ዓመጽ ዛዕባ ምዕምጻጽ ፡ ምግሃስ መሰል ሰብ ፡ ፍቃድ ሰብ ምጥሓስ ኮይኑ ንሕና ደቂ ሰባት ካብ ሰብኣውነትና ጐዲልና ምስ እንርከብ ፡ እንኮኖ እንላበሶን ኢሰብኣዊ ገጻትና እዮ።
ዕዮ ህዝብና ንምርዳእን ኣብ እንገብሮ ዘለና መጽናዕታዊ መደብ “ዓመጽ” ኣብ ከም ሓድሕዳዊ ፡ ጾታዊ ፡ ሕብረተሰብዊ ፡ ትካላዊ ገጻት ሒዙ ይከናወን ፡ ይፍጸምን ይኽሰትን ኮይኑ ንረኽቦ፡፡
ከምቲ ክልተ የዒንትና ተሳንየን ዝርእያ : ክልተ ኣእዛና እውን ተላዚበን ብሓባር ዝሰምዓ ፡ ከምእዉን እተን ብሩኻት ይእጋርና እውን ተኸባቢረን ተሰማሚዐን ንቅድሚት ገጸን ዝምርሻ ፡ ኣብ ጉዳይ ዓመጽ ምስ እንምልከት ኣብ ክንዲ ረብሓን ጥቅሚ ሓድሕድ እነውሕስ ብኣንጻሩ ከምዛ ብሓንቲ ዓይኒና ንርኢ ፡ ብሓንቲ እዝንና ንሰምዕ ፡ ከምኡውን ብሓንቲ እግርና ጠልጠል ኢልና ንከይድ መሲሉና ልቦናና ዓዊሩ ረብሓይ ፡ ጥቅመይ ኢልና እንፍጽሞ ባህርን ተግባርን እዩ ዓመጽ እንክንብል እንከለና፡፡
ዓመጽ ፍረ እንክፈሪ ብከም እኒ በደል ፡ ግፍዒ ፡ ጭካነ ፡ ገበን ፡ ዝርፍያ ዝኣመሰሉ ተግባራት ተላቢሱ ንብጻይና ንብጸይትና ዕራቆም ኣብ ምውጻእ ይስልጥንን ይስስንን።
ዓመጽ ዝብል ኣርእስቲ ሒዝና እንከነስተንን :
1 - ኣብዚ ዝሳተፎ ዘለኹ ንጥፈት ፍቃደይ ፍቃድ ብጻየይ / ብጸይተይ ኣሎ ድዩ?
2 - ኣብዚ ዝሳተፎ ዘለኹ ወፍሪ ፡ ስራሕ ፡ ተግባር ፍቃድ ህዝቢ ኣሎ ድዩ?
3 - ግብረ መልሲ ኣንጻር ዓመጽ ብኸመይ ይነብሮ ወይ ይገልጾ?
4 - ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ዓመጽ እንዳ ተፈጸመ ሱቅ ምባለይ ኣካል ዓማጽ ዶ ይገብረኒ?
ዝብሉ ሓሙሽተ ሕቶታት ምስ ሰማዕትና ብሐባር ኮይና ክንሓስበሎም በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻክር፡፡
ብምቕጻል ከም ጦብላሕታ ኣካል ዓመጽ እየ : እንዳበለ ወይውን እንዳበለት ዝዕምጽ ስብ ከም ዘየሎ ርዱእን ፍሉጥን እኳ እንተኮነ ፡ ንዓመጽ ከም ዕዬ ህዝቢ ንከነለልዮ ህድእ ኢልና ታሪኽ ሂወትና : ታሪኽ ሕብረተሰብና ምፍታሽ አገዳሲ መስርሕ እዩ ኢልና ንሓስብ።
ብስም ኣባልነትን ኣካልን ዝበሃጉ ኣስማት ተሓቢእና ማለት ብስም እነምልኾ ኣምላኽ ( እምነትና ፡ ሃይማኖትና) ፡ ብስም ሃገርና : ብስም እንፈትዋም ስድራቤትና ፡ ዘለና ስልጣን ፡ ሞያ ፡ ጾታ ተሓቢእና ፡ ጉልባብ ጌርና ኣካል ዓመጽ ኮይና ከይንህሉ ዓሚቋ ምስትብሃል የድልየና ኢልና ንኣምን።
ዓመጽ ዶብ ብጻይና ፡ ብጸይትና : ልዕልና ሓውና ፡ ልዕልና ሓፍትና : ልዕልና ህዝቢ ጥሒስና እንፍጽሞ ፍቃድ ኣልቦ ግፍዒ እዩ እሞ ምርጫና ሲ ብሕታዊ ዶባትና ፡ ሓድሕዳዊ ልዕልናታትና ብምትሕልላውን ን ምክብባርን ዝቀውም ፡ ዝስስን ሰላም ክንምስርት ይከኣል ፡ ብመንጽሩ ከኣ ፍር እቲ ዝቖመ ን ፡ ዘስፋሕፈሐን ሰላም ሓድሕዳዊ ዓመጽ ክጓድል ፡ ኮይኑ ተሪፉ ከነጭራሱ ክነጥፍኦ ይከኣል ፡፡
ከምቲ ሃብቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓለለፍ ከምእውን ዓመጽ ካብ ዝሓለፉ ወለዶታት ክንወርሶ ይከኣል : እዚ ማለትና እንነብሮ : እንመርሖ ዘለና ሂወት መበገሲኡ መሰረቱን ዓመጽ ከይከውን ነፍሰ ምርመራ ምግባር ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ንረኽቦ።
ዓመጽ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝመጻእናሉ ወለዶታት ከምኡውን ኣብ ማዕበያና ንከይህሉ ብስሙ ኣለሊና ምስ እንፈልጦን እንገልጸን ካብ ግዳይነት ምፍጣር ንዕቀብ ፡ ኮይኑ ተሪፉ ከኣ ካባና ናብ ደቅና ንከይመሓላለፍ ጠጠው ከነብሎ ንኽእል።
ኣብ ዕዮ ህዝብና ምሕረት እምበር ዓመጽ መዛዘሚ ታሪኽ ደቂ ሰባት ከምዘይኮነ ክንዕዘብ ክኢልና ኣሎና ።
መልሲ ዓመጽ ፡ ካልእ ዓመጽ ዘይኮነስ ፡ ድሕሪ እቲ ደበሰን ዕርቅን እቲ ብቁዕ መልሲ ኣንጻር ዓመጽ ሲ ምሕረት ሓድሕድ እዩ እሞ : ምሕረት ንምረጽ!
ምሕረት ነዛ ሩሕና ፡ ምሕረት ንብጻይና ፡ ምሕረት ንብጸይትና ፡ ምሕረት ንዝበደሉና ፡ ምሕረት ንሃገርና ፡ ምሕረት ንታሪክ ህዝብና ነዘውትር እንዳበልና ንሎሚ ንፍለየኩም።
ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ