Sign up to save your podcastsEmail addressPasswordRegisterOrContinue with GoogleAlready have an account? Log in here.
Kursi Bun (Snack of a coffee ceremony) is a reflective reading weekly podcast program created based on the Geez liturgy platform.We present short articles on a specific topic and share our reflectio... more
FAQs about ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት:How many episodes does ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት have?The podcast currently has 58 episodes available.
July 11, 202006 - ዉልቃውነት | Hyper-individualism |ዉልቃዊነት" ዝብል ቃል ምስ "ብሕታውነት" ዝብል ቃል ፍልልያቶምን ትርጉሞምን ከየነጸርና፣ ዕምቆት ርድኢት ብዝጎድሎ ብኸም ኣፍና ብዘፍቀዶ እናበራረና እንጥቀመሎም ዝውቱራት ቃላት እዮም። ሕመረት ሕብረተሰብ እነቁመሎም ክልተ ኣዝዮም ኣገደስቲ ቃላት ስለ ዝኮኑ፣ ፍልልያቶምን ኣተረጓጉምኦም ምንጻር ኣገዳሲ ኮይኑ ነጥቢ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ትርጉምን ታሪኽን እዞም ክልተ ቃላት ምስ እነስተብህል ንጹር ፍልልይ ከም ዘለዎም ንዕዘብ። ኣብ ናይ ሎሚ መደብና እምበኣር ፡ ኣብ ውልቂ ወይ ውልቃዊ ዝብል ቃል ተሞርኪስና፡ ዕዮ ህዝቢና ኣብ "ዉልቃዊነት" ከመይ ይመስል ብዝብል ጦብላሕታና ከነካፍለኩም ኢና። ብመጀመርታ ናብቲ "ወለቀ" ዝብል ቃል መሰረት ናይ ዉልቃዊነት ምስ እንምልከት ምንጩ ግእዝ ኮይኑ፣ መዝገብ ቃላት ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ "ወለቕ" ማለት "ሞለቀ" ፣ "ሰቶኸ" ፣ "ወደቐ" ተባሂሉ ተተርጒሙ ንረኽቦ። ዉልቃዊነት ከም ዕዮ ህዝቢ ምስ እንዕዘቦ ከም`ቲ ምንጪ ቃሉ ዝሕብሮ ብዛዕባ ምሙላቕ ፣ ምስቷኽ ፣ ምዉዳቕ ናይ ሰባት ወይ ነገራት የመልክት። ኢድና ወይ`ውን እግርና ምስ ዝሞልቅ ምስ እንምናህ ሰብነትና ይወድቕ እሞ ንቕንዞ። ከምኡ`ውን ንሕና ደቂ ሰባት ኣነ ንዉልቀይ እየ ኢልና ካብ`ቲ ተመሊስና ሓገዝ እንሓቶ ሕብረተሰብ ምስ አንሶቱኽ ህዝብና ንጎድእ ፣ ከም ሳዕቤኑ ሕብረተሰብና ይምናህ፡ ንሕና እቶም ሞለቅቲ ወይውን ውልቃውያን ሰባት ከኣ ከም ሳዕቤኑ ንቕንዞ ንህስን ፡፡ ኣብ`ዚ ሓዲሽ ዘበን፣ ሓዲሽ ደርፊ ዉልቃዊነት ተቃኒኻ ካብ ጉዳይ ሕብረተሰብ ምሙላቕ ከም ልቦና ተራእዩ ብዙሕ ሰዓብቲ ረኺቡ ንረኽቦ። ንምዃኑ ብልቦና ዉልቃዊነት ዝቖመ ሰናይ ፍረ ኣሎ ድዩ ፧ ወይውን ብዓቢኡ ብእኩባት ወልቀ ሰባት ሕብረተሰብ ክቀውም ይከኣል ድዩ ፧ ኢልና ክንሓትት ን ከነስተንትን እዋኑ ዝጠልቦም ሕቶታት ኮይኖም ንረኽቦም። ኣብ ዝቅጽል ሰሙን ''ብሕታውነት'' ዝብል መደብ ሒዝና ክንዘራረብ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ እንዳሓበርና ንሎሚ እዞም ዝስዕቡ ሰለሰተ ፍልልያት ኣብ ሞንጎ "ዉልቃዉነትን" "ብሕታዉነትን" ከነነጽር ንፈቱ። 1. ዉልቃዉነት ብዛዕባ ካብ ክልተ ፣ ሰለስተ፣ ኣማኢት ፣ ኣሽሓት ማለት ካብ ሕብረተሰብ ምሙላቕ ፣ ምስቶክ ክኸውን እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ብሕታውነት እቶም ክልተ ፣ ሰለስተ ፣ ወዘተ ... እናተመላልኡ ፣ እና ቀጸሉ ኣካልን ምሉእን ሕብረተሰብ የቑሙ።2. ዉልቃውነት ኣገልጋሊ ዉልቁ ወይ`ውን ዉልቃ እንክኾኑ ፣ ብሕታውነት ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተሰብ ክትጽመድ ይጽዋዕ። ከም መልሲ እዚ ከኣ ሕብረተሰብ ንኣገልግሎት እቲ ብሕታዊ ይዉዕሉ።3. ውልቃውያን ክንዮ ኣፍንጫኦም ክርእዮ ኣይከኣሎምን ብኣንጻሩ እቶም መቀረትን ጣዕምን ምብሓት ዘስተማቂሩ ብሕታውያን ኣሰፊሖም ናይ ምርኣይ ይከኣሎም፡፡ ብምቅጻል ብዝያዳ ትርጉም ዉልቃዊነት ንምርድእ ምስላታ ሕብረተሰብና ምፍታሽ ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ። እቲ መሲልካ እንታይ ኣምጺካ ዝብል ዘርባ ወለድና ክንጥቀምሉ፡ ኣብ ግዓት ምርኩስ ብምግባር ዝተመሰላ ሰለስተ ምስላታት ከም ኣብነታት ተጠቒምና እዚ ዝስዕብ ትንታኔና ኣብ ጉዳድ ውልቃውነት ትዕዝብትር ነካፍለኩም ። ቀዳመይቲ ምስላ - "ክልተ ዓያሹ ግዓት ይኮላለሱ": ግርማን ሰፈርን ናይቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ ብሕታዊ ሰብ ኣብ ሕብረተሰብ እትህብ ኣበሃህላ ኾይና ፣ ክልተ ዓያሹ ከይንኸውን እም እታ ሓንቲ ዝኣፍና ግዓት ክንኮላለሰላ ምጥሓስ እቲ መሰረታዊ ፍልልይ ሰብን ሕብረተሰብ ከይንፍጽም እተመሰላት ለባም ምስላ ወለድና ኮይና ንረኽባ።በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ናይ ህዝብኻ ግዓት ኢድካ ምስዳድ ናይ ግዲ እዩ ንብል። ብምስዓብ ኣብቲ ናይ ህዝበይ ግዓት ኢደይ ሰዲደ ዘይሳተፍ፡ ብዕሽነት ብጻየይ ፣ ብጸይተይ ፣ ክኮሉሱኒ ዝብል ኣእምሮ ብጥምየት እትልሓግ ሂወት ከይትህልወና ምሕታት ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ። ብተወስኪ እዛ ምስላ ዋንነት ኣልቦ ፣ ሓድሕዳዊ ኣረካካስ ዝመሰረቱ ኣጸያፊ ወይ`ዉን ነውሪ ኣመል ናይ ዓይሹ ከምዝኾነ ተተንብህ። ካልአይቲ ምስላ - "ግዓት ሲ ኣለኹ ኢላ ተተንፍስ"፡ ከም እኒፈልጦ ምትንፋስ ምልክት ሂወት እዩ።ኣብዛ ምስላ ጋዓት ምትንፋሳ፡ እሞ ከኣ ጋዓት ኣብ ምሽላቖ ሓውሲ ኣለኹ ፣ ሂወት ኣለኒ ዝዓይነቱ ምትንፋስ ዝመስል ቦሎኽሎኽ ምስ እንርኢ ምስቲ ጕዳይ ሰነ ሓሳባት ውልቃውነት ካብ ሕብረት ብምብታኽ ሂወት ኣለኒ ኢልካ ክንበር ዝፍተን ሂወት ውልቃዊ ፣ ዉልቃዊት እዪ ኢልና ንሓስብ። ካብ ሂወት ህዝበይ ፣ ሕብረተሰበይ እንብሎ ተባቲኽና ወይ`ውን ካልእ መተካእትኡ ሕብረተሰብ ወይ`ውን ህዝቢ ከይረኸብና ዝትንፈስ ሂወት ይህልወና ዶ ኢልና እውን ንሓትት ፡፡ ሳልሰይቲ ምስላ "ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት"፡ እዛ ምስላ ብዙሕ ግዜ ኣብዚ እዋን ኣዕናዊት ትርጎም ይዋሃባ እዩ። እቲ ማዓት፡ ማህሰይቲ ብብሕትካ ጥራይ ኣይኹን እምበር ምስ ብዙሓት ሲ ደሓን እዩ ዝዓይነቱ ተስምዕ።ብካልእ ሸነኹ እዛ ምስላ ግን፣ ዝወረደ ማዓት ወይ ማህሰይቲ ምስ ህዝብካ ናብ ጋዓት ክስጋገር ይከኣል እዩ ፣ በይንኻ ኣይኾንካን ፣ በይንኺ ኣይኮንክን ፣ ኣጆኺ ዝሐፍተይ ፣ ኣጆኻ ዝሓወይ ምሳኻ ኣሎና ፣ ኣብ ጐድንኺ ኣለና ብዝብል ናይ ተስፋ መልእኽቲ ዘበስር መንፈስ ጉርብትና ብዘመልክት ክንርድኣን ክንትርጉማት መሪጽና ኣሎና። ከመይ`ሲ ምስ ህዝብና ኮይና ዘይንፈትሖ መዓት የለን ዝዓይነቱ እምነት ስለ ዘሎና።ብሓጺሩ እዛ "ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ግዓት" እትብል ምስላ ምስ`ቲ ዓሚቚ ልቦና ዘለዋ ኣፍሪቃዊ ስነ ሓሳባት ኡብንቱ (Ubuntu) ማለት ''ምኽንያት ኣነ ወይውን ኣንነተይ ካብቲ ንሕና እንብሎ እዩ" ዝብል ቢሂል እትቃዶ ኮይና ረኺብናያ ፡ ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ክንሓቶ ዝግቦኣና ሕቶ እምባኣር፡ ዉሉደይ ፣ ኣካለይ ዝብለና ሕብረሰብ ንሕና ድማ ናተይ እንብሎ ሰባት ከማና ዘሐበርዎ ሕብረት ናይ ሰባት ኣሎ ዲዩ፧ በዚ ከኣ ሓበራዊ ን ብሕታውነት ዋንነት ኣብ ሓደ እዋን ዘማልእ ግን ከኣ ኣብ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ፣ ጉርብትና ወይ`ውን ተማራዃስነት ዝሰስን ሕብረት ናይ ሰባት ዶ ፧ ወይሲ እቲ ዘሎና ሲ ብዝተፈላለዮ ምኽንያታት ካብ ሕብረት ናይ ሰባት ሞሊቖም ዝተኣካከብ እኩበ ወልቀ ሰባት ፧ ኢልካ ምሕታት አገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ። ጕዕዞ ናይ ውልቂ ቃንዙኡ ዓሚቁን ዘይሓዊን እዩ እሞ ሕድርና ዳግማይ ግምት ንግበረሉ ብምባል ንሎሚ ንፋነወኹም ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
July 04, 202005 - ዓለም | World |ንሓንቲ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ወላዲት፡ ብኹነታት መነባብሮ እዛ ዓለም እህህ ኣብ ዝብላሉ ዝነበራ እዋን፡ ሓደ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዘሎ ሓው፡ "ዓለም ትሽዓተ ዘይትመልእ ዓሰርተ" ክብል ናይ መጸናንዒ ቃል ኢሉ ዝሓሰባ ምስላ ኣዉከኣለን። ምስላ ሓዉ ዘይተዎሕጠለን ወላዲት ፣ ኣንታ ወደይ ዓለም ሲ ዓሰርተ ኣይኮነን ኣሻሓት እኳ ትመልእ ፣ እንተኾነ እቲ ሕቶ’ሲ ፡ ኣየነይቲ ዓለም እያ ዘይትመልእ ግዳ ዘይትብል ብምባል እህህተአንን ምስቁርቋርን ቀጸሎኦ ደኣ። መልሲ ወላዲት ዝደንጸዎ ሓው ብዙሕን ዉሑድን ከይተዛረበ ፣ እንታይ ማለትክን’ዩ ኣደ ብምባል ሓዉሲ ምግራምን ርሕራሔ ዘለዎ ኣጠማምታን ኣሰኒዩ ንዝያዳ መብርሂ ይሓተን እሞ… ወላዲት ፣ ሓቅኻ ኣለኻ ኣይተጋገኻን ዝወደይ። ካብ ባዶ ክሳብ ትሽዓተ፡ ዓሰርተ መሊአን ኣይፈልጣን ፣ ኮይኑ ግን፡ እዘን ቁጽርታት በብዉልቀን ክቖማ ምሰ ዝፍትና እየን ዓሰርተ ዘይመልኣ እምበር እንተ ተሳንየንሲ ብዙሕ ተኣምራት እየን ዝገብራ። ስለዚ ድማ ዓለም ናይቶም "ኣነ ን ዉልቀይ" በሃልቲ እያ ዘይትመልእን ቆራሪትን እምበር፡ ናይ`ቶም ክንዮ ዉልቃውነት ሰጊሮም ተሳንዮም ክነብሩ ዝመረጹ ዓለም’ሲ ኣቤት እወ ክንደይ እኳ ዘይትመልእ! ምልኣት ምስ ትርፉ እኳ ደኣ ኢለን ንሓው መለሳሉ ንብለኩም። እዛ ምስላ ኩልና ንጥቀመላ ኢና ክንብል እኳ እንተዘይደፈርና፡ ኩሉናስ ሰሚዕናያ ንኸዉን ኢና። የግዳስ ከምዘን ኣዴና ዘነጸረኦ፡ ኣየነይቲ ዓለም እያ መሊኣ ዘይትመልእ ኢልና ንሓትት’ዶ። እዋእ፡ ክንደይ ዓለማት ዲየን ዘለዋና ንዝብል ሕቶ፡ ቡዙሓት ክኾና ይኽእላ ኢየን፣ ንሕና ድማ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቡዙሓት ዓለማት ክነብር ንኽል ኢና። ንኣብነት፣ ናይ ፍቅሪ ዓለም፡ ናይ ፖለቲካ ዓለም፣ ናይ ንግዲ ዓለም፣ ናይ መስተ ዓለም፡ ናይ ተዋሶኦ ዓለም. . . ወዘተ፡ እዘን ኣዴና ዝዛረባሉ ዘለዋ ግን፡ ናይ ማሕበራዊ ዓለምን እቲ ኣንጻሩ ዝኾነ ውልቃዊ ዓለምን እዩ። እዘን ዲሒረን ዝተጠቕሳ ተጻረርቲ ዓለማት መሰረት ናይ ካልኦት ዓለማት እየን ኢልና ንሓስብ። ኣብዛ እንነብረላ ‘’መሬት’’፡ ነፍሲወከፍና ናትና እንብሎ ዓለማት ክህልወና ናይ ግደን’ዩ፣ ከባቢና ዓለምና’ዩ። ስድራቤት ናይ ኩልና ናይ መጀመርያ ዓለምና እያ፡ ወለድናን ኣሕዋትናን ከኣ እቶም ኣብ ልዕሌና ዓቢ ጽልዋ ክገብሩ ዝኽእሉ ቀዳሞት ሰባት’ዮም፡ ከምኡ ውን ንሕና ንስድራና። ከምዚ እንዳበለ ዓለምና ናብ ጎሮቤትና፡ ዓርኪ መሓዛ፡ ቤተሰብን ሕብረትሰብን ይሰፍሕን ይዓብን፣ ሕጂ ኸኣ’ሞ ኣብ’ዚ ዘበነ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለምና ኣዝዩ ሪሒቡ ኣሎ። ብሓጺሩ፡ ዓለምና ክንብል ከለና፡ ምስ ከባቢና እንዋሰኣሉን፡ ብባህርን ኣተሓሳስባን ንጻላለወሉን እንጽለወሉን መርበብ ምትእኽኻብ’ዩ። እሞ ኣበየነይቲ ዓለም ኢና ዘለና፧ ዓለም ትሽዓት፡ ከም ናይ ውልቂ ዓለም ተመሲላ ዘላ፡ መሊኣ ዘይትመልእ ምዃና ነስተብህል ዶ፧ ከም’ተን ቁጽርታት ነንዉልቀን ዓሰርተ ክመልኣ ዘይከኣላ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ክኣ በብውልቅና እቲ ደረት ዘይብሉ ድሌታትናን ባህግታትናን ክማላእ ኣይክእል እዩ። ከምተን ቁጽርታት እንተ ሓቢረን ወይ ተደሚረንን ረቢሐንን ኣሹንኳይ’ዶ ዓሰርተ፡ ሚልዮናት ክኾና ዝኽእላ፡ ሕብረት ኣብ ደቂ ሰባት ድማ ቡዙሕ ሽግራትን ጾርን ከምዘቃልል ይርደኣና። ንሕና ደቂ ሰባት ንማሕበራዊ ዓለም ዝተፈጠርና ኢና። መሰረት ማሕበራዊት ዓለም ድማ ኣብ ምምልላእን ምድግጋፍን’ዩ። በዚ ኸኣ’ዩ መስለኒ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ፍላስፋታት ናይ ግሪኽ ኣርስቶትል ከምዚ ኽብል ዝተዛረበ ፣ “ሰብ ብተፈጥሩኡ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ፣ ሓደ ውልቀሰብ ብተፈጥርኡ ዘይማሕበርዊ እንተኾይኑ፡ ወይ ድማ ካብ ሰባት ከይተጸበኹ ኩሉ ነገራተ ባዕለይ የማልኦ’የ ዝብል እንተኾይኑ፡ ወይ ካብ ናይ ሰባት ምልኣት ንታሕቲ ከም ኣራዊት እዩ ወይ ድማ ልዕሊ ሰባት ከም ኣምላኽዩ”። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ማሕበራዊ ናብራ ዝነብሩ ሰባት፡ ዓለሞም ምልእቲ እያ እኳ እንተዘይበልና፡ ዝጎድሎም ማሕበራውን፡ ኣእምሮኣዉን ወይ’ውን ቁጠባውን ጸጋታት፡ ካብ ከባቢኦም ከማልእዎ ከምዝኽእሉ አጸቢቆም ዝርድኡ ሕብረተሰብ እዮም ኢልና ንሓስብ። ይርዱኡ ጥራይ ዘይኮነ ድማ፡ ንኸምኡ ዘኽእል ወግዕን ስርዓትን’ውን ኣለዎም። ኣፍሪቃውያን ከምዝምስልዎ “ዓዲ ሓቢራ ቖልዓ ተዐቢ’ያ”። ክንደይ ካባና ኢና’ሞ ኣብ ኣንዳ ጎሮቤት ዘይዋዓልና ዘይሓደርና፡ ብጎሮባብቲ ዘይተቀጻዕናን ዓገብ ዘይተባሃልናን፧ ንእሽቶ ይኹኑ ዓበይቲ ውራያት ብ ኢደይ ኢድካ እውን ክሓልፍ ሪኢና ኣለና። ኣዴታትና’ውን እንጌራን ሓውን ካብ ጎሮቤት እንዳ ተለቃሓን እንዳተማላላኣን ይነብራ ኣለዋ። ዓበይቲ ውሳነታትን ምኽርታትን’ውን ለባማትን ኣዴታትን ኣቦታትን ከየካፈላካ ኣይውሰንን። ስለዚ፡ ኣብዚ 21 ክፈለ ዘመን፡ ብኸመይ ማሕበራዊ ናብራ ክንነብር ንኽእል፧ ንነብረሉ ዓለም ክንመርጽ ንኽእል ዶ፧ ወይ’ውን ንዘለናዮ ዓለም ክንቅይሮ ምፈተና ዶ፧ ዓለማትና ንምምለአንከ እንታይ’ዩ ኣርበርኩቶና፧ እንተ ሓመቕና ነቲ ዝዓበናሉን እንፈልጦን ማሕበራዊ ኣነባብራ ኣብቲ ዘለናዮ ከባቢ ከንስርጾ ንጽዕር ዶ፧ ብዝብሉ ሕቶታት ንፋነወኩም።ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
June 27, 202004 - ሰብ | Humanity |ሰብ ኢልና ሰብ_ኣይ ንብል ፣ ከምኡ`ውን ሰብ ኢልና ሰበ_ይቲ ንብል ። ጀመርቲ ቃላት ክልቲኡ ጾታታት ሰብ ዝብል ቃል ምዃኑ ነስተብህል። ቅዱሳን መጻሓፍቲ ከመዘዘንትውዎ፡ መጀመርታ ዝተፈጥረ ሰብ እዩ፡ ብድሕሪኡ ተባዕታይን ኣንስታይን ጌሩ ፈጥሮም ድማ ይብሉ። ንወለዶታት ዝቐጸለ፡ ኣዳም እዪ መጀመርታ ተፈጢሩ ዝብል ኣረዳድኣ ውን ኣሎ። እቲ ሕቶ ግን መን መጀመርታ መጺኡ መን ካልኣይ ሲዒቡ ዘይኮነስ ንሕና ደቂ ሰብ ካብ ኣየናይ መንነትና ንጅምር ወይ ንብገስ እዪ እቲ ዋና ነገር ። ካብ ሰብ ምዃና ዶ ወይስ ካብ ፍልልያት ጾታና ፧ ግዝያት እውን ኣሎ ፡ ጸሊም'የ ፣ ኣፍሪቃዊ'የ ፣ ኤርትራዊ'የ ፣ ወዲ ዓዲ‘የ ፣ ስደተኛ'የ ... ወዘተ እናበልና ኣብ ጸቢብ ስነ ሓሳባት ዘበገሶም መንነታት ኣቲና ዓቕልና ክጸበና ይርኤ ፣ ከም ሳዕቤኑ’ዉን ኣብ ህልም ዝበለ ውግእን ፣ ሕንፍሽፍሽን ኣቲና ኣብ ጥፍኣት ንጽመድ። ምናልባት’ዶ ሰብ ምዃና ብመጀመርታ እንተ ንቕበሎ ቀጺልና ካልኦት መንነታት ብካልኣይ ፡ ሳልሳይ ደረጃ…ወዘተ እንተ ንለብሶም ቁሩብ ትንፋስ ምረኸብና ፧ ነዊሕ ዓመታት ይገብር ህቡብ ድምጻዊ ኣቦና ተወልደ ረዳ ኣብታ "ሰብ ሙኻነ" እትብል ደርፉ - "ሰብ ምዃነይ ሰብ ምዃነይኣብ ዓለም ክነብርምኽኣሉ ምስኣነ" ኢሉ ኣዝይሙ ኔሩ ። ኣየይ! ንሕና ደቂ ሰባት ካን ሰብ ምዃን ከቢዱና ፧ እንታይ'ሞ ይበሃል ኮይኑ; ደቂ ሰባት መንነት ኣብዚሕና ፣ ትርጉም ዝህብ ኣሰራርዓ መንነት እውን ጠፊኡና ። ሰብ ምዃን ክንዮ ምስትንፋስን፡ ምዝዋርን ምዝማድን ፡ ብልዕን መስተን ከመዝኾነ መብዛሕትና ንሰማማዕ ይመስለና፡ ገለ ገለ ግን ካብ ምስትንፍስን ምብላዕን ምስታይን ንላዕሊ እንታይ ትርጉም ከይህልዎ ዚብሉ ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ሰብ ምዃን ብዝተፈላለዩ መለኪዒታትን መግለጺታትን ክትንተን ይክኣል፡ ዝተፈላለየ ኣረኣእያን ርድኢትን ዘለዎም ወልቀ ሰባትን ሕብረተ-ሰባትን እውን ነናቶም መግለጺታት ኣብ ብዙሕ ሸነኻት ይሰማሙዕ ይኾኑ፡ ተጻራሪ መልእኽትታት እውን ክህልዎም ይኽእል። ኣብ ሕብረተ-ሰብና "ሰብ ምሰል" ወይ ውን "ከም ሰብ ኩን" ዝብሉ ሓረጋት ዝውቱራት ኣበሃህላታት እዩም። ከምኡ እውን "ናይ ሰብ ዘይብሉ" ወይ "ዘይሰብ" ዝብል ኣገላልጻ ኣሎ። ወለድና እንታይ ማለቶም ኮን ይኾኑ፡ እንታይ ማለትኩም ኢኹም ኢልና ዝሓተትናን ዘጣለልናን ክንደይ ብዙሓት ከይንኸወን፡ የግዳስ ሰብ ምዃን እንታይ ከምዝመስል ኣዳዕዲዖም ከምዝፈልጡ የውከኣልካ። ግዜ ጠሊሉ ክሳብ ብርግጽ መልሲ ንረኽበሉ፡ ገለ ካብቲ ዚህበኩም ትርጉም መብዛሕትና እውን ንሰማማዓሉ ንኣብነት፡ ሰብ ኩን ከብሉ ከለው · ከምቲ ስርዓትን ወግዕን ዝእዝዞ ኣደብ ግበር ስርዓት ይውሕደካ/ኪ ኣሎ ንምባል እዪ፡· ግቡእካ ኣማልእ እውን የስምዕ ካባኻ ዝሕተት ምስ ዘይትግበር፡· ትሓምቕ ኣለኻ እሞ ኣይትስነፍ· ከም ሰብ ሕሰብን ኣገናዝብን ክንጠቅስ ንኽእል። ብሕጽር ዝበለ እቲ ሕብረተ-ሰብ ንሓደ ሰብ ዝህቦ ትርጉምን መለለይ ረቛሒታትን ብግቡእ ዘማለአ ዓቢ ሰብ’ውን ይበሃል’ዩ፡ ብኣንጽሩ ሓደ ዘይስነምግባራውን ተተናዃልን ካኣ “ዘይሰብ” ወይ ካብ ሰብ ዘብሎ ደረጃ ይወርድ። እቲ ብሉጽነት ናይዚ ዓይነት ኣጠማምታን ኣበሃህላን፡ እቲ “ሰብ” ዘብለና ተግባራትን ጠባያትን እቲ ዝረአን ዝዕየርን ምዃኑ እዩ፡ በዚ መንጽር ከኣ እንታይነት ናይ ሰባት ኣብ ሕብረተ-ሰብ ይትንተን። ብኻልእ መዳይ ውሑድ ደኣ ይኹን እምበር፡ ከም ኣብ መብዛሕትኡ ሕብረተ-ሰባት፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና እውን ጎሲካ ክሕለፍ ዘይግብኦ፡ ግን ክእረምን ወጊድ ክበሃል ዝግብኦ ኣዘራርባን ኣካይዳን ኣሎ። ንኣብነት ንደቂ ኣንስትዮ ዘነኣእስ ቢሂላት “ንብዕራይ ኣብ መልሲ፡ ንሰበይቲ ኣብ ሳልስቲ ጠብ ውይ ምህራም ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ፣ ካልኣይ ኣብነት ንምጥቃስ ገለ ሰባት ወገኑን ዓሌቱን ደስ ዘየበሎም ወይ ንሓደ ሰብ ከነኣእሱ ከለዉ “ሰብ ጸውዑለይ እንተበልኩዋስ ብዓል በለስ” እንዳ ተባህለ ይግለጽ። እዚ ልምዲ ኣዘራርባ ካብ ሰንኮፍ ኣተሓሳስባ እዩ ዝንቅል፡፡ ተግባራትን ባህርን ናይ ሰባት ዘይኮነ፡ ኣቀዲሙ ዝዕይሮም ጾታ፣ ወገን ወይ ዓሌት ናይ ሰባት እዮም፣ ንዝምድናን ግስገሳን ዓንቃፊ ኮይኑ እውን ኣብ ብዙሕ እዋናት ንረኽቦ። ነዚ ልምዲ እዚ ብዝተኻእለ መጠን ያዕ ናይ ምባል ተሪር ድምጺ ከነስምዕ ይግባእ። ሰብ ካብ ካልኦት ፍጡራት ፍልይ ከብሎ ዝኽእል፡ ናይ ምሕሳብን ምግንዛብን ተውህቦ ሰለ ዘለዎ እዩ። ስለዚ ካኣ ሓበሬታ ምእካብን ምኽዛንን ቀንዲ ባህርያትና እዩ። ነቲ መወዳእታ ዘይርከቦ ሓበሬታ፡ ብክፋላት ወይ ቀጸላታት መቓቒልካ (categorization) ምርዳእን ምኽዛንን ንስርዓተ ኣተሓሳስባና ሓጋዚ እዩ። እዚ ኣካይዳ ሰፊሕን ዝውቱርን ዝኾነ ናይ ወዲ ሰብ ባህሪ እዩ። ቀይሕ ካብ ጸሊምን ጻዕዳን፡ ኣወዳት ካብ ኣዋልድ፡ ኣፍሪቃዊን ካብ ኣመሪካውያንን ኤሮጳውያንን፡ ትግረ ካብ ትግርኛ፡ ንኣካላትና እውን ዓይኒ፡ እዝኒ፣ መሓውርን ወዘተን እንደ ከፋፈልና ሓበሬታ ንእክብን ንርድኦምን፡ እዚ ከኣ ልሙድን ዝቐለለን ኾይኑ ንረኽቦ። ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ከም ዘረጋገጾ ግን፣ ምስ ከፋፊላክ ሓበሬታ ምኽዛን (categorisation) ዝዓቢ ኣሉታዊ ሸነኻት ኣሎ፡ ብፍላይ ካኣ ኣብ ማሕበራዊ ዝምድናታት ንዝግበር ምክፍፋላት። እቲ ቀዳማይ ኣሉታዊ ሸነኹ ኣብ መንጎ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘሎ ፍልልያት ኣጋኒንካ ናይ ምቕራብ ኣመል እዩ። በቲ ካልእ ሸነኹ ካኣ ንኣባላት ሓደ ወገን ከም ፍልልያት ዘይብሎም ወይ ብብዙሕ ሸነኻቶም ተመሳሰልቲ ጌርካ ምቕራብ እዩ። እዚ መሰረት ናይቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ኣብ ወገናውነት ዝተምርኮሰ ኣካይዳ ዝኹስኩስ ዝንባለ እዩ። “ንሕና” ካብ ‘’ንሳቶም” ንፈልጥ፡ ንሓይሽ፡ ወይ ንበልጽ ናብ ዝብል መርትዖ እውን ይወስደና፡ በዚ ኣቢሉ ከኣ ምጽራርን ተጻይነትን ኣብ ሞንጎ ጉጂለታት ይዓብን፡ ንሓደጋ ይመርሕን። እዚ ኣብ ናይ ጉጅለታት (ብሄር፣ ጾታ፡ ሃይማኖት፡ ሃገር ወይ ሕብሪ) ናይ ሓባር ረቛሒታት ተመርኲስካ ዝወሃብን ዝውርስን መግለጺ ዝምድና ወይ መንነት፡ እቲ ዝዓበየ ኣበሩ ኣብ ሓደ ጉጅለ ዘለዉ ውልቀ ሰባት ናይ ባህሪ ፍልልያቶም ኣብ ግምት ከየእተወ፡ ንጉጀለኻን ወገንካን ብጡርኑፍ ካብ ካልኦት ጉጅለታት ኣብሊጽካ ንኸተንብሮምን ክትሓስብን ዝግበር ፈለላዪ ልምድታቱ እዩ። እዚ ካኣ ወገንነት ዘማእከለ (egocentric) ኣከይዳ ይባሃል፣ ነቲ ሓደ ዘልዕል ነቲ ካልእ ዘነኣእስ ኣጠማምታ እዩ። እዚ ኣጠማምታ ብቀንዱ ነቲ ናይ ሓባር ሰብኣዊ መንነት ዝጎሰን፣ ኣብ መንጎ ኣባላት ዝተፈላልዩ ጉጅለታት ዘለዉ ሰባት ናይ ሓባር ጠባያቶምን ድሌታቶምን ኣብ ግምት ዘየእቱን እዩ። እዚ ንሰብ ዝኸፋፍል ኣረኣእያ ኣብ ዓለምና ጠንቂን መሰረትን ናይ ዓበይቲ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ኮይኑ ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ሰፊሩ ኣሎ። ኣስላም ምስ ክርስትያን፡ ጸሊምን ጻዕዳን፡ ቱትስን ሁትን እንደተባህለ ክንደይ ደም ዘይፈሰሰ፡ ገና እውን ይቕጽል ኣሎ። ስለዚ እቲ ምርጫ ናባና እዩ፡ ዝኣክል ሓበሬታ ዘለዎ ዝሓሽ ወሳነ ይውስን ዲዩ ዝባሃል። እቲ ዝዓበይ ሰብኣዊ መንነትና እንዳ ኮስኮስና፡ ዝያዳ...more0minPlay
June 20, 202003 - ምቅዋም | Believe in |ምቅዋም ብዛዕባ ኣንጻር ፣ ጸረ እቲ ዝቖመ ምዃን ዶ ወይሲ ናይ ገዛእ ነፍስኻ ኣቛም ክህልወካ ምኽኣል፧ንምጅማሩ ክጥዕመና፣ ካብ ኣዛራርባ ወለድና ዝውቱር ዝኾነ መግለጺታት እስከ ነስተብህልሓዳሩ ዝወጸ: ስራቤት ኣቒሙ ይባሃል።ርእሱ ዝኸኣለ ወይ ምሉእ ጥዕና ዘለዎ: ብኽልተ እግሩ ቆይሙ ይበሃል።ዓንድታት ዘለዎ ገዛ: ብ ኣርባዕተ ወይ ሸሞንተ ኣዕኑድ ቆይሙ ይበሃል።እዚ ኣበሃህላ’ዚ ፣መስሪቱ፡ ደልዲሉ፡ ደው ኢሉ ወይ ነብሱ ኪኢሉ የስምዕ። በንጻሩ፤ኣብ ቃሉ ዘይጸንዕ: ዝኣተዎ ውዕል ዘይሕሉ ወይ ዘየተግብር ሰብ፣ ኣቕዋም ዘይብሉ ብምባል ይግለጽ።ግምጥል ግምጥል ዝብል ወይ ወገሓ ጸብሐ ሓሳብቱን መርገጺኡን ዝቀያየር ሰብ: ቖዋሚ ኣተሓሳስባ ዘይብሉ ይብሃል።ዝርከበሉ ሓደ ፍሉጥ ቦታ ዘይብሉ ሰብ “ዘይቆውም መትሓዚ ዘይብሉ” ብምባል ይግለጽ።እዞም ዝተጠቕሱ ኣዘራርባታት፣ ምንቅስቓስን ደውታን ከመዘሎ የመልክቱ። ምንቅስቓስን ምቛምን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዶ ዋላስ፡ ኣብ ሓሳብን መትከልን ምንቅስቓስን ምቛምን። ከም ዝመስለና ንኽልቲኡ ምንቅስቃ ናይ ቦታን ምንቅስቓስ ናይ ሓሳብ ወይ መትከልን ይገልጽ እዩ ንብል። እዚ ሕጂ ክንዛረበሉ ደሊና ዘለና ግን ምንቅስቓስን ምቛምን ኣብ ኣተሕሳስባን ኣብ ስራዓትን እዩ። እዚ ቃል እዚ ደኣ ምስ ምቅዋም እንታይ ርክብ ኣለዎ’ዶ ትብሉ ኣለኹም ?"ምቅዋም" ዝብል ቃል ካብ "ቆመ" ማለት ጠጠው በለ ዝብል ቃል ዝመንጨወ እዩ። ንብዙሕ ዝዛረብ ሰብ "ተዛራቢ" ንብሎ ፣ ከምኡ`ውን ዝቕየም "ተቐያማይ" ፣ ንበለጽ ዝፈቱ "ተበላጺ" ፣ ካብ`ዚ ብምብጋስ ከኣ ንዝቖመ ወይ`ውን ዝቖመት "ተቓዋሚ ወይ ተቓዋሚት" ኢልና ክንርድኦ ርትዓዊ ኮይኑ ንረኽቦ።ከም ዝዉቱር፤ ተቓወምቲ ዝብል ኣምር ምስ`ቲ ጸረ ወይ ተጻረርቲ ዝብል ቃል ሓደ ትርጉም ከም ዝህቡ ጌርና ኢና እንርድኦ። "ጸረ" ብዛዕባ ኣንጻራዊ እቲ ዝቖመ ይሕብር ፣ ምቅዋም ግና ብዛዕባ’ቲ ከተቑሞ ፣ ክትሃንጾ ፣ ክትድግፎ ዝደለኻ እዪ ዘተንብህ። ጸረነት ኣብቲ ዘይትደልዮ ነገራት ወይ ኩነታት ከተኩር ከሎ፤ ተቓዋምነት ግን ኣብቲ እትደልዮ ኩነታት ወይ ኣገባብ ምህናጽን ምቕዋምን የተኩር። ካብዚ ተበጊስና ንምንታይን ብኸመይን ንቃወም ዝብሉ ሕቶታት ከነልዕል ንኽእል ። ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ ብሓሳብ ድዮ ብተግባር ዝቖመ ምስ ዘይንቅበል ክንቀሳቐስ ንግደድ ፣ ዉዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ምንቅስቓስና ናብቲ እንደልዮ ኣቋዎም ንምህናጽ ነማእዝኖ ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ መቖሚ ዝኾነና ስነሓሳባት ድዮ ስርዓት ብምውናን፤ እቲ እንደልዮ ለውጢ ክንነብሮን ከነንጻባርቖን ምስ እንጅምር ተቓወምቲ ንኸውን። ወዲሰብ ምንቅስቓስን ምቛምን ትዉህብትኡን መፉጥርቱን’የን። ከምኡ ድማ እቲ ቖይሙ ክነብር ዝፍትን ከም ዝዓቖረ ማይ ይጨኑ ፣ ነቲ ዝቖመ ጸሊኡ መዕረፊ ነጥቢ ኣብ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ዝህዉትት ድማ ከምቲ መአከቢ ቀላይ ስኢኑ ኣብ ምኹብላል ዝሃፍፍ ዉሕጅ ይመስል። እቲ መጀመርታ ኽፋል ምቅዋም ፤ ማለት "ምንቅስቓስ" ኣህላኺ እኳ እንተኾነ እቲ እተቖመሉ ክፋል ምስ በጻሕካ ግን ብዛዕባ ዕረፍትን ፣ ህድኣትን ፣ ሰላምን እዪ። እቲ ሰናይ ስርዓትን ኣገባባትን ብዘይ ምፍጣር ዝቐውም ጉዕዙይ ስርዓት ግን ዉጺኢቱ ሓሳርን መከራን ስደትን’ዩ። ኣብ ሃገርና ሕጊ ስለ ዘይቖመ፤ ሕጊ ኣልቦነት ቖይሙ ይርከብ። ፍትሒ ስለ ዘይቖመ፡ ዓመጽን ዘይተሓታትነትን፡ ዘይሰብኣዉነትን ቖይሙ ይርከብ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝነቐለ ማእለያ ዘይብሉ ክፋል ህዝብና ቤቱ ገዲፉ ብሰላም ሂወቱን ናብርኡን ከቑመሉ ናብ ዘኽእሎ ክፍለ ዓምለ ፋሕ ኢሉ ንሪኦ። ኣብ ሰደት ይኹን ኣብ ዉሽጢ ሃርገና ድማ ነዚ ቖይሙ ዘሎ ክፋእ ክኣልይን፡ ሰናይ ክርኢ ዝብህግን ኣእላፍ’ዩ። ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ድማ፡ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ተቓዋምቲ ዝብል ቃል ብብዝሒ እንጥቀመሉን እንሰምዖን ቃል ኮይኑ ኣሎ።ንምዃኑ ምቅዋም: ምጽራርን ምጽባእን ድዮ ፧ ኣይመስለናን ። ምቅዋምና ናብ እንኣምነሉ መርገጺ ብምንቅስቓስ ነቲ ባህ ዝብለና ኣብ ምቛሙን ፣ ምህናጹን እንተ ኣቶኲሩ ድኣ’ዩ ፍረ ዝርከቦ እምበር: ግዜና ፣ ሓይልና ፣ ሂወትና ኣብ ምጽራር እቲ ዝቆመ እንተ ዊዒሉ ብኽነት ጥራይ’ዩ። ብናትና ኣረዳድኣ ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ቆይሙ ዘሎ ግናይ ፣ ተሓሲብሉ ን ተሰሪሑለን ዘይኮነስ ፣ እንታይ ደኣ ስኣን ዓቕሚ ስእነት ፣ ሰናይ ክቐውም ብዘይምኽኣሉ ብኸም ዓዲ ዉዒል ሓሳብ ዝፈጠሮ ክዉንነት እዪ። እቲ ቅዋም ኢልና ከነቑሞ ዝፈተና እኳ ጥቃ ሙቛም ኣይቀረበን። ስለዚ ሓይልናን ግዜናን ምንቅስቓስናን ነቲ ከነቑሞ ንደሊ ዘለና ኩነት ኣብ ምህናጽን ምልባስን እንተውዒልናዮ ዝበለጸ’ዩ ኢልና ንሓስብ።ከምቲ ዝዕለል ኣብ ዓድና ጽንኩር ግፋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፣ ሓደ ጎበዝ ነቶም ክገፍዎ ንዝመጹ ወተሃደራት "መንቀሳቐሲ ወረቐት" ኢሎም ምስ ሓተትዎ "ኣነ ደኣ ዘይንቀሳቐስ ዘለኹ ፣ ከም`ዛ ትሪኡኒ ዘለኹም ኮፍ እንድየ ኢለ ዘለኹ" በሎም ይበሃል። በዚ ዕላል ኣቢልና፣ ነዞም ተቓወምቲ ፣ ደገፍቲ እናተበሃልና እንስመ ሕብረተሰብ ፤ ነየናይ ዝቖመ ኢኹም እትድግፉ ፤ ወይ ውን ኣየናይ ትሃንጽዎን ዝቖምኩሙሉን ኣካይዳ’ዩ ተቓወምቲ ዘብለኩም ተባሂልና እንተንሕተት’ሲ ፣ መልስና እንታይ ምኾነ ኢልና ከነስተንትን ንደሊ።ኩቡራት ኣንብብትን ተኸታተልቲን እዚ መደብ፣ በዚ ሓዲሽ ዝመስል ኣረዳድኣን ኣገላልጻን "ተቓዋምቲ" ዝብል ቃል፡ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣበሃህላ ህዝብና ምርኩስ ብምግባር እዞም ዝስዕቡ ጦብላሕታን ጽልዋትታን ከነካፍለኩም ንደሊ። ኣብ ብሕታዊ ሂወትና ይኹን አብ ህዝባዊ ዕዮና፡ ዝሃነጽናዮ ወይ ውን ዘቖምናዮ ኣሎዶ ኢልና ምሕታትን፡ ከም ኣባሃህላ ወለድና ካብቶም መቖሚ ዘይብሎም ዲና ወይስ ካብቶም ዝቖሙ ኢና ኢልና ንነብስና ምፍታሽን አዚዩ ጠቓሚ ኢዩ። ዝሓሸ ሂወት ወይዉን ኩነትታ ንምርካብ እንገብሮ ስራሕን ጻዕርን፡ ጸረ እቲ ዝቖመ ግናይ ዶ ወይስ ምህናጽ እቲ እንቖመሉ ሰናይ፡ ምስትብሃሉ አገዳሲ’ዩ። ወደሓንኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ...more0minPlay
June 13, 202002 - ሩሕሩሕ | Compassionate |ሰብ ፍጥር ካብ ዝብል ክቡር’ዩ፡ ምኽንያቱ ብምስሊ ፈጣሪኡ ስለ ዝተፈጠረ። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ክኣ ኣብ’ዛ ዓለም ልዕሊ ኩሎም ፍጡራት ዝቁጸር። ሰብ ሰብ ስለ ዝኾነ ጥራይ’ዩ ሓልዮት፡ ክብሪ፡ ፍቅሪ፡ ምንክብኻብ፡ ድንጋጸ ዝግቦኦን - ሰብኣውነቱ ዝኽበረሉን። እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ብቡዙሕ መንገዲ ይንጸባረቕ’ዩ (ዝነበረ’ዩ ምባል’ውን ይቐልል)። ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ልምድን ካብ’ቶም ዓንድታት ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰብና ምኻኖም ካብ ንጥፈታት ስድራና ክንርዳ ንኽእል ኢና። ከም ኣብነት ርሕራሐ ሉሙድ ባህሪ ኣዴታትና’ዩ። ርሕርሕቲ ኣደ ብዘይ ኣፈላላይ ቅድመኹም ይስጥሓኒ ብምባል ድልውነታን ድንጋጸኣን ንጸገምካ ንምቅላል ወደይ ጋለይ ባሃሊት’ያ። ከተጸናንዕ ትቃዳደም ክትእብድ ወትሩ ቅርብቲ፡ እልልታኣን ንብዓታን ዘይትበቅቕ። ኣብ ማዓልታዊ ንጥፈታታ ብዝኸደቶ ተዓንቂፉ ወይ ተሸጊሩ ንዝርኣየቶ ብዘይ ተጉላባነት ሰብኣውነት ዝመሎኦ ርሕራሐ ትምጥወሉ። ዋላ ዉን ንምሕጋዙ ኣቕሚ እንተሓጸራ፡ ሰብኣዊ ተግባራታ መን ወዲ መን ከይበለት ትፈጽሞ። ሰብኣውነት ብዘይ ዚኾነ ቅድመ ኩነት ንኹሉ ሰብ ከምዝምልከት ትምህረና። ስለ ሩሕ ወዲ ሰብ ክትብል ርሕራሐ ትግበር፡ ኩሉ ሩሕ ዘለዎ ፍጡር ወዲ ሰብ ሰብኣዊ ርሕራሐ ከምዝግብኦ ከይሰልከየት ተርእየና። ካባና ክንደይ ኢና ነዚ ብኣስተብህሎ ንጥምቶን ተገዲስና ነስተንቱኖን? እምበር ርሕራሐን ሰብአውነትን ዳኣ ብኸመይ ይዛመዱ ንዚበል ሞጎት፡ ካብ ባህሪ ኣዲታትና ብምትእስሳር ክንመሃሮ ንኽእል ኢና። ካባና ቡዙሓት ሰብኣዊ መሰል ባዕዳዊ ኣምር ይመስለና ይኸዉን። ምልስ ኢልና ብዕምቆት ምስ እነስትብህል ግን፡ ብዝረጎደ መንገዲ ኣብ ሕብረተሰብና’ውን ንረኽቦ ኢና። ነዚ ንምግባር ነቲ ዓሚቅ ዝመስል ግን ክኣ ንዘስተብህል ቀረባዝኾነ ትርጉም ርሕራሐ ምፈታሽ ኣገዳዚ ዩ።መሰረተ ቃል “ሩሕሩሕ”: ካብ ሩሕ ዝብል ነብሱ ዝኸኣለ ትርጉም ዘለዎ ቃል’ዩ። ኣስዒብና ኸአ: ነዚ ቓል እዚ: ክልተ ግዜ "ሩሕ" ምስእነድምጽ ወይ’ውን እንጽሕፍ “ሩሕሩሕ” ናብ ዝብል ካልእ ትርጉም ዘለዎ ቃል ይህበና ። ትርጉም "ሩሕ" እቲ መስረታዊ ክውንነትና ወይ’ውን ህላዌ ናይ ሰብ “እስትንፋስ” ሙኻኑ ነስተብህል . . . ንኣብነት ሰብ ምስ ዝመውት "ሩሕ" ሓሊፉ ንብል፣ ትንፋሱ ሓሊፋ ካኣ የስምዕ ፡፡ስለ’ዚ ካብ’ዚ መስረታዊ ኣተሃናንጻ እዚ ቃል፡ ሩሕሩሕነት ብዛዕባ ሩሕ ምኻኑ ንመሃር። እሞ ርሕረሓ ኣብ ሩሕ ዝተመስረት እንተኾይኑ: ኩሉ ሩሕ ዚውንን ወዲ-ሰብ ክኣ ስለ እታ ዝተዋህበቶ ሩሕ ክኸብር አዩ ዘለዎ፡ እዚ ካኣ ሰብኣዊ ክብሪ ንብሎ። በሉ’ስከ እሕዋት፡ ርሕራሐ ኣካል ባህልናን ልምድናን ኮይኑ ካብ ረኸብናዮ፡ ዕምቆት ትርጉሙ ውን ካብ ሓዝና፡ ንነብረሉ ዶ’ለና ኢልካ ምሕታት እቲ ክስዕብ ዘልዎ’ዩ። እስከ ህላውነትና ንፈትሽ፡ ምኻን እኮ እቲ ከም ጽሕይ ቅትሪ ንኹሉ ዘምረረ ህላወና፡ ጸላኢና ኣይንበሮ ዘብል’ዩ። ካብ ሰብኣውነት ተበጊሱ ርሕራሐ ዝገብር ሕብረተሰብ ዳኣ ሕጂ እንታይ ወረዶ? ከም ንምኮሮን ንዕዘቦን ዘለና፡ ህዝብና ብጭካነ ኣደዳ ክፋእ ኮይኑ ኣሎ። ሰብኣውነቱ ተቐንጢጡ፡ እቲ ቅድመኻ ይስጣሓኒ ዝለመደ ነብሱ ኣብ ትሕቲ ጉድጋድ ተሰጢሑ መከርኡ ጸጊቡ ኣሎ። እዚ ሕቶን፣ ግደን ንባኻን ናባይን እዩ፡ ከም’ታ ርሕርሕቲ ወላዲት ብዘይ ኣፈላላይ ቅድመኻ ይስጥሓኒ እትብል፡ ሓወይ ሓፍተይ ዶ ንብል ኣሎና ወይስ ሰብን ሰብኣውነትን ሓዲግና እንዳን መቦቖልን ሃይማኖትን ነውርድን ነደይብን? እቲ መልሲ ካብ ክዉንነት ኣይሕልፈን’ዩ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝብገስ ርሕራሐ ሓቅነት የብሉን፡ኣሹንኮይ ዶ ዓዲ ክእቱስ ኣየቃንይን’ውን። ኣብ ሕብረተሰብና ርኡይ ናይ ርሕርሐ ምጉዳል ይረአ ከምዘሎ ኩልና ንምኮሮ ኣለና። እሞ እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፋና’ዩ ዘሎ። ሰብኣውነት ንኽዓብን ክብረትና ክምለስን፡ ርሕራሐ ነዐቢ - እዚ ማለት ብዘይ ኣፈላላይ ሰባት ምኽባር፡ ሓልዮት ምርኣይ፡ ተደናገጽትን፡ ሓዳጋትን፡ ተሓጋገዝቲን ምኻን ንላማመድ። ምስ እንርሕርሕን: ሩሕና ምስ ሩሕ ሓውና ወይ ሓፍትና ኣብቲ መስረታዊ ሰብኣዊ ክውንነት ወይ’ውን ሩሕ (Being) ወሪድና ምስ እንዋሳእን: መዓሙቕ ልብና ይኽፍተልና እሞ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ርሕሩሓን ንኸውን ። ኣብ መደምደምታ፣ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ሩሕ ኮይኑ ሩሕ ዝሃበና ብኸምዚ ከኣ ንሕና ሩሕ ተቐቢልና ንካላኦት ሩሕ ንኽንከውን ንጽዋዕ ።ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ኣብዚ ጠዉቑ ።...more0minPlay
June 06, 202001 - ስርዓት ቡን | Coffee Ceremony |ዕላል ስርዓት ቡን ኣብ ሞንጎ ቆልዓን ዓባዩን። ኣብ`ዚ ሀገር ኣመሪካ ብዛዕባ ዓጀባን ድምቀትን ስርዓት ቡን ዝተገረመ ቆልዓ ፣ "ዓባየይ ንምንታይ እዚ ኹሉ ጋዕገልጠም ፧ ንቡን ንምስታይ እዚ ኩሉ ሰራሕ" ብምባል ንዓባዩ ይሓታ እሞ...ዓባዩ ፤ ለባም ሕቶ ዝወደይ እንተ እዛ ጋዕገልጠም ዝበልካያ ትርፊ ዘረባ ገዲፍካ ንእሽቶ ኢኻ እሞ ኣእምሮኻ ክፈቶ ። ሕተት ዳኣ`ምበር ዛዛሚ ኣዘራርባ ንእርጋን ይኹነልካ ብምባል ንዝያዳ ኣፍልጦን ፣ ምህሮን ንዕላል ትዕድሞ ።ቆልዓ ፤ እስከ ንገርኒ ንምንታይ እዚ ኩለ ሰራሕ ኣንቲ ዓባየይ ብምባል ካብ`ቲ ዘስልጦ ዝነበረ ስራሕ ኣቚሙ ፣ ወንበር ስሒቡ ኮፍ በለ ።ዓባዩ ፤ ግርም! ኮፍ በል ዝወደይ - ዓጀባ ቡን ንሸዉሃት ኣእዛና ፣ የዒንትና ፣ ኣፍንጫና ፣ የርዉየልና ብዓቢኡ ኸኣ ጣዕሚ ኣወል ፣ ካልኣይ ፣ ሳልሳይን ወልፊና የዉጻልና።... ክውስኸልካ ኸኣ፣ እቲ ኣብ መኣዲ ቁርሲ ቡን ዝርከብ ዕላልን ወግዒን ንልብና ይፍውስ ብምባል ይምልሳ እሞ...ቖልዓ ፤ ብምድንጻዉ ብኸመይ ኣንቲ ዓባየይ ፧ዓባዩ ፤ ከመይ ዶ ኢልካ ዝወደይ ፧ ስርዓት ቡን ድሕሪ ኹሉ ኣቑሑ ቡን ምቅርራብ ቡን ሻሕ...ሻሕ...ሻሕ ብዝብል ድምጺ እናተቀልወት ምስ`ቲ ጸጸኒሑ ጣዕ...ጣዕ ዘድምጽ ቡን ብፍሉይ ወልፊ እዝኒ ብምርዎይ ትጅምር ።ብምስዓብ ቡን ምሰ ተቐልወ ምኡዝ ሽቱኡ ምስቲ ቦሎኽለኽ እንዳበለ ዝወጽእ ትኪ ብኢድ ንክጋላህ ናብ ተሳተፍቲ ክቐርብ ከሎ ወልፊ ኣፍንጫ ፣ ዓይኒ ፣ ኢድ እዪ ዘርዊ።ድሕሪ ምዉቃጥን ምፍላሕ ቡን ምስ ጥዑም ዕላል ተሰንዩ ኣብ ንኣሽቱ ፈናጅል ሰፊሩ ቐዳመይቲ ፣ ካልኣይቲ ፣ ሳልሰይቲ እናተባህለ ወልፊ ርእስና እዩ ዘርዉዪ።ጥዑም ዝጠዓመት መልሓስ ከኣ ጥዑም ፣ ጥዑም ፣ ጥዑም እናበለት ኣፈኛ ኹለን ህዎሳትና ኾይና ጣዕሚ ትምስክር ኢለን ኣዘንተዎሉ።ቖልዓ ፤ ኣየ ዓባየ ጽብቕ! እዚ ቀዳማይ ፣ ካልኣይ ፣ ሳልሳይ እንዳበልኪ ትደጋግምዪ ከ ደኣ ብዛዕባ እንታይ`ዩ ኢሉ ዳግማይ ሓተተ።ዓባዩ ፤ ዝወደይ ኣወል ፣ ካልኣይ ፣ ሳልሳይ ኢልና ንደጋግሞ ሲ ንሕና ደቂ ሰባት ብተፈጥሮና ንጡዑምናን ፣ ሰናይናን ፣ ጽቡቕናን ቀቀልጢፍና ስለ እንርስዕ፡ ንግናይናን ፣ መከራና ግን ዘይንርስዕ ስለዝኾና እዪ ጥዑምና ብምደጋግሞ ልብና እንተ ተሰቆሮ ኢልና ኢና መለሳሉ።ቖልዓ ፤ ዓሚቚ ጥበብ ዓባየይ ! ሎሚ ተማሂረ ። ኣማን ብኣማን የዒነተይ ከፊትክለይ ብምባል ካብ`ታ ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ መንበር ተንሲኡ ናብ ስርሑ ወፈረ በልናኩም።ኣብ`ዚ ሎሚ ዘመን ዝብላዕ ን ዝስተን ዘይተሳእናሉ ግዜ ኩልንትናዊ ሰብነትና ይምገብ ዶ ኣሎ ወይስ ስቕ ኢልና ኢና ብሸበድበድ ከስዕና ንመልኦ ዘሎና ኢልና ከነስተንትን ይከኣል ፧ገለ ክፋላት ኣካላትና ጠምዩ ከይህሉ ኩልንትናዊ ሰብነትና ምፍታሽ ዘድልየና ይመስለኒ ፧ጥዑምና እነለልየሉ ፣ ሰናይና ብዕምቈት ነስተማቕሮሉ ከምኡ`ውን እህህታና ፣ ስክፍታና እነካፍለሉ ፣ እንስማዓሉ ፣ ንሰማምዓሉ እዛ ንእሽቶ እዉን ትኹን መኣዲ ቁርሲ ቡን ዶ ኣሎና ኢልና ክንሓትት ይከኣል ፧ኣየ ንሕና ናይ`ዚ ዘመን ሰብ መንበሪና ሸበድበድ ኮይኑ ፧ኣብ ሸበድበድ መን ምስ ነበረ እሞ መንበሪ ኣድራሻና ክኸውን ፧መኣዲ ወለድና ኣይኽልኣና ! ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ...more0minPlay
May 30, 2020መእተዊሉጥርግያ ግእዝ ስራሕ ህዝብና እንታይ እዪ ኔሩ ፧ ወይ`ውን ዕዮ ህዝብና ከመይ ይመስል ፧ ብዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታት ንጉዳይ "ሉጥርግያ ግእዝ" ክንፍትሾ ይከኣል። ሉጥርግያ ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ ላቲን ዝመንጨወ ኮይኑ ፣ ብሕጽር ዝበለ "ህዝባዊ ዕዮ" ወይ`ውን "ህዝባዊ ስራሕ" ዝብል ትርጉም ይህበና። ከም`ቲ ንሕና ደቂ ሰባት ብብሕትና ስራሕ ወይ`ውን ዕዮ ዝህልወና ፣ ከምኡ`ውን ሓደ ህዝቢ ወይ ሕብረተሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓባራዊ ዕዮን ስራሕን ክህልዎ ናይ ግድን ይኸውን ኢልና ንሓስብ። ምእንቲ`ዚ እዪ ኸኣ መደብና ፣ ስራሕ ህዝብና እንታይ ኔሩ ኣብ ዝብል ዓዉዲ ዘተኩር ፤ ብሕልፊ እኳ ደኣ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ዕዮ ህዝብና ብምስትንታን ምርድኡ ኣገዳሲ ቅድመ ኮነት ንምትላም እዋንውን መጻእን ስርሓትና ምኮኑ ምርዳ ኣድላይ ኮይኑ ንረክቦ። ዕዪ ህዝብና ኣብ ግዜ ሓጎስ ማለት ከም እኒ መርዓ ፣ ጥምቀት ፣ መመረቕታ ፣ ዝተፈላለዩ ዓመታዊ ጽምብላት ከምኡ`ውን ኣብ ግዜ ሓዘን ወይ’ውን ሽግር ከም እኒ ሞት፣ ድርቂ፣ ባህርያዊን ሰብኣዊን ሓደጋታት ዝፍጸሙ ኣገባባትን ንጥፈታትን ፣ ከመይን እንታይን ይመስሉ ፣ ዝንገሩ ብሂላት እንታይ የመልክቱ ፤ ብምባል ክንፍትሾን ክንርድኦን ንኽእል። ምዕባይ ርዲኢት ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ከምኡ ድማ ኣብ`ዚ 21 ክፍለ ዘመን ብኸመይ ሃናጽን ኣድማዕን ትርጉም ክዋሃቦ ይኽእል ንዝብል ሕቶ ምላሽ ንክንረክበሉ ይሕግዝ። ነዚ ንምስልሳል ድማ ጦብላሕታዊ ርድኢታት ምርኩስ ብምግባር፣ ሉጥርግያ ግእዝ ከም ዓዉዲ መሳርሒ መደብና ከምእንጥቀመሉ በዚ ናይ መጀመርታ ጽሑፋትና ንኣንበብቲን ሰማዕትን እዚ መደብ ከነበስረኩም ንፈቱ። ብናትና ርድኢት፣ ሉጥርግያ ግእዝ ኣፍሪቃውን ማእከላይ ምብራቃዊን ጽልዋታት ከምዘለዎ ተገንዚብና ኣለና። ነዚ ኣመላኻኽታ ንምፍታሽን ፣ አብ ዝሓለፈ መዋእል ዕዪ ህዝብና ምርኩስ ብምግባር ንካልኦት ስፍሕ ዝበሉ ዓምድታት ብምልዓልን ፣ ኣብ`ዚ ዘመና ኮይና ዕዮ ህዝብና እንታይ ክኸውን ይግባእ ንዝብል ሕቶ ምላሽ ንምንዳይ ዓቕምና ብዝፈቐዶ ሰሙናዊ ጦብላሕታዊ ትንተናታት ከነቕርብ ምዃና ንተኸታተልቲ እዚ መደብ ንሕብር። ዝሓለፈ መዋእል ስራሕ ህዝብና ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊን ብሕታውን ንጥፈታት ዝተፈላለየ ርዲኢትን ኣፍልጦን ክዎሃቦ ይኽእል’ዩ። ኣብ`ዚ ኣዋን’ዚኸ ዕዮ ህዝብና እንታይ ክኸውን ይግብኦ ኣብ ዚብል ዛዕባ፡ ኣብ እንደልዎ ጦብላሕታዊ መደባት፡ ኣንበብትን ሰማዕትን እዚ መደብ ጦብላሕታዊ ርኢቶታትኩም ከተካፍሉና ብትሕትና ንዕድም ። ኣዳለውቲ መደብ ሕዉየት ን ሉጥርግያ ግእዝ! ብድምጺ ንምስማዕ...more0minPlay
May 03, 2020ኣብ ቀረባ መጻኢ!!ኣብ ቀረባ መጻኢ!!እዚ መባእታዊ ንባባት ቁርሲ ቡን፡ ንኣብ`ዚ ዓለምና ብብዙሕ መዳያቱ እትስጉሞሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ኣረዳድኣ ሕብረተሰብና ምርኩስ ብምግባር፡ ብኸመይ ምስ ናይዚ ክፍለ ዘመን ኣረዳድኣ ኣተሓሒዝና ንርድኦን ንነብሮን ኣብ ዝብል ስነ ሓሳብ ማእከል ብምግባር ንሓዲሽ ተኽእሎታት ይፍትሽ።መስርሕ ኣጸሓሕፋን ዝርርብን ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ጽሑፋት እዚ ዝስዕብ ስርዓት መጽናዕቲ ይኽተል ፡ • ቀጥታዊ ትርጉም (Direct interpretation)• ኩዕታ (Exploration)• ጦብላሕታ (Reflection)• ሕቶ (Question)• ጽልዋ (Influence)እዞም ኣገባባት ምርኩስ ብምግባር፡ መደብ ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ጽሑፋት፡ ነዚ 21 ክፍለዘመን ሰብ ሸዉሃት ብዝጥዕም፡ ንዝተፈላለዩ ሓሳባት ከምእኒ ስርዓተ-ቡን፡ ርሕርሐ፡ ምቅዋም፡ ሰብ፡ ዓለም፡ ፍትሒ፡ ዕርቂን . . . ወዘተን ዝብሉ ኣርእስታት ብምልዓል ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ንንእሽቶ ጽሑፍን ዝርርብን ን ሰማዕታ ትዕድም።እዚ መደብ ንድሕሪት ወለዶታት ብምምላስ፡ ስራሕ ህዝብና እንታይ እዪ ኔሩ ወይ`ውን ዕዮ ህዝብና ከመይ ይመስል ብምባል ጦብላሓታዊ ሓሳባት የካፍል። ሓደ ካብቲ ዕላማ እዚ መደብ፡ ዕዮ ህዝብና ብምስትንታን ርድኢት ናይ ብዙሓት ምዕባይ እዩ። ከምዚ ብምግባርና ድማ ንእዋናውን መጻኢን ኣካይዳ ሂወትና መሰረት ንምንጻፍ ሓጋዚ እዩ ኢልና ንኣምን። ሓደ ህዝቢ ወይ ሕብረተሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓባራዊ ዕዮን ስራሕን ኣለዎ። ኣብ ስራሕ ህዝብና ዝተፈላለየ ርዲኢትን ኣፍልጦን ክህልወና ይኽእል’ዩ፡ እዚ መደብ እንባኣር መቐጻልታ ዕዮ ህዝቢ ኮይኑ፡ ብመልክዕ ጦብላሕታዊ ንባባትን ዝርርብን ርዲኢት ብዙሓት ብምእንጋድ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ከመይ ጌርና ነቶም ዓሞቕቲ ልቦና መለድና ንላበሶምን ንነብሮምን ኢሉ ይሓትት። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ`ዚ እዋን’ዚ ዕዮ ህዝብና እንታይ ክኸውን ይግብኦ ኣብ ዝብል ዛዕባ ሓሳባት የካፍል። ገለ ካብ ኣርእስትታ መደባትና ንምጥቃስ ...ስርዓት ቡንስርዓተ ቡን ኣብ ህዝብና፡ ሓደ ማኣዲ ናይ ዝምድናና ነደልድለሉ፡ ናፍቆትና ነውጻኣሉ፡ ኣእምራውን መንፈሳውን ጎንና እነጠንክረሉ ስርዓት እዩ ኢልና ንኣምን። በዚ ካኣ ኩለንትናዊ ደሌታት ናይ ሰብነትና እነዕግበሉ ማኣዲ’ዩ ንብሎ። ካብዚ ተበጊስና፡ ኣብ`ዚ ሎሚ ዘመን ዝብላዕ ን ዝስተን ዘይተሳእናሉ ግዜ ኩልንትናዊ ሰብነትና ይምገብ ዶ ኣሎ ወይስ ስቕ ኢልና ኢና ብሸበድበድ ከስዕና ንመልኦ ዘሎና ኢልና ነስተንትን። ሩሕሩሕርሕሩሓት ኣዴታትና ብዘይኣፈላላይ ቅድመኹም ይስጥሓኒ ብምባል፡ ስለ ሩሕ ወዲ ሰብ ክብጀዋ ይቀዳደማ፣ ከምኡ’ውን ንኹሉ ሩሕ ዘለዎ ፍጡር ወዲ ሰብ ሰብኣዊ ርሕራሐ ሓልዮትን ብምርእይ፡ ሰብኣዊ ልዕልና ይምህራና። እዚ ርሕረሓ ባህሪ ኣዴታትና መሰረት ሰብኣውነት እዩ ኢልና ንኣምን።፡ ምኽንያቱ “ሩሕሩሕ” ዝብል ቃል ካብ ሩሕ ዝብል ነብሱ ዝኸኣለ ትርጉም ዘለዎ ቃል’ዩ ዝብገስ። ኣስዒብና ኸአ: ነዚ ቓል እዚ: ክልተ ግዜ "ሩሕ" ምስእነድምጽ ወይ’ውን እንጽሕፍ “ሩሕሩሕ” ናብ ዝብል ካልእ ትርጉም ዘለዎ ቃል ይህበና ። ትርጉም "ሩሕ" እቲ መስረታዊ ክውንነትና ወይ’ውን ህላዌ ናይ ሰብ “እስትንፋስ” ሙኻኑ ነስተብህል።ኣዴታትና እንበኣር ብዘይ ኣፈላላይ ሰለ ሩሕ ወዲ ሰብ ክብጀዋ ምፍቃደን፡ ንልዕልና ሰብኣዋነት ዶ ኣይኮነን፡፡ ምቅዋም"ምቅዋም" ዝብል ቃል ካብ "ቆመ" ማለት ጠጠው በለ ዝብል ቃል ዝመንጨወ እዩ። ንብዙሕ ዝዛረብ ሰብ "ተዛራቢ" ንብሎ ፣ ከምኡ`ውን ዝቕየም "ተቐያማይ" ፣ ዝብለጽ "ተበላጺ"፣ ንዝቖመ ወይ`ውን ዝቖመት ድሞ "ተቓዋሚ ወይ ተቓዋሚት" ንብሎም። ስልዚ ምቅዋም ብዛዕባ’ቲ ከተቑሞ፣ ክትሃንጾ፣ ክትድግፎ ዝደለኻ ስርዓት ወይ መደብ ዕዮ እዩ ንብል። ከምቲ ብዙሓት ዝርድእዎ ምቅዋም ብዛዕባ ምጽራር ዘይኮነስ፡ ምቅዋም ብዛዕባ ምህናጽ እትደልዮ ስርዓት እዩ። ካብዚ ተበጊስና ንምንታይን ብኸመይን ንቃወም ዝብሉ ሕቶታት ነልዕል። ነዚ መደብ ንምክትታል ኣብዘን ዝስዕባ ማሕራዊ ሜዲያትታ ክትረኽቡና ትኽእሉ - Facebook , Youtube , Apple-Podcast, Google-Podcast, Spotify , iHeart-Radioኣብዚ መደብ ንምስታፍ ድማ፡ ናብ [email protected] ኢሜል ለኣኹልና። ኣዳለዉቲ መደብ - ኣሮን ሓጎስ- ፊሊጶስ ሃይለሚካኤል- ኮኾብ ጎይትኦምተሓጋጋዚት መደብ- ስቴላ መሓሪ ምስጋና - ንጥዑም ዜማትታ ኣቦና መምህር ተወልደ ረዳ. ብዛዕባ ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት...more0minPlay
FAQs about ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት:How many episodes does ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት have?The podcast currently has 58 episodes available.