ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

By Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.Society & CulturePhilosophyPersonal Journals
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት episodes

  • 32 - ዓመጽ | Violence |

    ዓመጽ ዛዕባ ምዕምጻጽ ፡ ምግሃስ መሰል ሰብ ፡ ፍቃድ ሰብ ምጥሓስ ኮይኑ ንሕና ደቂ ሰባት ካብ ሰብኣውነትና ጐዲልና ምስ እንርከብ ፡ እንኮኖ እንላበሶን ኢሰብኣዊ ገጻትና እዮ።


    ዕዮ ህዝብና ንምርዳእን ኣብ እንገብሮ ዘለና መጽናዕታዊ መደብ “ዓመጽ” ኣብ ከም ሓድሕዳዊ ፡ ጾታዊ ፡ ሕብረተሰብዊ ፡ ትካላዊ ገጻት ሒዙ ይከናወን ፡ ይፍጸምን ይኽሰትን ኮይኑ ንረኽቦ፡፡


    ከምቲ ክልተ የዒንትና ተሳንየን ዝርእያ : ክልተ ኣእዛና እውን ተላዚበን ብሓባር ዝሰምዓ ፡ ከምእዉን እተን ብሩኻት ይእጋርና እውን ተኸባቢረን ተሰማሚዐን ንቅድሚት ገጸን ዝምርሻ ፡ ኣብ ጉዳይ ዓመጽ ምስ እንምልከት ኣብ ክንዲ ረብሓን ጥቅሚ ሓድሕድ እነውሕስ ብኣንጻሩ ከምዛ ብሓንቲ ዓይኒና ንርኢ ፡ ብሓንቲ እዝንና ንሰምዕ ፡ ከምኡውን ብሓንቲ እግርና ጠልጠል ኢልና ንከይድ መሲሉና ልቦናና ዓዊሩ ረብሓይ ፡ ጥቅመይ ኢልና እንፍጽሞ ባህርን ተግባርን እዩ ዓመጽ እንክንብል እንከለና፡፡


    ዓመጽ ፍረ እንክፈሪ ብከም እኒ በደል ፡ ግፍዒ ፡ ጭካነ ፡ ገበን ፡ ዝርፍያ ዝኣመሰሉ ተግባራት ተላቢሱ ንብጻይና ንብጸይትና ዕራቆም ኣብ ምውጻእ ይስልጥንን ይስስንን።


    ዓመጽ ዝብል ኣርእስቲ ሒዝና እንከነስተንን :


    1 - ኣብዚ ዝሳተፎ ዘለኹ ንጥፈት ፍቃደይ ፍቃድ ብጻየይ  / ብጸይተይ ኣሎ ድዩ?

    2 - ኣብዚ ዝሳተፎ ዘለኹ ወፍሪ ፡ ስራሕ ፡ ተግባር ፍቃድ ህዝቢ ኣሎ ድዩ?

    3 - ግብረ መልሲ ኣንጻር ዓመጽ ብኸመይ ይነብሮ ወይ ይገልጾ?

    4 - ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ዓመጽ እንዳ ተፈጸመ  ሱቅ ምባለይ ኣካል ዓማጽ  ዶ ይገብረኒ?


    ዝብሉ ሓሙሽተ  ሕቶታት ምስ ሰማዕትና ብሐባር ኮይና ክንሓስበሎም በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻክር፡፡


    ብምቕጻል ከም ጦብላሕታ ኣካል ዓመጽ እየ : እንዳበለ ወይውን እንዳበለት ዝዕምጽ ስብ ከም ዘየሎ ርዱእን ፍሉጥን እኳ እንተኮነ ፡ ንዓመጽ ከም ዕዬ ህዝቢ ንከነለልዮ ህድእ ኢልና ታሪኽ ሂወትና : ታሪኽ ሕብረተሰብና ምፍታሽ አገዳሲ መስርሕ እዩ ኢልና ንሓስብ።


    ብስም ኣባልነትን ኣካልን ዝበሃጉ ኣስማት ተሓቢእና ማለት ብስም እነምልኾ ኣምላኽ ( እምነትና ፡ ሃይማኖትና) ፡ ብስም ሃገርና : ብስም እንፈትዋም ስድራቤትና ፡ ዘለና ስልጣን ፡ ሞያ ፡ ጾታ ተሓቢእና ፡ ጉልባብ ጌርና ኣካል ዓመጽ ኮይና ከይንህሉ ዓሚቋ ምስትብሃል የድልየና ኢልና ንኣምን።


    ዓመጽ ዶብ ብጻይና ፡ ብጸይትና : ልዕልና ሓውና ፡ ልዕልና ሓፍትና : ልዕልና ህዝቢ ጥሒስና እንፍጽሞ ፍቃድ ኣልቦ ግፍዒ እዩ እሞ ምርጫና ሲ  ብሕታዊ ዶባትና ፡ ሓድሕዳዊ ልዕልናታትና ብምትሕልላውን ን  ምክብባርን ዝቀውም ፡ ዝስስን  ሰላም ክንምስርት ይከኣል ፡ ብመንጽሩ ከኣ ፍር እቲ ዝቖመ ን ፡ ዘስፋሕፈሐን ሰላም ሓድሕዳዊ ዓመጽ ክጓድል ፡ ኮይኑ ተሪፉ ከነጭራሱ ክነጥፍኦ ይከኣል ፡፡


    ከምቲ ሃብቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓለለፍ ከምእውን ዓመጽ ካብ ዝሓለፉ ወለዶታት ክንወርሶ ይከኣል : እዚ ማለትና እንነብሮ : እንመርሖ ዘለና ሂወት መበገሲኡ መሰረቱን ዓመጽ ከይከውን ነፍሰ ምርመራ ምግባር ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ንረኽቦ።


    ዓመጽ ኣብ  ታሪኽ እቲ ዝመጻእናሉ ወለዶታት ከምኡውን ኣብ ማዕበያና ንከይህሉ ብስሙ ኣለሊና ምስ እንፈልጦን እንገልጸን ካብ ግዳይነት ምፍጣር ንዕቀብ ፡ ኮይኑ ተሪፉ ከኣ ካባና  ናብ ደቅና ንከይመሓላለፍ ጠጠው ከነብሎ ንኽእል።


    ኣብ ዕዮ ህዝብና  ምሕረት እምበር ዓመጽ መዛዘሚ ታሪኽ ደቂ ሰባት ከምዘይኮነ ክንዕዘብ ክኢልና ኣሎና ።


    መልሲ ዓመጽ ፡ ካልእ ዓመጽ ዘይኮነስ ፡ ድሕሪ እቲ ደበሰን ዕርቅን እቲ ብቁዕ መልሲ ኣንጻር ዓመጽ ሲ ምሕረት ሓድሕድ እዩ እሞ : ምሕረት ንምረጽ!


    ምሕረት ነዛ ሩሕና ፡ ምሕረት ንብጻይና ፡ ምሕረት ንብጸይትና ፡ ምሕረት ንዝበደሉና ፡ ምሕረት ንሃገርና ፡ ምሕረት ንታሪክ ህዝብና ነዘውትር እንዳበልና ንሎሚ ንፍለየኩም።



    ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 31 - ዕርቃን | Vulnerability |
    ዕርቃንካ ምውጻእ ዝብል ከም ኣምር፡ ሲዒቡ’ውን ዝፈጥሮ ጽልዋ ኣብ ቀልብን ስነ ልቦናን ህዝብና ምስ እንዕዘብ ከም ኣሉታዊ ኮይኑ ይግለጽን ይትንተንን፡፡ ብዛዕባ ዕርቃንካ ምውጻእ አልዒልና እንክጽሕፍ - መንከ ዕርቃኑ ወጺኡ ክረኣ ዝደሊ ኣሎ ዝብል ሕቶን ርኢቶን ከም ዝመጻና ኣይንስሕቶን፡፡ ከም ተዕዝብትና፡ ብብሕትና ንኹን ከም ህዝቢ፡ ዕርቃና ወጺእና ክንርአ ኣይንደልን ።  ምኽንያቱ ህዝብና ዕርቃን ምውጻእ ምስ ሕሰምን ፡ ድኻምነትን ብምትእስሳር ስለ ዝግለጾ ከም ነውሪ ተቆጺሩ ኣፍና ከፊትና ክንዛረበሉ ኣይንመርጽን።
     
    ህዝብና ብዛዕባ ዕርቃን ምውጻእ ዘለዎ ርድኢት ንኽንግምግሞ ፤  "ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ ዝባንካ ወደ'ቦ ኣይርኣዮ" ዝብል ቢሂል ክንምልከት ይከኣል፡፡ እዛ ቢሂል ህድእ ኢልና ምስ እነስተንትናን  እንሓስበላን፡  ሕብረተሰብና ብዝባን-ዝባን ወይ ላዕሊ-ላዕሉ ንጉዳይ ዕርቃን ምውጻእ ኣብ ምሕባእ ዝሰልጠነን  ዝገስገሰን ህዝቢ ኮይኑ ንረኽቦ።
     
    “ዕርቃንካ ምውጻእ” ኣብ ህዝብና አብ ክንዲ ንቁሕን ዕቱብን ኣዳህቦ ሂብና እንሓስበሉን፡ ብልቦና ጌርና መፍትሒ እነናድየለሉን ፡ ብኣንጻሩ ካብ እቲ ወደ ኣቦ : ማለት ካብ እቲ ሓዉና ፡ ሓፍትና እንብሎም ክንሓብኦን ፡ ክንሽፍኖን ንመርጽ። እንተኾነ ግን፡ ከም’ቲ ኣብ’ታ “ዕርቂ” እትብል መደብና ዝተንተናዮ ፡ እቶም ዕርቃኖም ምውጽኦም ዘለለዪ ሰባት ኢዮም ኣብ ዕርቂ ዝኣትውን ብ ኪዳን ዝኽደኑን ዝማምቑን። ስለዚ ድማ፡ መሰርሕ ዕርቅን ሰላምን : ከይዲ ኪዳን እዩ : መሰረቱ ኽኣ ምልላይ ምውጻእ ዕርቃንና  እዩ ኢልና ንሓስብ። 

    ብካልእ ሸነኽ ንሕና ደቂ ሰባት ናብዛ ዓለም ኣመጻጽኣና ምስ እንዕዘብ ፡ ዕራቅና ወጺእና ኢና እንውለድ ፡፡ ህጻን ዉን ሞስ እተወልደ፡ እቲ ምኽንያት ጨቛ ኢልካ ምብካይ ብኸፊሉ በቲ ዝገጥሞ ናይ መጀመርታ ዕርቃን ናይ ሰብ እዩ ኢልና ንሓስብ። ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ መሰረት ዕርቃን ምውጻእ ብክልተ ገጽ ክፍጠር ይኽእል ኢልና ንርዳእ ፡ ንሳቶም ከኣ እቲ ቀዳማይ ተፈጥራዊ ወይ ሰብኣዊ እንክኸውን ( እዚ ማለት ፡ ኣወላልዳናን፡ ስዒቡ እውን ኣብ መዋእል ሂወትና ከም ሰብ ምኳና መጠን ዝገጥሙና ሕጽረታት ከም ዕርቃን ምውጻእ ምስ እንርድኦ ኢዩ)፡፡
     
    እቲ ካልኣይ ዕርቃን ምውጻእ ንሕና ደቂ ሰባት ፡ እታ ናይ  መጀመርታ ሰብኣዊ ዕርቃና ምውጻእ ምርድኣ ተሳኢኑና ፡ ኣብ ከቢድ ክሕደት “ዕርቃና ምውጻእ'' ተጸሚድና ፡ ነቶም ናይ ሓድሕዳዊ ክዳና ንክኾኑና ዝተፈጥሩ ብጻይ ፡ ብጸይቲ፡ ሓው፡ ሓፍቲ  ምንጪ ዕርቃነይ ኢዮም ኢልና ንኣምን እሞ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዓምጽን፡ በደልን ብምግባር እቲ ካልኣይ ኢሰብኣዊ እንብሎ “ዕርቃን ምውጻእ” ክንፈጥሮ ይከኣል፡፡ እዚ ድማ ብዕሙቅ ዝበለ ምስ እንርድኦ እቲ ሓድሕድዊ ምክድዳን ተሪፉና ፡ ኪዳን ምቛም ዉን ጸጊሙና : ናይ ሕብረተሰባዊ ክዳና ይቅደድ እሞ፡ ብብሕትና ድዩ ከም ህዝቢ ዕራቅና ወጺእና ንረአ ማለት’ዩ።
     
    ምስቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ዝኮነ ዕርቃና ምውጻእ ብልቦና ክንነብር ምስ ዝሕርብተና : ኣብ ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ብምጽማድ ነቲ ካልኣይ ዕርቃን ምውጻእ ኣብ ምፍጣሩ ብልዑል ፍናን ንነጥፍ እሞ ፡ ሕሱማት ፡ ኣሳሰይቲ ሕሰም ኮይና ንርከብ።
     
    በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብዚ ሎሚ ዘበን ምንጪ ዕርቃነይ ምውጻእ ፡ ዕርቃን ህዝበይ ምውጻእ እቲ ቀዳማይ ሰብኣዊ ዕርቃን ምውጻእ ድዩ ወይስ እቲ ካልኣይ ኢሰብኣዊ ዕርቃን ምውጻእ እዩ ዝበታትነናን : ዝሕምስናንን ዘሎ ኢልና ክንሓት ይከኣል፡፡ ቀጺልና እውን ንሰማዕትና ኮነ ንገዛ ርእስና፡ ብብሕትና ድዩ ወይ'ውን ከም ህዝቢ ገለ ዘየስተባሃልናሉ ዕርቃና ዝወጻእናሉ ጉዳያት ከይህልወና ንፈትሽ ንብል። ኣስዒብና’ዉን ፡ ሳኣን ምስትብሃልና ድዩ : ዋላስ ካብ ምሒር ሕሰም ዝፈጠሮ ዕርቃና ምውጻእ፡ ን ጎረባብትና እቲ ኢሰብኣዊ ዕርቃና ምውጻእና ነመሓላልፎ ከይንህሉ ህድእ ኢልና ኩነታትና ምምርማር ዘድልየና ኮይኑ ይረኣየና።
     ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ተፎጥርኣዊ ዕርቃና፡ ጸጋናን ህያብናን እንክኸውን፡ ብልቦና ምስ እንቅበሎን እንርዶኦን ናብ ዕረፍቲ ዘእቱን ኣብ ሓድሕዳዊ  ሕውየትን ኪዳንን ዝጸምድ ኢዩ ኢልና ንኣምን። ኣብ ሓድሕዳዊ  ሕውየትን ኪዳንን ምስ እንነብር ድማ፡ ካብ’ቲ ኢሰብኣዊ ዕርቃን ምውጻእ ወይ በደል ኣብ ባዕልናን ኣብ ልዕሊ ብጾትናን ንቁጠብ። ስለ’ዚ ደቂ ሰባት ብተፈጥሮና ዕርቃና ዝወጻእና ኢና’ሞ : እንተ ለቢምና ፡ ሓቦ ሰኒቕና ንሓድሕድና ክንከዳድን ፡ ክዳን ክንኸውን ይከኣለና’ዩ ፡ ብምባል ንሎሚ ንፍለየኩም፡፡
    ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 30 - ሓቦ | Courage |

    ኣብ ኣበሃህላ ህዝብና  ''ሓቦ ግበሪ '' ፡ "ሓቦ ግበር" ፡ ''ሓቦኛ እያ'' ፡ "ሓቦኛ እዩ" ዝብሉ ዝውቱራት ኣበሃህላ ንሰምዕ ። ሓቦ ብሓደ ወገኑ ናይ ምጽዋር ተኽእሎታት እንከስምዕ ብተወሳኺ ብመንጽር ጅግንነት ፡ ብብቅዓት ኣንጻር ፍርሒ ብዘስምዕ ከም ኣወንታዊ ባህሊ ይቑጸር። ካብ ግዜ ንእስነትና ኣትሒዝና ድማ ብወለድና ድዩ፡ ብዓበይቲ ኣሕዋትና ፡ቤተሰብና ኮታ ብዓቢኡ ብሕብረተሰብና ከም ሰናይ ባህሪ ክንለማመዶን ክንላበሰን ንጽዋዕ፡፡


    ብካልእ ሸነኽ  ገለ እዋን ኣሎ ሓቦ ዝብል ቃል ካብ ህዝበይ ከይሓምቅ ወይ ከይተርፍ ብዘስምዕ ናይ ምስሉይነት መገለዝ ይዋሃቦ እዩ። ብወገና ካብቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ሓቦ ካብ ውሽጣዊ ድላይን እምነትን ዕላማን ዝተስረት ምዃኑ እምበር ምስ ምስሉይነት ብዙሕ ዘራኽብ ነጥብታት ከምዘይብሉ ክንርዳእ ኪኢልና ኣለና። ሓቦ ካብ ፍቕሪ ፡ ድልየት ፡ ባህጊ ፡ ካብ ውሽጣዊ ምትብባዕ መበገሲኡ እንተኮይኑ ፡ ከም ዕዩ ህዝቢ ምስ እንግምግሞ፡ ስራሕ ሓቦ ሰራሕ ናይ ልቢ  ስራሕ ፍቅሪ  ምኳኑ ንጹር ኮይኑ ይረኣየና።  እዚ ከኣ ምስ እቲ ናይ ቋንቋ ግእዝ ምስ ሓቦ፡ ብዕምቆት ርድኢቱ፡ ብቀረባ ዝመሳሰል ቃል ምስ እንፍትሽ ምስቲ "ሓበበ'' ማለት ኣፍቀረ ፡ ፈተወ ፡ ብፍቅሪ ተቃጸለ ክትርጎም ኰሎ ንዕዘብ፡፡


    ሓቦ ንኣእምሮና ንከነስተብህል፡ ንሕልናና ንክንምርምር ዝደፍኣና ኣምራን ዕዮ ህዝብን እዩ፡ ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ንሎሚ፡ ኣብ ብሕታዊ ኮነ ማሕበራዊ ንጥፈታትትና እንታይ ይድርኸና ፧


    ዛንታ ሓቦ ወይሲ ጎነጽ ዝመሰረቶም አስገዳድ ፧


    ህዝብና ኣብዚ ሑሱም እዋን ምንም እኳ ከም እኒ "ጽቡቅ'' ፡ "ኣምላኽ ይመስገን" ዝብሉ ዘረባ ብብዝሒ እንሰምዖሉ እንተኮና : እዚ ኩሉ ኣደራዕን  ጸቅጥን ድልይ ኣልይዎ፡ ወይ ብፍቃዱ ይካየድ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን ፡ እዚ ማለት ስራሕ ሓቦ ከም ዕዬ ህዝቢ ንርኢ የለናን ማለትና እዩ ፡፡ ህዝብና ነዚ ዝወርዶ ዘሎ ሓሰረ መከራ ብከመይ ይሰግሮ ኣሎ ፧ ዝብል ሕቶ ንዓና ንኣዳለውቲ እዚ መደብ ሓደ ካብቶም ኣዕጋቢ መልሲ ዘይረኸብናሎም ሕቶታት ኮይኑ፡ ብሓቦ ይሰግሮ ኣሎ ንዝብል መልሲ ግን ግጉይ ኣረዳድኣ ዘንቀሎ፡ ጌጋ መልሲ ኮይኑ ይስመዓና። በዚ ኣጋጣሚ ሰማዕቲ እዚ መደብ ከም ሕቶ ወሲድኩም ኣብ ልባትኩም ከተሰላስልዎ ንዕድመኩም ፡፡


    ሰራሕ ሓቦ፡ ኣብ ብጻይካ፡ ብጸይትኻ፡ ህዝብኻ ተስፋ ኣቐሚጥካ ናብ መስርሕ ምክብባርን፡ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ንኽንጽመድ ይዕድመና። ንጥፈታትና ተኽእሎታቱ ንኽዓቢ፡ ስራሓትና ፍርያት ንኽርከቦ፡ ከም ህዝቢ ንቕድሚት ንኽንግስግስ  ዕቱብ ዕዮ ሓቦ የሓትት፡፡


    ኩነታትና፡ ኩነታት ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ መስርሕ ርኢና፡ ብሓደ ወገን ነቲ  ግናይና ክንለምዶን ከም ንቡር ክንቅበሎን  ዘተባብዕ፡ ብካልኣይ ወገን ድማ ኣብ ሓድሕድና ተስፋ ቆሪጽና ክንብህርር ዝጽውዕ እኳ እንተመሰለ ፡  ሓቦ ግን  ሳልሳይ ምርጫ ትህብ ኣጆኺ፡ ኣጆኻ፡ አጆኹም እተድሂ ድምጺ ኮይና ንረኽባ፡፡


    ሓቦ ንጉድለት ሓድሕድ እተጉድል፡ ሸኸም ሓደ ናብ ብዙሓት እትመቅል፡ ነቲ ውሑድ ጾታታት ኣበዚሓ ጸጋታትና እተብዝሕ፡ ድልየታትና ደሚራ ደማሚራ ክቱር ፍቕሪ እትምስርት ኣብ ኣባህላ ህዝብና ርዱእ ፡ ግሉጽን ቦታ ዝነበራ ንሎሚ ኣብዚ እንነብሮ ዘለና ዘመን ብዕምቆት ክንርድኣን ፡ ክንነብራን : ከም መዋስኢ ባህሪያትና ክትከውን ንርእስናን ሰማዕትናን ነዘኻኽር፡፡ ሓቦ ድኣ ንስነቅ! ኣጆኺ : ኣጆኻ ፡ አጆኹም ሓቦ ንግበር ብምባል ንሎሚ ንፍለየኩም።


    ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 29 - ምስትብሃል | Attention |

    ምስትብሃል ፡ ምስትውዓል ፡ ምስትንታን … ወዘተ ዝብሉ ኣበሃህላ ህዝብና በቲ " ምስ " ዝብል ቃል ዝጅምሩ ኮይኖም ነቲ ስዒቡ ዝመጽእ ቃል ማለት ኣብ ምስትንታን እንታይ እዩ እቲ ዝትንተን፡ ኣብ ምስትውዓል እንታይ እዩ እቲ ዝተዋዕለ ኣብ  ምስትብሃል ድማ እንታይ እዩ እቲ ዝተባህለ ኢልና ከነሰላስልን ክንሓስብን ዝጽውዑ ኣምራት ኮይኖም ንረኽቦም። 

    ሕመረት ምስትብሃል ናብቲ መሰረታዊ ፍጻመ ፡ ኩነት ወይ ውን ክስተት ክንውከስ ይጽውዓና። ኣብ ኣጠቃቅማ ቃል ምስትብሃል ኣብ ህዝብና ምስ እንዕዘብ ፡ ኣስተብሂልካ/ኪ ተዛረቡ ፡ ኣስተብሂልካ/ኪ ሕሰቡ ፡ ኣስተብሂልካ/ኪ መንገድኹም ተጓዓዙ  ንሰምዕ። ነቲ ከነስተብህለሉ ዘለና ጉዳይ ወይውን ነገር ገለ ኪንዮዉነት ወይ ዕምቆት ከይህልዋ ክንፍትሽን ካብ ላዕሊ ላዕሊ ወጺእና ናብ ውሽጢ ዘሎ ጉዳይ ክንምልከትን የተሓሳስበና።


    ከምቲ ኣእዋም ሰራውር ዘለዎም ከምኡ ኸኣ ኣብ ጉዳይ ምስትብሃል ከም ሕቶ ክንርእዮ እንኽእል፡  ትማሊ ብዛዕባይ ፡ ብዛዕባና ገለ ዶ ዝተባህለና ኣሎ ኢልና ክንሓትት ይከኣል።

    ምስትብሃል፡ ንእንሰምዖ ወይ እንርእዮ ጥራይ ስለ ዘይኮነ፡ እቶም ዘይንርእዮም ክፋላት ሂወትና ማለት ከም እኒ ስምዒት፡ ልቦና፡ ሓሳባት  ዝኣመሰሉ ንጉዳይ ምስትብሃልና ብከመይ ይጸልዉዎ ፧ 

    ንጥፈታትና ፡ ዝምድናታና ፡ ባህግታትና ኮታ ዕዮታትና ምስትብሃል ኣለዎም ዶ ወይሲ ብፍኑው ወይ ብዝገጠመና ኢና ንነብሮም፧


    ስለ’ዚ እምበኣር፡ ከነስተብህል ዲና ፡ ከይነስተብህል ጉዳይ ሰብን ሰብኣውነትን ኮይኑ ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ንሰማዕትና፡ ብብሕትና ድዩ ወይውን ከም ህዝቢ፡ ግናዬ ድዩ ሰናዩ  እንታይ እዩ ብዛዕባና ዝተብህለ ከነስተብህለሉ ነዘኻኽር።

    መንገዲ ምስትብሃል ጉዕዝኡ ብዕምቆት ምንባር ዘመላኽት ኮይኑ ፡ ንዓና ደቂ ሰባት ኣብቲ መሰረታዊ ጦብላሕታ ሰብ ሙዃን ዘብጽሕ መንገዲ’ዩ  ኢልና ንሓስብ። ኣስተብሃልቲ ምስ እንኸውን ሰብኣውነትና ክንላበሶ ቀሊል ይኮነልና ኢልና ንኣምን።


    ምስ እነስተብህል ሕልምታትና ፡ ራኢታትና ብብቅዓት ንኽንግምግሞም ይከኣለና’ዩ እሞ ፡ ካብ ናይ ጽባሕ ናይ ጣዕሳ ሂወት የድሕነና እንናበልና ንሎሚ ኣብ ዕድመ ሂወትና ዝተባህለና ንፈትሽ እናበልና ንፍለየኩም።


    ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ


    0 min
  • 28 - ርሑስ | Liveness |

    ቅንያቱ ቅንያት ሓድሽ ዓመትን ኣውዳኣመት ልደተ ክርስቶትስን እዩ። ኣብ ከምዚ  ቅንያት ድማ ናይ ደስታን ሓጎስን ምንዮትና ንገልጸሉ ዝውቱር ዝኾነ ቃል ኣሎ። እወ ርሑስ ኣውደኣመት እንዳበልና ሰናይ ፋል ኣብ ሂወትናን ሂወት ሕብረተ-ሰብናን ክንርኢን፡ ናብ ዝበልጸገ ክንሰጋግርን ንምነ። ንሕና’ውን በዚ ኣጋጣሚ፡ ርሑስ ኣውዳኣመት እንዳበልና፡ ን ዓመታ ከመዚ እዋን ብሰላምን ብፍቕርን ዝወፈረ ኣኻኺቡ፡ ኣብ ቤትና ምስ ስድራና፡ ኣብ ሓርነትን ክብረትን ዝሰፈና ኤርትራ ከንሕልፎ ንምነ። 


    ኩልና ከም እንፈልጦ፡ ርሑስ ኢልካ ሰናይ ምንዮት ምግላጽ ኣብ ኣውደኣመታት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። እንተ ኣስተብሂልናስ ወለድና ንዝተረኽበ ኣጋጣሚ ራሕሲ ከምጻኣሎም ወይ ሩሑስ ኽኾነሎም ወትሩ ምስተመነዩ  እዮም። ንዝተወልደ ህጻን ሩሑስ ውላድ ፣ ኪዳን ናይ ፍቑራት ርሑስ ጋማ ፣ ዝተጥረየ ንብረት ርሑስ ገዛ፡ ሩሑስ ክዳን፡ ቆጽሊ ዘወደቁሉ መራሒ ውን ሩሑስና ይግበሮ ኢሎም ይምርቑ። ኣብ ሂወትና እንጅምሮ ዝተፈላለየ ጉዕዞ ውን ራሕሲ ዘለዎ ክኾነልና ምንዮቶም ይገልጹ። አረ እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ንዝተፈለዩና ውን ራሕሲ ንክገድፉ ይምነዩ። "ርሑስ" እትብል ቃል ወይ`ዉን ካብ ርሑስ ዝምንጩዉ  ቃላት ከም እኒ "ራሕሲ"፡ ኣብ ብዙሕ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና ንረኽቦም ኢና። እዚ ድማ ካብ ሂወትን ሞትን ራሕሲ ዝምነ ሕብረተ-ሰብ፡ ካብዛ ዓለም እቲ ዝበለጸ ዝምነዮ ነገር እንተሎ ‘ሩሑስ ምዃን እዩ’ ክንብል የኽእለና። ስለዚ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ዓለም ዝደልዮ ነገር እንተሃለወ ራሕሲ ምዃኑ ክንደይ ካባና ኢና እነስተብህለሉ። ሕቶና ግን እዚ ኣይኮነን፡ ንሎሚ እቲ ዝዓበየ ሕቶና፡ እንታይ ስለ ዘለዎ ወይ እንታይ ስለ ዝርከቦ’ዩ ሂወትና ኣብ ራሕሲ ክትነብር ሃርር እንብል፧ ወይ ብኻልእ ኣዛራርባ ጣቛ ርሑስ ከመይ ዝበለ እዩ፧ 


    ካብ’ዞም ዘልዓልናዮም ሕቶታት ብምብጋስ ንዑምቆት ርዲኢት "ርሑስ" ክነስተንትን ክንፍትን ኢና ። 


    ትርጉም "ርሑስ" ወይ "ራሕሲ" ብቐረባ ንምዕዛብ ኣብ ተኽሊን ዘራእቲን ከነስተብህል ይከኣል ። ኣትክልቲ ፣ ዘራእቲ ፣ ከምኡ`ውን ኣእዎም  ራሕሲ ወይ ጠሊ ምስ እንዕዘበሎም ብሂወት ምህላዎም ወይ`ውን ህያው ምዃኖም ክንምስክር ንኽእል ። ምስዚ ብምትእስሳር ድማ፡ ምናልባት እዚ ኣዝዩ ዝዉቱር ኣበሃህላ "ርሑስ" ን "ራሕስን" ኣብ ሕብረተሰብና፡ ሂወተን ህያዉነትን ዝያዳ ኣቶኩሮ ንምሃብ  ዶ ይኸውን፧ ምኽንያቱ ሂወትን ህያዉነትን እንተሃልዪ ሲ ካልኦት ጸጋታት ከም እኒ ሓጎስ፣ ዓወት ፣ ሰላም ፣ ሓርነት፡ ክብረት፡  ሃብቲ ክስዕቡ ስለ ዝኽእሉ እዮም፡፡


    ከምቲ ኣቅዲሙ ዝተገልጸ፡ ናብዛ ዓለምና ሂወት ክመጽእ እንኮሎ ሩሑስ ውላድ ይግበሮ ይግበራ ይባሃል፡ ሰብ እስተንፋሱ ሓሊፋ ብሂወት ክፍለየና እንኮሎ’ውን ራሕሲ ይግደፍ ይባሃል። ካብቲ ዝውለድ ህጻን ከምኡ`ውን ካብ ሞዎቲ ራሕሲ እኳ እንዳተጸበናስ፡ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ምውላድን ሞትን ዘሎ እዋናት ከኣሞ ከንደይ ናይ ራሕሲ ኣጋጣሚትታት ኣለዉ ንዓኹም ንገድፎ። ብሓጺሩ ግን ካብ ንውለድ ካሳዕ እንመውት፡ ንሂወትናን ንሕብረተ-ሰብናን ራሕሲ ክንከውን እዩ እቲ መልእኽቲ። ጣቛ ራሕሲ ንምርዳእ ድማ ዝያዳ ዕምቕ ዝበለ ምስትብሃል ዘድልየና ይመስል። 


    ብናትና ርድኢት እምበኣር፡ ካብ ብሂወት ምዉላድ ክሳዕ ሞት፡ ናብራና ራሕሲ እንተሃሊዎ  ከምቲ ማይን ጩራ ጻሓይን ዝረኸበ ኣትክልቲ ኣብ ቀጻሊ ሂወትን ህያውነት ክነብር ንኽእል። ምኽንያቱ ከምቲ ኩልና እንፈጦ ዝደርቐ ኣትክልቲ ከምዝስባብር፡ ህያውነቱ ውን ዘብቅዕ፡ ናብራና ውን ምስ ዝደርቅ ናብ ምስባርን ምብትታንን ከምዝበጽሕ ሩድእ እዩ። እዚ ኢዩ ኽኣ  እቲ ኣበሃህላ ወለድና ክንደይ ይጥዕም ዘብለና! ሂወት ክትቅጽልን ጣዕሚ ክብረት ክዓስላን፡ ራሕሲ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን። 


    እዚ ዘለዮ ሃለዋት ምስ ንዕዘቦ፡ ህዝብና ንኣደዳ ግፍዕና ዓመጽን ተጻጢሑ፡ እቲ ዘርከቡ ድማ እግራይ ኣጽእኒ ኢሉ ፍቆዶኡ ተበታቲኑ ይርከብ። ስድራ-ቤታት ራሕሲ ናይ ኣውዳመት ተሓሪምወን ኣብ ማኣዲ ኩሉ ኣባል ስድራ ካብ ዘይቅረብ ክንደይ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ክምዚ እዋን እቲ ሰናይ ምንዮት ሩሑስ ኣውዳመት ምባል እኮ እንተዘይተረፍ፡ እቲ ውጃዕጃዕን ደስታን ናይ ስድራቤታት ብጽምዎን ሻቅሎትን ዝተወረሰ ብምኮኑ፡ ሂወትን ህያውነትን ከምዘይብሉ ንሰተብህል።  እሞ ጸሓይና ክብረቅ ራሕሲ ዝገዳፍ ዝናብ ክውረድና፡ ሂወት ስድራና ክምለስ እንታይ ተገብራና ክክሕሸና እዩ ኢላና፡ ንፍሲ ወከፍና ክንሓትትን ኤደይ ኤድካ ክንብላ ይጽናሓለይ ዘይብሉ ዕማምና እዩ። 

     

    ኩነታት  ሂወት ፣ ጣዕሚ  ፣ ባህታን ፣  ይሃልዎ ኣየሃልዎ ብዘየገድስ፡ መናባብሮና ራሕሲ ዶ ኣለዎ  ኢልና እዉን ክንሓትትን ከነስተንትን ይከአል ።  ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ ንዓኻ ወይ ንዓኺ፡ ‘ርሑስ’ ወይ ‘ራሕሲ’ ዝብል ኣበሃህላ ወለድና ምስ እትሰምዑ እንታይ ትርጉም ይህበካ ወይ ይህበኪ ፧ ብዝብል ሕቶ ንፋነወኩም።

     

    ራሕሲ ኣይፈለየና!  
    ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • 27 - ምዉላድ | Birth |
    ምውላድ ከም ቃልን ኣረዳድኣን ብዙሕ መግለጺ ዘድልዩ ኣምር እኳ እንተመሰለ : ብመንጽር ዕዩ ህዝቢ እንክንግምግሞ ብዙሕ ጽልዋን ጦብላሕታን ክገድፈልና ዝኽእል ኣርእስቲ እዩ ኢልና ንሓስብ፡፡ ኣምር ምውላድ ንምርዳእ፡ ክንየው ሓዲሽ ህጻን ምርኣይ፡ ኣብ ብሕታዊ ሂወትና፡ ብኣተሓሳስባንና ኣካይዳናን ከም ብሓዲሽ  ምውላድ ምከ ዝከኣል፡ ብደረጃ ሕብረተሰባትን ህዝብታትን ድማ ብዝገጥሞም ዝተፈላለዮ መስርሓት ከም ብሓድሽ  ከም ዝውለዱ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ዓለም ክንዉከስ ይከኣል ። እዚ ሎሚ ዘሎና ኣተሓሳስባ ፡ ዝዓበናሉ ባህሊ ፡ እዛ እንርድኣ ናይ ሎሚ ዓለም ፡ ንዘንትእለት ዝነበሩ ዘይኮኑ ፡ ኣብ ግዜን ፡ ብግዜን ዝተወለዱ ክስተታት ምኾኖም ከነስተብህል ይግባእ ። ብሓፈሽኡ ምውላድ ክልተ ገጽ ሃልይዎ ፡ ብሓደ ወገኑ ሓድሽ ክስተት ፡ ሓድሽ ተኽእሎታት እንከበስር ፡ ብኻልእ ወገኑ፡ ነቲ ዝነበረ ሓዲሽ ክስተታትን ተክእሎታትን ሓድሽ ሙኳን ተሪፍዎ ፡ ከም ኣብ ልዕሊኡ ፡ ወይ'ውን ክንዩኡ ዝኾነ ክስተታት ዝፍጠረለሉ መስርሕ እዩ ኢልና ንሓስብ ፡፡ ኩልና ከም እንስተብህሎ፡ ህጻን ምስ ተወልደ ብዙሕ ጮቅ ኢሉ ይበኪ ፣ ብኣንጻሩ ኽኣ ወላዲት ፍረ ማህጸና ርእያ ልባ ባህታ ይመልኦ ፣ ኣዴታት ይዕልላ ፣ መቕረብ ቤተሰብ ከኣ ይሕጎሱ፡፡ ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ምስ እንዕዘብ ወለድና ክምስሉ "ተወሊድካ ማለት ሞይትካ ማለት እዩ” ይብሉ ብፍላይ እኳ ኣብ ግዜ ሓዘን ንሓዘንተኛ ንምጽንናዕን ባህሪ ኣፈጣጥራና ንምዝኽኻርን። በዚ ኣጋጣሚ እምበኣር፡ ድንቂ መስርሕ ምውላድን ኣወላልዳናን መስተንክራዊ ጉዕዞኡ ካብ ምዉላድ ብ ኣካላዊ ሂወት ክሳዕ ኣካላዊ ሞት ዝኸይድ ከይዲ ብዕምቆት ከየስተብሃልናሉን ከየስተማቀርናዮን ክንሓልፍ ኣይንደልን። ብዛዕባ ምውላድ ዝብል ዓምዲ ሒዝና ኣብ ንዝትየሉ ዘለና እዋን እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ስማዕትና ከስተንቱሉለን ንጽውዕ  ብኽያት ህጻን ካብ ምዉቕ ማህጸን ኣዲኡ ሰለ ዝተፈላለየ ወይ እዉን ን ማህጸን ኣዲኡ ስለ ዝሞተ ዶ ኮን ይኸውን፧ወዲ ሰብ ስለ ዝተወለደ ደዪ ዝመውት ወይስ ሰለ ዝመዉት እዪ ዝዉለድ ፧ባህታ ወላዲት ፣ ዕልልታ ኣዴታት፡ ሂወትን ተቐባልነትን ዶ ኣይኮነን ዘበስር ፧  መስርሕ ምውላድ፡ ንሓዲሽ ክውንነት ፡ ንሓዲሽ ክስተታት ፡ ንሓደሽቲ ተኽእሎታትን  ንኽንለማመድን መርሓባ ኢልና ክንቅበልን ይግድደና። "ዳግማይ ተወሊዱ" ፡ "ዳግማይ ተወሊዳ''  ዝብል ኣበሃህላ ሐደ ካብቶም ዝውቱራት ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ኮይኑ ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ፡ ከምእውን ተፈጥሮ ብዓቢኡ ናይ ቀጻሊ መስርሕ ምውላድ ምዃንና ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ብምቅጻል ኣብ ማሕበራዊ  ኮነ ኣብ ብሕታዊ ሂወትና፡ ደረጃ ፍርሒ ንኸይንውለድ ክፈጥሮም ዝኽእል ሓደጋታት፡ ብኣንጻሩ ጸጋታት ዳግማይ  ምውላድ ክፈጥሮ ዝኽእል መኽሰባት ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ሓደ ካብቶም ክንገድፎም እንደሊ ጦብላሕታዊ ነጥብታት ኢዩ፡፡ ኣብ መዛዘሚ ጽሑፍና ድማ ሕብረተሰባት ይወለዱ እዮም እሞ፡ እዚ ተደኒሱ፡ ተበታቲኑ ዘሎ ህዝብና ዳግማይ ምውላድ ይፍጠረሉ እናበልና  ንፍለየኩም! ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • ሪኢቶ ሰማዕቲ - 03
     ዕላል ምስ ሰማዕትና ኣብ ናይ ሎሚ መደብና፡ ኣዳለዉቲ መደብ 'ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት' ምስ ግዱሳት ሰማዕቲ ኣሕዋትና እስራኤል፡ ጴጥሮስ፡ ኣድያም ዝገበርዎ ዕላል ነቕርበልኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • ሪኢቶ ሰማዕቲ - 02
    ርእይቶ ብዛዕባ መደብ ቁርሲ ቡን  መደብ «ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ዕላላት» ብትሕስቱኣ ኾነ ኣቀራርብኣ ካብ ካልኦት ናይ ሃገርና ሜድያታት ብጣዕሚ ዝተፈለየት መደብ ኮይና ረኺበያ። ፍሉይነታ ኸኣ ኣብ ባህሊን ሰብኣውነትን ኣቶኲራ ብዛዕባ ዓበይቲ ሓሳባትን ኣምራትን ኣልዒላ ኣብ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ምርኩስ ብምግባር ትዳሎ ሙኻና ኢዩ። ብዙሕ ጻዕሪን መጽናዕትን ዝሓለፎ ስራሕ ሙኻኑ ንኸተለልዮ ውን ግዜ ኣይወስደልካን። ኣዳለውቲ መደብ ቁርሲ ቡን ሓው ፍሊፖ፣ ኮኾብ፣ ኣሮን - ውልቃዊ ተበግሶ ወሲድኩም ከምዚ ዝኣመስለ ሰፊሕን ዓሚቕን መደብ ምድላውኩም ምስጋና ይኹንኩም።  መደብ «ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት» ከም ድልድል (hybrid) ኣብ መንጎ ስነጥበብን ፍልስፍናን ኢለ ምስ ገለጽክዋ። ጥበብ ዝመልኦ ኣቀራርባ ብምስላታትን ብሂላትን ኣሰንያ፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ረዚን ፍልስፍናዊ ጽሑፋት ተአንግድ መድብ ኢያ። ልክዕ ከም ወግዒ ኣቦታትና ብምስላታት ዝማዕረገት ማለት ኢዩ።  ብወገነይ፣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ‘’ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ዕላላት’’ ኮይኑ ዝረኸብክዎ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ሓሳባት ኣልዒልና ክንዝትን ከምኡ’ውን ‘’critical mindset’’ ንኸነማዕብል ኢዩ። እዚ ኸኣ ንነገራት ኣብ ክንዲ ‘’እንታይ’’ ኣጋጢሙ ኢልና ኣብ ፍጻመታት ጥራሕ ንዝቲ፣ ‘’ስለምንታይ’’ ከም ዘጋጠመ ኣዕሙቕና ንኽንሓስብ ዝድርኸና ኮይኑ ረኺበዮ። ብተወሳኺ’ውን ሓደ ካብቲ ብዝያዳ ዝመሰጠኒ ቅድመ ተኸተል መደባት እዩ፣ ‘’ብርህራሄ’’ ዝብል ኣርእስቲ ጀሚራ ክሳብ እዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ምዕራፍ ‘’ሓፋሽ’’ ምስ እንዕዘብ፣ ቅድም ቀዳድም ንውልቀ ሰብ ከም ኣካል ሕብረተ ሰብ ዘይኮነስ ከም ‘’ውልቀ-ሰብ’’ ሃኒጻ፣ ድሒራ ናብ ሕብረተ ሰብ፣ ህዝቢ፣ ሃገር ትሰግር ሙኻና ኢዩ። እዚ ኸኣ ናይ ኣዳለውቲ መደብ፣ ዓቅምን ወፈራን ኣብ ምህናጽ ጥዑይ ‘’ውልቀ ሰብ’’ ጎሊሑ ይረኣየካ። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕብረተሰብና በሪሱሉ ኣብ ዘሎ ዘመን፣ መንእሰያት ናይ ውልቂ ሓላፍነት ወሲድና ብንቕሓት ተወፊርናን ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ክንገብር ከም ንኽእል ትምህረና።  ካብቲ ብዙሕ ብሉጻት መደባት ቁርሲ ቡን ከም እኒ ሰብ፣ ፍትሒ፣ ሓፋሽ፣ ዓለም፣ ውልቃውነት - ሓንቲ ካብትን ብፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደረትለይ መደብ «ምቅዋም» ትብል ኣርእስቲ ኢያ። ዝበዛሕና ክብል ይደፍር፡ ብኸምዚ ገሊጽኩሞ ዘለኹም ኩርናዕ ጠመተ ኣይንርእዮን ኢና፡ ኣብቲ ንሕና ንምስርቶ ወይ ክነቑሞ ንፍትን ኣቶክኲና ውን ኣይንሰርሕንን ኢና። ከምቲ ብቓላትኩም ዝበልኩሞ ኣካይዳና ኣብ ‘’ጸረነት’’ ዝተሞርከሰ ኢዩ። ኣብዚ ኣርእስቲ ክሓስብን ከስተንትንን ከለኹ ‘’ብኸመይ ክቐውም’’ ይኽእል ኣብ ዝብል፣ ካብ መልሲ ዝያዳ ሕቶታት ኢዩ ዝፈጥረለይ። ንኣብነት ‘’Authority’’ ኣብ ዘይብሉ ቃልሲ ብኸመይ ክነቑሞ ንኽእል፧ ነዛ ‘’ምቅዋም‘’ ትብል ኣርእስቲ ክተዕምቑዋን ‘ንኽትቐውም ከ’’ እንታይ ingredients ክተማልእ ኣለካን ክትድህስስዎ ተስፋ ይገብር።  ከም ርእይቶይ ከቅርቦ ዝፈቱ፣ ኣብ መደብ ትንተና ነቲ ንህዝብና የብርስ ኣሎ ትብልዎ ኣሉታዊ ሰነ ሓሳብን፣ ሰነ ምግባርን ዝያዳ ብነቐፈታዊ ዓይኒ ሪእኹም ክትነቅፍዎን ክትንትንዎ ምመረጽኩ። ቁሩብ ዕቃበታት ተብዝሑ ዘለኹም ኮይኑ ይስማዓኒ። ካልእ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝርከብ ህዝብና ውን ነዚ ተቅርብዎ ዘለኹም መደብ ብዝተፈላለየ መራኸቢታት ንኽከታተሎ ንኣብነት ብመልክዕ ሬድዮ፣ ዕድላት ተዝፍጠረሉ ጸላዊ ምኾነ ኔሩ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ መደብ ‘’ቁርሲ ቡን’’ ሃብታምን ንመዲያታትውን ዓቢ resource ሙዃኑ ኢዩ።  መደብ ቁርሲ ቡን ኣብ ፍጻመታት ዘይኮነስ፣ ኣብ ፍልስፍና፣ ኣምራት ከምኡ’ውን ሓሳባት ምርኩስ ጌራ ትዳሎ ከም ሙኻና መጠን፣ ኣብ ዝቕጽል መደባትኩም ሓንቲ ትሕስቶ ብዛዕባ ‘’ሓሳባት’’ ወይ ‘’ምሕሳብ’’ ተተአንግዱ ግርም ምኾነ። ኣብ መዛዘሚ ጽሑፈይ፣ ንኹሎም ተኸታተልቲ መደብ ‘’ቁርሲ ቡን‘’ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፣ ነዚ ኣሕዋት ዘቕርቡልና ዘለዉ ብሉጽ መደብ ከም ኣምባሳደራት ኮይና ናብ ዝበዝሐ ሰማዕቲ ክነካፍሎን ክንዝትየሉን ይምሕጸን።  ዓወትን ኣሳልጦን ኣብ ስራሕኩም ይምነ!  ኣሚር ሰይድ ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min
  • ሪኢቶ ሰማዕቲ - 01
     ጦብላሕታይ ኣብ ቁርሲ ቡንቁርሲ ቡን ካብተን ኣነ ተገዲሰን ከየሕለፍኩን ዝከታተለንን ዘስተማቕረንን ውሑዳት መደባት እያ። ብኣቀራርብኣ ፍልይ ዝበለት፡ ብቐጻሊ እተልዕሎም ኣርእስታት ድማ ኣገደስትን፡ ትምህርታውያንን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ንሰብኣወትካ ዝንቕንቑ፡ ንኸተስተንትንን ክትሓስብን እውን ዝገብሩ እዮም።እዛ ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ሰሙናዊ ትፍኖ ዘላ መደብ ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ዕላላት፡ ንዓይ ብቐዳምነት ትምህርቲ ስነ-ልቦና ሓዘል መደብ እያ።  ኣምራት ሂወት ብመንገዲ ብሂላትን ልምድታትን ምስ ባህልን ቋንቋን ኣተኣሳሲራ ሓቀኛ ትርጉሞምን ኣመጻጽኦምን ኣናፈተሸት ስነምግባር ሕብረተሰብ ኣብ ምምእዛን ትሰርሕ።  ከም ኣብ ዓውዲ ህዝባዊ-ዕዮ ኣተኲራ እትዳሎ መደብ መጠን፡ ብዛዕባ ስነ-ሕብረተሰብን ብፍላይ ድማ ሕብረተሰብ ሃገርና ዘሎ ሕድሕዳዊ ምትእስሳርን ዝምድናን እተጉልሕ መደብ እያ። ብተወሳኺ ሰባት ኣብ ሂወት ዘገድሱዎም ነገራት ብውልቆም ንኸመዛዝኑን ካብኡ ሓሊፎም ድማ ብሕብረተሰብኣዊ ዓይንን ረብሓን ክርእይዎምን እትሕግዝ ኮይና ረኺበያ። እዚ እናገበረት ንዝጠፍእ ወይ ዝድብዝዝ ዘሎ ክብርታትና ወይ ታሪኻዊ ውርሻና ትኹልዕን እተዘኻኽርን መደብ እያ። እዚ ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተበጣጢሱ ዘሎ ማሕበራዊ መርበብ ሕብረተሰብና ኣብ ምጽጋን ዝህልዎ ተራ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ይርኣየኒ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እዛ መደብ ካብ እትጅመር፡ ኣብ ስነ-ቋንቋ ትግርኛ ብዙሕ ክብርበር ዘለዎ ሃብቲ ከም ዘለና ክርዳእ ክኢለ። ካብ ቁርሲ ቡን፡ ነቶም ዕለታዊ እንጥቀመሎም ቃላት ኣቓልቦ ሂብና ምስ እንርድኦምን ትርጉሞምን መበቆሎምን ምስ እንፈልጥ ዝያዳ ኣብቶም ነገራት ዘሎና ኣመለኻኽታን ግንዛበን ክንጽርን ክስተኻኸልን ከም ዝኽእል ተማሂረ። ብዘይካ’ዚ፡ ክንዮ ልቦናን ሰብኣውነትን ምስትምሃር፡ ፍልስፍናዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣምራት’ውን ተልዕል እያ። ዓበይቲ ናይ ሂወት ሕቶታት ብቕልል ዝበለ መንገዲ በቲ ናትና እንብሎ ባህላዊ ኣመለኻኽታ ከተርእየናን ከተብርሃልናን ትፍትን። ሓደ ካብቲ ጽቡቕ ጎድንታታ ኢለ ዝኣምነሉ ድማ፡ ንሕና ከም ዜጋታት ይኹን ሰባት ወይ ድማ ሕብረተሰብ ኣተሓሕዛና ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከመይ ከም ዘሎን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ`ውን ብመልክዕ ትንታነ ተረድእ ምዃና እዩ። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበት ኣርእስቲ ናታ ጦብላሕታን ገለ መረዳእታን ገዲፋትለይ ክብል እኽእል። ካብተን ኣዝየን ዝመሰጣኒ ንምጥቃስ ዝኣክል ግን፡ ‘’ሰብ’’፡ ‘’መንነት’’፡ ‘’ምቅዋም’’፡ ‘’መባኹዕቲ’’፡ ከምኡ’ውን ‘’መራሒ’’ ዝብላ ኣርእስታት ካብተን ንዓይ ኣዝየን ዝሰሓባንን ዝያዳ ከገናዝብን ካልእ ኩርናዓት ጠመተ ክውስኽን ዘኽኣላኒ ኣርእስታት እየን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ስፍሓት ኣተሓሳስባና ዝውስኹን ኣብ ሰባት ዘሎ ናይ ምርድዳእ ጸገማትን ክፍተታትን ክሓትሙ ዝኽእሉ ኮይኖም ይስምዑኒ።ከም ኣካል ናይ መልሰ-ዕንጋለ፡ ቁርሲ-ቡን ካብ ዘላቶ ዝያዳ ንኽትሕይልን ክትምዕብልን መታን ብዓቕመይ ከም ተኸታታሊት ዘስተውዓልኩዎ ጽቡቓት ጎድንታትን፡ ክመሓየሹ እንተዝኽእሉ ዝብሎምን ነጥብታትን ወስ ከብለልኩም እፈቱ። ኣወንታዊ ጎድንታት ዕምቆት ኣፍልጦ ናይ ትሕዝቶ ዘለዎን ጽቡቕ ምድላው ዝሓለፎን ስራሕ እዩ።ዝቐርቡ ኣርእስታት ኣዝዮም ምሩጻትን ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሂወት ዝትንክፉን እዮም። ንውሓት መደብ ሓጺርን ዘየሰልቹን እዩ። ቀሊል ኣገላልጻን ሓያል ቋንቋን ይዝውተር።ቀጻልነት ስሩዕነትን ዘለዎ፡ ጽፈትን ሞያውነትን (professionality) ዝሓለወ ኣቀራርባ ኣሎ።ትሕትናን ልዝበት ኣዘራርባን ኣቕረብቲ ድማ ሓደ ካብቲ ካልእ ጽባቐ ናይዛ መደብ እዩ። ክመሓየሹ ዝኽእሉ ነጥብታትብፍላይ ንቋንቋ ወይ ታሪኽ ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት መወከሲታት ወይ ምንጭታት ክጥቀሱ እንተዝከኣሉ ምጸበቐ። እዚ ርእይቶታት ኣቕረብቲ ካብ ሳይንሳዊ ወይ ታሪኻዊ ሓቂ ክንፈልዮ መቕለለልና ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ዝያዳ ከስፍሕዎን ከዕምቑዎን ንዝደልዩ ግዱሳት ድማ ዝያዳ ባብ መርሓወ።ኣናብባ ካብዚ ዘለዎ ክምዕብል ወይ ክመሓየሽ ካብ ዝኽእል ጎድንታት እዩ።ዋሕዲ ተኸታተልቲ ስለዘለዋ፡ ሰባት ንኽፈልጥዋን ክከታተሉዋን ናይ ምውዕዋዓ ጻዕሪ የድሊ ኣሎ።(እዚ ብርግጽ ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ)። ብሓፈሻ ኣብዚ ምዕባለ ቴክኖሎጅን ሓበሬታን ንኣቓልቦ ሰብ ብዝጠቕሙን ዘይጠቕሙን ሓበሬታታት ጎቢኡሉ ዘሎ ግዜ፡ መደብ ቁርሲ ቡን ንኹሉ ኣባል ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት መሃሪትን ኣማእዛኒትን መደብ እያ። ዘይከምቲ ቁምነገራን ኣገዳስነታን ድማ ቁጽሪ ተኸታታሊኣ ኣዝዩ ውሑድ ስለዘሎ ዝያዳ ንምፍላጣን ናብ ዝበዝሐ ሰማዒ ምብጻሓን ናይ ኩላትና ጻዕርን ጎስጓስን ዘድሊ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣነ ብወገነይ ከምዚ ዝኣመሰኡ ሓሳባትን ኣርእስታትን ክንዮ ምስማዕ ሓሊፍና ኣብ ዕላላትና፡ ማሕበራዊ ርክባትናን ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ ከም ናይ ዘተን ክትዕን ኣርእስታት ወሲድና ከነሀብትሞምን ትርጉም ኣልቢስና ድማ ከነተግብሮምን ከም ባህሊ ክንኩስኩሶምን ይግባእ ኢለ እሓስብ።  ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ንዕቤት ኩላትና ኣገደስቲ ዝኾኑ ሃነጽቲ መደባት ብወለንትኖኦምን ተበግሶኦምን ኣዳልዮም፡ ግዜኦምን ፍልጠቶምን ዝዕንግሉና ዘለዉ ኣዳለውትን ኣቕረብትን `ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ዕላላት’፡ ስለቲ ንሕብረተሰቦም ዝገብርዎ ቅዱስ ተበግሶ ከድንቖምን ከምስግኖምን እፈቱ። ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ሃነጽቲ ሜድያታት ክስስኑልና ድማ እምነ። ኣዳለውቲ ኣብ ቀጻሊ ካብዚ ዘለውዎ ንላዕሊ ሓይሎም ዝበለጹን ዝሰፍሑን ካብ ቁርሲ ቡን ምዃን ሓሊፎም ንምሳሕን ድራርን ዝኣኽሉ ኣርእስታት ከምጽኡልና ከምዝኾኑ ድማ ልዑል ተስፋን እምነንት ኣለኒ። ብወገነይ ንመደባትኩም ኣብ ምክትታልን፡ ሓሳብ ይኹን ካልእ ዘድሊ ድጋፍ ንምሃብ ድልውቲ ምዃነይ እናሓበርኩ፡ ንዝቕጽል ዕዮኹም ፍረን ኣሳልጦን እምነ። ተኸታታሊት ቁርሲ ቡንለይላ ኻልድካብ ነርወይ እዝን ካልኦት ሪኢቶታትን ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ!
    0 min
  • 26 - ሓፋሽ | Masses |
    ኣብ ህዝብና ኣመጻጽኣን ፡ ኣመዓባብላን  "ሓፋሽ '' ዝብል ኣምር ምስ እንዕዘብ ነዊሕ ታሪኻዊ ሱር ዘለዎ ዘይኮነስ ፡ እንታይ ደኣ ኣብ ዝሓለፈ ፍርቂ ዘበን ዝተቀልቀለ ቃል ኮይኑ ፡ ብሕጽር ዝበለ ባዕዳዊ ሰነ ልቦና ዝጸለዎ ቃል ኮይኑ ንረኽቦ። ሓደ ህዝቢ ቃላት ካብ ባዕዳውያን ክመሃርን ፡ ከአንግድ የብሉን ማለትና ዘይኮነ ፡ እቶም እነአንግዶም ቃላት ድዮም ፡ ስነ ሓሳባት ኣብ ብቁዕ መጽናዕትን ፡ ርድኢትን ኣፍልጦን ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምንቶ ኣሎና። እዚ ምዝኸውን ህዝቢ ይግስግስን ምዕባሌ ይረጋገጽን። ሓፋሽ ዝብል ኣጠማምታ ምስቲ ሓፈሻዊ ፡ ብጥቅሉሉ : ብድምሩ ኳታ ንሓደ ሰብ ከም ተራ ሰብ ቆጺርካ ብእኩብ ምርኣዩን ፡ ምምሕዳሩን የመላኽት፡፡  ኣምር ‘ሓፋሽ’ ብዛዕባ እተኣከቡ ሰባት ኮይኑ፡ ንሰብ ክንዮ ተራ ሰብ ክርእን ከስተብህልን ኣይክእልን። ንሕና ይቂ ሰባት ሕብርና ምስ ዝድምሰስ ወይ እውን ምስ ዝሃስስ ሕብረተሰብ ምቋም ተሪፍና ኣብ ሓፋሽ ዝብል ኣምር ሪዒምና ከም እኩባት ኣእማን ኮይና ህያውነትና ኣጥፊእና ንእከብን ንመሓደርን ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር፡  ኣዳለውቲ እዚ መደብ፡ ኣንጻር ሕብረተሰብ ሓፋሽ እዩ ኢልና ንሓስብ፡፡ ንሐደ ህዝቢ  ሕብሩ ደዊንካ ፡ ሕብረቱ  ኣጽኒትካ ፡ ፍልልያቱ  ደምሲስካ ብመስርሕን ኣገባብን ስነ ልቦና ሓድነት ጌርካ ሓፋሽ ይቐውም። ሓፋሽ ዝብል ኣምር ከምዚ ኣብ ላዕሊ ጠቂስናዮ ዘለና እንተ ኮይኑ ፡ ከም ዕዬ ህዝቢ ኣቋውማ ህዝብና ኣብዚ ዘበን ከመይ ይመስል ፧ ሓፋሽ ወይስ ሕብረተሰብ ፧ኣበየናይ ዘበን ኣቋውማ ህዝብና ሕብረተብኣዊ  ኔሩ ፧ህዝቦና  መኣስ ካብ ሕብረተሰብኣዊ ናብ  ሓፋሽ ዝዓይነቱ ጥርናፈ ተሰጋጊሩ ፧ንብሕትና እውን ኣባል ሓፋሽ ዶ ጌርና ንርእያ ወይስ ኣካል ሕብረተሰብ ፡ዝብሉ ሕቶታት ንርእስናን ንሰማዕትናን ከነስተንትነሎም በዚ ኣጋጣሚ  ንጽውዕ፡፡ ብልምዲ ሓፋሽ ዝብል ስነ ሓሳባት ምስቶም ብዴሳዊያን ስርዓታት ዝምርሑ ኣህዛብ ብምትእስሳር  ብብዝሒ ይግለጽን ይትንተንን እኳ እንተኾነ ፡ እቶም  ርእሰ-ማላዊ  ስርዓተ ቁጠባ ዝኽተሉ ኣህዛብ ዉን፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዕዳጋን  ኣህላኽነትን ዘቶኮረ ኣድህብኦም፡ ንዉልቃዉነት ብምዕዳም ናብ መንገዲ ሓፋሽ  ዝወስድ ዕንወትን ሐደጋን ከም ዘለዉ ከነስተብህል ንኽእል። ኣብ ዝተፈላለዩ ቑጠባዊ ስርዓታት ይኹኑ ፖለቲካዊ ስርዓታት፡ ንደቂ ሰባት  ከምቲ  ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ከም ተራ ሰብ ብምርኣይ ብእኩብ ክመሓደርን  ክእለን ምስ እንዕዘብ፡ ሕብረተሰብኣዊ ዝምድናታት ክጓድሎ እንከሎ ነስተብህል እሞ ፡  ሓፋሽ ዝማእከሉ ምትእክካብ ህዝቢ ጸረ ሰብኣውነት ሙኳኑ ነጺሩ ይረኣዮና ። ብሕታውያን ሰባት ሕብሮም ኣለልዮም : ሕብረት መሪጾም ሕብረተ-ሰብ ክምስርቱ ይከኣሎም። ብኣንጻሩ ውልቃውያን ሰባት ሕብሮም ተደምሲሱ ብመስርሕ ሓድነት ጸርዮም ተራ ሰብ ኮይኖም ሓፋሽ የቊሙ:: ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ እቲ እንምነዮ ንፍለጥ ! ከም ህዝቢ ዘሕብረና ሃሰስስ ንበል ! ምንጪ መልክዕና ዝኾነ ዝተፈላለየ ሕብርና ዝድምስስ ሓደገኛ ሃጠው ቀጠው ሰነ-ልቦና ሓድነት ኣወጊና ዓወት ሕብረተና ንመነ እናበልና ንሎሚ ንፍለየኩም::ዓወት ንሕብረትና ! . . . ዓወት ንሕብረተሰብና!  ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
    0 min

About ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

From the publisher's feed

Kursi Bun (Snack of a coffee ceremony) is a reflective reading weekly podcast program created based on the Geez liturgy platform.