Sign up to save your podcastsEmail addressPasswordRegisterOrContinue with GoogleAlready have an account? Log in here.
Kursi Bun (Snack of a coffee ceremony) is a reflective reading weekly podcast program created based on the Geez liturgy platform.We present short articles on a specific topic and share our reflectio... more
FAQs about ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት:How many episodes does ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት have?The podcast currently has 58 episodes available.
November 28, 202025 - ሕብረተ-ሰብ | Society |ሕብረተሰብ ዝብል ኣምር ብሐደ ወገኑ ሕብረት ናይ ሰባት እንከመልክት ብካልእ ወገኑ ሕብሪ ናይ ሰባት ኣብ ሕብረቶም እዩ ንምባል ሙዃኑ ንርዳእ። ንሕና ደቂ ሰባት እምበኣር ፡ ኣምር ሕብረት ክንፍጽም ምስ ዝኸብደና ብስም ቀሊል መንገዲ ናብ ኣምር ሓድነት ገጽና ብምግስጋስ ሕብሪ ገጽና ፣ ገጽ ሓውና ፣ ገጽ ሓፍትና ኮታ ሕብሪ ህዝቢ ተደምሲሱ፡ ብሓደ ሕብሪ ንኽንስራሕ ንጽዋዕ ። ግዝያት’ውን ኣሎ ሕሉፍ ሓሊፉ ብትግሃትን ጻዕርን፡ ሕብረትና ደምሲስና ብሓድነት ክንትክኦ ነግሀ-ጸብሐ ክንሃልኽ ንውዕል። ኣብ ኣበሃህላ ህዝብና ምስ እንምለስ፡ ብሐደ ወገኑ "ሕብረተ-ሰብ" ዝብል ቃል ኣዝዩ ዝውቱርን ፡ ርዱኡን ቁቡልን እንኽከውን፡ ብካልእ ወገን ''ሓድነት-ሰብ" ዝብል ኣበሃህላ ሰሚዕናን ርኢናን ኣይንፈልጥን። ኣብዚ ሓዲሽ ወለዶ፡ ኣብ ሞንጓ ሓድነትን ሕብረትን ዘሎ ዕምቆትን ፍልልይን ከይተነጸረ፡ ህዝብና ኣብ ሓደጋታት ስነ-ሓሳብ “ሓድነት”ን ውጽኢቱን ተደኒሱ ይርከብ፡፡ ህዝቢ ብዝተፈላለየ ደረጃ፡ ሕብረት ከቕውም ምስ ዝበቅዕ ብሕብረተሰብኣዊ ደረጃ ይቆቀም። ብኣንጻሩ ህዝቢ ብቅዓት ሕብረት ሸጊርዎ፡ ብስም ሓድነት ምስ ዝእከብ ሓፋሽ ከቅውም ይከኣሎ። ህዝቢ ሕብረተሰብ ካብ ምቋም ዓዲ ውዒል ምስ ዝኸውን ''ሓፋሽ" የቅዉም ማለትና እዩ። ኣብዚ ሎሚ እዋን ህዝብና እቲ ናይ ወለዱ ሃብታም ኣሰራርዓ ሕብረተሰብ ተሓዲግዎ ብስም ሓፋሽ እናተኾብኮበ ክነብር ከሎ ንርኢ። ብዛዕባ ሓፋሽ ዝብል ኣምር ብዕሙቅ ዝበለ ኣብ ዝመጽእ መደብና ክንትንትኖ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ንሰማዕትና እናሓበርና፡ ናብ ናይ ሎሚ ዛዕባ ሕብረተሰብና ክንምለስ። ኣብ ህዝብና ብቤተ-ሰብ ፡ ብስድራ-ቤት ፣ ማይ-ቤት ፣ ዓዲ ተሰራሪዑ ብሕብረተሰብኣዊ ኣቋውማ ይነብር ከም ዝነበረ ዓድታት ህዝብና ምልስ ኢልና ከነስተብህለሉ ይከኣል። ምስ ምምጻእ ባዕዳውያን ህዝብና ነቲ ሕብረተሰብዊ ኣሰራርዕኡ ኣብ ክንዲ ምህብታም ብኣንጻሩ፡ ሕብሪ ገጻትና ዝኾነ ሕብረተሰብኣዊ ኣምር ከም ድሑርነት ተቖጺሩ እነሆ ብተራ ሰብ ወይ’ውን ሓፋሽ ህዝቢ ቆይሙ ንረኽቦ። ኣብ ምድምሳስ ሕብረተሰብኣዊ ኣምር፡ ባዕዳውያን ኮነ ምሁራን ሊሂቃን ህዝብና ዉን ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ኢዮም። ኮይኑ ድማ እዛ ሃገርና ብከይዲ ሕብረተሰብኣዊ ዝኾነ ኣጠማምታ ዘይኮነ ብስነልቦና ሓፋሽ ቆይማ ትርከብ። ኣዳለውቲ እዚ መደብ፡ ህዝብና ካብዚ ገጢምዋ ዘሎ ውድቀት ንክናገፍ እንተኾይኑ፡ ናብቲ ንቡር ሕብረተሰብኣዊ ኣሰራርዓ ክምለስ ኣለዎ ዝብል እምነትን ርዲኢትን ኣሎና። ቀጺሉ እውን እታ እነፍቅራ ሃገርና ሕብርና እተርኢ ፣ ሕብረትና እትምስክር ፣ ብሕብረተሰብኣዊ ኣመላኻኽታ እተሰርዐት ሃገር ምስ እትኸውን እዩ ሰላማዊት ፣ ሃገረ ፍትሕን ሽሻይን ክትከውን ዝከኣላ ኢልና ንርዳእን ንሓስብን፡፡ እኩበ ሰባት ወይ’ውን ሐፊስ ሓፋሽ ምዃን ይጽነሓልና፡ ናብቲ ኑቡር ህዝቢ ዓለም ፡ ንቡር ወለድና ዝኾነ ኣቋውማ ሕብረተሰብና ንመለስ ብምባል ንፍለየኩም፡፡ ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
November 21, 202024 - ስድራ-ቤት | Family | ስድራቤት እንክንብል እታ ትዕበ ትንኣስ ብዘየገድስ ዝሰደረት ፣ ዝስጎመት ፣ ዝገስገሰት ቤትና ፡ እታ ቤት እንዳ ሰብ ማለትና እዩ። እወ ሰድራቤት ማለትና እታ ምውቕቲ ቤትና ፣ ምስቶም እነፍቅሮም ወለድና ፣ ኣሕዋትና ሓቢርና መባእታ ሂወትና ዝጀመርናላ ማለትና እዩ፡ ስድራቤት እታ መባእታዊትን ጥንታዊታን ዓንዲ ናይ ሕብረተ-ሰብ እያ። መውስቦ ሰሚሩ፡ ሓድር ምስ ጠጥዐ፡ ስድራ ቆልዑት ወሊዶም፣ ቤቶም ምስ ሰድራ፡ ስድራ-ቤት ትስመ። እታ ሰብኣዊ ዝምድናታት ንጅምረላ፡ ኣብ መኣዲ ቤትና ዓጊግና ፡ ፍቅርን መግብን ንዕንገለላ ፣ ኣቦይ ኣደይ ሓወይ ሓፍተይ ኣንዳበልና ኣብ ማዓልታዊ ሓጎስናን ጸገምናን ኢድና ንሕውሰላ፣ ቤት ምህሮ ፍትሕን ቅንዕናን ዝኮነት፣ ካብ ሕቅፎ ኣደና ክሳብ ዓቅሚ ሰብ እንበጽሕ ንዓብየላ ፡ ብኪዳን ወለድና እንዳ ተመራሕና፡ ሕውየትን ሙቀትን እነስተማቅረላ ስድራ-ቤት። ኣየ ወ ኣብዚ እጂ እዋን ንድሕሪት ተመሊስካ ክትዝከሮ፡ ሓያለ ተዝክሮታት ናብ ናፍቆት ዝሰልም ኣይምተወደአም። ድሮ’ውን ሓያለ ካባና ናትና ስድራ ኣቚምና ንህሉ ኢና። የገዳስ ከምቲ ኩሉ ሰብ ይባሃል ዝተባህለ፡ ኩሉ ሰብ እዋን ኣብ ከምዚ ዓይነት ስድራ ቤት ከምዘይ ዓቢ ንዝንግዖ ኣይኮነን። ጨጨጓሩ ንውሽቲ ተባሂሉ፡ ብዙሓት ስድራቤታት’ውን ኣለዋ፡ መስረታዊ ዕንጋሎት ሕውየን ዝተነፈገን። ኩልና ዘይንዝግዖ ሓቂ እንተሎ ግን፡ ስድራ-ቤት ዓባይ ቤትምህሮ ናይ ፍቅርን ሓልዮትን ሰብኣውነትን እያ፣ ኣብ ባህሪ ነፍስወክፍ ሰብ ድማ ዝዓበየ ጽልዋ ትገድፍ። ግን ከኣ ከስዐ ኣደ ጉራጉራ ዝብሃል ምስላ ውን ዘይምዝንጋዕ። እሞ ናይ ሎሚ ሕቶና፡ ነዛ መስረታዊት ናይ ሰብኣውነትን ቤት ምህሮ ዝኮነት ስድራ ቤት፡ ንህላውኣን ቀጻልነታን ከመይ ዝበለ ሓለዋን ክንክንን ንገብረላ። መንቀሊ ሕቶና ኣይትዝንግዕዎን ትኮኑ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ሓያለ ስድራቤታት ንቡር ተሓሪምወን፡ ኣደዳ ምብትታን ኮይነን፡ ክብሪ ሰኢነን፡ ገለ ገለ’ውን ከም ጸውታ ገዛ ገዛ ተሰሪሐን ክፍንጣሓ ግዜ ዘይወስደልን ይኮና ኣለዋ። እቲ ዘሸቑርረና፡ ከኣ ብመጠን ክብርን ማዓርግን ስድራ-ቤት ዝፎኮሰሉ፡ ክብረትታት ሕብረተ-ሰብ ሃገር ከምዝፎኩስን ሰለ ንግንዘብ እዩ። ስድራ ቤት እታ መበገሲ ኵሉ ሰናይ ህዝቢ ክትከውን እንከላ፡ ከምእንዕዘቦ ዘለና ዕንወትን ወድቀትን ህዝብታት ን ሃገርን ቅድሚ ኣብ ዓዲ ወይ ከተማ ወይ ሃገረ ምኽሳቱ ኣብ ስድራ ቤታት ይክሰት ኢልና ንሓስብ፡፡ ስድራቤት ኣብ መዋእል ህዝብና ኣደዳ ዝተፈላለየ ወራራት እኳ እንተነበረት ከምዚ ዘለናዮ ዘበን ኣብ ታሪክ ህዝብና ንጽንተታ ሓደጋ ገጢምዋ ኣይፈልጥን። እቲ ዘይንቡር ንቡርና ኮይኑ ከምዘሎ፡ ከም ድቂ ዛግራ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ባሕራን ጥሕራን ተሳጊርና ኣብ ክፍለዓለማት ተበታቲና ንርከብ። ህዝብና ምስቲ ናብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ወራርን ዓመጽን እኩል ርዲኢትን እኳ እንተለዋ፣ ካብ ውሽጢ ኮነ ካብ ግዳም ዝመበገሲኦም ወራራት ንዕንወት ስድራ ቤት ዘንቀደ ዓመጻ ግን ኣዳህቦ ዝዋሓደ ይመስል፣ ስለዚ ከኣ ከምቲ ንመሰሉን ሃገረን ጠጥው ዝብል ንሕውየት ሰድራ ቤታት ክቃለስ ኣይነስተብህልን :: ኣብዚ ዘበን ካነስተብሃለሎም ዝግቡኡና ንዕንወት ስድራቤታት ዝቃላጥፉ ንረብሓ ውሑዳት ንምድንፍዕ ዝሳሰዩ ከምእኒ ሃገራውነት ፣ ሃይማኖት ፣ ቁጠባ ንጠቅስ። እዞም ባእታታት ብሕሉፍነት ዝማእከሉ ሓደገኛታት ሰነ ሓሳባት ተሰኪሞም ብመጀመርታ፡ ሰይራቤታት ኣብ ምዕናው ብምቅጻል ህዝብታት ኣብ ምውዳቕ ይርከቡ። ሃገራውነት ፣ ሃይማኖት ፣ ቁጠባ ኣብ ኣገልግሎትን ሓለዋን ስድራቤታት ምስ ዝውዕሉ ብሉጽ ሕብረተሰብ ከቚሙ ይኽእሉ ኢዮም። ብኣንጻሩ ስድራቤት ንኣገልግሎት ን ረብሓን፡ ሃገር ፡ ሃይማኖት ፡ ቁጠባ ምስ እትውዕል እዚ ኣብ ሃገርና ቆይሙ ዘሎ ሓፋሽ ክቀውም ተካኢሉ ። ደሃይ ስድራ ቤትና ንግበር ፡ ቀጺሉ ብሉጽ ሕብረተሰብ ክህልወና እዩ እንዳበልና ንፋነወኩም ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
November 14, 202023 - መራሒ | Leader |መራሕን ምምራሕን ዝብሉ ኣምራት ምስ ምፍጥረ ወዲ ሰብ ኣትሒዞም ዝማዕበሉ እዮም። ኣብ ዓለምና ቡዙሓት ውርዝያት መራሕቲ ሓሊፎም እዮም፡ ገለ መራሕቲ ውን ናብ ደለሃምት ዝእቱ ኣይተሳእኑ። ጉዳይ መርሒ ክልዓል ኮሎ መቸም እልቢ ዝይብሎም ሕቶታት እዩ ዘለዓል፡ መርሕቲ ዝውለዱ ዲዮም ዋላስ ሕብረተ-ሰብ እዩ ዝሃንጾም፧ መርሕቲ ኣገልግልቲ ዲዮም ዋልስ ኣማሓደርቲ፧ ብተወሳኺ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሕቶታት ዝመስሉ ከልዓሉ ይክእሉ እዮም፧ ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ሕቶታት ከይጎሰና፡ ኣብ ናይ ሎሚ መደብና መራሒ እንክንብል ኣብ ህዝብና እንታይ ስእሊ ይህበና ፣ ኣስዒብና እውን ሰነ ልቦና መራሒ ከም ዕዮ ህዝቢ ብከመይ ንርድኦ ክንፍትሽ ኢና። ወለድና ዋላ እውን ክዛረቡ እንከልዉ መርሒ ክመርጹን ብፍቃዶም ክክተሉን ቡዙሕ ተዓዚቡና ኣለና፡ ከምእውን ኣብ መንገዲ፡ ጸወታ፡ ወፍርን መርሕቲ ዝውትራት እዮም።ኣብ ናብራ ውን ዓዲ ዘማሓድሩን ዝኣለዩን ኣይተሳእኑን። ናይ መርሕቲ ምስሊ ምስዚ ናይ ማዕቡል እዋን መግልጺ ኣስኒና ምስ እንገልጾ፡ ድለየትን ባህግን ህዝቢ ተገንዚቦ ናብ ዝድለ ምዕርፉ ንከብጽሑ ብራኢን መትከልን ዝቅልሱ መራሕቲ ክንብሎም ንክእል። እሞ ከምዚኦም ዓይነት መራሕቲ ኣብ ሕብረት-ሰብና ብከመይ ይልለዩ፡ ኣገልገልቲ ዶ ኣማሓደቲ ዋልስ ክብሪ ናይ ዝፈን ዝምነዩ ኣዘዝቲ፧ ኣብ ህዝብና መራሒ እንክብሃል፡ ምስ ንጉስን ንግስነት ብዝዓይነቱ ብምትእስሳር ይግልጽ ን ይመስል። ንኣብነት ንምጥቃስ " ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ" ዝብል ምስላ ክንዕዘብ ይከኣል፡፡ መርሒ ኣገልጋሊ ህዝቡ ዘይኮንስ ግባርን ሓዳግን ይረድእ፡ ብተወሳኺ እዚ ጉጉይ ኣረዳድኣ መራሒ ከም ንጉስ ዘሰረጾ ኣተሓሳስባ ፡ ኣብ ሃገርና እቲ ንህዝቢ ዝመርሕ ከም መንግስቲ ተባሂሉ ክጽዋዕ ንዕዘብ። መንግስቲ ከምቲ ሰሙ ዝሕብሮ ብዛዕባ መነ ነገሰ ፣ ናይ መን ንግስነት ዝኣመሰሉ ዝምልከቱ ሕቶታት ይምልስ። ምእንቲ`ዚ መንግስቲ ዝብል ቃለ ምስ እንሰምዕ መን እዪ ንጉሰ ፧ ወይ`ውን መን እያ ንግስቲ ፧ ኢልና ክንሓትት ግቡእ ይመስል፡፡ ብዝኩነ፡ እዞም ስም መሪሒ ሂብና ኣብ ዝፈን ነቀምጦም፡ ናይ ብሓቂ መራሕቲ ድ' ዮም ቢልካ ክጥየቅ ይግባእ ኢልና ንሓስብ። ብርዲኢትና፡ ኣብ ሞንጓ ሕብረተ-ሰብ ሓዲሮሞ ወይ ሓዲረን ፣ ኣካል ሕብረተሰብ ኮይኖም ወይ ኮይነን ዝመርሑ ወይ ዝመርሓ መራሕቲ እናሃለውና ህዝቢ ስኣን ኣፍልጦኡ መራሕኡ ካብ ምልለይ ዓዲ ውዒል ኮይኑ ከይህሉ ኣቃውማ ህዝብና ብደቂቅ ምፍታሽ ዘድልየና ኮይኑ ይረኣየና። ንጉስ ዝዓይነቱ መራሒ ሃሰስ እናበልካ እዚ ሓዲሽ ክፍለ ዘመን ህዝብና ክሰጋገሮ ዩክአል እዩ ዝብል እምነት የብልናን፡፡ እቲ ቀዳምይ ረቆሒ ናይ መርሒ እንባኣር፡ ኣገልግሎት እዩ ንብል። ህዝብና መራሕቱ ከለልይ እንተደልዮ መን እዩ ዘገልግለኒ ዘሎ ኢሉ ብምሕታት ንጹር መልሲ ክረክብ ይኽእል ኢልና ንሓስብ። በ'ዚ ምክንያት ኣብ ዝሓለፉ ዘበናት ኣብ ሕብረተሰብና ኣዴታትና መርኣያ ናይ ኣገልጋሊ መርሕቲ ኔረን እንተበልና ጌጋ ኮይኑ ኣይረኣየናን። ምኽንያቱ ንዓና መዓቀኒ መሪሕነት መራሒ ብዝህቦም ኣገልግሎት እዩ፣ ንህዝቡ ከምታት ጽንዕትን ለዎህን ኣደ ድግዲጊቱ ተዓቲቂ ሰቡ ዝምግብን ዘማሓድርን ናብ ዝብጻሕ ደርጃ ዕቤት ዘስጋግር እዩ። እዚ ማለት ኣቦታት ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተሰቦም ዝተጸምዱ ኣይነበሩን ማለትና ኣይኮነን፡፡ ስለዚ መራሒ ከሞ ኣገልጋሊ ኣብ ፖለቲካን ቤተ መንግስት ጥራይ ኣይርከብን እንታይ ደኣ ኣብ ቤቱ ፣ ቤታ፡ ሰድራ ቤቱ : ስድራቤታ ፡ ምስ መሳርሕቲ : መዓብይቲ ኳታ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ሕብረተሰብ ዝንበረን እትላበሶን ተራ እዩ፡፡ ህዝባዊ መራሒ ምኮን ድማ ባህጊ ሕብረተ-ሰብ 'ህዝብና ኣብ ሞንጉኡ ኮይኖም ተስፋኡ ሓፉ ዘብልዋ ፣ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝተጸምዱ መራሕቱ ከለልይ ግዴታ ኣለዋ ጥራይ ዘይኮንን ከም ትኩር ጎሳ ክክብክቦ’ውን ይግባእ። እንተዘየሎ ግዳይ መጉባዕባዕቲ ዓመጽቲ መራሕቲ ምኳን ጠጠው ኣይክብለሉ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መደብና ኣብ ብመቧክዕቲ ገሊጽናዮ ዝነበርና ህዝቢ’ውን ሓፍ ዘይብል ውዱቕ ብሑቕ ክኸውን ኣይግባእን። ከም መዛዘሚ፡ ንሎሚ መራሕትና ነለሊ ብምባል ንፍለየኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
November 07, 202022 - ሞባኹዕቲ | Activist | መስርሕ ለዉጢ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ዓለሞ ምስእንስተብህል፣ ይንኣስ ይዕበ ኣብ ነፍሲወክፍ ለውጢ ደረክትን ኣቃላጠፍትን ከምዘልዉ ንርዳእ። ለዉጢ ኣብ ሕብረተ-ሰብ፡ ዉሽጣውን ግዳማውን ብዝፈጠርዎ ጽልዋታት ክመጽእ ንቡር’ኳ እንተኮነ ፡ መን እዬም ናይ ለውጢ ኣሳሰይቲ ኢልና ምስ እንሓትት እዞም ብቋንቋ እንግሊዝኛ ኣክቲቪስት ተባሂሎም ዝጽውዑ ኣብ ቅድሚት ይመጹ። ንሎሚ ብዓይነ ልባና ሕብረትሰብና ዝተድረኸ፡ ሓሳብና ብዛዕባ እዞም ኣሳይቲ ለውጢ፣ ምስቲ ኣዴታትና ዝጥቀማሉ መቧኵዕቲ ብምምስሳል ክንገልጾ ኢና። ፡መቧኵዕቲ እንክንብል እቲ ኣዴታትናን ኣሕዋትናን ጣይታ ንምስንካት ዝጠቀማሉ ማይ ብሑቕ ምኳኑ ንስሕቶ ኣይመስለናን። ብምቅጻል ስእሊ መቧኩዕቲ ንክህልወና፡ ካብቲ ዝቀደመ ብሑቅ ዝተራፊ ኮይኑ፣ ምስቲ ዝመጽእ ብሑቅ ከም መቧኵዕቲ ኮይኑ ይዓዪ። ብመቧኵዕቲ ዝተለውስ ብሑቕ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ መዓልቲ ወሲዱ፣ ሓፍ ይብል እሞ፣ ንክሰንከት ይዳሎ። ብተወሳኪ፡ ኣብ ዝተፈላዩ ዝብላዕን ዝስተዩን ውጽኢታት፡ መቧኩዕቲ (ለቢቶ) ሓደ ነገር ናብ ካልእ ነገረ ንክልውጥ ዓቢ ናይ ምቅልጣፍ ተራ ይጻወት እዩ።ዕላማ መንቀሊን ጽሑፍና ነቲ " Activist " ዝብል ቃል እንግሊዝኛ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ትርጉም ክንረኽበሉ ሃሰስ ንምባል ዘይኮነ፡ ኣብዚ ኣብ መጽናዕቲ ዕዮ ህዝዚ ተጸሚድናሉ ዘሎና መደብ፡ ኣየናይ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና እዩ፡ ንህዝቢ ኣብ ናይ ለዉጢ ዕዮ ዝጸምዶ፧ ምስ ምንታይ ዝወቱር ዝኮነ ስራሕን ኣምራን ከ ክመሳስል ይኽእል ዝብል ልቦና ዘንቆሎ እዩ። ጥቅሚ መቧኵዕቲ ኣብ ህዝብና፡ ምስዞም ናይ ለውጢ ኣሳሰይቲ ብዙሕ ምምሳልክ ስለ ዘልዎም፡ መባኹዕቲ እንተበልናዮም ኣይቅየሙናን ይኾኑ።ኣብ ታሪኽ ህዝብና ምስ እንዕዘብ እዞም መቧኵዕቲ ህዝቢ ኢልና ሰሚናዮም ዘለና ክፋል ሕብረተሰብ፡ ንህዝቢ ቤተ ጽሎት ኣብ ምስርሕ ድዩ ወፊራ ኣብ ምውህሃድ ድዩ ፡ ብሓፈሽኡ ዝተፈላለዩ ማሕበራውያን ንጥፈታት ዘዋሃህዱን ዘሳልጡን እዮም። የግዳስ ከምቲ ንለባማትን ትሑታትን ንጹር ዝኾነ መለለይ ስም ዘለዎም፡ ነዞም ኣካል ሕብረትሰብ ዝኮኑ እሞ ኣገዳሲ ዕዮ ዝዓሙ መለለይ ስም ኣይረኸብናሎምን። ምናልባት፡ ከምቲ መቧኵዕቲ ኣካልን ክፋልን ብሑቕ ኮይኑ ዝዓዪ ፣ ከምኡውን መቧኵዕቲ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰቦም ኮይኖም ስለ ዝዓዩ፡ ምፍላዮ ኣገድስነት ኣይተረክቦን ኮይኑ ዶ ይኸውን። ብተወሳኪ ዝዓይዎ ስራሕ ኣንነታዊ መንነት ንምክሳብ ዘይኮነ፡ ብጻዕሮምን ሃለክለኮምን ንህዝቦም ናብ ዝልዓለ መድረኽ ዘንቀሳቕሱን: መንፈሱ ሓፍ ኣብ ምባል ዓቢ ተራ ዝጻወቱን እዮም።ብንእሽቶይ ጀሚሮም ንሕብረተሰብ ናብ ለውጢ ንክድርኽዋ፡ ነቲ ናብ ለውጢ ዝደፍእዋ ህዝብን፡ ነቲ ዝመጽእ ለውጥን ከም ኣካሉ ኮይኖም የሳሰይዋን የከናውንዋን፡፡ መስርሕ ለውጢ ካብ ንእሽቶ ናብ ዓቢ፡ ወይ ድማ ካብ ዓቢ ናብ ንእሽቶ ይኸይድ እኳ እንተኾነ፡ መቧኵዕቲ ነቲ ካብ ንእሽቶ ናብ ዓቢ ዝከይድ ለውጢ ይኽተሉ። በዚ ከኣ ካብ ካልኦት ናይ ለውጢ ባእታት ይፈለዩ።ኣብ ቡዙሕ እዋናታ መብኩዕቲ፡ ከም መራሕቲ’ውን ይስመዩ እዮም፡ ካብ መራሕቲ ዝፈልዮም ገለ ነጥብታት ግን ኣለዎም። መራሕቲ ዓቢ ራኢ ሃልይዎም ንሕብረተሰብ ክመርሑ፡ ንራእዮም ከተግብሩ ዝንቀሳቀሱም እዮም። መቧኵዕቲ ግና ከም ልማድ ኣብ ዝተሓተ ቀጸላ ህዝቢ ብምስፋር፡ ንከባቢኦም ዝጸልዉን ለውጢ ዘሳልጡን እዮም። ብተወስኪ መቧኵዕቲ ኣብ ሂወቶዋ ዝተመኮርዎ፡ ብሓሳብ ይኩን ብጋህዲ ዝተለማመድዋ ለውጢ ኣብ ህዝቢ የስርጹ። ድምር እኩብ ናዚ ተሞክርታት ድማ ናብ ዝላዓለ ራእን መሪሕነት ክብጽሖም ይክእል እዩ።ናብ እዚ እዋንና ተመሊስና፡ ኣብ ህዝብና ብቁዓት መቧኵዕቲ ኣለውና ዶ ኢልና ንሰማዕትና ክንሓትት ንመርጽ፡፡ ብወገና ''እወ" ወይ’ውን ''ኣይፋል'' ኣይንብልን፡ ግን ክኣ ሰማዕቲ ናትኩም ገምጋም ክትገብሩ ንዕድም። ንሕና ህዝቢ እኹልን ብቁዑን መቧኵዕቲ ምዝርከቦ፡ ሕብረት ኣቀዲሙ ናይ ሰብ ነገር ይገብር እሞ ሕብረተሰብ ይበሃል፡፡ ብኣንጻሩ ህዝቢ ብቁዓት መቧኵዕቲ ምዝስእን ልክዕ ከምቲ መቧኵዕቲ ዝሰኣነ ብሑቕ ዓይኒ ዘይብሉ ጣይታ ዘውጽእ ከምኡውን ህዝቢ የዒንቲ ልቦኑኡ የሳኣኖ እሞ፡ ግዳይ መለማመዲ ዝተፈላለዩ ሰነ ሓሳባት ሰብ ረብሓ ወይ እውን ዝንቡዓት መራሕቱ ይኸውን። ዓዲ ውዒል መቧኵዕቲ ዝገጠሞ ህዝቢ ከኣ ካብ ዕውረት ዝገደደ እውን ከምቲ ዝወደቀ ቡሑቕ ውድቀት ክገጥሞ ይከኣል፡፡ኣብዚ መራኸቢ.ብዙሓን ማእለያ ዘይብሎም ኣብ ዝተፈላለዪ ህዝባዊ ዓምዲታት ዘተኮረ መደባት ኣዕለቕሊቑሉ ዘሎ ዘበን፡ ኣየናይ መልእክቲ እዩ ንተዛራቢኡ (ነቲ ዝምህሮ ዘሎ ) ለዊጡ ንህዝቢ ናብ ንጥፈታት ለውጢ ዝጸምድ ፡ ከም ውጺኢቱ ድማ ፍሬኡ ዝብላዕ እንጀራ ክበጽሕ ዝኽእል ፧ ኢልና ምምማይን ምስትብሃልን አገዳሲ ኮይኑ ይስመዓና። ኣብ መወዳእታ፡ ለባማት፡ ኣሳሰይቲ ለውጢ ንሙኻን ተሞክሮና ሃሰስ ንበል! እንዳበልና ንፋነወኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠውቑ...more0minPlay
October 31, 202021 - ጎረቤት | Neighbor |መቸም መን ጎሮቤት ዘይብሉ፡ ዝዓበናሉ ገዛውትን ዓድን እንክዝክር እንኮለና፡ መተዓብይትናን ጎረባብትናን ኣካል ናይ ወትሩ ተዘክሮታትና እዮም። ከምቲ ወለደና ብኩርዓት ዝብልዎ “ከመይ ዝበለ ጉርብትና እንዲዩ ኔርና ወይ ዘለና” ንብል ንኸውን። ጉርብትና ከም ዘቅረብካዮ እዩ ከምዝናሃል፡ ዝማዕረገን ዘኩርዕን ጎርብትና ከኣ እሞ ነቲ ናይ ሰጋ ዝምድና’ውን ይበልጾ፣ ካብ ዝራሓቀ ሓውካስ ቀረባ ጎሮቤትካ እኮ ዝበሃል። ስለዚ ኣብ ሕብረት-ሰብ ጎሮቤት ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ዝምድናንትት እዩ። ኪዳኑ ዝተረረ፡ ሓድሕድ ምትሕልላይ ዘለዎ፡ ንዕቤት ጎሮባብቲ እዩ ዝዕድም፡ ኣብ ማኣዲ ሓጎስን ሽግርን ዘሳትፍ ጎርብትና ከኣ’ሞ፡ ይሃበናን የሃብኩምን እዩ ዘብል። እሞ ንሎሚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ብዛዕባ ጎሮቤትን ብወገና ገለ ክንብለኩ። "ጎር" ምስ "ቤት" ዝብላ ክልተ ናይ ትግርኛ ቃላት ተሳንየን "ጎረቤት" እትብል ቃል ይሃንጻ። ጎር ከኣ ሓልዮት ዝብል ትርጎም ይህበና። ቀጥታዊ ትርጎም እኮ እንተዘይበልና፡ ጎሮቤት ሓልዮት ናይ ቤት ዝስምዕ መልእክቲ ኣለዋ ኢልና ንሓስብ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ርዲኢት ጎርብትና ኣብ ሕብረትሰብና ዝሳነ ኮይኑ ንረክቦ። መቸም ኩሉ ጎሮቤት ሓላያይ እየ ክባሃል ኣይካኣልን፡ ግን ሓልዮት ዘልዎ ጉርብትና ንምምስራት ሰናይ ድሌትን ስራሕን ዘድልዮ ኮይኑ ይስማዕና። እሞ ነታ ምስ ስድራና እንነብረላ ቤትን ምስ ህዝብና እንበራ ዓባይ ቤትና ዝኮነት ሃገርና፡ ሓልዮትን ጎርብትና ክህልዋ እንታይ እዩ ኣበርኩቶ፧ ጎረቤት ዛዕባ ጥቓና ፣ ጎድንና ዘሎ ቤት ፣ ዓዲ ፣ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ፣ ክነየው ኣቃዉማ ሰብነትና ፣ ቤትና ፣ ሃገርና፧ ታሪኽ ሰነ ፍጥረት ኣብ ስነ ልቦና ጎረቤት እዩ ዝምርኮስ እዪ ኢልና ንሓሰብ። ኣነ ፣ ንስኻ ፣ ንስኺ ፣ ንሕና ፣ ዓድና ፣ ሃገርና ዉጽኢት ናይ "ጎረቤት" ፣ "ጉርብትናን" ኢና ኢልና ንኣምን። ቤት ብዘይ እቶም ሓድሕዳዊ ጎር ፣ ጸግዒ ዝኾኑ ዓንዲ ገዛ ክትቀዉም ኣይከኣላን፣ ከምኡ`ውን ብሰነ ማሕበራዊ ርዲኢት ምስ እንዕዘብ ቤትሰብ ቀጻልነት ክህልዋ እንተኾይኑ "ጎር" ቅድሚ "ቤት" ክስራዕ ከምዘለዎ ምርድኡ ከቢድ ጉዳይ ኮይኑ ኣይረኣየናን ። ምልስ ኢልና ኩነታት ሰብነትና ምስ እንርእዮ ጥዕና ክህልወና ፣ ብሂወት ንኽነብር እንተ ደኣ ኾይና ሰናይ ጉርብትና ህዋሳትና ን ኣካላትና ይሓትት። ተፈጥሮ እንተኾነ እዉን ዉጺኢት መወዳእታ ዘይብሎም ብመስርሕ ጉርብትና ዝተወሃሃደ ኣብ ጎረቤት ዝተመስረተ ሙዃኑ ክንምልከት ይከኣል። እዚ ተፈጥሮኣዊ ቅዲ ዝኾነ ሓድ ሕዳዊ ጉርብትና ዝመንቀሊኡ ቀለቤት ጎረቤት ትርጉም ኣልቦ ጌርካ ኣነ ወይ`ውን ንሕናን ሉኣላውነትና ፣ ነጻነትና ፣ ዉልቃዊነተይ ዝመሰረቱ ዝንቡዕ ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ምስ ንጽመድ ዓቕልና ይጸብብ እሞ ብዙሕ መጉዳእቲ ክበጽሓና ይከኣል ። ዝሓለፉ ሚእቲ ዓመት ናይ ህዝብን ሃገርናን ግዳማዊ ኣጣማምታ ናይ ጎረቤት ማእለያ ዘይብሉ መጉዳእቲ ፣ ክሳራታት ኣስዒቡልና እዪ። ኣብ`ዚ 21 ክፍለዘበን ከም ህዝቢን ሃገርን ክንቅጽል እንተ ድኣ ኮይና ብቕዓት ዘለዎ ሓዲሽ ኣረዳድኣን ኣነባብራን ጎረቤት ሃሰሰ ምባል ከድልየና ኢልና ንኣምን ። ትርጉም ጎረቤት ብንዉሓት ድፍዓት ወይ`ውን ብዝሒ ሰራዊትን ዘይኮነስ ብላዛን ሓልዮትን ክንርድኦን ክንነብሮን ንሰማዕትና ንጽውዕ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
October 24, 202020 - ትዕቢት | Conceit |ትዕቢት" ብዛዕባ ምዕባይ ወይ ምትዕብባይ ይመስለና። ብልቦና ሕብረተ-ሰብና "ትዕቢት" ወይ "ትዕቢተኛ" ከም ጽያፍ ወይ`ውን ሓጥያት እዩ ዝቑጸር፡፡ ምትዕብባይ ድኣ ብኸመይ ከ ክፍቶ። ንሕና ደቂ ሰባት ዓበይቲ ክነስና ዓበይቲ ክንከውን ምስ እንፍትን እዪ ግዙኣት "ትዕቢት" ንኸዉን ዝመስለና።ካብ ብምስሊ ፈጣሪ ምፍጣር ዝዓብየ ዕብየት ኣሎ ኣይንብልን። ገለ ግን ነዚ ብምዝንጋዕ ከምቲ ትዕቢተኛ ነብሱ ባዕሉ ዝፈጠራ ይመስሎ ዝበሃል፡ መን ከማይ ዝኣመሎም ቡዙሓት እዮም። ንሕና ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ዓበይቲ ምዃና ተረዲእና ሂወት ብምምልላእ እንነብሮ፡ ንምንታይ ኢና ካብ ሓውና ወይ ሓፍትና ዓቢና ክንረአ ንደሊ፧ ሃብትን ጸጋን ዝጽላእ ኣይኮነን። ምትዕብባይን መን ከማይ ምባልን ግን ስለምንታይ ኣድለየ፧ ንዘለካ ትሕዝቶ ምትዕብባይ ካብ ውሽጣዊ ድኽነት ዝነቐለ ዲዩ ወላስ ካብ መዕበይ ኣመል፧ ትዕቢት ማለት ንናይ ገዛእ ነፍስኻ ዕብየት ብምጥርጣር ዓቢ ንምዃን ዝግበር ጻዕሪ ወይ ሃልኪ ደቂ ሰባት እዩ ኢልና ንሓስብ። እዚ ማለት ሰብኣዊ ዕቤትና ኪሒድና፡ ናይ ውሽጣና ኣንነት ከነርዊ፡ ከነጋንን ክንጃሃርን፡ ከምቲ ትዕቢት ትቅድማ ንውድቀት ዝተባህለ: ንወደቀሉን ንሓስረሉን መንገዲ ብምሓዝ ግዳያት ትዕቢት ኮይና ንነብር ። ኣብ ሕብረተሰብና ጹዩፋት፡ ግን ከኣ ዝውቱራት ዝኾኑ ናይ ትዕቢት ኣመላት ኣለዉ፡፡ ገለ ሰባት ከምዛ ሑጻን ጡቡን ኣዋዲዶም ብሕርዮም ካብ እንዳ እገለ ወይ እንደ እገሊት ዝተወለዱ፡ ብትውልዶም ዕብየት ከረጋግጽ ይፍቱኑ። ሓያለ ዉን፣ ብመልክዕ ፣ ጥዕና ፣ ሞያ ፣ ደረጃ ትምህርቲ ተጠቒምና ዕብየትና ከነርኢ ከይደቀስና ንሓድር ። ዕብየትና ዕምቆቱ ን ስፍሓቱን ምስ ዝፈታተነና ኣብቲ እንፈልጦ ናይ ትማሊ ስነ-ሓሳባት ፣ ሃይማኖት ፣ ባህሊ ተሓቢእና ዕብየትና ከነዘንቱ ክንጭድርን ንብጾትና ዕረፍቲ ድቃስ ክንከልእ ንነብር።ዕብየትና ዉሒዱ ምስ ዝረኣየና ብዝሒ ናይ`ቲ እንሳተፎ ሃይማኖታዊ ወይ ፓለቲካዊ ትካላትና ከም ዕቤትና ወሲድና ንዉሑዳን ሽግር ክንፈጥረሎም ንርከብ። ሕሉፍ ሓሊፍና እዉን ኣምላኸይ ካብ ኣምላኽካ ይዓቢ እናተባሃሃልና እቲ ፈጣሪ ኹሉ ኣምላኽ መሳርሒ ትዕቢት ኮይኑ ይርከብ። ዝርዝር ዓቢ ክትከውን ምፍታን ዝፈጠሮም ጸገማት ብ ብሕታዊ ኾነ ማሕበራዊ ማእለያ የብሉን ፣ ንምንታይ እዪ ግና ወዲ ሰብ ግዙእ ትዕቢት ዝኸውን፧ ዘይተመለስ ሕቶ አዩ። ሰብኣዊ ዕብየትና ትሑት ጌርና ምስ እንርድኦ፡ ብምትዕብባይ ኣብ ማንጎ ካልኦት ሰባት ጸብለል ምባል፡ ናይ ካልኦት ህላወን ዓቅምን ምንእኣስ ኣይንሓድግን። ምኽንያቱ፡ ኣነ ይፈልጥ፡ ኣነ ይውርዚ፡ መን ከማይ ብሃብቱ፡ እንዳ በልና ሓለፋ ክብረትን፡ ጠመተን ንእልሸ:: ትዕቢተኛታት ካብ ጃህራን መን ከማይን ሓሊፎም፡ ባዶነት ሸውሃቶም ንምርዋይ ሓደጋን በደልን ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበሉን፡ ስለዚ ኢዩ' ውን ትዕቢተኛ ዓይንን መልሓስን መፍሰስ ንጹህ ደም ዝተባህለ። ስለዚ ትዕቢት ኣብ ክንዲ ሓጥያት ወይ ጽያፍ ጥራይ ጌርካ ምርኣዩ፡ ከም ሕማም ተራእዩ ጉዳይ ትዕቢት ከም ካልኦት ናይ ኣእምሮ ሕማማት ብክኢላታት ጥዕና ክፍወስ ምስ ተገበኣ፧ ወይ`ዉን ትዕቢት ከም ድንቁርና ተቖጺሩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ዲፕሎማ ንቕሓት ትዕቢት ምርካብ ከም ፍታሕ ዶ መገልገለ ፧ መን እሞ እፈልጥ ፧ ብዝኾነ ንሕና ደቂ ሰባት ዓበይቲ ፣ ንዕቤት ዝተጸዋዕና ምዃና ምስ ፈለጥና ነጻነት ካብ ትዕቢት ይህልወና ይኸውን። እቶም ካብ ትዕቢት ነጻ ዝኾኑ ፣ =) ነቲ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ንኸምጽኡ ይቓለሱ'=) ዕብየት ብጾቶም ፣ ጎረባብቶም ክርድእዎ ይኽእሉ =) ዕብየት ናይ ካልኦት ስነ ሓሳባት ፣ ሃይማኖት ፡ ባህሊ ክሰምዑ ድልዋት ይኾኑ። እቲ ዓቢ ዕብየት ክርኢ ይመርጽ ፣ እቲ ዕብየት ዘይቅበል ግን ኣብ ትዕቢት ይነብር። ንብለኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
October 17, 202019 - ትሕትና | Humility |“ትሕትና መቕድም ክብረት፡ ትዕቢት መቕድም ውድቀት” እትብል ምስላ፡ ንሕና ደቂ-ሰባት ኣብዛ ሓጻር ናይ ሂወት ዕድሜና፡ ፍልልያት ናብራ ክብረትን ውርደትን ክነስተብህልን፡ ምርጫ ክንወስድን እትምህር ምስላ ኮይና ንረኽባ። ንሎሚ እምበኣር፡ "ትሕትና" ዝብል ኣምር ብዓይነ ልቦና ሕብረተሰብና፡ ብኸመይ ይንበርን ይዝውተርን ብምባል፡ ጦብላሕታና ከንካፍለኩም መሪጽና ኣለና። “ትሕትና” ትሕት ወይ ዝቕ ምባል የስምዕን የረድእን። ምስ’ዚ ተተሓሒዙ፡ “ሰባት ሰለምንታይ’ዩ ኣብ ሞንጎ ካልኦት ሰባት ትሕት ምባል ዘድልየና”፡ “ማዓስን ንመንንከ ክንትሕት ይግባኣና”፡ “ትሕትናኸ ብኸመይ’ዩ ዝንጸባረቕ”፡ ዝብሉ ሕቶታት ምስትንታኖም ኣገደስቲ ኮይኖም ይስምዑና።ንምጅማር፡ ከም`ቲ ማይ ናብ ትሑት ቦታ ዝወርድን ዝዉህለልን፡ ከምኡ`ውን ንሕና ደቂ ሰባት ንምልኣት ሰብኣዉነትና ትሕት ምስ እንብል ክንበጽሖ ይከኣል’ዩ ኢልና ንሓስብ። ኣስዒብና፡ ሰባት ዘይምሉኣትን ዘይፍጹማትን ብምዃና፡ ነዚ ሓቂ ብኣስተብህሎ ፈሊጦም፡ ጎደለኦም ካብ ካልኦት ሰባት ከምዝምላእ ኣሚኖም፡ ትሕት ብምባል፡ ንዖኦምን ንከባቢኦምን ንምልኣት ዝዕድሙ ሰባት ‘ትሑታት’ ወይ ‘ትሕትና’ ዘለዎም ሰባት ኢልና ንገልጾም። እዚ ባህርን፡ ሜላ ኣካይዳን ድማ፡ ንኽትነብሮ ዓሚቚ ኣፍልጦን ጥበብን ንቕሓትን ዝሓትት ይመስለና። ን ትርጉም ትሕትና፡ ብኣንጻር እዚ ልዒልና ዝገለጽናዮ ምስ እንርድኦ ግን፡ ምልክት ድኻምን ከንቱነትን ውርደትን ኮይኑ ክስመዓና ይኽእልዩ።ኣብ ርድኢት ሕብረተ-ሰብና ትርጉም "ትሕትና" ን "ዉርደትን" ኣዝዩ ገዚፍ ፍልልይ እኳ እንተሃለዎም፡ ህድእ ኢልና እንተ ኣስተብሂልና ግን፡ ክልቲኦም ቃላት ንወዲሰብ ናብ ሓደ ማኣዝን ገጹ ንኽጎዓዝ ዝዕድሙ ይመስሉ። እዚ ማለት፡ ምትሓትን ምዉራድን፡ ካብ ብርኽ ዝበለ ናብ ዕሙቕ ዝበለ ስፍራ ምጉዓዝ ማለት ምዃኑ የአንፍቱ፡፡ የግዳሰ ትሕትና ወለንታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ውርደት ግና ሰኣን ልቦናዊ ምልከት ነብስኻን፡ ኣንነት ዝመንቀሊኡን ውድቅት እዩ። ትሕትና ዝተራሕወ ዓይነ ልቦና ትውንን፡ ንኣንነት ትፍንፈን፡ ንኽብረትን ልዕልናን ከኣ ትግስግስ። ከይዲ ዉርደት፡ ርድኢት ሃሳሰ-ለባምን ተሳታፍነትን ይሓጽሮ እሞ፡ ነቲ ናይ ሂወት ጉዕዞ፡ ወለንታዊነት ኣጥፊኡ ንታሕቲ ገጽካ ብምንቁልቋል ናብ ናብራ ኮንትነት ይወስድ። ሰለዚ ወዲሰብ ብዘይካ ብመንገዲ ትሕትና፡ ብኻልእ ናብ ምልኣትን ዕብየትን ሰብኣውነትን ክበጽሕ ኣይክኣሎን’ዩ ኢልና ንሓስብ። ትሕትና ኣብ ቅድሚ ፈጣሪና ሰናይ ፣ ትሕትና ኣብ ሞንጎ ሓድሕድና ከኣ እቲ ፍሉጥ ክሳዓብ ዘለዋ መስርሕ ምዃኑ ንኣምን። ትሕትና ብኣገባብ ምስ እንርድኦ ፣ ብሓቦ’ዉን ምስ እንገጥሞ ከም`ቲ ማዪ ዝሃፈፈ ቀላይ ብግዜ ክረምቲ ብወሓይዝ ዝምላእ ንሕና ደቂ ሰባት እዉን ብመንገዲ ትሕትና ንተኽእሎታት ምምላእን፡ ከይዲ ምሉእነትን ክንዉዕለሉን ከነስተብህለሉን ንኽእል።ብምቕጻል ናብ ሕብረተሰብና ብምምላስ፡ ትሕትና ብኸመይ ይንበርን ይንጸባረቕን ኢልና ክንፍትሽ ከለና፡ ከም ልምዲ፡ ምልክት ትሕትና፡ ኣብ ሓድሕድና ርእስና ምድናንን፡ “እንታዶ ይፈልጥ ኢየ”፡ “ክንዳየናይ እኳ ከይክእሎ”፡ “ኣነ ዶ ካባኻ/ኺ ይፍልጥ ኮይነ” ዝብሉ ኣቀራርባ ነስተብህል። ትሑታት ሰባት በቲ ዝውንንዎ ብልሕን ልቦናን ጥበብን ከይተዓበዩ፡ ንኣንነትን ዝናን ክርሕቅወን ድማ ነስተውዕል። ብኻልእ ሸነኽ፡ ገዛእትን መሳፍንትን መለኽግን፡ ንዘመናት ነቲ ከም ምልክት ትሕትና ዝኾነ ርእስኻ ምንሳኣ፡ ንዓኣቶም ጥራይ ከም ዝተሰርዐ ጌሮም ከም ዝበዝበዝዋ ከይገለጽና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ኣብዚ 21 ክፍለዘበን ኣምር ትሕትና ዝኾነ ርእሲ ምንሳአ፡ ኣብ ህዝብና ይዝወተር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ጠመትኡን ልቦንኡን ብምስትውዓል ግን ንኹሉ ሰብ፡ ካብ ህጻን ክሳብ ሽማግለ ርእሲ ምንሳእ ይግብኦም አዪ ኢልና ንኣምን። ምኽንያቱ፡ ርእሲ ወይ`ውን ገጽ እቲ ሓዉና፡ እታ ሓፍትና፡ እቶም ደቅና፡ እቶም ወለድና፡ መሳርሕትና ሰራሕተኛታትና ደቂ ሃገርናን ዘይደቂ ሃገርናን ምስ እንርኢ ልዕልና፡ ሩሕ፡ ግርማ ሰብ ሰለ ዝምስክሩ ምንሳእ ርእሲን ትሕትናናን ኣይነሕጽረሎም።ኣገባብ ትሕትና ንልዝብ፣ ወግዒ፣ ሓድሕዳዊ ምምሩዃስ፡ ኮታ ኣብ መኣዲ ኪዳን ንኽንጽመድ ይሕግዘና። ብኣንጻሩ ብትሕትና ምንባር ምስ እንስእኖ፡ መስርሕ ዉርደትን መንገዲ ዓጽዓጽን ንሰብኣዉነትና ከምዘፍክሶ ፡ ታሪኽ ደቂ ሰባት ደጋጊሞም የዘንትዉልና። እታ ናይ ዉርደት ዓለም ከኣ፡ ከምቲ ወለድና "ዓለም ከንቱ" ዝብልዎ ትኾነና። ስለ’ዚ እምበኣር፡ ማይ ኣብ ዝዓሞቐ ጥበብ ኣብ ዝተሓተ እዪ ነገር ሰብን ሰብ ምዃንን እሞ፡ ጸጋታታ ኣስተብሂልና፡ ንትሕትና ብፍቃድና ንኺዳ ብምባል ንፋነወኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
October 10, 202018 - ልቦና | Sagacity | ልቦና ውህሉል መስረታዊ ፍልጠትን ግርም ዝኾነ ርዲኢት ናይ ልምድታትን ኣካይዳን ሕብረተ-ሰብ የጠቓልል። ልቦና ብሓደ ሸነክ ከም ኣምር፡ ሓሳባት ናይ ምፍልፋል ልምዲ ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ግብራዊ ናብራ ናይ ሕብረተ-ሰብ ኣዝዩ እወታዊ ተራ ዝጻወት ኣካይዳ እዩ። በዚ ዓይነት መግለጺ ድማ ኣብ ሓደ እዋን ከም መሰረት ናይ ፍልስፍናን ግብራውነትን ዘጠቓልል ኣምር ጌርና ንገልጾ። ልቦና ለባማት ሰባት ዝውንንዎ ዓቢ ጸጋ እዩ። ለባማት ዝበሃሉ ሰባት ከኣ ጥበብ ናይ ኣስፊሕካ ምሕሳብ ዝውንኑ፡ ትዕግስተኛታት፡ ብብስለቶምን ላዛ ዘረብኦምን፡ ብምኽርን ብተግሳጾምን ብኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሕብረተ-ሰብ ዝተፈልጡ እዮም። ዝበዝሑ ለባማት ብከባቢኦም ዝተፈልጡ፡ ፍልጠቶጦም’ውን ኣብቲ ናቶም ሕብረተ-ሰብ ጥራይ ዘገልግሉሉን እዮ። ገለ ለባማት ድማ ልቦኖኦም ዓዲ ሰጊሩ ነቲ ናይ ህዝቦም ፍልጠትን ብልሕን ንካልኦት ሕብረተ-ሰባት ከገልግል ይረአ። ኣብ ገለ ዘረባ ወለድና ሓደ ለባም ወዲ ዓዲ እከለ ኢሎም ካብ ዓዶም ርሕቅ ዝበለ ዓዲ ክሰምዩን ክውከሱን መቸም ሰሚዕና ኣለና። ነዚ ኣበሃህላ ዘራጉድ ገለ ምስላታት ብዛዕባ ለባማት ምስ እንጠቅስ ü ለባም ናይ ዓመቱ፡ ዓሻ ናይ ዕለቱ ይሓስብ።ü ዓሻ ክዛረብ፡ ለባም የስተውዕል።ü ዘረባ ለባም ኣብ ምስማዕ ኮኾብ ሰማይ ምሓዙ ምተኻእለ። (ዘረባ ለባም እንተዝስማዕስ ኮኾብ ሰማይ ምሓዙ ምተኻእለ ንምባል እዩ)። እዞም ምስላታት፣ ለባማት ሰባት ኣስተውዓልትን ኣርሒቖም ዝሓስቡን ምዃኖም ይገልጹ። እዚ ከኣ ለባማት ሰፊሕ ኣእምሮ ዝወንኑ፡ ጽን ኢልካ ናይ ምስማዕን፡ ነገራት ብህድኣት፡ ብስምዒት ዘይኮነ ብርዲኢት ናይ ምርኣይ ክእለት ከም ዝውንኑ የረድእ። ኣብ ሕብረተ-ሰብና ለባማት ሰባት ዝልለዩሉ ቀንዲ ጉዳይ እንተሎ፡ ምፍታሕ ግርጭትን ባእስን እዩ። መን ዘይገራጮ፡ ዘይዕረቕ ድኣ ከምዝበሃል ውን፡ ኣስተውዓልትን ጽን በሃልትን ስለ ዝኾኑ ለባማት፡ ሻራ ከይሓዙ ዝተባእሱ ወገናት ይቕረ ከበሃህሉን ክዓርቑን ኣይጽግሞምን። ዝተበደለ ክከሓስ፡ በዳሊ’ውን በደሉ ክናዘዝ ስለ ዝገብሩ እዩ ከኣ ለባም ይሕረድካ ዋዕላ ይፍረድካ ዝበሃል። እዚ ማለት ድማ ለባም ኣይጐድኣካን ወይ ዘይግበኣካ መቕጻዕቲ ከምዘይውስንን የረድእ። ከምኡ’ውን ምስቲ ካብ ስሚዒት ርሒቖም ዝሓስቡ ምዃኖም፡ እቲ ዝውሰንዎ ፍርዲ ቁቡል ይገብሮ፡፡ ሕብረተ-ሰብ ለባም ይሕረድካ ብምባል ቅቡል ምግባሩን ውን ማዕረ ክንደይ እሙናት ምዃኖምን ተቐባልነት ከም ዘለዎምን ንጹር መግለጺ ኢዩ። ኣብ ጉዳይ ዕርቅን ፍትሕን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ዝበዝሐ ዋኒን ሕብረተ-ሰብ ውን ለባማት ተደለይቲ እዮም። እቲ ምኽንያት ድማ ንግድላት ክፈትሑ፡ ንነገራት ከተሃዳድኡ፡ ምኽርን ሓበሬታን ክልግሱ፡ ለባም ጸውዕ ይበሃል። ህዝብና መኽበር ሰብ ጸጋ ዕድመ እዩ፡ ይኹን እምበር ለባማት ቦትኦም ፍሉጥ እዩ፡ ምኽርን ልዝብን ዘድልዮም እንተ ኮይኖም ሰያብ(ዓብይ) ኣይትጸውዕ ለባም ጸውዕ ብምባል ይምስሉ። ኣብ ህዝብና ልቦና ልዕሊ ንዋይን ጥሪትን ይምረጽ፡ ስለዚ እዩ ከኣ ልዙብነት ካብ ሃብቲ ትሓይሽ ዝበሃል። ሃብቲ ንለባም መገልገሊኡ፡ ንዓሻ መሰይጠኒኡ ከም ዝብሃል እውን ለባማት ዘለዎም ጸጋ ንኣገልግሎት ህዝቦም ከምዘውዕልዎ፣ እዚ ድማ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ፍቕርን ክብርን ከም ዘውህቦምን የረድእ። እዚ ምስቲ ተመራመርቲ ባህላዊ ልቦና(sagicity) ዝብልዎ ይሳነ፡ ለባማት ክልተ ክእለት ኣለዎም ሓደ ስፊሕ ርዲኢት (insight) ን ሞራላዊ ምርሒትን (ethical inspiration)። ስለዚ ለባማት ጥበበኛታትን መስተውዓልትን እዮም፡ እዚ ድማ ኣብ ሞራላዊ ረብሓ ህዝቦም የውዕልዎ። ተመራመርቲ ወይ ፍላስፋታት ግን ሽሕ እኮ ጥበበኛታትን መስተውዓልት ይኹኑ፡ የግዳስ ሞራላዊ ተወፋይነትን መርሒነትን ኣብ ህዝቦም ኣየርእዩን፣ በዚ ከኣ ምስ ለባማት ይፈላለዩ። ለባም ኩሉ ግዜ መሓዛ ሓቅን ጥበብን እዩ። በዚ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ፣ ከምቲ ኣፍሪቃውያን ለባማት ሰባት ዋላ ምስ ሞቱ ኣገልግሎቶም ኣየቋርጽን እዩ እንብሎ፡ ለባም ኪመውት ልቡ፡ ንጉስ ኪመውት ግንቡ ርኸብ፡ እንዳ ተባህለ በቲ ዝገደፍዎ ሰፊሕ ልቦና ህልዋትን ኣገልገልትን ኮይኖም ይዝከሩ። ኣብ ባህላውያን ኣፍሪቃ ተራ ለባማት ኣብ ማሕበረ-ቁጠባ ንፖለቲካ ህዝቦም ዕዙዝ እዩ ነይሩ፡ ድሕሪ መግዛእቲ ዝቖማ ሃገራት ኣፍሪቃ ግን ነዚ ዓቢ ጸጋ ዳርጋ ኣባኺነንኦ ክበሃል ይከኣል። እዚ ከኣ ተራ ለባማት ኣብ ውሱን ከባብያዊ ጉዳያት ተሓጺሩ፡ ብምትእትታው መንግስታዊ ትካላት’ውን ተራኦም ተደሪቱ። ኣብ ኢደ ምሁራትን ፖለቲከኛታትን፡ እሞ ከኣ ብምዕራባዊ ስልጣነ ዝተኾስኮሱ፡ ዓሚቕ ርድኢት ናይ ባህልን ወግዕን ህዝቦም ዘይብሎም: ንጉዳያት ህዝቦም ብዓይነ ልቦና ሕብረተ-ሰብ ኣፍሪቃ (ህዝቦም) ዘይኮነ ብምዕራባዊ ክልሰ-ሓሳባት ከሰላስሉ ኣብ ዝብዝሕ እዋን ይርኣዩ። ለባማት ኣብዚ እዋን: ኣብ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝዓዘዘ ተራ ክህልዎም ምስ ተገበአ። ምኽንያቱ ዝለዓለ ፍልጠት ኣብ ባህልን ናብራን ሕብረተ-ሰቦም ይውንኑ፡ ከምኡ’ውን ምኩራት ናይ ሕብረት-ሰቦም ጸጋ ብደቂቕ ዝፈልጡ፡ ኣብ ባህርያዊ ትሕዝቶ ከባቢኦም’ውን እወታዊ ርድኢት ዘለዎም እዮም። እቲ ዝበለጸ መንገዲ ባህልን ልምድን ሕብረተ-ሰብ ክጽንዓሉ ዝኽእል’ውን ብመንገዲ ለባማት እዩ። በዚ እዩ ውን ተቐባልነቶም ዑዙዝ ዝኾነ፡፡ እዚ ዓይነት ጸጋ ንምዕዛዝ ብዝሓሸ ሜላ ክስርሓሉ ምተገበአ። ቀንዲ ምኽንያት ኣበርክቶ ለባማት ዝተደረተሉ እምበኣር ዕብለላ ምዕራባዊ ሰነ-ሓሳብ ንምንጋስ፡ ኣፍሪቃዊ ባህልን ክብርታትን ስለ እተዶቅሰ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ከኣ ወጽኢት ምዕራባዊ መግዛእቲ ስለዝኾናን እዩ። እቲ እንጥቀመሉ ስርዓተ ምሕደራ እውን ብቀንዱ ናይ ባዕዳውያን አዩ። ኣብ ሓያለ ስልጡንን ክቡርን ዝኾነ ባህሊ ኣፍሪቃ፡ ተራ ለባማት'ውን ተደቂሱ እዩ። ኣብ ሃገራና’ውን ከም ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ተራ ለባማትን ልቦናዊ ኣተሓሳሰባን ኣካይዳን ዝተጎስየ ይመስል። ሰብ ረብሓ ፖሎቲከኛታት ጉዳይ ህዝቢ ሕንክሮ ጌሮም፡ ብፍትሕን ሞራላዊ ግዲታን ክምርሑ ሰለ ዘይደልዩ ድማ፡ ለባማት ክሕውሱ ወይ ልቦና ክወርሱ ኣይረኣዩን። ኣብዚ እዋን ህዝብና ዓቕሉ ጸቢብዎ፡ ከም ዝወደቀት ገረብ ዘርከበ ምሳር ዘውዕለሉ ኮይኑ፡ ዘገላግሎን ፍትሒ ዘውጽኣሉን ከም ልማዱ ለባማት ጸውዕ ከይብል ምሁራት ጸውዕ ይብል ኣሎ። እሞ’ኸ ምሁራትና ስራሕ ለባማት ወለዲ ይስርሑ’ዶ ኣለው ኢልካ ክሕተት ናይ ግድን እዩ፧ ምሁራት ሽሕ እኮ ፈላጣትን ክኢላታትን እንተኾኑ፡ ብሞራላዊ ተልእኾን ተወፋይነትን ህዝቦም ክመርሑ ይክእሉ ዶ፧ ዓሚቕ ፍልጠት ባህልን ክብረትን ህዝቦም’ከ ኣለዎም’ዶ፧ ዝብል ሕቶ ምልዓል ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ እንረእዮ ዘለና፡ ኩሉ ኣፍ ዝኸፈተ ግርም መቃነዮ፡ እቲ ምንታይ ጉዳይ ህዝቢ ሕምብሊል ከብልዎ ዝውዕሉ ሓያሎ እዮም። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ይኹን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያትን ከምእንዕዘቦ ዘለና፡ ጉዳያት ዝጥምዝዙን ፍልልይ ዘጋፍሑን እንተዘይኮይኖም፡ ውርዙይ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ኣይንርእን። እዝስ እምበር ዶ ለባማት ኣለው ዘብል’ዶ ኣይኮነን። ክንደይ ካብዚኦም ኢና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብጉዳይ ህዝቢ ንሕለቕ ኢና እናበሉ ወግሐ ጸብሐ ዝዛረቡ፡ ብምስተውዓል ዘካፍልዎ ንነዊሕ እዋን ዘካይድ ሓሳብን...more0minPlay
October 03, 202017 - ሃገረ-ከተማ | Urbanism-Alienation | ''ሃገረ ከተማ" ዝብል ቃል ወይ ኣምር ኣብ ኣባሃህላ ህዝብና ኣይተሰምዓን ይከወን፣ ኣንበብትን ተኸታተልትን እዚ መደበና እውን ዝተፈላልየ ሕቶታት ከምዝመጸኩም ፍሉጥ እዩ። ሃገር ምስ ከተማ እንታይ ኣራኺብዎም፣ ኣብ ዝምድናታት ህዝቢ ናይ ሃገርን ከተማን ምንጽጻር ዶ ይከወን ትብሉ ትኮኑ። እዚ ትሕዝቶ መቀጸልታ ናይ ዝሓለፈ ሃገረ-ሰብ ዝብል መደብና እዩ። ኣብ`ዚ ዓምዲ፡ ሃገረ-ሰብ ከምኡ`ውን ሃገረ-ከተማ ኢልና ክንትንትን እንከሎለና ንተኸታተልቲ መደብና ከነነጻጽሮ እንደሊ እቲ ናይ ጥንቲ ቃላትን ኣባሃህላን ወለድና በዚ ናትና ወለዶ ብዝጥዕምን፡ ንተምኩሮናታትና ብዝሳነን ክንተንትኖ ምፈትና ክንሕብር ንፈቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኽእሎታት ሃገር ሰብ ከም ዕዮ ህዝቢ ብዕምቆት ተንቲና ኔርና። ሃገር ዝብል ኣምር ከም ህዝቢ ወይ ደቂ ዓዲ፡ ደቂ ሃገር፣ ብካእ ሸንክ ድማ ሃገር ከም መሬት ወይ ዓዲ ገሊጽናዮ ኒርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ሃገር-ከተማ ኣብዚ ሓዲሽ ክፍለ ዘመን ፊጢርዎ ዘሎ ክውንነትን ክስተታትን ክንፍትሽ ኢና። ሃገረ-ከተማ፡ ከተማ ከም ናይ ህዝቢ መንበረን ዓደን፡ ከመይ ይግለጽ፧ ሃገረ-ከትማ ኣብ ዝምድናታት ህዝቢ ዝህቦ ረብሓን፡ ዘምጾ ጉዳትን ኣሎ ዶ፧ ብምባል ገለ ክንብል ኢና። ሃገረ-ከተማ ቅድሚ ሓደ ቃል ጌርና ምርዳእና ክልቲኦም ቃላት ከይተጸንበሩ እንታይ ርድኢት ይህቡ ኣብ ዝብል ነጥቢ ብመጀመርታ ከነተኩር ንፈቱ። ብዓይኒ ልባና ህዝብና፡ ሃገር ዝብለ ኣምር፡ ከም ህዝብን መሬትን ከምዝግለጽ ሒዝክኩሞ ኣለኩ። ብምስዓብ ከተማ ዝብል ቃል ዘሕደሮ ሰእሊ ምስ እንዕዘብ ብመጀመርታ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና እንተድኣ ሃልዩ ከም እኒ እንደስቱሪ፣ ምዕብልና ጥሕተ ቅርጺ፡ ዓበይቲ ርሻውንትን ብዝሒ ህዝብን ገለ ካብቲ መለለይ ከተማ እዩ። ብተወሳኺ እውን ከተማ ከም ተበሃግን ተመራጽን ናይ ግስጋሴ ምልክት ከይኑ ክዕየየሉን ክነብሮ ንዕዘብ፡፡ እሞ ስነ ልቦና ከተማ ክንየው እቲ ዝህበና ግንዖ መሳለጥያ ገለ ዶ ዘክፍለና ዋጋታት ዶ ኣሎ ኢልና ምስትንታን ኣገዳሲ እዩ። ውጽኢት ኣተሓሳስባ ን ምህዞ ደቂ ሰባት ዝኮኑ ከተማ ዝውንኖም፡ ከም እኒ ምህሮ፡ ሕክምና፡ ስሉጥ መጎዓዝይን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትታን፣ ኢንዳስቱሪ ሰናይ እኳ እንተኳኑ፣ ግን እዞም ተባህግቲ ሰናያት እንዳ ኣስተማቀርና ገለ ኣብ መስርሕ ከተማነት ዝድምሰሱ ወይውን ዝገሃሱ ሰብኣውነት ከይህሉው ምስትብሃል ዘድልዮ እዋናዊ ሕቶ ኮይኑ ንረኽቦ። ስለዚ፡ ሲዒብ ክሕተት ዘልዎ፡ መንባብሮ ወይ መስርሕ ሃገረ ከተማ ንሰብኣዊ ዝምድናታትና ብኸመይ ይጸልዎ፧ ሃገረ-ሰብኣዊ ናብራ ኣብ ከተማታት ክንበር ይካኣል ዶ፧ ዝብሉ ሕቶታት ይመስለና። መቸም ሃገረ-ሰብኣዊ ናብራ ክንብል ከለና፡ ሰብ ዘማእከለ፡ ግርማን ክብርን ሰብ ዝልዕለሉ፡ ሓዳሕድ ምምርኮስን ዕንጋሎትን፡ ኪዳን ን ፈትሕን ኣብ ማንጎ ነብረቲ፡ ተሳታፍነት ቡዝሓት ዝረጋገጸሉ ንምባል ምኮነ ሒዝኩምና ክትኮኑ ንትስፎ። ሃገር ከተማ ክንየው እቶም እንርእዮም ኢንዳስቱርነትን ምዕባሌን፡ ሰብ ምኳን ን ሰብኣውነትና ብዝዓሞቀ ክንላበሰ ዶ ይሕግዛና ኣሎ፧ ወይሲ ፋሕ ጭንግራሕ ኣእትዮ ኣብ ሓድሕዳዊ ምንፍፋግ ምስ ብጻይና፣ ብጸይትና፣ ህዝብና፣ ዕዩና ፣ ...ወዘተ ይሸመና፧ ናብራ ከተማ ኣብ ሃገራና እኮ ብከፊሉ ሃገረ-ሰብኣዊ እዩ ክንብሎ ንደፍር። እንተ ኣብ ዝበዝሓ ናይ ምዕራ ሃገራት ግን፡ ናብራ ሃገረ-ከተማ ዝመንቅሊኡ፡ ናይ ሰብ ምንጻልን ምግላልን ካብ ዝተፈላለይ ማሕበራዊ ዝምድናታት፡ ርኡያ ናይ ኣእምሮ ሽግራት ይርኣዮ እዩ፡ እዚ እዩ ከኣ እቲ ዝዓበይ ስክፍታና። ኣብ ቋንቋ ግእዝ እቲ መቅረብ ከተማ ዝብል ቃል ዝኮነ "ከተመ" ምስ እንምልከት ከወላ ፣ ሐብኣ ፣ ዓጸወ ፣ ዓጽዩ ሓዘ ዝብል ትርጉም ይዋሃቦ። ትርጎም ከተማ ከምዚ ብምኮኑ፡ እሞ ከኣ ንምኮሮ ዘልና ናብራ ከተማ ምስ እነስተብህል፣ ምቅረራቡ ከይገርመናን ከይድንጽወናን ኣየትረፈን። ናብራ ከተማ ሰብኣውነትና ቀንጢጡ ቀባሕባሓ ቀዪሩና ከይህሉ ምስትብሃል ዝሓትት ግድል ናይ እዚ ዘመን እዩ ኢለና ንሕሰ። መንቀሊ ጽሑፍና ሃገረ-ሰብ እንክንብል ናፍቖት ቅድሚ ዘበነ እንዳስቱሪ ሓዲሩና ኣይኮነን፣ ምንም እንኳ ቅድሚ ዘበነ እንዳስቱሪ ዝነበረ ዘበን ናቱ ዝሰተማቅር ግርማን ጽበቀን እንተ ነበሮ ከምኡውን ሃገረ ከተማ ክንብል ጽልኣት ከተማ ኣይኮናን ኣተባቢዑና፡ ከመይሲ ከተማ ዘምጽኦ ሙሳለጥያ ምቾትን ንሰብኣውነትና ብዝያዳ ክንላበሶ ኣዝዮ ሓጋዚ እዩ ኢልና ስለ እንኣምን። ኣብ ምዕራባዊ ክፍላተ ዓለም ምስ እንምልከት ብዛዕባ ምክታምን ተነጽሎን ኣመልኪቶም፡ ብከም እኒ ፌረደሪክ ሄግል ኣብ ዓምዲ ፍልስፍና ከም እውን ካርል ማርክስ ኣብ ዓምዲ ደብራዊ ቁጠባ ከምኡውን ካልኦት ብዙሐት ፊላስፋታት ኣስፊሖም ስክፍታትቶም ጽሒፎም ንረኸቦም። ናብ ጉዳያ ህዝብና ተመሊስና ምስ እንዕዘብ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዙሓት ደቂ ሃገርና ኣብ ሃገርን ሃገራዉነት ኣቶኪሮም ዝነጥፉን ዝምህሩን እኳ እንተሃለዋ፡ ኣነጺርና ክነስተብህለሉ ዘለና እቲ ኣተክሮ ኣብ መህናጽ ን ምድኳንን ''ሃገረ-ስብ'' ድዮ ዋላ ዛዕባ "ሃገረ-ከተማ " ኢልና ክንብርብሮን ክንላዘበሉን ይግባእ። ምስክንያቱ፡ ሃገረ ብመስርሕ ሰነ ልቦና ከተማ ምስ እትህነጽ ሃገረ-ከተማ ኮይና ስለ እትተርፍ።ናብራና ናብራ ሃገረ-ሰብ ክትከውንሲ ሰብኣውነት ነዘውትር ኣብ ዘልና ሃሊና፡ ናብራ ሃገረ-ሰብ ንምረጽ!ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
September 26, 202016 - ሃገረ-ሰብ | People’s Nation |ከም ልማድ፡ "ሃገረ ሰብ" እንክንብል ወይ እንክንሰምዕ፡ ካብ ከተማ ወጻኢ ወይ ብትሕተ ቅርጺ ዘይማዕበለ፡ ወይ ኣብ ናይ ሕርሻ መናባብሮ ዝምርኮስ ሕብረተ-ሰብ ወይ ዓዲ ንምግላጽ ይመስለና። ኣድህቦ ሂብና ድሕሪ ብዙሕ ምስትንታን ግን፡ ሃገርን ሰብን ዘጣምር ቃል ሰፊሕን ዓᎁቕን ትርጉም ከይሃለዎ ኣይተርፍን’ዩ ኢልና። ኣብ ፈለማ ምስትብሃል ድማ ሃገር ናይ ሰብ ዝብል ትርጉም’ውን ቅጂል ይብለና። ካብዚ ብምንቃል ድማ ናብራ “ሰብ ሃገር” ወይ “ሃገር ናይ ሰብ”፡ ብኸመይ ከም ዕዩ ህዝቢ ክንበርን ክትንትንን ይከኣል ኢልና ንሓትት። ኣብ ኣረዳድኣ ሕብረተ-ሰብና ሃገር እንክባሃል፡ ብሓደ ወገኑ ህዝቢ ከስምዕ እንከሎ፡ ብኻልእ ሸነኹ መሬት ወይ ዓዲ’ውን የረድእን የስምዕን እዩ። ምእንት’ዚ ኸኣ ክልተ ኣጠማምታ ሃገር ብዓይነ-ልቦና ህዝብና ፈላሊና ብምልዓል ከነነጽርን ንፈቱ፡፡ ሃገር ከም ህዝቢ፡ ኣብዚ ሃገር ከም ህዝቢ ዘረድእ ኣገላልጻ፡ ክንጸር ወይ ከም ሕቶ ክምለስ ዘለዎ፡ እቶም ሃገር እንብሎም ህዝቢ መን እዮም፧ መቸም ንሓደ ብሕታዊ ሰብ፡ እቶም ናይ መጀመርያ ህዝበይ ወይ ሃገረይ ዝብሎም ሰባት ወለዱን ቤተ-ሰቡን ከምዝኾኑ ኩልና እንሰማማዓሉ’ዩ። ቀጺልና ካብ ቤተ-ሰብን ስድራቤትን ዝሓልፍ ወይ ዝዓቢ ህዝቢ ኣለና ዶ ኢልና ምስ እንሓትት፡ መልሱ ኣብቲ ብጥሪ 1944 (ቅድሚ 75 ዓመታት) ብኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም እተጻሕፈ ዓንቅጽ ንረኽቦ፡ “ሰብ ናይ’ታ እተወልደላ ቤት ጥራይ ኣይኮነን። ሰብ ናይ’ታ ስም ዝሃበቶ ስድራ ቤት ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ንሱ ካብታ ክውለድ እንኮሎ ዝራኣየቶ ቤት ኣዚያ እትዓቢ ካልእ ቤት ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ሃገሩ እያ። ንሱ ካብቶም ብኽንደይ ክንክንን ብኽንደይ ፍቕርን ዘዕበይዎ ወለዱን ኣሕዋቱን፡ ኣዚዮም ዚበዝሑ ካልኦት ወለድን ኣሕዋትን ኣሓትን ከኣ ኣሎዉዎ፡ ንሳቶም ድማ ደቂ ሃገሩ እዮም”። እዚ ካብ’ታ “ሃገር” እትብል ዓንቀጽ ኣቦና ወልደኣብ እተወስደ ጽሑፍ፡ ነቲ ሃገር ናይ ሰብ ኢልና ዘቅረብናዮ መግለጺ ኣስፊሑ ይድርዖ። ምኽንያቱ ኣቦና ወልዳኣብ ኣብቲ ዓንቀጽ፡ “ሃገር ማለት ሰባት እዮም” ኢሎም’ውን ኣስሚሮምሉ ኣለዉ። ሰብ ዘማእከለ ሃገር ከምቲ ብኽንክንን ፍቅርን ዝናብዩ ሰድራ፡ ብሓድሕድ ፍቕርን ክንክክን ዘናብሩ ካብ ስድራና ኣዝዮም ዝዓብዩ “ደቂ ሃገር” ከምእንብሎም ወይ ከምዘለውና ይምህረና። ኣብ ታሪኻዊ ክውንነት ምስ እንውከስ’ውን፡ ቅድሚ ምስፋሕ ዓድታትን ከተማታትን፡ ተቐማጦ ደቂ ሓደ ዓዲ ወይ ቁሸት፡ ኣዝማድ ናይ ስጋ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። እቲ ናቶም ሓድሕድ ፍቕርን ክንክንን ከም ኣሕዋት ድማ ደቂ ሃገረ-ሰብ የብሎም። ምስ ምዕባይ ቁጽሪ ህዝብን ምስፋሕ ዓድታትን ግን፡ ከምኡ ድማ እቲ ሰብ ዘማእከለ ሓድሕድ ፍቕርን ምክንኻንን ዝገልጽ ዝምድናና ናብ ዝሰፈሐ ደረጃ ይድይብ እሞ፡ ህዝበይ እንብሎም ደቂ ሃገርና ይኾኑ። እዚ ድማ ዝምድናና ተኽእሎታት ኣብዚ ከይተዓግተ፡ ናብ ደቂ ኣህጉርና ወይ ብጠቕላላ ህዝቢ ዓልምና’ውን ደቂ ሃገር ከምዝኾኑ የረድእ። ምኽንያቱ ኩልና ኣቢልና ኣቢልና ካብ ኣዳምን ሄዋንን ስለ እንብገስነ። ቁጽሪ ይብዛሕ መሬት ይስፋሕ፡ ደቂ ሃገር ዝባሃሉ ህዝቢ፡ ሓድሕድ ፍቕርን ምክንኻንን ኣለዎም ዶ ኢልካ ምሕታት እቲ መሰረታዊ ነግር ኮይኑ ንረክቦ። ኣብ`ዚ 21 ክፍለዘመን ደቂ ሃገር ምስ እቲ ብሕታዊ ሰብ እንታይ ዓይነት ዝምድና ይሃልዎም፧ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት መን ብዘየገድስ፡ እታ ሉኣላዊት እትብሃል ሃገርና ብኸመይ ሉኣላውነት ሰብ (ነበርቲ ሃገር) ትሕሉ ኣብ ዝብል ነጥቢ ኣጥቢቓ ብምሕታት ን መሰላት ልዕልና ሰብ (ድቂ ሃገር) ምዉሓስን ኣገዳሲ ነጥቢ ኮይኑ ይርኣየና። ብዝኾነ ህዝብና ብሰላም ንመጻኢ ክነብር እንተድኣ ኮይኑ፡ ዝምድናታት ሰብን ሃገርን ዕቱብ ኣድህቦ ተዋሂብዎ ብቑዕ መልሲ ክርከበሉ ዘለዎ ሕቶ ኮይኑ ይረኣየና። ሃገር ከም መሬት (ዓዲ) ሃገር ከም መሬት ምስ እንርድኦ፡ ዝምድና ሰብ ምስ መሬት ከም ዕዩ ህዝቢ ከመይ ይመስል፧ ህዝብና ምስ'ቲመጽለሊኡ ዝሰርሓሉ፡ ዛልዩ ዝከናኸኖ፡ ሸንሺኑ ዝካፈሎ፡ ሓሪሱን ሚሒሱን መግቡን መግቢ እንስሳታቱን ዘዳልወሉ መሬት ዓቢ ምትእስሳር እዩ ዘለዎ። ሰብ ብዘይ ተፈጥራዊ ትሕዝቶም መሬት ክናበር ከምዘይክእል’ውን ናብራ ሓረስታይ ሃገርና ይምህረና እዩ። ስለዚ መሬትን ጸጋታታን ነቲ ግርማዊ ሰብ ናይዛ ዓለም ናብርኡ ከማልኡን ከማዕርጉን ዝተፈጥሩ እዮም። ብተወሳኺ ከም’ቲ ወለድና ቆልዑት ምስ ተባኣሱ፡ "ሓመዶም ወይ ጎልጎሎም ይዕረቆም" ዝብልዎ፡ ሓመድ ወይ ጎልጎል መውዓል ኩሉ፡ መሬት መተዓረቒ፡ ሰላም መምጽኢ'ውን ይውሰድን ይንበርን። እሞ፡ ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ፡ ዳሓን ዝኾነ ርድኢት ሃገረ-ሰብ ብዓይነ ልቦና ወለድና ሒዝና ክንከውን ንተስፎ። ኣስዒብና ናብቲ ነዚ ጽሑፍ ዘንቀለ ሕቶና ምስ እንምለስ፡ ዝምድና “ሃገር” ን “ሰብ”ን ኣብዚ እዋን ከምይ ኣሎ ኢልና ንሓትት። ኣብዚ እዋን ሃገራት ዶባተን ሃሊወን፡ "ሃገረ መንግስታት" ካብ ዝበቕዓ ሓያለ ዓመታት ኣቅጺሩ ኣሎ። ዝምዳና ሃገርን ሰባትን’ውን ብ "ሃገራዉነት" ይግለጽ ኣሎ። ኣስዒብና ሃገራውነት እንታይ እዩ ኢልና ከነስተንተን ንግደድ። ሃገር ኣላትኒ፡ ኣላትና ክንብል እንኮለና እንታይ ማለትና ይኽዉን፧ እታ ናይ ሰብ ሃገር ብ “ሃገረ-ሰብ” እንረኽባ፡ ኣብዚ ሃገራውነት ብኸመይ ትንጸባረቅ፧ ኣብ ርድኢት ናይ ሃገረ-ሰብ ተሞርኪስና፡ ሃገራውነት ዜጋታት፡ ኣብ ሰብኣውነት ዝመሰረታ ሃገር፡ ከነባብሩላን ብሓድሕዳዊ ፍቕሪ ዝነብርዋን ክንብሎ ንኽእል። እቶም ሰባት ከኣ ሃገራውያን ንብሎም። እንተኾነ ኣብዚ እዋን ሃገራውነት፡ ተኣማንነት ንዘሎ ስርዓት ዝመስሎ ሓያለ ኣሕዋት ኣለዉ፡ ንሕና’ውን ኣይፋልኩምን ንብሎም። ከምቲ ዶር ርእሶም ሃይለ ዝበሎ፡ “እቲ ዝመጽእ ወለዶ መጺኡ'ሎ ተንስኡ ብዓጀባ ንቀበሎ!” ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ርሕራሔ ዝመሰረቱ፡ ዓጀባን ምቅብባልን ደቂ ሃገር ኣይንርእን፡ እንታይ ዳ ኣሸሓት መንእሰያትና ዓሰርተተት ዓድታት ክመልኡን ከነባብሩን ዝግቦኦም፡ ንሃገሮም ገዲፎም ይስደዱ ኣለዉ። ኣብዚ’ዚ ሎሚ ዘመን መሬት ዘይብሉ ሰብ፡ ዉሕስነትን ክብረትን ንኽረክብ ኣይጽገምን፡ ብኣንጻሩ መሬት ሃልዩና ሰብኣዊ ክብረትን ዉሕስነት ስኢና ኣብ ፈቖዶ ሃገራት ሰብኣዉነትና ዘዉሕሳ ኣብ ምድላይ ንርከብ። ስለ’ዚ ኣብ መወዳእታ፡ ተስፋ ንገብር ባህግን ምንዪትን ህዝብና ዛንታ ናብራ ሃገረ ሰብ ኮይኑ፡ ልዕልዕና ሰብ እተኽብር ልዕልቲ ዝኾነት ሃገር ክሃንጽ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
FAQs about ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት:How many episodes does ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት have?The podcast currently has 58 episodes available.