕግታት ከምዘለዉ ከየመልከትና ክንሓልፍ ኣይንደልን። እንበኣር ኣብዚ ልዕልና ሕጊ ተሳኢኑ እናበልና እንሻቐለሉ ዘለና ዘመን ፣ መስርሕ ኪዳን ዓዲ-ውዒል ከይትኸውን እሞ፡ ብሕጊ ኣብ ምፍድዳይ ሕነ ከይንነብር ንስከፍ ። ብስም ሕጊ ጌርካ ዝፍጠር ሓዲሽ ቁስሊ ወይ ተበዳሊ ከይህሉ ምጥንቃቅ ዘድልዮ እዋን ኢና ዘለና ኢልና ድማ ንሓስብ።ገሊኡ ክፋል ህዝብና እውን እንተኾነ፡ ናይ’ዚ ግዜ’ዚ በትሪ ምሰና’ዩ ዘሎ ብዝዓይነቱ፣ ኣፉ ንዝኸፈተ፡ “ሓለንግና ነዊሑ እዩ” ፡ “ዓይንና ዓይኒ ዓራት እዩ” እናበለ በትሪ ምዋጣዎጥ ኣይገደፈን፡፡ ብዘይ ኪዳን ኣሕዋትናን፡ ፍንጫሕ መሰንገለናን፡ ብኸመይ ክንመውቅ ንኽእል ዝብል ሕቶ ምሕታትን፡ ዕርቃንና ወጺእና ከይከውን ዝባናትና ሃሰስ ምባልን እዚ ዘበን ዝጠልቦን ናይ‘ዚ ወለዶ መጸዋዕታን ኮይኑ ይስምዓና።ደቂ ሰባት ብምዃና፡ ካብ ዝተወለድናሉ ኣትሒዙ ብተፈጥሮና ዑሩቓን ኢና። ናይ ናብራ ግዴታ ኮይኑ’ውን፡ ስሕተት ዊዕልና ጎንጺ ኣይተርፍን፡ በዚ ዉን ዕርቃና ይቃላዕ እሞ፡ ዳግማይ ክንክደን ንብህግ። መፍትሒኡ ድማ ካሕሳን ኑዛዜን ተሰሪዑ ናብ ዕርቂ ንኣቱ ፡፡ ዕርቂ ምልኣተ ሕውየት ንኽረክብ ድማ ብመስርሕ ኪዳን ይዛዘም ኢልና ንኣምን። ዕርቂ ምስ ሓውና፣ ዕርቂ ምስ ሓፍትና፣ ዕርቂ ሓድሕድና፡ ክዳንና እዩ’ሞ ናይ ወለድና ልቦና ኪዳን ኣይትሓባኣና!!!! ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 10 - ይቕሬታ | Forgiveness |
    ይቅረ ኣብ መስርሕ ሕውየት ሞግዳእቲ፡ ናብ ዕርቂ ዝወስድ ልቦና ዝመልኦ ኣምር እዩ ንብሎ። ብጣዕሳን፡ ኑዛዜን፡ ካሕሳን ተሰንዩ ኣብ ቤት ዕርቅን ኪዳንን ከኣ የብጻሓና። ኪዳን ድማ ንዝተበዳደሉ ወገናት ክዳኖም ደራሪቡ ናብ ሕውየት ይመልሶም።ይቕሬታ፡ ከምቲ ኣብ ህዝብና ዝግበር፡ ከም`ቲ ስሙ’ውን ዝሕብሮ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐሪ ወይ`ውን እቲ ዝተርፍ እዩ። እዚ ኽኣ ምስ’ቲ ምግዳፍ፣ ምሕዳግ ኣተሓሒዝና ክንርእዮ ይካኣል። ከምቲ ኣታዓረቅቲ ሕደጎ ... ሕደጎ ... ወይ`ውን ግደፎ ...ግደፎ ... ዝብልዎ ይሳነ። ህዋሳት ኣካላትና’ውን እቶም መሰረታውያን መማህራን ናይ ይቕሬታ ኮይኖም ንረኽቦም። ከም`ቲ ምሕቃቕ ዝኣበየ መግቢ ደገ ብዘይምዉጽኡ ክጎድኣና ዝኽእል ከምኡ`ውን ይቕረ ብዘይምባልና ጥዕናና ክጉዳእ ይኽእል; ስለዚ እዩ እንበኣር ተቐያሚ ሓማሚ ዝባሃል። "ይቕሬታ" እምበኣር ብመጀመርታ ኣካላዊን ህዎሳዊን ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ብምስዓብ በኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጌርና ክንመሃሮን ክንነብሮን ይክኣል እዩ። ይቕረ ንኽንብል ብቤተሰብ፣ ብየዕሩኽትና፣ ብሃይማኖታዊ ትካላትና ብተደጋጋሚ ንጽዎዕ ኢና። ንምዃኑ ሕቶ ይቕሬታ ብሕታዊ ድዩ ዋላስ ማሕበራዊ። ንሕና ከምዝመስለና ብሕታውን ማሕበራውን እዩ። ብብሕትና ይቕረ ምስ እንበል፡ ካብ ዝኣሰርና በደልን ቅርሕንትን ንገላገል እሞ፣ ዓይነ ልቦናና ይኽፈት፡ ናብ ሓድሽ ተኽእሎታት ሂወት ንእንፍት። ነቲ ዝበደለና ከይተረፈ እውን ብፍትሓዊ ዓይኒ ንርእዮ እሞ፡ ፍትሓዊ ናብራ ንመርሕ።  እቲ ማሕበራዊ ክፋል ይቕሬታ፡ ብሓፈሽኡ ብመንጽር በዳልን ተበዳልን፡ ብዓቢኡ ድማ ብሕብረተ-ሰብ ደረጃ ክንጥምቶ ይከኣል። ይቕሬታ ምሉእ ንክኸውን በዳልን ተበዳልን ዕዩ ሕድገት ክፍጽሙ ኣለዎም ኢልና ንሓስብ። ዕዩ ሕድገት ማለት ይቕሬታ እምበር ኣካል መስርሕ ሕውየት እዩ። ይቕሬታ ኩልንተናዊ ክኸውን እንተኾይኑ ፣ ብፍላይ እካ ደኣ ብሕብረተሰብ ደረጃ ክፍጸም እንተኾይኑ ዕቱብን ንጹርን መስርሕ ሕውየት ኣብ በዳልን ተበዳልን ክህሉ ኣለዎ። ሕውየት እምበኣረይ ንመጕዳእቲ ዝፍውስ ንበዳልን ተበዳልን ከኣ ናብ ምልኣት ሰብኣውነቶም ዝመልስ ጥዑም ልማድ ሕብረተሰብና እዩ። እዚ ብኸመይ ይፍጸም ንዝብል፡ ስነ-ሓሳብ ስሕታንን ኑዛዜን ካሕሳን ምርደኦም ግድነት ይኸውን፧ብመጀምርያ ስሕተት፡ ቀጺሉ’ውን ኑዛዜን ካሕሳን ናብ ይቕረን ዕርቅን ዝመርሑ ኣምራት ጌርና ክንርድኦ ንኽእል። ወለድና ንዝበደለ ክገልጽዎ፡ ከም "ስሒቱ" ፣ "ስሒታ" ፣ "ስሒትና" ብምባል ይትንትኑዎ። እምበኣርከስ መበገሲ ጉድኣት ፣ ብዓይኒ ልቦና ስሕተት ምስ እንርድኦ ፣ ከም ካብ መንገዲ ፣ ዕላማ ፣ ኣንፈት ምስሓት የስምዕ። እዚ ኣረዳድኣ ወለድና "መጎዳእቲ ከም ስሕተት"፡ ንስሐተት ከኣ ብዓይኒ ርሕራሔ ዝርኢ ይመስለና።መስርሕ ሕውየት በዳሊ ብጣዕሳ እካ እንተጀመረ፣ መስርሕ ኑዛዜ፡ ሓቂ ክዛረብን ሓላፍነት ክስከምን ይሕግዞ። ኑዛዜ ንኽንርዳእ ናብቲ ናይ ግእዝ ምንጩ ዝኾነ ቃል "ናዘዘ" ከነስተብህል ይከኣል። ናዘዘ ማለት ኣጸናንዐ፣ ኣደዓዓሰ፣ አበደ ማለት እዪ። በቲ ኻልእ መዳይ ከኣ ኣብ ህዝብና “ተናዚዙ እንድዩ/ያ” ምስ ዝባሃል፡ ሓቂ ተዛሪቡ ወይ ዝተደጎለ ዘይተሰምዐ ሓቂ ኣስተንፊሱ የስምዕ። እሞ ዝተናዘዘን ሓቂ ዝንገረን በዳሊ ዳኣ ስለምንታይ ምጽንናዕ ምድዕዓስን የድልዮ ክንብል ንኽእል ኢና። እዚ ግን ምስቲ ሕማቕ ማዓልቲ ወይ ስሕታን ማዓልቲ ውዒለ ኣይትሓዙለይ፡ ዝብል ዝውቱር ናይ ጣዕሳ ዘረባ ምስ እነተሓሕዞ፡ በዳሊ'ውን ናይ ማዓልቲ ኮይኑ እንበር ንኽፍኣት ዝተዓጥቀ ከምዘይኮነ የውካኣልካ እሞ፣ ናይ ስሕተቱ ጣዕሳ ተቐቢሎም፡ ነቲ ዝስምዖ ናይ ጣዕሳን በደልን ስምዒታት ንምቅላል ደገፍን ምጽንናዕን ከምዘድልዮ የርእየና። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኩሉ ሰብ ናይ ማዓልቲ ኮይኑ ይስሕት እዩ። ዕጫ ኩሉ ሰብ ድማ እዩ፡ ምኽንያቱ ፍጹማን ኣይኮናን። ስለዚ ኣባላት ስድራ ወይ ሕብረተሰብ፡ ኣካሎም ንዝኾነ ሓው ወይ ሓፍቲ፡ ስሕታን ዊዒሎም እሞ ምስ ዝጥዓሱ፡ ሓድሕዳዊ ምጽንናዕ እምንበር፡ ምጉድዳእ ከምዘየዋጽኦም ዘስተብሃሉ ይመስል።ብምቅጻል፡ ኑዛዜ ንበዳልን ተበዳልን ሰብ ኣፍደገታት ምሕረት የርእዮም። መስርሕ ኑዛዜ ንበዳሊ ሓድሽ ተኽእሎታት፣ ሓዲሽ ኣንፈት ይፈጥር። ኣብ ኑዛዜ ዝኣተወ ሰብ ሓዲሽ ማእዝን ክጥምት ይከኣሎ። ዝተናዘዘ ሰብ ካብ ዝርብሾ ዛንታ ገበን ተገላጊሉ፡ ብምጽንናዕ ናብ ንቡር ሂወት ይኣቱ እሞ ከም እንደገና ክጉዓዝ ይጅምር። ኣብ ግዜ ኑዛዚ በዳሊ፡ ሓላፍነት ናይ ገበኑ ይስከም፡ ከም ዝኽሕስን ከም ዝእረምን'ዉን ቃል ይኣቱ።  በዚ ዕርቂ ህዝብና፡ ንሕውየት ሰብኣውነት በዳሊ እውን ዘተኵሩ ኮይኑም ንረኽቦም። ምኽንያቱ ኣብ መስርሕ ኑዛዜ ከም እነስተብህሎ፡ እቲ ዝበደለ እምበር እተበደለ ኣይኮነን ዝፍጽሞ። እንበኣር መስርሕ ኑዛዚ፡ በዳሊ ዝፍወሰሉ ልምዳዊ ኣገባብ'ዩ ንብሎ።  ሕቶ ካሕሳ ንተበዳሊ፡ ኣብ ሕብረተስብና ዝውትሩር እዩ - ከም መጸገኒ ወይ መሕውይ ቁስሊ እውን ይባሃል። ምእንት'ዚ በዳሊ ዓቕሚ ምኽሓስ ምስ ዝሰኣኖ መቕረብ ቤተሰቡ ነቲ ሓላፍነት ክስከሙ እቲ ንቡርን ቅቡልን መስርሕ እዩ።እንበኣር እዚ ለባም ዝኾነ ናይ ወለድና መስርሕ ዕርቂ፡ ዕርቃን ምስ ተላለየ ፣ መጉዳእቲ ምስ ኣስተባሃልናሉ ፣ ጎዳእን ተጎዳእን ምስ ተነጸረ ፤ ካሕሳ ምስ ተፈጸመ፡ ብመስርሕ ኑዛዜ ኣቢሉ ናብ ዕርቂ ይበጽሕ እሞ፣ ኪዳኖም ኣሓዲሶም ኣብ ሕውየት ይበጽሑ፡፡ ምልክት ሕውየት ሓድሕዳዊ ምክድዳን ፣ ኪዳን ምእታው ከም ሳዕቤኑ ሙቀት ምርካብ እንዳኣሉ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 09 - ዕርቂ | Reconciliation |
    ከምቲ ህጻን ብዕርቃኑ ዝውለድ እሞ ምድርራብን ምንክብኻብን ናይ ወለዱ ዝሃርፍ፣ ናብራና ኣብዛ ዓለም ከኣ ዕርቃንካ ዘውጽ ምስ ሕብረትሰብካን ባህርን ብስኒት ክትነብር ዝቅስብ እዩ ኢልና ንሓሳብ። ናብ ስኒት ክመልሰና ዝኽእል እምበኣር ዕርቃና ምስ እነስተብህለሉ’ዩ። እቲ ናብ ስኒትን ማሙቕን እንምለሰሉ ሰናይ መስርሕ ወይ ተግባር ድማ  ዕርቂ ኢልና ክንርድኦ ይከኣል  ።ዕርቂ ጽቡቕ፣ ዕርቂ ሰናይ፣ ሰብን እዝግን ዝፈትዎ ተግባር፡ ዕርቂ ንምፍጻም ግና ኣየናይ ወገና ዓሪቁ ኣሎ፧ መን እዩ ናብ ዕርቃን ዘቃለዓና፧ ምስ መን ኢና ኸ እንታዓሮቆ ኢልካ ምሕሳብ እቲ ናይ መጀመርያ ዕዮ ናይ ኩልና ክኸውን ኣለዎ። እዛ እንነብረላ ዓለም ዕርቃንካ ዘውጽኡ ዝተፈላለዩ ኩነታትን ነገራትን ዝተመልአት እያ። ንብጻዮምን ህዝባምን ዕርቃኖም ዘውጽኡ ዉልቀ ሰባትን ስርዓታትን’ዉን ውሑዳት ኣይኮኑን። ከምቲ ዕርቃኑ ዝወጸ ሰብ ነስሓይታን ቁርን ዝቃላዕ፡ ዝተገፍዑን ዝተበደሉን ሰባት ወይ ሕብረተ-ሰባት’ውን ንስደት፡ ድኹም ማሕበራዊ ዝምድና፡ ዘይርጉእ መንፈስ፡ ቂምታን፡ ቅርሕንትን ይቃልዑ። እዚ ኩነተ መንብሮ ከኣ ዘየቕስን፡ ጉልባብካ ዘቃልዕ እዩ። ንሕና ደቂ ሰባት ዕርቃና ከም ዝወጻእና ምስ ዘይንርእዮን ዘይነለልዪን፡ ናይ ዕርቃና ዕዉራት ንኸውን እሞ ከምሳዕቤኑ ኸኣ ንቆርር፡ ብኣስሓይታ ቁሪ ከኣ ንግረፍ። ከም`ቲ ኣስሓይታ ቁሪ ዝዘበጦ ዝባን ኴይና ኸኣ ነህተፍትፍ።ጎነጽ ወይ ዓመጽ ኣብ ሞንጎ ሰባት ወይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምስ ዝነግስ፡ የግዲ ሰባት ዕርቃኖም ይወጹ። እቲ ዘይፍትሓዊ ኣካይዳ ኣብ ቡዙሓት በደልን ማህሰይትን የውረድ። ህዝብታት ንሓድሕዶም ይበዳደሉን፡ ግዳያትን መሳርሕን ናይ ዓማጺ ስርዓት ከኣ ይኾኑ። ተመኩሮታቶም ድማ ንዝተፈላኡዮ ካልኦት ዕርቃናት የቃልዖም። ኣብ ከምዚ ህሞት፡ ዕርቂ ፡ ስላም ከንግስን ሰኒት ክምለስን ከም መሳርሒ ኮይኑ የገልግል። ብኻልእ ኣዛራርባ፡ እዞም ህዝብታት ሰላምን ስኒትን ከስፍኑ እንታይ እንተገበርና’ዩ ዝሓይሽ ኢሎም ክሓቱ ናይ ግድን እዩ። እዚ ዓይነት ሕቶ ኸኣ ንጉዳይ ዕርቂ ብኣስተብህሎ ክንምርምሮ ኣገዲድና ኣሎ። ከም ዝርድኣና፡ ዕርቃኑ ከምዝወጸ ዘስተብሃለ ሰብ ወይ ሕብረት-ሰብ፡ ዕርቂ እቲ እንኮ እኮ እንተዘይበልና ግን እቲ ዝዓዘዘ ኣማራጺ ምኻኑ ክግንዘብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ዝዓረቀ ዝባን ክዳን ዝደሊ ከምኡ`ውን እቲ ዝዓረቀ ሰብ ወይ ሕብረት-ሰብ ነቲ ክዳኑ ዝኾነ ብጻዩ ወይ ወገኑ ይደልዮ እሞ በዚ ድማ ናብ ዕርቂ ክኣትዉ ወይ`ውን ክፍጽሙ ይኽእሉ።ብምቕጻል፡ ጉዳይ ዕርቂ ኣብ ሕብረተ-ሰብና፡ ንሰብ-ጉዳይ ዕርቃኖም ከምዝወጹ ክግንዘቡ ይሕግዞም ዶ ኢልና ክንሓትት ንደሊ። ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዕርቂ ኣብ ማንጎ ሰብ ጉዳይ ወይ ባዕላቶም ወይ ድማ ብዘመድ-ሸማግለ ክፍጸም ዝውቱር’ዩ። ኣብዚ ናይ ምዝርራብ መስርሕ፡ ኣብ ኩሉ እኳ ኣይኹን እምበር ዝውቱር  ዝኾነ ትሕትና ዝመለኦ ለባም ኣበሃህላ ኣሎ። እሱ ድማ “ምስኻ ተባኢሰ ወይ ተዃሪየ እንታይ ዶ ከሲበ እየ” ዝብል እዩ፡ እዚ ድማ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ብምጉርፋጦም ክሳራ እንበር መኽሰብ ከምዘይረኸቡ ይእመኑ። እቲ ብዘመድ-ሽማግለ ዝካይድ መስርሕ ዕርቂ’ውን ብሰንኪ ጎንጺ፡ ወገናት ዕርቃኖም ከም ዝተቓልዑ ከስተብህሉ ዝሕግዝ መስርሕ እዩ ኢልና ንኣምን። ምኽንያቱ ብዓንደ ርእሱ እቲ ሕበረተ-ሰባዊ መንብሮ ብሓደሕድ ምምሩኻስን ምድግጋፍን ዝተሰረት እዩ፣ ጎንጺ ኽኣ ናይዚ ጸጋ ተኻፈልቲ ካብ ምዃን የተርፍ እዩ። ሳዕቤን ናይ ዕርቃንካ ምውጻእ ድማ ማሕበረ-ቁጦባውን ኣእምራውን ሃጓፋት የኸትል።ዕርቂ ኣብ ዝዝረበሉ ዓውዲ ብዛዕባ ይቕረ ገለ ከይበልና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ኣብ ዝምጽእ መደብና ብዛዕባ ይቕረ ኣስፊሕና ክንዝቲ እኳ እንቶኾና፡ ንሎሚ ፍልልያቶ ከነንጽር ንፈቱ። ይቕሬታ ናይ ብሕቲ ሰጉምቲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ዕርቂ ኣብ ማንጎ ክልተ ወይ ብዙሓት ዝግበር መስርሕ ምዝርራብ እዩ። ምኽንያቱ እቲ ሓደ ወገን ይቅረ ክብል ወይ ሕድገት ክግብርን ዘይተዳልወ ወይ’ውን ኣብ ቀረባ ዘየሎን ክኸውን ይኽእል እዩ። ዕርቂ ከም መስርሕ ፍትሒ፡ ዝርርብ ኣብ ሞንጎ ሰባት ኮይኑ፡ ሓቂ ዝንገረሉ፡ በደለኛ ሓላፍነት ዝወስደሉ፡ ካሕሳ ናይ በደል ዝዝረበሉ መስርሕ ጌርና ክንቆጽሮ ይካኣል።ኣብዚ ከነስምረሉ እንደሊ፡ ዕርቂ ንኸቢድ በደል ዝወርዶ ዘሎ ህዝብና ይጽንሓለይ ዘይበሃሎ መስርሕ ናይ ፍትሒ እዩ ንብል። በዚ ኣቐሚጥናዮ ዘለና ናይ ሕብረተ-ሰብና ኣረኣእያ ዝምራሕ መስርሕ ዕርቂ ድማ ዝበለጸ ውጺኢት ኣለዎ ሊልና ንምጉት። ምኽንያቱ፡ ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ ከም ህዝቢ ዕርቃና ከምዝወጻና ምስትብሃል ናይ መጀመርያ ኩነት መስርሕ ዕርቂ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። እዚ ማለት ኣደዳ ስደተ፡ ግዳያት ናይ ማሕበረ-ቁጦባውን ኣእምራውን ዕንወት ከምዝኾንና ከነስተንትን ኣገዳሲ እዩ። እዚ መስርሕ ዕርቂ፡ ጠንኪ ዕርቃና ብዕምቆት ክንፈትሽ፡ ንዝግቦኦ ሓላፍነት ከነሰክም፡ ከም’ውን ምስ መን ንዕርቅ፡ ብኸመይ ንዕረቕ ዘጠቃልል መስርሕ ክኽዉን ይግባእ። በዚ ኸኣ ናብቲ እንደልዮ ማሕበራዊ ፍትሒ ክንሰጋገር ከም እንኽእል ሩጉጽ እዩ።አብ መወዳእታ እምበኣር፡ ሎሚ ብዛዕባ ዕርቃንካ ፣ ዕርቃንኪ ፣ ዕርቃና እንታይ ንብል ፧ ጸላኢና ይዕረቕ ዶ ንብል ንኸዉን፧ ገለ እነለልዪ፣ ብስሙ እንፈልጦ ዕርቃን ይህልወናዶ ይኸውን፧ ወይ ዉን ዕርቃንና ምርዳኡን ምቕባሉን ዘኽእል ትብዓት ይህልወናዶ ይኸውን፧ ዕርቃና ምስ እንግንዘብ ናብ ኣፈፌት ዕርቂ ንበጽሕ ፡ ዕርቂ ኽኣ ብወገና መዓጹኣ ኸፊታ እቶ ብምባል ትቕበለና እሞ ፣ ኣብ`ቲ ቤት ዝያዳ ሙቐት ፣ እልልታ ፣ ባህታን ሓጎስን ይኸዉን። ን ዕርቂ ዝመረጹ ፡ ኣብ ዕርቂ ምስ ፈጣሪኦም፣ ዕርቂ ምስ ነፍሶም ፣ ዕርቂ ሓድሕዶም ማሚቖም ይነብሩ።  ዕርቂ እዪ ሰናይ ፣ ዕርቃና ደኣ ነለልይ! ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 08 - ፍትሒ | Justice |
    ከምቲ ዝተቖጽረ ገመድ ዝፍታሕ ከምኡ`ውን ዝተኣሰረ ኢድ ፣ እግሪ ፣ ሰብ ፣ ኣተሓሳስባ፡ መንፈስ፡ ...ወዘተ ምፍታሕ ወይ’ውን ፍትሒ ይግብኦም እዩ። ፍትሒ ከምቲ ስድራቤቱ ዝኾኑ ቃላት ከም እኒ ፈትሐ ፣ ፍታሕ፣ መፍትሒ ዘመልክትዎ ካብ እስሩ፡ እተጠምረ፡ መከራ፡ ኣርዑት ምፍታሕ ወይ ምንጋፍ የስምዕ። እዚ ብኣእምሮን ልብን ሕብረተሰብና ብኸመይ ንርድኦን ንነብሮን ከነስተንትን ክንፍትን ኢና። ኩሉ ዝተኣስረ ፍታሕ የድልዮ እዩ ክንብል ንክእል ዶ፧ ከምቲ ኩሉ ፍቱሕ ቅኑዕ ዘይከውን፡ ገለ እተኣስረ ከኣ ፍትሓዊ ኮይኑ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ንኣብነት ብእምነት ን ፍቕርን ዝተኣስረ ቃል ኪዳን ሰናይ ነገር እዩ። ከምቲ መባልይቲ ይግበርኩም ኢሎም ስድራና ዝምርቕዎ፡ ብፍቕርን ምክብባርን ክጥጥዕ እንበር፡ ምፍታሕ ናይ ሰብ ኪዳን ከንደየናይ ፍታሕ ከይከውን። ብኻልእ ሸነኽ፡ ከምቲ ቀያዲ ልጓም በቲኩ ዝሃልል እንስሳ፡ ስርዓትን ሕግን ንዝጥሕስ ከኣ ምእሳሩስ ፍትሓዊ ዝኾነሉ እውንስ ኣሎ።   ካብዚ ብዘይንእስ፡ ምፍታሕሲ ንዝተኣስረ ነብስን ኣተሓሳስባን ዝያዳ መድለዮ ኮይኑ ይስምዓና። ፍትሕ-ትሕ በል እኮ ዝባሃል። ዘይተፈትሐ ነብሲ፡ ብምትእስሳር ኣካላት ወይ ዝተረበሸ መንፈስ ይምልከት። እዚ ነጸብራቕ ናይ ዝተአስረ ውሽጣዊ ኣተሓሳባ እዩ። ኣተሓሳብና ብእንተታት፡ ድሑር ቢሂላት፡ ዘይምኽኑይ ስክፍታን ይእሰር እሞ፡ ምስኡ ከኣ ኣካላትና ይእሰር። እዚ ናይ ዓይነ ልቦናና ማእሰርቲ ድማ ኣብ ጸቢብነት የንብረና እሞ፡ ዓለም ብገፋሓን ዕንቃዓ ዕድላት ናይ ምንባር ከለዋ ትጸበና። ፍትሕ-ትሕ ዳ ንበል። መቸም ናይ ናብራ ግድላት መናብርትና እዮም። ካብ ልቦና ወለድና ብዛዕባ ፍትሓዊ ኣናባብራን፡ ፍትሓዊ ኣፈታትሓ ሽግርን ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና ኢልና ንኣምን። ከምቲ ደቂስካ ክትሓድር፡ ጎረቤትካ ይደቅስ ዝብልዎ፡ ሰላምን ፍትሕን ናይ ከባቢና ኣገዳሲ እዩ። እቲ ኣብ ምክሕሓስን ምድባስን ዝተመርኮሰ ኣፍታትሓ ጎንጺ ሕጊ እንዳ’ባ ውን ነቲ ሰናይ ጉርብትናን ሓበራዊ ምድግጋፍን ዝሰረቱ ሕብረትሰብ፡ ኩሉ ክድቅስን ፍታሕ ክረክብን ዝጽዕት እመስለና።    እምባኣርከስ ሰነ ሓሰባት ፍትሒ ኩሉ ነገር ቁጻር ኣለዋ ፣ ዝተኣሰረ ኣለዋ ኢልካ ብምርዳእ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ናይ ምፍታሕ መድብ ኣቲኻ እትነብሮ መስርሕ ሂወት ጌርካ ክንርድኦ ኣይግባእን። ብሕጽር ዝበለ ጉዳይ ፍትሒ ከም ስልጣኔ ምብታን ከምዘይኮነ ከነነጽር ንደሊ፡፡ ብምቕጻል ፍትሒ እንታይ እዩ እቲ ዝፍታሕ ንምርዳእ ሰነ ልቦና ምእሳር ምርድኡ ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ንረኽቦ። ዝተበትከ ምስ ዝእሰር ፣ ዝተበተነ ምስ ዝእከብ  ወይ ዝጥመር እዚ እውን እቲ ካልኣይ ገጽ ናይ ፍትሒ እዩ ኢልና ንሓስብ። ምእሳር  ወለንታዊ  ምስ ዝኸውን ሕውየት ይፊጥር። እዚ ዓይነት መንገዲ ፍትሒ ብኪዳን ፣ ቃለኪዳን፣ ውዕል ብምትእትታው ይዛዘም። ምእሳር ፍቃድ ምስ ዝጓድሎ ፣ መቁሕ ይሕወሶ ።  ካልእ ክንጽር እንደልዮ እንተሎ ኣረዳድኣ ሕግን ፣ ቤት-ፍርዲን ምስ ፍትሒ ብምትእስሳር እዩ። ሕግን ቤትፍርዲን ብመጀመርታ ንደቂ ሰባት እሱራት (ተኸተልቲ) ናይ ዝተጻሕፈ ሕጊ ብምግባር ኣብ ሞጎት ኣእትዩ መርትዖታት ብምጥቃም ርትዒ ኣብ ምዉሓስ ክነጥፍ እንከሎ ብኣንጻሩ ፍትሒ ኣብ ምልላይ እስርቤት ደቂሰባት ከምሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ምንዳይ መፍትሒታት የተኩር ። ሕግን ቤት ፍርዲን ፍትሒ ኣይህብን እንታይ ዳኣ ርትዒ ። ርትዒ ከኣ ብዛዕባ መን መርትዖታት ኣቕሪቡ መን ረትዐ፣ መን ሰዓረ፣ መን ተዓወተ ደኣ እምበር መን ፍትሒ ረኸበ ብዙሕ ኣየገድሶን። የዒንቲ ፍትሒ ሕዉየት፣ ባህታ፣ ውህደት፣ ምልኣት ከዘንተዎልና እንከለዎ፡ የዒንቲ ርትዒ ግን ክሽፈና  ካብ ምርኣይ ኸኣ ዘይምርኣይ ክመርጻ ይክእላ፡ ኣብ ሕግን ቤትፍርዲን ከኣ ይስልጥና። ኣርሕቕ ኣቢልና ኣብ መዛዘሚ ዕድመ ወዲ ሰብ ምስ እንዕዘብ ምስ`ቲ ዝጾረ ልብስና ወይ`ውን ሰጋና ንፋታሕ ምኮና ነስተብህል። መራሕቲ ሃይማኖት፡ ገለ ዝተኣስረት ነፍሲ ከይትህሉ ካብ ዝብል ስክፍታ ንመዋቲ ሰብ ናይ ፍትሓት ስርዓት ውን ይፍጽሙሉ። ኣብ መወዳእታ በዚ ሕቶ ንሰናበተኩም፡ ፍትሒ ዘይከፍቶ ሞቑሕ ይህሉ ዶ ኢልኩም ትሓስቡ፧ ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • ወግዒ ቁርሲ ቡን ምስ ሓው መድሃኔ ኣስመላሽ
    ሰላም ኣዳለውቲ መደብ ንገለ ክፋላት “ቍርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት” ክሰምዕ ምኽኣለይ ንተበግሶኹምን ዘለዎ ኣበርክቶን ከመጕስ ደስ እብለኒ። እቲ ዓቢ ነገር ዝብሎ፡ ነቲ ዘሎና ዓቢ ሰረትን ሃብትን ብኸምዚ ዓይነት ጠመተ ምቕራብኩም ጥራይ ናቱ ብልጫ ኣለዎ። ካብዚ ቀጺለ ገለ ሓሳባተይ ከካፍል ፍቐዱለይ። 1. ሉጡርግያ ግዕዝ (Ghe’ez Liturgy) ዚብል ኣምር ኣብቲ መበቆላዊ ትርጉማ ጥራይ ብምምርኳስ “ዕዮ ሕዝቢ” ንምባል ተጠቒምኩምላ ኣለኹም። ግደ ሓቂ ግና እዛ ቃል ንኣሽሓት ዓመታት ዝኸደ ኣብ ምሥራቓውን ምዕራባውን ዓለም ትርጉም ኣለዋ። ሉጡርግያ ግዕዝ እንተ ኢልካ ኣብ ኣእምሮኻ ዚመጽእ ጸሎተ ሰዓታት፡ መሥዋዕተ ቅዳሴ፡ መዛሙር,,,, ወዘተ እዮም። ባህልን እምነትን ጎጃጂልካ ምርኣይ ( Dualism) ማለተይ ኣይኮንኩን። ዝተሰረት ትርጉም እሞ ከኣ ምስ መለኮታዊ ሥራሕ (Divine Office) ስለዘለዋ ሰማዒት እዝኒ እንታይ እያ ክትብል፧ ገለ ዓበይቲ ኣያታትና እውን ብሉጡርግያ ልቅነቶም (PHD) ዘመስከሩ ኣለዉና፡ ምስ ባህልን ልማዳትን ዝተዛመደ ዓበይቲ መጽናዕትታት ዝገበሩ ስለዝኾኑ ኣድላዩ እንተኾነ ምውካሶም ይከኣል ይኸውን። ካብ ኵሉ ከኣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ትርጉም ቃላት ኮነ ኢልካ ናይ ምብላል (profanation) ተኻይዱ ስለዝኾነ፡ ኣብዚ ቦታ ደጊምካ ምርካብ ኣሰካፊ ኮይኑ ረኺበዮ። ካብ ሉጡርግያ ዚብል ናይ ባዕዲ ቋንቋ ምልቃሕ ከምቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ መግለጺኹም ዘሎ፡ ሥራሕ ሕዝቢ ወይ ዕዮ ሕዝቢ እንተ ትብልዎ እንታይ ጸገም ኣለዎ፧ 2. ኣብ ሃገርና፡ ዓድና ዚብሉ ኣገላልጻ ንመን ብርግጽ ይውክሉ፧ ምድንጋር ንምውጋድ ዓቢ ዕዮ እውን ስለዘሎና። 3. “ሰብኣውነት ዘለዎ ኣተሓሳስባ” ተዘውቲራ ሰሚዐያ። ከም ርድኢተይ rationality (ለባውነት) ንምባል እዩ እመስለኒ። ሰብ ለባዊ ፍጡር ምባል ዝያዳ ገላጺትን ንብዙሕ ኣምራት ኣብ ምትንታን ዕዙዝ ኣበርክቶ ዘለዋን እያ። 4. ኣብ ገለ ወገናት ምሳና ዚፍጠር (ንኣብነት ብዛዕባ ርኅራኄ ክትዛረቡ ከለኹም)፡ ገለ ድማ ንመሃሮ ዚብሉ ሓሳባትን ካልኦት ዚመሳሰሉን ዕቱብ ኣተሓሕዛ የድልዮም በሃላይ እየ። እዚ ከኣ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ምስ ዝማዕበሉ ፍልስፍናታትን ታሪኻዊ ፍልቀትን ኣነጻጺርካ ብሱልን እዋናውን መልእኽቲ ምሕላፍ ኣገዳሲ ነገር እዩ። 5. “ሩሕሩሕ” ኣብ ትብል መደብኩም ኣብ “ሩሕ” መሰረት ብምግባር ደስ ዘብል እማመ ኣቕሪብኩም ኣለኹም፡ ብርግጽ ክትፍተን ዘለዋ ከኣ እያ። ኣብ ግዕዝ ርኅሩኅ ማለት ብሳድስ እያ ትጸሓፍ፡ ኣብዚ ናትኩም ግና ምስ ሩሕ ብምትእስ ሳር ብካልእ (2 ይ) ጌርኩም ኣቕርብክምዋ ኣለኹም። ሰረትን ጭቡጥ በመቆላዊ ሓቅነትን እንተ ዘይብላ ወይ ብኣንጻሩ እንተ ተረጋጊጻ ደስ ዜብል ሓሳብ ጥራይ እኹል ኮይኑ ኣይስምዓንን። ወይ ድማ ሓድሽ ትርጉም ምፍጣር ኪኸውን እዩ፡ ግና ንሓደ ናቱ ትርጉም ዘለዎ ቃል ሓድሽ ትርጉም ምጥማቕ ንምንታይ የድሊ ዚብል ምላሽ የድልዮ። 6. ሕልፍ ክብል “ክፋእ” ትብል ቃል ሰሚዐ፥ ብዙሕ ግዜ እውን ልምድቲ ኮይና ንረኽባ ኣብ ብዙሕ ዘረባትታት። ክፍኣት ዚብል መጸውዒ ስም (Noun) ኣሎና። ክፉእ፡ ክፍእቲ,,, እናበለ ድማ ቅጽላት ይቕጽሉ። ሰዋስዋዊ ቦታ ኣለዋ እንተ ኾይኑ ክሓተኩም ኢለ እየ። ምስለ ብዙኅ ፍቅር ዚኣክሙ መድኃኔ ኣስመላሽ ፖድካስት ብድምጺ ንምስማ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 07 - ብሕታዊ | Individual |
    ኣብ "ብሕታዊ" ዝብል ቃል ክንሓስብን ከነስተንትን እንኮለና ብሓደ ወገን ባሕታዊ የስምዕ፡ ማለት ብሕትውና  ከም እኒ "ፈለስቲ"። ብኻልእ ወገን ድማ ምብሓት ከም ምውናን ወይ ምቑጽጻር የስምዕ። ንኣብነት እገለ ዕላል ብሒትዎ፣ ነዚ ወይ ነቲ ቦታ ብሒታቶ፣ ንመድረኽ ወይ ስፖርት ብሒትዎ ወይ ብሒታቶ እውን ንብል። ኣብ ገለ ገለ እዋን ምስ ከም ዉልቃዊ ዝዓይነቱ ትርጉም ክዋሃቦ ይረአ። እዚ ካብ ጉጉይ ርዲኢት ዝነቐለ ኮይኑ ይስማዕና። እቲ ሳልሳይ ትርጉም፡ ብሕታዊ ባህሪ፣ ኣመልን፡ ርድኢት ወይ ልምዲ ካብ ካልኦት ዝፈልየና ዘንጸባርቕ ኣዘራርባ ይኸውን። ብጽሙቕ ዝበለ ሰነ-ሓሳባት ብሕታዉነት ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥቢታት ተመርኲስና ንርድኦን ንትንትኖን፡በሓተ ፡ ብሓደ ወገኑ ባዕላዊ (subjective) ትርጉም ክህብ ከሎ፡ "ባዕለይ"፣ "ባዕልኻ"፣ "ባዕልኺ" የስምዕን፣ የረድእን።ብኻልእ ወገን ዋንነት (Agency) እንከመልክት "ናይ ባዕለይ" "ናይ ባዕልኻ"፣ "ናይ ባዕልኺ" ንብል ።ባሕቲ: መባእታዊ ፣ ጀማርነት ፣ ይሕብር ። ንኣብነት ንምጥቃስ "ባሕቲ መስከረም" ንብል ። ካብ`ዚ ብምስዓብ ብሕታዊ ሰብ መጀመርያ ፡ ጀማሪት ወይ ጀማሪ ሕብረተሰብ ኢዪ ኢልና ንሓስብ።ባሕታውነት: እዚ ጉዕዞ ንምልላይ ዉሽጣዊ ሰብነት ኢልና ክንርድኦ ይከኣል።እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ባሕታዊያን ወይ ፈለስቲ ከምዘይኮን ኣቐዲምና ንሕበር። እቲ ክእረም ዘልዋ ኣጥቃቅማ ድማ ብሕታውነት ምስ ውልቃዊነት ምተእስሳር እዩ። ምኽንያቱ ውላቃዉነት፡ ኣነ ዎና ናይ ባዕለይ እየ ዝዓይነቱ ርድኢት ሰለ ዘአንግድ፣ እሞ ኸኣ ንዉልቀይ ኢልካ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ክትብል ሰለ ዘይቃዶ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገለጽናዮ፡ ዉልቃውነት ብመሰረቱ ብዛዕባ ምሕንጋድ ወይ ምዝላቅ ካብ ሕብረት እዩ። እዚ ማለት፡ ኣነ ንዉልቀይ ኣርባዕ ነጥቢ እየ። መጀመርታን መወዳእታን ናይ ባዕለይ እየ የስምዕን የረድእን። እዚ ኣንጻር ሕብረት ድኣ እንበር ምስ ብሕታውነት ኣይተሓናፈጽን። ምኽንያቱ ኣብ ማንጎ ቡዙሓት ተፈጢርካስ ኣነ ንውቀይ ምባል ኣይናይጥዕንና እዩ። ኣንተ ናይ ብሕትካ ባህሪ ወይ ተውህባ ክህልወካ ግን ግድን እዩ። እዚ ብሕታውነት እዚ ካኣ ተማላላኢ ዳ እንበር፡ ንዉልቅኻ ከም ደሴት ኣየቑመካን።ኣብ ቛንቋ ግእዝ እንተ ሪኢና ባሕታዊ ማለት በሓተ ከም "ሓደ" ይትሩጎም ። ብተወሳኺ መረዳእታ ኣዴታታ ነታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ወርሒ ባሕቲ ኢለን ክጽዉዕዓን ከብዕልኣ እንከለዋ ንዕዘብ። ብሕታዊ ብዛዕባ ሓደ እዩ ፣ ምብሓት ኣብ ሓደ ምዕራፍ፣ ኣብ ሓድነት ምእታው እዪ ክንብል ንኽእል። ካብ`ዚ ሓደ ዝመንጨወ`ዩ ክልተ ፣ ሰለስተ እናበለ እልፈ ኣእላፍ ተኽእሎታት ክዉን ክኸዉን ዝኽእል ። ከምቲ ናይ ሃገርና ኣቆጻጽራ ዓዉደ ኣዎርሕ ብባሕቲ ጀሚርና መዓልታት ንቖጽር፡ ካብ ብሕታዊነት ጀሚርና ብጸይትና ወይ`ዉን ብጻይና ክንብል ንኽእል። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ቤተሰብ፣ ስድራቤት፣ ዓዲ ...ወዘተ  ብምባል ምሉእ ሕብረተሰብ ከነቕውም ንኽእል ።"ብሕታውነት" ኣብ`ዚ ዓለም ብሳይንስን ቴክኖሎጂን እትግስግሰሉ ዘላ ዘመን ብኸመይ ክንነብሮ ይከኣል ኣገድሲ ሕቶ እዩ። ኣብ`ዚ ዘለናዮ ዘበን ባሕታዊ ምዃን እንበኣር፣ ኣእምሮና ይብሕት ዶ ኣሎ ንምባል እዩ። ምኽንያቱ፡ ዘይባሕተና እንተ ዄና ኣብ`ዛ ጫውጫውታ ዝመልኣ ዓለም ጥሒልና ከይንተርፍ እሞ መልክዕና ከይንገግይ ፣ ገጽና ክይንርስዖ ምጥንቃቕ የድሊ ። ብሕታዊ ገጽና ኣይትተሓብኣና !ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min

About ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

From the publisher's feed

Kursi Bun (Snack of a coffee ceremony) is a reflective reading weekly podcast program created based on the Geez liturgy platform.